2021.01.16 ነፍሰኄር አባ ኪዳነማርያም 2021.01.16 ነፍሰኄር አባ ኪዳነማርያም  

ዕረፍቲ ክቡር ኣባ ኪዳነማርያም ተስፋሚካኤል ዘማኅበረ ሲታውያን [04.10.1937–12.01.2021]

እስመ ፈላሲ አነ ውስተ ምድር፤ ወነግድ ከመ ኵሉ አበውየ። ሥኅተኒ ከመ ኣዕርፍ፤ (መዝ 38.16-17)
ብድምጺ ንምክትታል!

ኣብ ገዳም ሲታውያን ቫልቪሾሎ [ኢጣልያ] ዚቕመጡ ዝነበሩ፣ ወዲ ማኅበር ሲታውያን ክቡር ኣባ ኪዳነማርያም ተስፋሚካኤል፣ ብሕማም ተዓቝቦምሉ ኣብ ዝነበሩ ሆስፒታል ብዕለት 12.01.2021 ሰዓት 6፡00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዓሪፎም።

ክቡር ኣባ ኪዳነ ማርያም ብ04.10.1937 ዓ.ም.ፈ. ኣብ እንገላ [መረታ ሰበነ] ተወልዱ። ወለዶም ኣቶ ተስፋሚካኤል ንጉሠ ግርሙ፣ ወይዘሮ ሣራ እማን ዝተባህሉ ካቶሊካውያን ሰበኺዳን ነበሩ። ብ16.10.1937 ኣብ እንገላ ብኣባ ፍሠሓዬ እምነቱ ተጠምቁ። ተኽለሃይማኖት ዚብል ስም ለበሱ፣ በኣኡ’ውን ተጸውዑ።

 ቀጺሎም ኣብ ትሕቲ ወለዶም ኣብ ዓዶም በራቒት-ዓባይ እናተዀስኰሱ፣ ብ23 ኅዳር 1944 ጸጋ ሜሮን ተቐብኡ። ስድራቤት ኣቶ ተስፋሚካኤል ካብኦም ክልተ ካህናት ዝኾኑ፣ ብኣርባዕተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ዝተባረኸት ስድራቤት እያ።

መባእታ ትምህርቶም ኣብ ዓዶም ድሕሪ ጀሚሮም፣ ብ28 መስከረም 1950 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዘርአምንኩስና ሲታውያን ኣሥመራ ኣተዉ። ዜድሊ ትምህርቲ ዛዚሞም ድማ ብ20 ነሓሰ 1958 ዓ.ም.ፈ. ንዝለዓለ ምንኵስናውን ትምህርታውን ኵስኰሳ ንኢጣልያ ተላእኩ። ብ08.09.1958 ድማ “ኣባ ኪዳነማርያም” ብዚብል ስመ ምንኵስና  ኣብ ገዳም ካዛማሪ ዓመት ተመክሮ ጀመሩ። ኣብ ዓመቱ ድማ መደቦም ብዚግባእ ስለ ዝዛዘሙ፣ ብንኡስ መብፀዓ ምንኵስና ንኣምላኽ ተወፈዩ። ሥሩዕ ምንኵስናዊ ኵስኰሳኦም ኣብ ኢጣልያ ካብ ዝገበሩ ሓበሻ ኣባ ኪዳነ መወዳእታ እዮም። ብድሕሪኦም ኵሉ ኣብ ሃገርና ኪግበር ጀመረ።

 ድሕሪ ንኡስ መብፀዓኦም ናይ ሥርዓት ትምህርቲ ጣልያን ካልኣይ ደረጃ [ሊቸዮ] ብዓወት ዛዚሞም፣ ትምህርቲ ፍልስፍና ኣብ ገዳም ትሪዙልቲ[ኢጣልያ] ፈጸሙ። ኣብ ኵሉ ትምህርታዊ መደቦም ብሉጽ ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ከኣ፣ ንልዑል ትምህርቲ ስነመለኮት ናብ ሮማ ግረጎሪያን ዩኒቨርሲቲ ተላእኩ። ኣብኡ ክሳብ 1966 ተማሂሮም ከኣ ብናይ ስነመለኮት ሊቸንሳ ወይ “ማስተረይት” ዲግሪ ጨበጡ።

ኣብ መንጎ ትምህርቶም፣ ንወትሩ ወዲ ማኅበር ሲታውያን ዚገብሮም ዓቢይ መብፀዓ ምንኵስና ብ21 መስከረም 1963 ኣብ ገዳም ካዛማሪ ፈጸሙ። ብ19.12.1965 ኣብ’ቲ ናይ ደቂ ሃገርና ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቫቲካን ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ ኣብ ማዕርገ ዲቍና ደየቡ። ኣብ ዓመቱ ብ22.09.1966 ድማ ኣብ ደብረ ካዛማሪ ብኢድ ልዑል ካርዲናል ትራልያ ማዕርገ ክህነት ለበሱ። በዚ ኸኣ ነቶም ድሮ ኣብ ሰበኻ ከም ቆሞስ ዚገልግሉን ዚለኣኹን ዝነበሩ ሓወቦኦም ኣባ ክፍለማርያም ንጉሠ ግርሙ ኪኽተሉ ተረክቡ።

