ድለ

ካቶሊካውያን መነኮሳትን ካህናትን ኣብ ጸረ ተቓውሞ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ምያንማር ይሓብሩ ካቶሊካውያን መነኮሳትን ካህናትን ኣብ ጸረ ተቓውሞ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ምያንማር ይሓብሩ 

ካቶሊካውያን መነኮሳትን ካህናትን ኣብ ጸረ ተቓውሞ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ምያንማር ይሓብሩ

ኣብዚ ስንኩፍ ህሞት’ዚ ንህዝቢ ምያንማር መንፈሳዊ ቅርበተይን ጸሎትይን ድጋፈይን እገልጽ፡ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ንስኑይ ደሞክራውሲያዊ ናይ ሓባር ናብራን ናይ ሓባር ረብሓ ብምግልጋል ንማሕበራዊ ፍትሕን ንሃገራዊ ምርግጋእን ብቕኑዕ ቅሩብነት ክዓዩ እጽልይ

ኣብ ምያንማር ሕዝቢ ነቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋምን ዝተኣስሩ መራሕቶም ክፍትሑ ዝጠልብ ሰላማዎ ሰልፊ የካይድ ከምዘሎ ሓይሊ ጸጥታ እውን ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምዕጋት ዝተፈላለየ ስጉምቲ ይወስዱን ማእሰርቲ እውን ይፍጽሙ ከምዘለዉ ክንገር እንከሎ ኣብቲ ኣንጻር ዕልዋ መንግስቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ካቶሊካውያን መነኮሳትን ካህናትን ይሓብሩ ከምዘለዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሮቢን ጎመዝ ኡካነውስ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሶም ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዙሓት ካህናትን ደናግልን ነቲ ዕለት 1 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ዝቃወም ዘሎ ሕዝቢ ምያንማር ከምዝሓበሩን ብናጻን ደሞክራሲያውን ኣገባብ ዝተሓርያ መራሒቶም ኣኡንግ ሳንሱ ክዪን ካልኦት ዝተኣስሩ ናይ ፖልቲካ ኣካላት ናጻ ክልቐቝ ይሕቱ ከምዘለዉን ዝሓበሩ ጐመዝ ኣስዒቦም፥ ዝሓለፈ ሰንበት ብብዙሓት ኣምኢት ዝቑጸሩ ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ያንጎን ማእከላዊ ቦታታት ብጸሎትን ብምቝጸርያ ጸሎት ዝተሰነየ ሰላማዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ ከምዘካየዱ ኡካነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሶም፡ መንእሰያት ሰላማዊ ምንቅስቓስ ኣይእዘዝን ንዘይ-ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ዘካይድዎ ሰላምዊ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ናይ ምስማዕ መደባት ብዙሓት ደናግልን ካህናትን ምእንቲ ሰላምን ምርግጋጽ ውሕስነት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ኣብ ገዳማት ኮይኖም ጸሎቶም የዕርጉ ምህላዎም ኣፍሊጦም።

ኣብ ካቺን ብዙሓት ካቶሊክ ምእመናን ኣብ ዝርከቡሉ ግዝኣት ደናግል “ኣይፋል ንምልካዊ ስርዓትን ናይ ሕዝቢ ድምጺ ይሰማዕ” ዝብል ጭርሖ ሒዘን ኣብ ኣፈት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሰላም ከምዝጸለያን ዕለት 14 ለካቲት ኣብቲ ናይዛ ግዝኣት ርእሰ ከተማ ምዪትክዪና ሕዝቢ ኣብ ኣደባባይ ኣይፋል ንምልካዊ ስርዓት እተሰምየ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየደ ጐመዝ ሓቢሮም።

ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ዝተፍጸመ ዕልዋ መንግስቲ ዝቃወሙ ሰላማዊ ሰልፍታት ንምብታንን ንምፍሻልን ዝተፈላለዩ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎን ካብ ሰንበት ዕለት 14 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ሓይሊ ጸጥታ ኵሉ ኣገልግሎት መርበብ ሓብሬታ ንሸሞንተ ሰዓት ክዕጸው ከምዝገበረን እቲ ብዕልዋ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ሓይሊ ጸጥታ ንምብዳህን ግጭት ንምልዕዓል ዝፍትን ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ክፍረዶ ከምዝኽእል ብወግዒ ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 3 ለካቲት ውብድ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቻይናን ሩሲያን ብዘቕረበኦ ተቓውሞ ምኽንያት ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ነቲ ኣብ ምያንማር ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ብዘይ ምኹናን ናይቲ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ዝቖመ መግንስቲ ሓላፍነት ዝተረከቡ ጀነራል ሚን ኣኡንግ ሃላይንግ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብምኽባር ናይ ፖለቲካ እሱራት ናጻ ክልቐቑን ዓመጽ ብምውጋድ ኣብታ ሃገር ደሞክራሲ ዳግም ንምርግጋጽ ክዓዩ ጻውዒት ከምዘቕረበ ክንገር እንከሎ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ወሃቢ ቃል ስተፋነ ዱጃሪች ኣብ ምያንማር ጥሕሰት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ምፍርራሕን ዝኣመሰሉ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ይፍጸም ኣሎ እንክብሉ፡ ኣብ ምያንማር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጉዳይ ዝምልከት ንሕቡራት መንግስታት ዓለም ወኪል ቶማስ ኣንድረውች ህልው ኩነታት ምያንማር ርኢኻ ናይታ ሃገር ላዕለዎት ኣካላት ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ሕዝቦም ውግእ ዝደንገጉ እዩ ዝመስል፡ ሓይሊ ምክልኻል ዝፍጽሞ ዘሎ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ብሓላፍነት ክሕትቶም ከምዝኽእል ነጠንቅቕ ዝብል መልእኽቲ ኣብ ትዊተር ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከምዝፈነዉ ጐምዝ ይሕብሩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ምያንማር ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ምኽንያት ተፈጢሩ ዘሎ ተነቃፊ ህሞትን ዕለት 1 ለካቲት ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚትን መራሒትን ኣኡንግ ሳን ሱ ክዪ ከምእተኣሰራን ብሓፈሻዉ እቲ ኣብታ ኣብ 2017 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ዘካየዱላ ሃገር ዘሎ ህልው ኩነታት ከምዘተሓሳስቦም ገሊጾም፥

ኣብዚ ስንኩፍ ህሞት’ዚ ንህዝቢ ምያንማር መንፈሳዊ ቅርበተይን ጸሎትይን ድጋፈይን እገልጽ፡ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ንስኑይ ደሞክራውሲያዊ ናይ ሓባር ናብራን ናይ ሓባር ረብሓ ብምግልጋል ንማሕበራዊ ፍትሕን ንሃገራዊ ምርግጋእን ብቕኑዕ ቅሩብነት ክዓዩ እጽልይ፡ ከምዝበሉ ጐምዝ የዘኻኽሩ።

16 February 2021, 20:16