፭ይ ሰንበት ዘአስተርእዮ (ዘጻድቃን) የካቲት 14 2013 ዓ.ም. (2/21/2021)

መዝሙር፦ ተበሃሉ ጻድቃን . . . ጻድቃን አብ ነነድሕዶም ነቲ ጻድቕ ዝረአዮ ዘሎ እናበሉ ተሓተቱ፥ ኢሳያስ ንልዑል ርእየዮ በለ፥ ርእይዎ ግን ክሓቶ አይከአለን፥ ሙሴ እውን ብዓምዲ ደመና ዝረአዮ ንልዑል ርአኽዎ በለ ግን ክሓቶ አይከአለን። ማርያም እውን አብ ከርሳ ዝጾሮቶ ንልዑል ርአኽዎ በለት ርአየቶ ክትሓቶ ኸአ ክኢላ። ዮሓንስ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ዘጠመቖ ርእዩ ግን ክሓቶ አይከአለን፥ አሕዋተይ ብሓጎስ ብዓልና ንግበር ምኽንያቱ እቲ ዘይርአ ተራእዩ፥ ክርስቶስ ፀሓይ ጽድቂ ተገሊጹ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 1ቆሮ 1፡6-10፥ 2ጴጥ 1፡16-ፍ፥ ግ.ሓ. 7፡30-34፥ ማቴ 5፡17-37  ስብከት፡ እግዚአብሔር ስቡሕ በምክረ ቅዱሳን፥ ዓቢይ ወግሩም ዲበ ኩሎሙ እለ ይዓውዱ፥ እግዚኦ አምላከ ኃያላን መኑ ከማከ። (መዝ. 88፡7)። ኦ  እግዚአብሔር፣ ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ የልቦን፣ ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን። ኦ እግዚአብሄር፣ ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ኵሎም መጺኦም አብ ቅድሜኻ ኺሰግዱ፣ ንስምካውን ኬኽብሩ እዮም።

አብዚ እንነብሮ ዓለም ካብ ፍጡራት አብ ምስጢር አምላኽ ክሳተፍን ከም ዓቕሙ ክፈልጥን ዝተዓደለ ወዲ ሰብ ጥራሕ እዩ። ካብ መላእኽቲ ቑሩብ አንአስካዮ ብኽብርን ግርማን ከለልካዮ (መዝ. 8፡5) እናበለ ዳዊት ዕብየት ተፈጥሮ ሰብ ክሳብ ክንደይ ክቡርን ፍቑርን ከም ዝኾነ ይዛረብ። ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር ነዚ ምስጢር ተፈጥሮና ርኢና ምስቲ ወሃቢ ዝኾነ ፈጣሪ ክህልወና ዝግብኦ ርክብ የዛኻኽረና። አብዚ ቅዱስ ቦታ መጺእና ዘሎና ንአምላኽ ክነዕልል ክንጽሊ ክንሳሕ ምሕረቱ ክንልምን እሞ ነቲ ብጸጋ ጥምቀት ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ድሕነት አብ ምልአትን ምሉእ ውህደት ምስ አምላኽ ክንገብር እዩ። ክርስቶስ ሎሚ እውን አብ ማእከልና አሎ ናቱ ንኹን።

ዕብየት አምላኽ ርእዩ ዝኸአለ ንካልኦት ነቲ ንሱ ዝርእዮ ክርእዩ ክዕድም እዩ ዝርከብ። ስምዖን ነብይ ንአምላኽ ምስ ረአየ አብ ሕቕፉ ምስ ተቐበለ ኦ ጎይታይ ደጊም ንባርያኻ ኸም ቃልካ ብሰላም አፋንዎ ከመይ አዕይንተይ ነቲ ምድኃንካ ርእየናኦ እየን (ሉቃ 2፡29-30)፥ እናበለ ንጸጋ አምላኽ አለልዩ ዝኸአለ ዝብሎ ክብል ንሰምዖ። ስምዖን ድሕሪ ደጊም አብዚ ሕይወት ልዕሊ እዚ ዝርእዮ ዘሎኹ ስለ ዘየለ ውሰደኒ ምሳኻ ምንባር ይሕሸኒ እናበለ ለሚኑ። ብዙሓት አብ ምምናንን ምንኩስናን ዝአትዉ ነዚ አስተማቒሮም ምስ ከአሉ ካብ ዓለም ርሒቖም ይነብሩ፥ ጉዳዮም ምስ አምላኽ ጥራሕ ይገብሩ እዚ ግን ንብዙሓት ከቢድ እዩ። ብርግጽ አብ ቅድሚ አምላኽ ደው ክብል ዝኽእል የለን ግን ብምሕረቱ ብመጠኑ ክንርዳእ ክንፈልጥ የፍቅደልና። ንኢየሱስ ከለልይዎ ዝኽአሉ ብዙሓት አይነበሩን ሓዋርያት እውን የጸግሞም ነሩ እዩ፥ ግን ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ንኢየሱስ መን ምዃኑ ዘለልየ ንረክብ ጎይታይ ንስኻ ናብ ቤተይ ክትአቱ አይበቅዕን እየ ግና ሓንቲ ቃል ጥራይ ደአ ተዛረብ ወደይ ከአ ድማ ኺሓዊ እዩ (ማቴ 8፡8) እናበለ ንመንነት ኢየሱስ ርእዩ ዝኸአለ ዝበሎ አስሚዑ። ሎሚ ንሕና ንኢየሱስ ርኢና ንኽእል ዘሎና? አብ ቤቱ አብ መአዱ ንሳተፍ አሎና እሞኸ አብ ቅድሚኡ ከም ዘሎና ይስቆረና ዘሎ?።   