ድሕሪ ክህነት ንሃገር ኣየርላንድ [ብ1967] ተላኢኾም፣ በቲ ግዜ’ቲ ኣብ ሃገርና ይድለ ዝነበረ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ክእለቶም ከማዕብሉ ተረኽቡ።  ኣብ ናይ ዳብሊን ዩኒቨርሲቲ እናተመላለሱ፣ ብቛንቋ እንግሊዝ ናይ “ፕሮፊሺየንሲ” ብቕዓት ዘጨብጥ ናይ ኬምብሪጅ መርመራታት ተሳቲፎም ተዓወቱ። ብ1969 ንሃገሮም ተመሊሶም። ንሓደ ዓመት ዚኣክል ኣብ ገዳም ኣሥመራ ሓለቓ ዘርአምንኵስናን መምህሮምን፣ ከምኡ’ውን መምህር ስነመለኮት ተመዲቦም ሰርሑ። ካብዚ ቀጺሎም ንገዳም ከረን ተለዊጦም፣ ምኽትል ሓለቓ ዘርኣምን-ኵስናን መምህርን ብምዃን ሓለቓ ዘርአምንኵስና ምስ ዝነበሩ ኣባ ማቴዎስ ሓጎስ ተወሃሂዶም ሰርሑ። ኣብዚ እዋንዚ ነቲ 5/6ይን ክፍልታት ጥራሕ ዝነበረ ቤትትምህርቲ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሲታውያን ከረን ኣማዕቢሎም፣ ናብ ማእከላይን ልዑልን ካልኣይ ደረጃ ኣደይቦም፣ ብመንግሥቲ ተፈላጥነት ከም ዚረክብ ገበሩ። ባዕሎም’ውን ናይ ቋንቋ እንግሊዝ መምህር ኮይኖም፣ ካልኦት መምህራን እናጸውዑ፣ እቲ ቤትትምህርቲ ኣብ ናይ 12 ክፍሊ መርመራ [ማትሪክ] ከም ዘሳትፍ ብምግባር፣ ናይ ማኅበር ጥራሕ ዘይኮኑስ ካልኦት ከም ናይ ዘርአክህነትን ናይ ላሳልን ተመሃሮ’ውን ኪጥቀሙሉ ዝኸኣሉ መደብ ከፈቱ።

ኣብ 1978-79 ብዝነበረ ፍሉይ ፖሊቲካዊ ኵነታት ምኽንያት፣ እቶም ኣብ ርሑቕ ከባቢ ዝነበሩ ተመሃሮ ዘርኣምንኵስና ንኸረን ኪመጽኡ ኣዝዩ ጽንኩር ኣብ ዝኾነሉ፣ ክቡር ኣባ ኪዳነ ኣብ ሠገነይቲ ኣብ ማኅበር ካፑቺኒ ቦታ ኣፍቂዶም፣ ነቶም ካብ’ቲ ከባቢ ዝኾኑ ተመሃሮ፣ ምሉእ ዓመት ኪጓስዩዎም ተረኽቡ፣ በዚ ኸኣ ንጸዋዕታ ዝነበሮም ኀልዮትን ተገዳስነትን ኣርኣዩ። ድሕር’ዚ ኣብ መስከረም 1979 እቶም ተመሃሮ ናብ’ቲ ሥሩዕ ቤት ዘርኣምንኵስና ከረን ሓለፉ።  

ብወርሒ መስከረም ናይ 1979 ዓ.ም.ፈ. ክቡር ኣባ ኪዳነማርያም ንኣዲስኣበባ [ኢትዮጵያ]ተለዊጦም ኣብ ገዳም ሾላ ሓለቓ ገዳም ኮኑ። ኣብ ገዳም ሾላ-ኣዲስ ኣበባ እውን ነቲ ዚጀማምር ዝነበረ ሕንጻ ገዳም ኣሰጐሙ። ቤትትምህርቲ ደቂ ግዳም ከኣ ኣማዕበሉ። ኣብዚ ግዜዚ ብ1983 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ቤቶም ሓደ ጕሒላ ሰራቒ ብዘውረደሎም ሓደጋ፣ ብሓይሊ ሕክምና  ካብ ኣፍ-ሞት ዝወጽኡሉ ተኣምር ተፈጺሙ ኪበሃል ይከኣል። ብ1986 ካብ ናይ ሕልቅነት ገዳም  መዝነቶም ለቒቖም፣ ናይ ቤት ትምህርቲ ዲረክተር ብምዃን ክሳብ 1990 ሰርሑ።

