ህንዲ፥ ሓድሽ ሕጊ ጸረ ሃይማኖት ምልዋጥ፡ ንክርስቲያንን ውሁዳን ሃይማኖታትን ስግኣት ህንዲ፥ ሓድሽ ሕጊ ጸረ ሃይማኖት ምልዋጥ፡ ንክርስቲያንን ውሁዳን ሃይማኖታትን ስግኣት 

ህንዲ፥ ሓድሽ ሕጊ ጸረ ሃይማኖት ምልዋጥ፡ ንክርስቲያንን ውሁዳን ሃይማኖታትን ስግኣት

እውን ሃይማኖቱ ክቕይር ዝደልይ 60 መዓልታት ኣቐዲሙ ኣብ ዝርከበሉ ክፍሊ ምምሕዳር ከፍልጥ ኣለዎ ዝብል

ኣብ ህንዲ ግዝኣት ማድሕያ ፕራደሽ ብዛዕባ ሃይማኖት ምልዋጥ ዝምልከት ዘጽደቖ ሓድሽ ሕጊ ኣብቲ ዞባ ንማሕረሰብ ክርስትያን ንኻልኦት ውሁዳን ሃይማኖታት ኣባላት ዓቢይ ስግኣት ይፈጥር ከምዘሎን፡ እቲ ሕጊ ንገዛእ ርእሱ ጸረ ቅዋም ሃገር ምዃኑ ኣብቲ ግዝኣት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወሃቢ ቃል ኣባ ማሪያ ስተፋን ሓቢሮም ብዙሕ እዋን ናይ ውሁዳን ሃይማኖታት ኣባላት ሃይማኖት ኣስዳዕቲ ብዝብል ክሲ ክኽሰሱ ምርኣይ ልሙድ ከምዝኾነን ካልኦት ናይ ህንዲ ግዝኣት እውን ተመሳሳሊ ሕጊ ናብ ምጽዳቕ ገጸን ንኸብላ ከምዘተባበዐንን እዚ ኸኣ ንማሕበረ ክርስቲያን ኮነ ንውሁዳን ሃይማኖት ሰዓብቲ ስግኣት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ህንዲ ግዝኣት ማድሕያ ፓራድሽ በስገዳድ ካልእ ሃይማኖቱ ክልውጥ ምግባር ገበን እዩ ዝብል ኣብቲ ዞባ ኣብ መርሕነት ዘሎ ብሓራቲያ ጃንታን እተሰምየ ብሔርተይናዊ ናይ ፖልቲካ ውድብ ዘጽደቖ ሓድሽ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝምልከት ሕጊ፥ ብሓሰተይና መግለጽን ብሓይልን ብዝተፈላለዩ ተጽዕኖታትን ብምኽንያት መርዓን ዝኣመሰሉን ካልኦት መደናገርቲ ተግባራት ብምጥቃም ካልእ ሃይማኖት ክልውጥ ምግባር ክሳብ 10 ዓመት ማእሰርቲ ከቕጽዕ ይኽእል ዝብል ከምዝኾነን፡ ኣተሓሒዙ እውን ሃይማኖቱ ክቕይር ዝደልይ 60 መዓልታት ኣቐዲሙ ኣብ ዝርከበሉ ክፍሊ ምምሕዳር ከፍልጥ ኣለዎ ዝብል ከምዝኾነን እዚ ሕጊ እዚ ነቲ  ናይ 1968 ዓ.ም. ዝነበረ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ሕጊ ዝትክእ ምዃኑ ኡካ ኣገልግሎት ዜና  ኣፍሊጡ።

ኣባላት ሰዓብቲ ውሁዳን ሃይማኖታት ብቐጥታ ንሓደጋ ዘቃልዕ ሕጊ

ናይቲ ከባቢ ዞባዊ መንግስቲ ከምዝሕብሮ ነቲ ሕጊ ከጽድቕ ዘገደዶ “ጅሃዳዊ ፍቕሪ” ብዝብል ኣመለኻኽታ ከምዝኾነን እዚ ኸኣ ብመርዓ ምኽንያት ዝግበር ሃይማኖት ናይ ምልዋጥ ተግባር ንምውጋእ ዝብል ድላይ ዘለዎ ሕጊ ምዃኑ ኣመላኺቱ፡ ብዙሕ እዋን ኣብቲ  ከባቢ  ማሕበረ ክርስቲያን ሃይማኖት ተስድዑ ዝብል ብተደጋጋሚ ንዝቐርበሎም ክሲ ዝድግፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝግህስ ምዃኑ ኣባ ስተፋን ሓቢሮም፡ እቲ ሕጊ ንናይ ህንዲ ቅዋም ዝጻረር ከምዝኾነ ገሊጾም፡ ንኣብነት ሓደ ብናይ ውሁዳን ሃይማኖት ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ናይ ካልኣ ሃይማኖት ሰዓቢ ናይ ስራሕ ዕድል እንተድኣ ሂቡ በቲ ሕጊ መሰርት ሃይማኖት ንምስዳዕ ብዝብል ምስምስ ዝተፈጸመ ተግባር እዩ እንክብል ተርጒሙ ከኽስስ ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ እንክብሉ ከምዘብርሁ ኣካ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 January 2021, 22:52