ሓጺር ጸብጻብ ዓመታዊ ክብረበዓል ርእሰኣድባራት ኪዳነምሕረት

በጾም ወበጸሎት፡ ገዳመ ነነዌ መሀረ ወልደኣማቴ ነቢይ። ድኅረ ርእየ መዝራዕተእግዚኡ እምልዑል ሰማይ። ወእንተ ነነዌ ርኵስት፡ ወዘበኃቤሃ እኩይ። በዝናመ ኪዳንኣምላክ፡ ዘያነጽሕ ማይ። ወረሰዮ ለኵሉ ሠናይ። (ቅኔዋዜማ፡ ኣባቶማስ)
ብድምጺ ንምክትታል!

ናይ ርእሰ ኣዳባራት መካነ መንበር ሊቀ-ጳጳሳት ኪዳነ-ምሕረት ዓመታዊ ክብረ በዓል በቆጻጽራ ግእዝ ፲፮ የካቲት ከምዝውዕል ዝፍለጥኮ ይኑ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ክብረ በዓል ድማ ፍልይ ብዝበለ ኣብ ጊዜ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝሰበቡ ምዕጻው ኣባያተክርስትያንን፡ ከምኡ ዝበለ ምትእኽኻብ ኣብዘይ ፍቀደሉ ዘመን ከቢሩ ውዒሉ። ከምቲ ልሙድ ብቕንያቱ ጸሎት ታስዕቲ ምስ ዝተፈላለየ ኣስተምህሮታት ብዝተፈላለዩ መምህራን ክግበር ድሕሪ ቀንዩ፡ ብድሮ ናይቲ ዕለት ዋዜማ ሰዓት 3፡30 ድ.ቀ. ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 07፡00 ድ.ቀ.ብ ሊቀ-ጳጳሳትን፡ ያሬዳውያን መምህራንን፡ ካህናትን ተማሃርቲ ዘርአ-ክህነትን፡ ዘርአ-ምንኵስናታትን ብውዕዉዕን ህዱእን መንፈስ ተኻይዱ። ኣብ ኵሉ እቲ መደባት ድማ መጠን እቲ ንምልባዕ ሕማም ኮሮና ክግበር ዘለዎ ጥንቃቐ ኣብ ግምት ብዘእተወ መንገዲ ቤተክህነትን፡ ፈለስትን፡ ምእመናንን ተሳቲፎም። ኣብቲ ጊዜ ዋዜማ ዝተገብረ ቅኔታት ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፦

በጾም ወበጸሎት፡ ገዳመ ነነዌ መሀረ ወልደኣማቴ ነቢይ።   ድኅረ ርእየ መዝራዕተእግዚኡ እምልዑል ሰማይ። ወእንተ ነነዌ ርኵስት፡ ወዘበኃቤሃ እኩይ።  በዝናመ ኪዳንኣምላክ፡ ዘያነጽሕ ማይ።  ወረሰዮ ለኵሉ ሠናይ።  (ቅኔዋዜማ፡ ኣባቶማስ)

ኪዳንኪ ኢተወለጠ ለአድኃኖ አዳም ደክታመ ወለተጽዮን ዳዊት።    ድንግል ምልእተውዳሴ ዘሙሴ ጽላት። ኪዳነ ምሕረት ሐመር እንዘ ትመስል ሜላት።  ማርያምሃ ሐዳስ ዘኤዶም መርዓት።  በስባሔ አኮኑ ሥርጉት። (ቅኔዋዜማ፡ ተማሃራይፊልሞን)

ተደሙ በመካኖሙ ነፍሳተ እግዚእ ሕዝበ ኣቤል፡ አመ ለኅልፈት አልጸቁ ክናሴ፡ ከርሰ አራዊ ማዕበለ። ማየ ስምዖን አምጣነ ይቤላ ድንግለ ድንግለ። ላዕለ መድሎት ምስያጥ ባሕቱ፡ አመ ይነግሥ ወንጌለ። ስመ ዚአሃ ዘአሕመልመለ። ኪዳነ-ምሕረት ጸውዐ እምኵሉ ዘልዕለ። አርፈቀቶ ለስምዖን መርጡለ። (ሥላሴ፦ መሪ. ኤርምያስ)።

