ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ቅነ ጸሎት፥ ኣብ እግዚኣብሔር ምእኩላት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ቅነ ጸሎት፥ ኣብ እግዚኣብሔር ምእኩላት 

ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ቅነ ጸሎት፥ ኣብ እግዚኣብሔር ምእኩላት

ኣብ 1908 8ዓ.ም. ኣብ ኒውዮርክ ከተማ ግራይሞር መጋቤ ፓውል ዋትሶን ንፈለማ ግዜ ምእንቲ ሓድነት ናይ ጸሎት ሰሙን ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ ክካይድ ይዕድሙን ነዚ ናይ ጸሎት ቅነ’ዚ ከምዘቆሙን ክበዓል እውን ከምዝገበረን ኣብቲ ናይ ጸሎት ቅነ ከኣ ንዅለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንኽሓብራ ከምዝዓደሙን

“እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ። ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም። ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም። ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ” (ዮሓ. 15, 5-9) እዚ ቃል ወንጌል ናይቲ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ቅነ መርሕ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቲ መርሕ ሓሳብ እውን ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ናይቲ መደብ ጸሎት፥ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ ብዙሕ ፍረ ከተፍርዩ ኢኹም  ዝብልን ነቲ ናይ ጸሎት ሳምንቲ ዝድግፍ ኣስተንትኖን ጸሎትን ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከባ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ክውንነት ዝገልጻ መነኮሳት ዘግራንድካምፕ ዝተሰናደወኦ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዋላ’ኳ ኣብ እዋን ተወሸብን ማሕበራዊ ምፍንታትን ይሃልዋ ብመርበብ ሓበሬታን ብማሕበራዊ መረብት ፋይስቡክ ብዝርከብ ወግዓዊ ኣድራሻኤን ኣቢለን ነቲ ናይ ጸሎት ቅነ ከሰንያ ምዃነን የመላኽት።

 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ “ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ . . . ብዙሕ ፍረ ድማ ከተፍርዩ ኢኻትኵም”፥ እዚ እቲ ኢየሱስ ዘቕረቦ ብርቱዕ ምዕዳን ናይቲ ናይ ለምዘበን ካብ ዕለት 18 ጥሪ ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ዝካየድ ምእንቲ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ቅነ መርሕ ቃል ዘኪሮም፡ ኣብዘን ማዕለታ እዚኣተን ልባዊ ስኒት ብዝተነብሮ እቲ ሓደ መታን ክኾኑ ዝብል ናይ ኢየሱስ ምዕዳን ንኽፍጸም መታን እቲ ልዕሊ ምስሕሓብን ውጥረትን ዝኾነ ሓድነት ክረጋገጽ ክጽለይ እዩ፡ ከምዝበሉን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 25 ጥሪ ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ምስተን ኣብ ሮማ ምስ ዝርከባ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ሓቢሮም ካልኣይ ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም ክሳተፉን በዚ መደብ ጸሎት እዚ እቲ ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ቅነ ዝዛዘም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣቐዲሙ የመላኽት።

ታሪኽ ኣበጋግሳ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ምንቅስቓስ

ኣብ 1749 ዓ.ም. ኣብ ስኮትላንድ ጰንጠቖስጣዊ ምንቅስቓስ ተሓድሶ ኣብ እምነት፥ ምስ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያንን ምእንቲ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ክጽለይ ብዝብል ዕላማ ከምእተበገሰን፡ ወንጌላዊ ጆናታን ኤድዋርድ  ከኣ ኣብቲ እዋን ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ክካየድ ጻውዒት ከምዘቕረቡን ናይቲ መንፈሳዊ መደብ ቀንዲ ዕላማ ዝተፈላለያ ኣቢይተ ክርሲያን ናብ ሓድነት ክመጻ ዝብል ኮይኑ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ክቕጽል ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1902 ዓ.ም. ናይ ቁስጥንጥናያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ጆኣኪም ሳልሳይ ናይ ውህደት (ሄሮኒማዊት) መልእኽቲ ብዝብል ኣርእስቲ ፓትሪያርካዊት ዓዋዲት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎምን ኣብ መልእኽቶም እውን ምእንቲ እቶም ኣብ ክርስቶስ ዝኣምኑ ናብ ሓድነት ንኸብሉን ክጽለይ ይዕድሙ፡ ኣብ 1908 8ዓ.ም. ኣብ ኒውዮርክ ከተማ ግራይሞር መጋቤ ፓውል ዋትሶን ንፈለማ ግዜ ምእንቲ ሓድነት ናይ ጸሎት ሰሙን ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ ክካይድ ይዕድሙን ነዚ ናይ ጸሎት ቅነ’ዚ ከምዘቆሙን ክበዓል እውን ከምዝገበረን ኣብቲ ናይ ጸሎት ቅነ ከኣ ንዅለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንኽሓብራ ከምዝዓደሙን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ቀንዲ ሰነዳት

ኣብ 1964 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይን ናይ ቍስጥንጥንይ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣተናጎራስ ቀዳማዊ ኣብ ኢየሩሳሌም ተራኺቦም ዓለም፡ ንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ። (ዮሓ. 17,21) እንክብል ኢየሱስ ዘቕረባ ጸሎት ብሓባር ክደግሙ ዝተራእየ ፍጻሜ ዝዝከር እዩ፡ ኣብታ ዓመት እቲኣ እውን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካና unitatis redintegratio - ሕብረት ክርስቲያን ዝብል ውሳኔ ናይቲ ናይ ጸሎት ምንቅስቓስ ምእንቲ ሓድነት ናይ ዝካየድ ጸሎትን ምስ ካልኦት ሃይማኖት ዝግበር ንናይ ሓባር ዘተ ሕመረት ምዃኑ ኣመላኺቱ፡ ነቲ ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ቅነ ክበዓልን ክኽበርን የተባብዕ፡ ዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ ስትራበርግ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤን ናይ ኤውሮጳ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያ ጉባኤ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክስቲያንን ናይ ሓባር ሰነድ ዝተፈረመሉ ታሪኻዊ ኵነት ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ክዝከር ምዃኑን እቲ ናይ ሓባር ሰነድ ኣብ መንጐ ኵለን እተን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ምትሕብባር ዘተባብዔን በቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ መሰረት ምትሕብባር ንኽምዕብል ዝድርኽ መርሓ መስመር ከም ዘቕርበ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ቅነ ናይ ኣስተንትኖን ጸሎትን ደጋፊ ንእሽቶ መጽሓፍ