ኣብ 1990 ንገዳም ኣሥመራ ተጸዊዖም፣ ምኽትል ሓለቓ ገዳም ኪኾኑ ተመዘዙ። ክሳብ 1993 ድማ ኣብ’ዚ መዝነት’ዚ ጸንሑ። ብ1993 ወርሒ ነሓሰ እቶም ብዋሕዲ ጥዕና ዝተሣቐዩ ክቡር መምህረ ገዳም ኣባ እስጢፋኖስ ኪዳነ ሥልጣኖም ምስ ለቐቑ። ጉባኤ ማኅበር ንክቡር ኣባኺዳነማርያም ተስፋሚካኤል

መተካእታ መረጸ። በዚ ከኣ ብመሠረት ሕጊ ማኅበር ክሳብ 2002 ንትሽዓተ  ዓመት ዚኣክል፣ መምህረ ገዳም ርእሰ-ኣካልነት ኮይኖም፣ ንገዳም ኣሥመራን ነተን ኣብ ትሒቲኣ ዚመሓደራ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበራ ገዳማት ኣካየዱ። ንሓያሎ እዋናት እውን ኣማኻሪ ሓለቓ ኮይኖም ኣገልገሉ። ነቲ ኪምሥረት ዝነበሮ ሓዲስ ገዳም ሓላይ ዜድሊ ኵሉ ኣሰናዲዎም፣ ዘመነ ሕልቅነቶም ኣብቂዑ፣ ብ2002 ብኣባ ሥዩም ክፍለጊዮርጊስ ተተክኡ።

ብድሕር’ዚ ኣብ ገዳማት ካዛማርን ቫልቪሾሎን [ኢጣልያ] ኮይኖም፣ ናይ ጥዕናኦም ኵነታት እናተኸታተሉ፣ ብዚከኣሎም እውን ኣብ መደባት ቅዳሴን ኑዛዜን ንሕዝቢ እናገልገሉ ከሕልፍዎ ተረኽቡ።  ብዓቢኡ’ኳ ኣብ ክንክን እንተነበሩ፣ እዚ ናብ ሞት ዜብጽሕ ፍሉይ ሕማሞም ግን ናይ ሹድሽተ መዓልቲ ኮይኑ፣ ናብ 84 ዓመት ዕድመ ብምእታው፣ ብምንኵስና 62 ዓመት፣ ብኽህነት ድማ 55 ዓመት ድሕሪ ኣቝጺሮም እነሆ ናብ ዘለዓምነት ሓሊፎም ኣለዉ።  

ካብ ንእስነቶም ምሉእ ጥዕና ዘይነበሮም ኣባ ኪዳነማርያም፣ ንዅሉ ብዓቕሊ እናጸወሩ፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ዅሉ ዝተጠቕሰ ስራሓት ማኅበርን መደባትን ከየብኰሩ፣ ንዅሉ ብዚግባእ ኪፍጽሙ ዝተረኽቡ ኣቦ እዮም። ብሕያውነትን ምቕሉልነትን፣ ንኵሉ ሰብ ከከም ጠባዩን ዝንባሌኡን ርእዮም ዜኽብሩን፣ ዚበዝሕ ዕድመኦምን ምንኵስናውን ክህነታውን ኣገልግሎቶም ኣብ ምምህርናን ኵስኰሳ መንእሰያት ደቅማኅበርን፣ ተመሃርቲ ኣብያተ ትምህርትን ዜወፈዩ፣ ደኺመ ከይበሉ ዝተላእኩ እዮም።

ብዕለት 14 ጥሪ 2021 ኣብ ገዳም ቫልቪሾሎ [ኢጣልያ] ብዝተኻየደ ሥርዓተ ጸሎትን ፍትሓትን፣ ቀጺሉ’ውን ኣብ’ቲ ዓቢይ ገዳም ካዛማሪ ብዝሰዓበ ሥርዓት ሓመድበን ሥርዓተ ቀብሮም ተፈጺሙ።  

ታሪኽ ሕይወት ነፍሰኄር ኣባ ኪዳነማርያም!

ኣታ እሙንን ሕያዋይን ኣገልጋሊ                                                                 ብውሑድ  ተኣሚንካ ኢካ’ሞ

ኣብ ልዕሊ  ብዙሕ ክሸመካ እየ፣                                                                    ናብ ሓጐስ ጐይታኻ  እቶ። [ማቴ.25፡21]

ሀቦ እግዚኦ ዕረፍተ ዘለዓለም፣ 

ወአብርህ ሎቱ ብርሃነ ዘለዓለም፣

ወይኩን ዕረፍቱ በሰላም።  

16 January 2021, 12:31