፩ ሰንበት ዘአስተርእዮ 16 ጥሪ 2013 ዓ.ም. (1/24/2021)

መዝሙር፡ ሖረ ኢየሱስ በትፍሥሕት ውስተ ከብካብ. . . . ኢየሱስ አብ ማእከል አህዛብ ተአምራትን ድንቂ ነገራትን እናገበረ ናብ መርዓ ተሕጒሱ ከደ፥ ክብሩ ነርድእቱ ገለጸ ንሳቶም ከአ ብአኡ አመኑ፥ ከምዚ ኸአ በሎም ማይ ቅድሑሞ ነዘን አጋንእ አፍ ንአፍን ምልእወን በሎም፥ በቲ ብአምላኽ ዝተዋህበ በረኸት እቲ አቦ ዳስ አድነቐ ወዲ አምላኽ ተስፋናን በጃናን ኮነ፥ ካባና ሥዉር እንከሎ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ለወጦ በዚ መለኮቱ ገለጸ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንኢየሱስን ማርያም ዓዲምካ ምኽአል!

ንባባት፡ 1ቆሮ 12፡4-11፥ ፩ዮሓ 5፡1-13፥ ግ.ሓ. 10፡34-39፥ ዮሓ 2፡1-14።

ምስባክ፡ እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ ወየኃውር እምኃይል ውስተ ኃይል ወያስተርኢ አምላከ አማልክት በጽዮን። መዝ. 84፡6-7።

ካብ ጥሪ 11-30 ዘሎ እዋን ዘአስተርእዮ ተባሂሉ ይፍለጥ፥ እዚ ኸአ ነቲ ኢየሱስ ድሕሪ ጥምቀቱ እናዞረ መለኮቱ ዝገለጸሉ፥ ዝገበሮ ተአምራታትን ትምህርትን፥ ንምግላጽ እዩ። አስተርአየ ተገልጸ ማለት እዩ ብቋንቋ ግሪኽ “ኤጲፋንያ” ይብሃል። አብዚ እዋን ዝተፈላለዩ መዛሙር ይዝመሩ አንሰሰወ፥ አስተርእዮ፥ ተወልደ፥ ተጠምቀ፥ ከብካብ፥ ማይ፥ መርዓዊ ዝብሉ ይርከብዎም።

ወንጌል ዮሓንስ ኢየሱስ አብ መርዓ ምስ አዲኡ ማርያምን አርድእቱን ከም ዝተዓደመ ይነግረና። እዚ መርዓ ምናልባት ናይ ቤተ ሰብ እዩ ዝመስል ምኽንያቱ ኢየሱስን ማርያምን ተዓዲሞም። ነዚ መርዓ ፍሉይ ዝገብሮ ንኢየሱስ አምላኽ ምስ ማርያም አዲኡ አብ ጉዳይካ ዓዲምካ ምኽአል። አምላክ ኵሉ ጊዜ ክንዕድሞ ይደሊ። እንሆ አብ አፍደገ ደው ኢለ ማዕጾ ዃሕኳሕ አብል አሎኹ ሓደ እኳ ድምፀይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፥ ናብኡ ኽአቱ ምስኡ አብ መአዲ ኽቕመጥ እየ፥ ንሱውን ምሳይ ኪቕመጥ እዩ (ራእ 3፡20)። አብ ሕይወትና አምላኽ ዓዲምና እንተ ኸአልና ተአምራት እዩ ዝፍጸም። ሎሚ እምብአር ንአምላኽ አብ ዘሎናዮ ሕይወት ለውጢ ከምጽአልና ንዓድሞ።