አብዚ ብሩኽ ሰንበት ቤተ ክርስትያን አብ ሕጊ ክርስቶስ ክነስተንትን እሞ ብኡ ገርና ምስ አምላኽ ዘራኽበና ክንርኢ ትደልየና። አብቲ ንሳ እተሰምህሮ ክነድህበሉን አብ ግብሪ ክነውዕሎን ትምህረና። ሕጊ ክርስቶስ መለኮታዊ ሕጊ እዩ. ግን ተጻራሪ ባህርያዊ ሕጊ አይኮነን። ብጥበብን ብምስትውዓልን ልቦናን ነቶም ብእምነት ዝፍጽምዎ ዝህብ እዩ። ካብቲ አምላኽ አባና ዘለዎ ፍቕሪ እዩ ዝመጽእ። ሕጊ አምላኽ ምእዛዝ ቀንድን መሠረታዊ ናይ ሕይወትን ሓጎስን ምንጪ እዩ።

አብ መጽሓፈ ሲራክ 15፡15-20 እንተ አንበብና አምላኽ ክልተ ነገራት የቕርበልና ሕይወትን ሞትን፥ ብኻልእ አዘራርባ ክንመርጽ ነጻነት ይህበና። እንተ ደአ ደሊኻ ንትእዛዛት እግዚአብሔር ክትሕልዎ ትኽእል ኢኻ. . . . ሓውን ማይን አብ ቅድሜኻ አንቢሩ አሎ ኢድካ ስደድ እሞ አብቲ ዝደለኻዮ እለኽ. . . ሕይወትን ሞትን ቀሪበን አለዋ እቲ ዝመረጾ ኸአ ኪወሃቦ እዩ። አምላኽ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ እዩ ፈጢሩና። አብ ሕይወት ክመርሓና ክሕልወና ኢሉ ሕጊ ሂቡና። ከምኡ ክንመርጽ ነጻነት ይህበና። ውሳኔ ምእንቲ ክንገብርን አብ ሕይወት ምርጫ ክንገብር ምእንቲ አእምሮ ክመርሓና ኢሉ ሂቡና።

ሙሴ ንእስራኤላውያን ን40 ዓመት ካብ ግብጺ ምስ ወጽኡ መሪሕዎም፥ አብ መጨረሻ ቅድሚ አብ ምድሪ ተስፋ ምእታዎም ምርጫ ኽገብሩ ሓቲትዎም ሎሚ ሕይወትን በረኸትን፥ ሞትን ጥፍአትን አብ ቅድመኹም አንብረልኩም አሎኹ፥ ብሕይወት ምእንቲ ክትነብሩ. . . .  ሓዲኡ ምረጹ አነ ግን ንእግዚአብሔር ክተፍቅርዎ ብመገዱ ኸአ ክትከዱ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ፍርድታቱን ድማ ክትሕልዉ አነ ሎሚ እእዝዘኩም አሎኹ (ዘዳግ 30፡15-20)፥ እናበለ ንምድሪ ተስፋ ቅድሚ ምእታዎም ክገብርዎ ዘለዎም ነጊርዎም። አብ አምላኽ ዝመደበልና ሕይወት ቅድሚ ምእታውና ክንገብሮ ዝግብአና አነጺሩ ይነግር። ልብና ረሲሑ ግብርና ካብ መገዲ አምላኽ ወጺኡ እንከሎ ምስኡ ርክብ ክህልወና አይክእልን እዩ። አብኡ ተመሊስና ንስምዓዮ ሽዑ ሕይወትና መነባብሮና ክቕይር እዩ።  

አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና አነጺሩ ዝብለና አብ ሕይወት ዝኾነ ዝገበርናዮ ምርጫ ወይ ውሳኔ ሳዕቤን አለዎ። ንሕግታቱ ክንእዘዝ እንተ መሪጽና ሕጉሳት ክንከውን ምስኡ ቀጻሊ ርክብ ክህልወና እዩ። ግን ግጉይ ውሳኔ ወይ ምርጫ እንተ ገበርና ሳዕቤኑ ወይ ፍሪኡ ክንሓፍስ ኢና። ዳዊት አብ መዝሙሩ ከም ዝብሎ ሕጉ ዙሕልዉ ብምሉእ ልቦም ዚእዘዝዎ ብፁአን እዮም (መዝ. 119፡2)። እዚ ማለት ነጻ ዝኾና ፍጡራት ከም ምዃና መጠን እግዚአብሔር ብሓይሊ አይግድደናን እዩ። እኳድአ ቅኑዕን ሓቀኛን ምርጫ አብ ሕግታቱ አብቲ ሕይወትን ሓጎስን ዝህብ ክንገብር የበራትዓና። ብዙሕ ጊዜ አብ ሕይወት ንጌታትና ንአምላኽ ኢና ንሓሚ ወላ ፍረ ምርጫና እንተ ኾኑ።

አብ ቀዳመይቲ ንባብና ቅ. ጳውሎስ ሕጊ ክርስቶስ ከም ጥበብ ልቦና የቕርቦ። ብኻልእ አዘራርባ ንሕጊ ክርስቶስ ምእዛዝ ማለት ዝበለጸ ነገር ምግባር እዩ። ብሕጊ ክርስቶስ ምንባር ምልክት ጥበብ ልቦና እዩ። ጳውሎስ አብዚ ካብ ሕጊ ክርስቶስ ዝርከብ ጥበብ ካብቲ ናይ ሰባት ፍልስፍና ፈልዩ የቕርቦ። እዚ ማለት ሕጊ ክርስቶስ ካብ ቃል ሰባት ይልዕልን ይበልጽን። እቲ ካብ ሕጊ ክርስቶስ ዝመጽእ ጥበብን ልቦናን ብመለኮት ዝተገልጹ እንክኾኑ ናይ ሰበ ሕጊ ግን ሰብአዊን ድሩትን እዩ። ኢየሱስ ከም ዝብለና እቲ ኻብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ፥ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወልደ ኸአ መንፈስ እዩ (ዮሓን 3፡6)። ጳውሎስ እምብአር ነገር ሰብን አምላኽን ፈሊና ክንፈልጥ ይነግረና።

ቅ. ማቴዎስ ዝጸሓፎ ወንጌል ናይ ሎሚ ንባብና ብቀዳምነት ናብ አይሁድ ክርስትያን ዝነበሩ እዩ ተጻሒፉ በዚ ምኽንያት ደጋጊሙ ካብ ብሉይ ኪዳን ይጠቅስ እዚ ኽአ ሕይወት ኢየሱስ ካብ ናይ አይሁድ ባህሊ ወጻኢ ከምዘይኮነ እኳድአ መቐጸልታ ናይ እቲ ኩሉ ብነብያትን ብዕብራዊ ግልጸት ዝተነግረ ከም ዝኾነ ንምግላጽ እዩ። አብዚ ናይ ሎሚ ብዝያዳ ዝገልጾ ርክብ አይሁዳዊ ሕግን ትምህርቲ ኢየሱስን እዩ። ኢየሱስ ገሊጹ ንኦሪትን ነብያትን ከፍርስ ዘይኮነ ዝመጽአ ምልአት ክህቦም ከምዝኾነ ይነግር። ኢየሱስ ዝቋወሞ ዝነበረ ነቲ መራሕቲ ሃይማኖት ንጥቕሞም ኢሎም ዝወሰኽዎ እምበር ነቲ አምላኽ ካብ መጀመርያ ዝሃቦም ጨሪሹ አይትቃወሞን።