ካብ 1968 ዓ.ም. እትሒዙ ምእንቲ ክርስቲያን ናይ ሓድነት ጸሎት ቅነ ዝምርሓሉ ናይ ኣስተንትኖን ጸሎትን ንእሽቶ መጽሓፍ ብናይ ውህደት መንፈስ፥ ብናይ እምነት ድርገትን ናይ ኤውሮጳ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤን ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ብምትሕብባር ከዳልዎ ከምዝጀመረን፡ ካብ 1975 ዓ.ም. ንደሓር ኣብ ዝተፈላለ ሃገራ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብዝውክል ጉጅለ ክቐርብ ከምጀመረን እዚ ኸኣ በቢ ተራ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘቕርብዎ ኮይኑን ብመንፈስ ናብ ሓድነትን ንሓድነትን ዝምራሕ ኣብቲ ናይ ጸሎት ቅነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝንበብ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዱ ንባባትን ኣስተንትኖን ጽሎትን ዝሓዘን ክኸውን ከምእተገበረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ 2021 ዓ.ም. ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ቅነ

እቲ ናይ ለምዘበን 2021 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ቅነ ምእንቲ  ሓድነተ ክርስቲያን ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ዘተኮረ ኮይኑ ቀዳመይቲ መዓልቲ ብእግዚኣብሔር ዝተጸውዑ፥ “ኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን” (ዮሓ። 15,16ሀ)። ከልአይት መዓልቲ ንውሳጣዊ ብስለት፥ “ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም” (ዮሓ. 15,4ሀ)። ስልሰይቲ መዓልቲ፥ ሓደ ኣኳል ምቛም፥ “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ተፋቐሩ” (ዮሓ. 15, 12ለ) ብዝብል መርሕ ጸሎትን ኣስተንትኖን ከምእተኻየደን፡ ራብዐይቲ መዓልቲ፥ ብሓባር ምጽላይ፡ “ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም [. . .] ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ” (ዮሓ. 15,15)፡ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ብቓሉ ንኽንልወጥ ንፍቀድ፥ “ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ሓራ ዝወጻእኵም ኢኹም” (ዮሓ። 15,3)። ሻደሸይቲ መዓልቲ፥ ካልኦት ምእንጋድ፥  “ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ መደብኩኹም” (ዮሓ. 15,16ለ)። ሻብዐይቲ መዓልቲ፥ ብሓድነት ምዕባይ፥ እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም (ዮሓ. 15, 5ሀ)። ሻምነይቲ መዓልቲ፥ ምስ መላእ ፍጥረት ምትዕራቕ፥ “ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሓጐስኩምውን ኪፍጸምሲ፡ እዚ ነገርኩኹም” (ዮሓ. 15,11)፡ ኣብ ዝብል ኣስተንትኖን ቃለ ወንጌልን ዘማእከለ ከምዝኸውን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማሕበረሰብ ግራንድካምፕ ኣብ ተወሽብን ማሕበራዊ ምፍንታትን ኵነት ይጽልያ

ናይቲ ናይ ለምዘበን ምእንቲ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ጸሎት ሰሙን ናይ ኣስተንትኖን ንባባትን ዘሰናደዋ ኣብ መፋርቕ ዕስራ ክፍለ ዘመን ዝተመስረታ ካብ ብጋሴአን ኣትሒዘን ምስ ማሕበረሰብ ታይዞ ኮነ ምስቶ ኣብ ታሪኽ ኣብቲ ምንቲ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ጸሎት ቅነ ዓቢይ ተክለ ሰብነት ካብ ዘለዎን ምስ ኣባ ፓውል ኩቱሬር ብርቱዕ ምትእስሳር ዘለወን ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተዋጽኣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዕለት 5 ጥሪ ኣትሒዘን ኣብ ተወሸብን ምፍንታትን ዝርከባ ኣብ ዝዊዘርላንድ ማሕበረሰብ ዘግራንድካምፕ መነኮሳት ከምዝኾናን ክፍለጥ እንከሎ . . . ይዅን ደኣ እምበር ዝኾነ ይኹን ለብዒ ጸሎት ከይህሉ ክግበር ከምዘይኽእል እተን መነኮሳት ማሕበራዊ ምፍንታት እውን ይሃሉ ነቲ ጸሎት ብመርበብ ሓበሬታን ፋይስቡክ ኣብ እተሰምየ ወግዓዊ ኣድራሻኤን ኣቢለን ኣስተንትኖን ንባባቱን የቕርባ ከምዘለዋ ዜና ቫቲካን ኣፍመላኺቱ፥ ሓድነት ብሓባር እተስተንትኖ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣብ ብሕትውና እውን ይዅን ዘለዎ ልዑል ክብርን ምስትውዓል የድሊ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ፈይስቡክ ኣብ እተሰምየ  ማሕበራዊ ምረብት ብዝበሎ ኣድራሻኤን ኣቢለን ከምዝገለጻ ኣፍሊጡ።

20 January 2021, 16:01