ቀጺሉ እውን ኣብቲ ዕለት ክብረበዓል (ሰሉስ 23 የካቲት 2021)፡ንግሆ ካብ 02፡30 ኣትሒዙ ክሳብ 06፡00 ቅ.ቀ. ማኅሌት ዘሌሊት ተኻይዱ። ሰዓት 06፡00 ምስኮነ፡ ብጹዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነመንግሥተኣብ ተስፋማርያም ብ 21 ካህናት ተሰንዮም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። እዞም ካህናት ዓበይቲ ኣሕሉቕ ገዳማትን፡ ሊቃነ-ካህናትን፡ ቆሞሳት ከተማ ኣሥመራን ከባቢ ኣንኢዮምነይቶም።በቲ ዘሎ ምኽንያት ዑደት ምግባር እውን ስለዘይተኻእለ ድማ ድሕሪ ንባብወንጌል ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣስሚዖም።

ብጹዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ኣብ ስብከቶም፡ ``ናይ ሎሚ ዓመት ክብረ በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ብኽልተ ምኽንያታት ፍሉይ ኢዩ። መጀመርያ ኣብ ጊዜ ለበዳ ኮሮና ኮይንና፡ ምስ ስኽፍታ ናይቲ ሕማምን ምስ ንሱ ዘስዓቦ ኣብ ቤተክርስትያን ክትእከ ብዘይምኽኣልን ዘኸተሎ ጸገማት ነብዕሎ ስለዘሎና። እቲ ካልኣይ ድማ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ኣቦ ናፍራንቸስኮስ ዓመተ ቅዱስ ዮሴፍ ኢሎም ኣዊጆምልና ዘለዉ ዓመት ነብዕሎ ስለዘሎና ኢዩ። ቅዱስ ዮሴፍ ንቅድስቲ ስድራ ሓላዊኣ ንተኸናኻኒኣን ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ድሕነትና እውን፡ ነታ ኣደ መድኃኒ ሕጹያ፡ ብምዃን ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ምዃኑ ምዝካር ጽቡቕ ኢዩ።

ቅዱስ ወንጌል ብዛዕባ ብሥራት ልደት መድኃኒና ጎ.ኢ.ክ. ኣብ ዝዛረብ ቀዳማይ ምዕራፍ ወንጌል ሉቃስ፡ እቲ መልኣኽ ንድንግል ማርያም ``ሰላምነኣኺ፡ ኦ ጸጋዝመልኣኪ፡ እግዚኣብሔርምሳኺኢዩ`` እናበለ ሰላምታ ከምዘቕረበላ ይነግረና። ምሥጢር እዚ ሰላምታ`ዚ ድማ እንሆ 2000 ዓመታት ሓሊፉ ተረዲእና ክንውን ድኦ ኣይከኣልናን፡ ማለት ቀዲሕካ ዘይውዳእ ፈልፋሊ ዒላኢዩ። ንሳ ካብ መጀመርያ ኣትሒዛ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝቐረበላ ዕድመ ``ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ`` ብምባል ኣብ ክንዲ ኵልናን፡ ንኹልናን ኽትረድእን ንፍቓድ እግዚኣብሔር ዝሰመረት ኢያ። ስለዚ ድማ ኢና ኣብ ቅዳሴና ``ኦ ንኣማኑኤል ኣምላኽና ዝወለድክልና ናይ ወገንና ትምክሕቲ ተሓጎሲ`` እናበልና ንውድሳ።

ብተወሳኺ እዛ ኣደ እዚኣ፡ ኣብ እግሪ መስቀል ወዳ ኮይና ኣብ እትዕዘበሉ ዝነበረት ኵነት፡ ኢየሱስ ወዳ፡ ``ብእሲቶ ነዋ ወልድኪ`` ነቲ ወደመዝሙር ድማ ``ነያ እምከ`` ብምባል ንኹልና ኣደ ክትከውን ከምዝተዋህበትና ሎሚ ወንጌል ዮሐንስ ምዕራፍ 19፡ 25-27 ይነግረና። ከምቲ ዮሐንስ ናብ ቤቱ ዝወሰዳ፡ ንሕና`ውን ነዛ ኣደ እዚኣ ሒዝና፡ ናብ ኣባይትና ክንከይድ፡ ብኹሉ ድማ ክንመስላ ይግብኣና። ብኣኣ ምምካሕ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ሕይወታ ኣብነትና ብምግባር ብኹሉ ክንክተላ ይግባኣና። ኣብ ሰቆቃወ ድንግል ዝተባህለ ጸሎት ሃገርና ``ተማኅጸንኩ በዘባነኪ ዘአግመረ ርእሰ መለኮታዌ እሙነ። ሐውጽኒ ድንግል ወናዝዝኒ ፍጡነ። በእንተ ንግደትኪ ደብረ ቍስቋም እንዘትጸውሪ ሕጻነ። ሐዘነ ዘፈተነ የአምር ሐዘነ`` ዝብል ከምዘሎ፡ ከም መጠን ኣብ ኩሉ ሓዘናት ወዳ ምስታፋ፡ ሽግርን ድኻምን ደቂ ኣዳም ኣጸቢቓ ትርዳእኢያ`ሞ ነዚ ጊዜና ክልወጥ ካብ ወዳ ጸጋ ከተማልደልና ትኽእል ኢያ።

