ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊት ዋና ጸሓፊት በኣተ ጊለስ ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊት ዋና ጸሓፊት በኣተ ጊለስ 

ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ንፈለማ ጊዜ ጓለንስተይቲ

ሓምሳ ዓመት ዝዕድመአን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ በኣተ ጊለስ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 23 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ብናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፡ ናይቲ ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ን24 ዓመት ዘገልግሉ ብገዛእ ፍቓዶም ሓላፍነቶም ዝለቐቑ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሃንስ ላንገንዶኤረፈር ንኽትክኣ ጠቕላሊት ዋና ጸሓፊት ቢሉ ከምዝሓረየን ክንገር እንከሎ፡ ጊለስ ንፈለማ ግዜ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊት ዋና ጽሓፊት ንኽኾና ዝተሓርያ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ

ዕለት 23 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ንዘገልገሉ ኢየሱሳዊ ካህን ሃንስ ላንገዶርፈር ንኽትክኣ ንፈለማ ግዜ ጓለንስተይቲ ከምዝሓረየ ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊት ዋና ጸሓፊት በኣተ ጊለስ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን 

ሓምሳ ዓመት ዝዕድመአን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ በኣተ ጊለስ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 23 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ብናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፡ ናይቲ ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ን24 ዓመት ዘገልግሉ ብገዛእ ፍቓዶም ሓላፍነቶም ዝለቐቑ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሃንስ ላንገንዶኤረፈር ንኽትክኣ ጠቕላሊት ዋና ጸሓፊት ቢሉ ከምዝሓረየን ክንገር እንከሎ፡ ጊለስ ንፈለማ ግዜ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊት ዋና ጽሓፊት ንኽኾና ዝተሓርያ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ከምዝኾና ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ጊለስ ቅድም ክብል ኣብ ናይ ጀርመን ናይ ሊምቡርግ ሰበኻ ናይ ሕጻናትን መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓላፊት ኮይነን ዘገልገላን ሕጂ በቲ ዝተወሃበን ሓድሽ ናይ ጠቕላሊት ዋና ጸሓፊት ሓላፍነት ከምቶም ቅድሜአን ዝነበሩ ጠቕላሊ ዋና ጽሓፊ ኣባ ላንገንዶኤርፈር ናይ ጀርመን ናይ ሰበኻታት  መምርሒ ዝከታተል ማሕበር ሓላፊት እውን ከምዝኾና ኣፍሊጡ።

ናይ  ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ገዮርግ ባአትዚንግ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊት ዋና ጸሓፊት ንኽኾና ዝሓረየን ጊለስ ዓባይ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ከምዝኾናን ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዋቕራት እትውትን ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስቲያን መዋቕራት ጥልቂ ኣፍልጦ ዘለወን፡ ብሉጽ ናይ ኣወዳድባን ምውህሃንድ ብቕዓት ዘለወን እየን ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ 

በኣተ ጊለስ እቲ ዝተወሃበን ሓድሽ ሓላፍነት ዘይተጸበየኦም ምንባሩን ዓቢይ ሓጐስን ተምሳጥን ከምዝፈጠረለንን ነቲ ዝተወሃበን ሓላፍነት  ድልውትን ብቕዕትን ኮይነን ብምትሕብባር ክዓያ ምዃነን ሓቢረን፡  ኣብ ጀርመን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሜኣ ዘሎ ብድሆታትን ብሓፈሻኡ ኣብ ማዕቅፍ ብርቱዕ ድላይ ሕዳሴን ለውጥን ከምእትርከብን ሲኖዶሳዊ ጉዕዞ ዘበገሰትሉን ኣብ ካቶሊካዊ ሕዳሴ ትርከብ! ከምዝበላ ኣፍሊጡ፡ ጊለስ ናይ ስነ መራኸቢ ብዙሓንን ሓበሬታን ናይ ማሕበራውን ስራሕን ጉዳያት ክኢላ ምዃነን እውን ክንገር እንከሎ፡ እቲ ሓድሽ ዝተወሃበን ሓላፍነት ጠቕላሊት ዋና ጸሓፊት ካብ ዕለት 1 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ክርከባን ኣገልግሎተን ክጅምራ ምዃነን ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ጊለስ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ፥ ኣብ ጀርመን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ማል ብቐጻሊ እናጐደለ ይኸይድ ከምዘሎ ጠቒሰን ስለዚህ እዚ ንገዛእ ርእሱ ናብ ናይ ቤተ ክርስቲያን እናስርን ኣብ ሸቶታትን ንኸነተኩር ዝድርኽ እዩ ቢለን፡ ዕዮኤንን ኣገልግሎተንን ንኽጅምራ ህንጥይቲ ምዃኖ ከምዝገለጻ ዜና ቫቲካን ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

25 February 2021, 16:09