ብዙሓት ሊቃውንት ነቲ ኢየሱስ ንሕጊ ሙሴ ኾነ ንነብያት ክፍጽሞም ደአ እምበር ክስዕሮም ዝመጻእኩ አይምሰልኩም ዝበሎ አብ ክትዕ የእትውዎ። ግን ኢየሱስ ነዚ ክብል እንከሎ ቅኑዕ አሎ። ብሉይ ኪዳን ጸኒዑ ደው ዝብል ምልአት ዝርከብ አብ ክርስቶስ እዩ። ምልአት ዝብል ቃል ዕሙቕ ዝበለ ትርጉም ይውሃቦ ማለት አብ ምሉእ ፍጻሜ ምብጻሕ የስምዕ። ብመንጽር ናይ ሎሚ ወንጌል ዘስምዖ ክርአ እንከሎ እቲ አቐዲሙ ተነጊሩ ዝነበረ ምልአት ፍጻሜ ረኺቡ። ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ አብ መስቀል ብምስዋዑ ንሕጊ አብ ምሉእ ፍጻሜ አብጺሕዎ። ስለዚ ሎሚ ንሱ ምልአት ሕጊ እዩ። ንኢየሱስ ምእዛዝ ማለት ንሕጊ ምእዛዝ ማለት እዩ።

ክርስቶስ ዝቋወሞ ነቲ ግብዝና ዝመልኦ ናይ ፈሪሳውያንን ሰዱቓውያንን አምሰሉነት እዩ። ሎሚ አብዚ እዋና እውን ነቲ ትምህርቲ ክርስቶስ በቲ ንሶም ዝደልይዎ ጠምዚዞም ብሓሶት ዝምህሩ ናይ ዘመና ፈሪሳውያን መሎኦም አለዉ። ብስም ዓውዓው በሉ ሓቂ ዘለዉ ዝመስሎም ወይ እውን ብምጽዳቆም ንሕጊ አምላኽ ዝፈጸሙ ዝመስሎም ግቡዛትን መታለልትን አለዉ። ተጻይ እቶም ናይ ሓሶት ነብያትን መማህራን ከምዚ ይብል ጎይታ እናበሉ ዝተፈላለየ ናይ ግሪኽ ወይ ዕብራዊ ስም አምላኽ እናተጠቅሙ ናይ ህዝቢ ስሕበትን ተቐባልነት ክረኽቡ ዝጽዕሩ ናይ ዘመና ሓሰውቲ ነብያት እዮም። እዚ ነቶም ብስም አምላኽ ንዛረብ አሎና እናበሉ ንሰባት ከቢድ ጽዕነት ዘሰክሙ ንርእሶም ግን ቅዱሳንን ንጹሓትን ዝሓስቡ መታለልቲ ሓሰውቲ ነብያት ዝነግር እዩ።

ሎሚ ዓለም ሓቂ እሰብኽ አሎኹ ኢሉ ባዕሉ ነብይ፥ ቅዱስ አምላኽ፥ ሕሩይ አምላኽ. . . ዝብል ዝተፈላለየ አስማት ባዕልኻ እናወሰድካ ከም ሓቀኛ ልኡኽ ክርስቶስ ኮንካ ምቕራብ ናይ ዘመና ፋሽን እዩ። ብዘሎ ናይ ዘመና ተክነሎጂ ተጠቒምካ ንብዙሓት ገርሄኛታትን ግላዊ ጸገማት ዘልኦም ብምስሓብ ከምኡ ንመንእሰያት ብዝስሕብ መገዲ ብረቂቕ ተጸኒዑ ዝቐርብ ንብዙሓት አብ ግጉይ ጉዕዞ ይስሕብ ከምዘሎ ብዓይንና እንርእዮ እዩ። ቤተ ክርስትያን ካብ መጀመርያ ዘመናት ነዚ ስለ ዝረአየቶ ካብ ሓሰውቲ ነብያትን አምሰሉታትን ክንትንቀቕ ደጋጊማ ትነግረና። አስተውዕል እንተ አበልና ሓሰውቲ ነብያት ብዛዕባ ርእሶም እምበር ብዛዕባ ክርስቶስ አይኮኑን ዝሰብኩ፥ ከምስሉ ስም ኢየሱስ ይጽውዑ እንተኾነ አትኩሮ አብርእሶም እዩ እዚ ኸአ ቀዳማይ ናይ ሰይጣን ስራሕ እዩ።