መርዓ ቃና ዘገሊላ ንሕይወትና ዝጠቅም ዝተፈላለየ መልእኽትን ምልክታትን ዝሓዘ እዩ። ዘሎናዮ እዋን ግልጸት አምላኽ ብዝያዳ ዝሕብር እዩ። መጀመርያ ግልጸት፥ ኢየሱስ ምስ ተወልደ ከም ድኻን ስደተኛ ኮይኑ አብ መብልዕ ማል ተወሊዱ ምስ ጽጉማትን ምስ ዓለምን ዘለዎ ሓድነት ገሊጹልና እዚ ቀዳማይ ግልጸት ንብሎ። ካልአይ ግልጸት፥ ንሰብአ ሰገል ወጻእተኛታት ብምልክት ኮኾብ ገሩ ምስ ተገልጸ እሞ ንሶም እውን ንዝተገልጾም ምልክት ርእዮም አብ ዘለዎ ምስ ህያባቶም ሒዞም መጺኦሞ እዚ ካልአይ ግልጸት ንብሎ። አብዚ አምላኽ ዓለት ወገን ብዘየገድስ ንኹሎም ደቂ ሰብ ከድሕን ከም ዝመጸ ገሊጹልና። ሳልሳይ ግልጸት፥ ከአ ኢየሱስ ክጥመቕ አንከሎ አብ ርባ ዮርዳኖስ እግዚአብሔር አብ ብቃሉ እግዚአብሔር ወልድ ብአካሉ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ከአ ብአምሳል ርግቢት ተገሊጹ። ተልእኮ ክርስቶስ ብሓድነት ቅድስት ስላሴ ዝተሰነየ ምዃኑ ዝገልጸሉ። እዚ ንሕና እውን አብ ጥምቀትና ሓዲስ ሕይወት ለቢስና አብ ተልእኮ አምላኽ ከምእንሳተፍ የዘኻኽረና። ራብዓይ ግልጸት፥ ከአ ኢየሱስ አብ መርዓ ናይ ቃና ዘገሊል መጀመርያ ተአምራት ምስ ገበረ “ክብሩ ገሊጸ ደቀ መዛምርቱውን ብአኡ አመኑ።

ቅ. ዮሓንስ ድሕሪ መቅድሚ ወንጌሉ ምሕባር እዚ ድሕሪ ሸውዓተ መዓልት ከም ዝተፈጸመ ይነግረና። ከም ባህሊ አይሁድ አምላኽ ንዓለም ምስ ፈጠረ ሽድሽተ መዓልቲ ሰሪሑ አብ ሻብዓይ መዓልቲ አዕሪፉ። ወንጌል ዮሓንስ እውን ብሸውዓተ መዓልቲ እናበለ ይጅምር እዚ ኸአ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበ “ንሓዲስ ፍጥረት” ከመልክት ኢሉ። አብዚ መወዳእታ መዓልቲ ነቲ አምላኽ ብኢየሱስ አቢሉ ዝሃበና ሕይወት ዘኪርና ነብዕል።

ብኻልእ ብፍሉይ እንተ ረአና ናይ ሎሚ ወንጌል “አብ ሳልሳይ መዓልቲ” እናበለ ይጅምር እዚ ኸአ ድሕሪ እቲ አቐዲሙ ዝገበሮ ከመልክት ኢሉ እዩ ዝመስል ግን ልዕሊ ኹሉ ሻብዓይ መዓልቲ ናይ ዝፈጠረሉ ተግባር ንምግላጽ ይጠቅስ። እዚ ሳልሳይ መዓልቲ ብኻልእ ነቲ ክርስቶስ ካብ ሞት ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ንሓዲስ ሕይወት ዝተንሥአሉ፥ ሓዲስ ሕይወት ኵልና ክንሳተፎ ዘሎና ከመልክት ኢሉ እዩ።

ከምቲ አምላኽ ኵሉ ምስፈጠረ አብ ሻብዓይ መዓልቲ ዘዕረፈ ንዮሓንስ ወንጌላዊ ሻብዐይቲ መዓልቲ ናይ ሓጎስን ነቲ ዝተዋህበና ሕይወት እናአብዕልና እንዝክረላ ዕለትን እያ።

ወንጌል አብቲ ቦታ አይሁድ ቅድሚ ገዛ ምእታዎምን ቅድሚ ምብልዖምን ናይ ምንጻሕ ስርዓቶም ንምፍጻም ክሕግዞም ኢሎም ሽድሽተ አጋንእ አብኡ ከም ዝነበር ይነግረና። አብዚ ታሪኽ እዚ ካብ ሕግን ባህሊ እምነትን አይሁድ ብኢየሱስ እንረኽቦ ብያኔ የመልክት። ሽድሽተ እየን ሓንቲ ትጎድለን ሸውዓተ ምሉእ ቍጽሪ ስለ ዝኾና። ንዮሓንስ ቍጽሪ ዓቢ ትሩም አልኦ ሸውዓት ናይ ምልአት ምልክት እዩ።

ኢየሱስ ብልመና አዲኡ ንማይ አብ ሓዲስ ወይኒ ለዊጥዎ። እዚ ሓዲስ ወይኒ ንክርስትያናዊ ኪዳን ሓዲስ ሕይወት ንሓዲስ መገዲ ኢየሱስ እዩ ዘመልክት። ነቲ አረጊት ስርዓት ብሕጽበት ማይ ዝፍጸም ዝነበረ ተኪእዎ። ተመሳሳላይ አገላልጻ አብ ካልኦት ወንጌላውያን እውን ንረኽቦ ኢና። አብ መንጎ ኢየሱስን መራሕቲ ሃይማኖት አይሁድን አብ ዝግበር ዝነበረ ምክርኻር እውን “ብዛዕባ ሓዲስ ወይኒ” ክዛረብ እንከሎ አብ ዝአረገ አቕሓ አይገብርዎን እናበለ ይዛረብ። ሓዲስ ወይኒ ሓዲስ ዘለላ ወይኒ እዩ ዘድልዮ። ብኻልእ አዘራርባ ነዚ ሓዲስ ራእይ ሕይወት ኢየሱስ ዘምጽኦ ክንርዳእ ንአረጊት ባህልን አተሓሳስባን ተግባራትን ንድሕሪት ክንሓድግ ከሎና ጥራሕ እዩ።