እዚ ክብረ በዓልና ኣብ ኣፈፌት ዓቢይ ጾም ኣርብዓ ኢዩ ዝኸብር። ኣብቲ ጸሎታት ናይ ኪዳነምሕረት፡ ``ጾም ትፌውስ ቍስለ ነፍስ፡ ወታጸምም ኵሉ ፍትወታተ ዘሥጋ፡ ወትሜህሮሙ ለወራዙት ጽሙና`` ዝብል ኣሎ። ጾም ቍስሊ ነፍሲ (ኃጢኣት) ትፍውስ፡ ንኹሉ ፍትወታት/ስምዒታት ናይ ሥጋ ድማ ትሰርዕ፡  ንመንእሰያት ድማ ጽሞናን ህድኣትን ትምህሮም` ማለትኢዩ። ኣብዚ ዳርጋ ኵሉ ወግዓዊ ናይ ቤተክርስትያን ሥርዓታት ብሰሪ እዚ ለብዒ ዘምጽኦ ሰበብ ዛሕቲሉሉ ዘሎ ጊዜ፡ ኩልና እንክንድቅስ ፈጺሙ ዘይድቅስን፡ ሕልፊ ካልእ ጊዜ ነቒሑ ዘሎን ዲያብሎስ ኢዩ። እምበኣር ኣብ ከምዚ ዝበለ ፈታኒ ጊዜ ብጾምን፡ ጸሎትን፡ ምጽዋትን እንተ ዘይነቒሕና፡ ንሱ መመሊሱ ከዳኽመና፡ ተስፋ ከቑርጸና፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ክስዕረና ዝከኣል ኢዩ`ሞ ብዓቢይ መንፈሳውነት፡ ሕልፊ ካልእ ጊ ተጊህና ንማህለል፡ ንማህለል፡ ንማህለል።`` ብምባል ቃለ ማዕዳኦም ኣስሚዖም።

ኣብ ጊዜ ቅዱስ ቍርባን፡ ንኽብሪ ቅዱስ ቍርባን ዝግበር ቅኔያት ክብር ይእቲን ዕጣነ ሞገርን ተገይሩ። ትሕዝትኡ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ፦

ክብርይእቲ

ፍና ጎልጎታ መድኅነ ቅንዋት፡ አንህብተሳሌምሣዕረ።  ተርእዩጥቀ፡ እንዘየዓውዱቀትረ። መድኃኔ ዓለም ቄድሮስ ፍረ ተረግዞ መዓረ። ሕይወተ አዳም ወሔዋን ጊዜ ተሰቅሎ፡ እስመ ፈረየ ማእረረ።

ዕጣነሞገር

ኪዳነ ድንግል ጸሓይ፡ አመሠረቀ ንጽሕና ለዛቲ ዓለም እስከወሰና።  እብነጴጥሮስ ሃይማኖተ፡ ትእዛዘ ወንጌል መሐና። ፈረየት ቅድስና። ዘመነ ጌጋይ ኦሪት መስቴማ፡ ሶበ ከለለ ደመና። ተከስተት ኪዳነ-ምሕረት ወለታ ለሐና። መምህረ ትሕትና ወፍቅር መንግሥተአብ፡ ኖላዌ ኣባግዕ ላእካና። ለቤተ-ክርስትያን ዘጴጥሮስ አሐቲ፡ መካነ ሮማ ባዝግና። ሕማመ ሥጋ እንተመጠና። ምስለ ማርያም ዘዲዮስ፡ ቃለ ኪዳና። ጸሎትከ ይርድአነ ፍና።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኵሉ ነጋዲ ነቲ ዝተቐረበ ጸበል ተኻፊሉ ነናብ ቤቱ ብሰላም ተፋንዩ። ክምኡ ድማ ክቡር ቆሞስ ኣባ ከሰተ ገብረዮሓንስ ካብ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ጀሚሮም ንኹሎም ተሳተፍቲ ኣመስጊኖም። በዚ ድማ ፍጻሜ ናይቲ በዓል ኮኑ።

``ተዝካረኪ ለእመ ገብረ በተአምኖ ጽኑዕ፡ በመንግሥተ-ሰማይ ምስሌኪ ይነግሥ ኃጥእ!``

26 February 2021, 13:38