ሎሚ እምብአር ናይ ዘመና ፈሪሳውያንን ሓሰውቲ ነብያትን ክነለልዮም አሎና። ኢየሱስ ንፈሪሳውያን ዝኹንኖም ዝነበረ ነቲ ብአምላኽ ዝተዋህበ ሕጊ ብናቶም ሕግን ስርዓትን ስለ ዝቐየርዎ እዩ። ሰብ ንሕጊ አምላኽ ከኽብርን ክሰምዕን እዩ ተፈጢሩ እምበር ንሕጊ አምላኽ በቲ ንሱ ዝደልዮ ክቕይር ብአምላኽ አይተዋህቦን። ቀዳሞት ወለድና ንሕጊ አምላኽ ብዘይ ምስምዖምን ምኽባሮምን ሞት አምጺኦምልና። ክርስቶስ አብ መስቀል ሞይቱ ትንሣኤን ሕይወትን አምጺእልና። ነዚ ከምቲ ንሱ ዝበሎን ዝደልዮን ብዘይምፍጻምና ዓለምና በብዝደለይዎ አምላኽ ከምዚ ኢሉ ቅ. መጽሓፍ ከምዚ እዩ ዝብል እናበሉ ንብዙሓት እና አታለሉ በቲ ንሶም ዝደልይዎ ዝትርጉሙ ተጎቢአ አላ።

እንታይ ንግበር፥ መጀመርያ አፍልጦ እምነትና ክህልወና አሎና ክንምሃር ክነንብብ ክንሓትት ክንሰምዕ እውን አሎና። ንነገራት ክንርድኦም አሎና። ቤተ ክርስትያን ነቲ ሓቂ ደጋጊማ እያ እተስተምህረና ምስማዕ እዩ ዘድልየና። ከምቲ ዕለታዊ መግብና እንምገብ ንቃል አምላኽ ክንምገቦ ክንጠምዮ አሎና ደጋጊምና አብኡ ተመሊስና ክንጸግብ ይግባእ። አብዘይ መአድናን ጓይላናን ክንሳተፍ አይናትናን እዩ። ናይ መን ምዃንካ ፈሊጥካ ንጥዑም ቃል ዝዛረቡ ብውሽጡ ግን መርዛም ስሚ ዝሓዘ ከምኡ ንነበ ኢና ንትርጉም ኢና ዝገደደ ንፍውስ ኢና እና ተባሂሉ ንልቢ ብዙሓት ሰሊቡ ካብ አመአደ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን ዝረሓቑ ውሑዳት አይ ኮኑን ስለዚ ምንቃሕ የድልየና ክንምሃር ክንጽሊ የድልየና።

ንባባትን እምብአር ብዛዕባ ሓቀኛ ነጻነትን ንሓቀኛ ጥበብ ክንደሊ ከም ዝግብአና ይነግሩና። አብ መዓልታዊ ተመክሮ ሕይወትና ከም እንርእዮ እቲ ብነጻነት እንመርጾ ኩሉ ጊዜ ጸሊምን ጻዕዳን አይኮኑን። ነጻነት ክርስትያናዊ ጸጋን ዋጋ ዘለዎን እዩ። እንተኾነ ሕይወትን ምርጫታቱን ዝተሓዋወሰ እዩ። ጥበበኛ ምዃን ማለት ነቲ እንገብሮ ምርጫ ብጥንቃቔ ብቅኑዕ ሓሳብን ጸሎትን ክንገብሮ ከሎና እምበር ዕዉር ተአዝዞ ማለት አይኮነን። ምስ ክርስቶስ ሓዲስ መለክዒ አይ ኮነን ዘሎ እንታይ ድአ ዝበለጸን ዝልዓለን ካብቲ ዓለም ክህቦ ዝኽእል ብኹሉ ዝልዕል እዩ። ብርግጽ ዝበለጸ ጥራሕ ዘይኮነ ዝጸንዐን እዩ ምኽንያቱ መብዝሕትና ሓቀኛ ነጻነት ዝሓቶ ስለ ዘይንርዳእ። ሓቀኛ ነጻነት ዝለዓለ ስነስርዓትን ሕግታትን ይሓትት፥ ሽዑ ብቐሊል ንክርስቶስ ክንመርጽ ንኽእል። 

እምብአር ሎሚ ንአምላኽ ክንሰምዖ ብቤተ ክርስትያኑ ንዝምህረና አብ ልብና አሕዲርና ነዚ አብ ዓለምና ወሪዱ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ክንቅይሮ ናይ ነፍሲ ወከፍና ተሓድሶ መንፈስን ሕይወትን ይሓትት አሎ። ነቲ ክአል ኩሉ አምላኽ ሎሚ እውን ንአኽ ንመርጽ አሎና ገጽካ ምለሰልና እናበልና ንለምኖ።

ብሩኽ ሰንበት

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                 

    

20 February 2021, 15:19