ድሕሪ እዚ ኹሉ ዝበለጸን ብዙሕ ወይኒ ተረኺቡ። ነፍሲ ወከፍ ገንኢ መሊአ እዚ ኸአ አብቲ ዓዲ ዝሃብተመ ሰብ እኳ ክቕርቦ ዝኽእል አይኮነን። እዚ ዘመልክቶ ናይ አምላኽ ሕያውነትን ዝዕድሎ ነጸናትን ክንሳተፎ ዘደልየና ምልአት ሕይወትን እዩ ዝገልጽ። ነቲ አብ በረኻ ነቶም ህዝቢ ምስ መገቦም ዝተረፈ የዘኻኽር። አምላኽ ሕይወት ብምልአት እዩ ክህበና ዝደሊ። ብጽቡቅ ክተምልእ ምድላይ ሓንቲ ጸገም የብሉን። ካብ ሓዋርያት ንላዕሊ ንሕይወት ዝተሓጎሰላን ዘስተማቐራን የሎን እዚ ኸአ ብአካል ነቲ አምላኽ ዝኾነ መምህሮም ምስኡ ስለ ዝነበሩ እዩ።

“ክሳብ አፈን መልእወን” ይብል እዚ ኸአ ጸጋ አምላኽ ክመልአና ዝኾነ ዝጎደለ ነገር አብ ሕይወትና ይኹን አብ ንስሓና ይኹን ክርከብ የብሉን። ንአምላኽ ብምሉእ ክንቅበሎ ካብ ኩሉ ነጺሕና ብመንፈሱ ክንመልእ አሎና።

እዚ ኹሉ አብ መርዓ አብ ቃና ዘገሊላ እዩ ተፈጺሙ። አብ ብሉይን ሓዲስን ኪዳን እንተ ረአና እስራኤል ከም መርዓት አምላኽ እያ እትርአ። አብ ሓዲስ ኪዳን ቤተ ክርስትያን ማሕበር ክርስትያን ናይ ኢየሱስ መርዓት እያ። እዚ አብ መልእኽት ኤፈሶን ብዝያዳ ተገሊጹ ንረኽቦ ምስ መርዓ ከአ የተሓሕዞ። አብ ውራይ አብ መርዓ አብ ስድራ እውን ክንበልዕ ምስ ደለና ከምዚ ሎሚ ከይተረፈ ብሓባር መአዲ አኽቢብና ኢና እንበልዕ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ሕይወት ምስ አምላኽን ኢየሱስን ብአምሳል መግቢ እዩ ዝግለጽ። እዚ ንርእስኻ ምኽሓድ ወይ ተጋድሎ ምግባር ማለት አይኮነን ብሓባር ኮንካ ናይ ሓጎስን ደስታን ጊዜ እዩ። ከመይ ኢሎም መርዓዊ ምስኦም እንከሎ ሓዋርያት ይጾሙ።

እዚ ናይ ቃና ዘገሊላ መርዓ ነቲ ሰንበት ሰንበት እነዕርጎ መስዋዕቲ ቅዳሴ ብሓንሳብ ተአኪብና አብ መአዲ ክርስቶስ ብሓባር ክንበልዕን ክንሰትን የዘኻክረና። መስዋዕቲ ቅዳሴና ናይ ሓጎስ ብዓል እዩ። ሓንቲ ነገር አላ ንሳ ክትጎድል እንከላ እንገብሮ ጊዜ ምሕላፍን ኮንቱን ኮይኑ ይርአየና። መስዋዕቲ ቅዳሴና ብልምድን ንስለ ስርዓትን ንመስዋዕትን ወይ ግቡእ ክነማልእ ኢልና ክንገብሮ ከሎና ይነውሕ የሰልክየና። መስዋዕታና ሓጎስ ዝመልኦን ክናፍቖን እዩ ዝግብአና።

አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ነቲ ኹሉ አምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ዝገበረልና እናዘከርና ነኽብሮ። ኩሉ ሕይወቱ፥ ትምህርቱ፥ ስቓዩ፥ ሞቱን ትንሣኤኡን፥ እዚ ኹሉ ምሉእ ፍቕሪ አምላኽ እዩ ዝገልጸልና። ቅ. ጳውሎስ አብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሓፋ ንነፍሲ ወከፍና ዝተዋህበ ህያባት አምላኽ የዘኻኽረና። እዚ ህያባት ንርእስና ጥራሕ ክንጥቀመሉ ዝተዋህበ አይኮነን፥ ነሕዋትን ንማሕበር ክርስቶስ ክነገልግለሉ እሞ ብእኡ ንሕብረተሰብ አብ ፍቕርን ርትዕን ሰላምን መሰረት ገርና ክንሃንጸሉ እዩ ተዋሂቡና።

አብዚ እዋን ንርእስና እንተ ጠመትና ብዙሕ ክንሕጎሰሉን ከምኡ ክነመስግኖን ዝግብአና ነገራት አሎ። ብዙሓት አብ ሕይወትና ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ዝገበሩልናን ዝሓገዙናን አለዉ። መጠን ነዚ ክንገብር ዝኸአልናሉ ንዕብየት ቅዳሴና ኢና እንገልጽ። መስዋዕቲ ቅዳሴና ከምቲ ዝድለ ዘይነዋዕውዖ ወይ ዝሑል ኮይኑ ዝርአየና ነቲ ዝተዋህበና ህያባት አብ ነነድሕድና ከም ግቡእ ስለ ዘይንጥቀመሎም እዩ።

ቦታ ማርያም፡

ዮሓንስ ወንጌላዊ አብቲ መርዓ ማርያም ከምዝነበረት ይነግረና። ብናታ አማልድነት እዩ ኢየሱስ ነዞም ሰብ መርዓ ክሕግዞም ዝተረኽበ። አብዚ ማርያም አደ ኢየሱስ ጥራሕ አይ ኮነነትን ንቤተ ክርስትያን እትውክል እውን እያ። ኢየሱስ አብ ሕይወትና ዝመጽእ ብማሕበር ክርስትያን እዩ። ብቤተ ክርስትያን በሕዋትና አብ ማሕበር ኢና እቲ ክርስቶስ ዝህበና ሕይወት መቐረቱን ክንርእዮ እንኽእል።

ብቤተ ክርስትያን ከም ክርስትያን ኮና ሕይወት ብምልአት ክነብር ዘድልየና ሓገዝ ንረኽብ። ብአይ ገሮም ካልኦት አሕዋተይ አነ አባል ቤተ ክርስትያን ስለ ዝኾንኩ ሕይወት ብምልአት ክነብርዎ እሕግዞም። በዚ እዩ ቀዳማይ ንባብና ነቲ ነፍሲ ወከፍና ዝተዓደልናዮ ፍሉይ ህያባት አብ አገልግሎት ክነውዕል ዝነግር። ኵሉ ህያባት አብ ሓደ ዝዓለመ እዩ “ንማሕበር አብ ዝለዓለ ምእልአት ሕይወት ከም እትዓቢ ምግባር”። እዚ እዩ ሕይወት ቤተ ክርስትያን፥ ኵልና ንህብን ንቕበልን። ሎሚ እሞ አሕዋተይ ሕይወት ብምልአት ከስተማቕርዎ እንታይ አበርክት አሎኹ ኢልና ንርእስና ነዘኻክር።

ማርያም ንሰብ ውራይ ዝበለኩም ግበሩ ኢላቶም ሽዑ ተአምራት ተፈጺሙ። ሎሚ እውን ወዳ ዝብለና ክንገብር ትነግረና አላ። ካብ ኃጢአትን ክፍአትን ርሒቕና ንቅድስና ክንተሓሓዞ እዩ ድላይ ወዳ። ዝተባእሰ ክዕረቕ፥ ዝተቐየመ ክምሕር፥ ዝተጋገየ እቕረታ ክሓትት፥ አብ ክፍአትን ጥልመትን ዝነብር ክምለስ፥ ብኹሉ ክንቅየር እዩ ድላይ ወዳ።

ኦ ማርያም አደና አብ ቃና ናይ ገሊላ ብልመናኺ ንጽጉማት ሰብ መርዓ ዝረዳእኪ ሎሚ እውን ነዞም ሰላም ፍቕሪ ርሒቑና ንሳቐ ዘሎና ደቅኺ ለምንልና ንዓለምናን ሃገርናን ሰላማ ፍቕሪ ክወርደና ለምንልና ንበላ።

ብሩኽ ሰንበት ይግበረልና።  

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

21 January 2021, 12:19