ኣብ እንግልጣርን ወይለስን፥ ኣብ ክንክን ርእሰ ጉዳይ ዘማእከለ ሰንበት ምእንቲ ሰላም ኣብ እንግልጣርን ወይለስን፥ ኣብ ክንክን ርእሰ ጉዳይ ዘማእከለ ሰንበት ምእንቲ ሰላም 

ኣብ እንግልጣርን ወይለስን፥ ኣብ ክንክን ርእሰ ጉዳይ ዘማእከለ ሰንበት ምእንቲ ሰላም

እቲ ናይ ለምዘበን ሰንበት መዓልቲ ሰላም ኣብታ ናይ 2021 ዓ.ም. ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መበል 54 ናይ ምክንኻን ባህሊ ከም ናይ ሰላም ኪደት ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣብ ዘተኮረ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ዘማእከለ ኮይኑ

ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 1 ጥሪ ወግዓዊ ዝኸውን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ዘተኾረ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ከከም ከባቢኡን ባህሉን ሰንበት ምእንቲ ሰላም ከብዕል ዘቕረብዎ ናይ ሰላም ባህሊ ንምስፋሕ ዝድግፍን ናይ ሰላም መጋበርያ ንምዃን ዘተባብዕን ሓሳብ መሰረት ኣብ እንግልጣርን ወይለስን ዕለት 17 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ሰንበት ዘሰላም ከምእተበዓለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ እንግልጣርን ወይለስን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 17 ጥሪ ሰንበት ዘሰላም ከምዘምብዓለት ናይ እንግልጣርን ወይለንስ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መረብ ሓበሬታ ዘውጸኦ ሓበሬታ ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በቢ ዓመቱ ኣብ ሳልሳይ ሰንበት ዝበዓል ከምዝኾነን፡ እቲ ናይ ለምዘበን ዝተበዓለ ሰንበት ዘሰላም ኣብታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰላም መልእክቲ ዝተማእከለ፥ ምክንኻል ኣብ ዝብል ቃል ኣተኵይሩ መደብ ኣስተንትኖን ከምእተኻየደን ነዚ መደብ’ዚ ዝድግፍ መጋበርያ ከምቲ ልሙድ ማሕበር ሰላመ ክርስቶስ ጨንፈር እንግልጣርን ወይለስን ዘቕርቦ ከምዝኾነን ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ለምዘበን ሰንበት ዘሰላም ኣብታ ናይ 2021 ዓ.ም. ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መበል 54 ናይ ምክንኻን ባህሊ ከም ናይ ሰላም ኪደት ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣብ ዘተኮረ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ዘማእከለ ኮይኑ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ህጹጽ እዋናዊ ሓደጋ ኮቪድ - 19 ብፍሉይ ዝምልከት፥ ቅዱስነቶም ናይ ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራትን መንግስታትን ናይ ኤኮኖምን ናይ ስነ ምርምር ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ናይ ሕንጸት ተቕዋማትን ናይ እዋንና ዓበይቲ ብዶታትን ቅልውላውን፥ ውግእን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ማሕበራዊ ኢፍትሓውነትን ንምብዳህ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ናይ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቡሶል መትከል ክኽተሉ ዘቕረብዎ ለበዋ ዘቃልሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ ናይ እንግልጣርን ወይለስን ብጹዓን ጳጳሳት መእመናን ኣብ ሰንበት ዘሰላም ብምትሕብባር ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ዕዮ ኣብ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክድግፉ ብዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ኣብ  ሕቡራት ንግስነት ግዝኣት ዝርከባ ቁምስናታት እቲ ናይ ክርስትና ናይ ሰላም መልእኽቲ፥ ብዕርቅን ፍትሕን ዘይጎነጻዊ ቃልስን መሰረት ኣብዚ እዋን’ዚ ተስፋን መስራቒ ጐደናን የመልኽታ፥ እዚ ናይ ሰላም መልእኽቲ’ዚ ብዝተፈላለያ ናይ ቁምስናታት መርበብ ሓበሬታ እውን ከምእተቓለሔን እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. መበል 54 ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቲ ኣብ ሊጡርጊያን መደብ ጸሎትን ባህልን ብኸመይ ክንበር ከምዘለዎ እውን ብጹዓን ጳጳሳት እንግልጣርን ወይለስን መምርሒ ከምዘቕረቡን በዚ መሰረት እውን ከምእተበዓለ ዜና ቫቲካን ናይ እንግልጣርን ወይለስን ብጹዓን ጳጳሳት ወገዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

18 January 2021, 15:44