ስግኣት ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ከባቢ ባልካን የንጸላልው ስግኣት ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ከባቢ ባልካን የንጸላልው  

ስግኣት ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ከባቢ ባልካን የንጸላልው

እቶም ስደተይንታት ኣብ ከምዚ ዓይነጽ ጽንኩር እዋን ንብሩህን ብሉጽን መጻኢ ተስፋ ገይሮም ክነብሩን ብሓቂ ጽንኵር እውን እንተመሰለ፡ መብዛሕቲኦም ልዕሊ ኵሉ ተስፋታት ተስፋ ገይሮም ዝነብሩ እያቶም

ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ብባርዕ ሓዊ ባዲሙን ዳግማይ ሕንጸት ናብ ዘሎ ሊፓ ናይ ስደተይናታት መእለዪ ማእከል ንኽዕቆቡ ዝተላእኩ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምንም ዓይነት ሓገዝ ኮነ ካልእ ኣማራጺ እንገዳ ይቐርበሎም ከምዘየሎን ናይ ሕይወቶም ኩነታት ተቐባልነት ዘይብሉ ብምዃኑ ነዚ ህልው ኵነታቶም’ዚ ካልኣ ትርጉም ብዘለዎ ኣማራጺ መልሲ ምሃብ ከምዘድሊ ብካሪታስ ዝጸዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ሳራየቮ ሓቢሩ፥ “ካልእ ብሉጽ ኣማራጺ” ከምዘሎ እውን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቦስኒያን ኤርዘጎቪናን ከቢድ ሰብኣዊ ስግኣት የንጸላለው፡ ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ብባርዕ ሓዊ ዝባደበ ኣብ ሊፓ ዝርከብ ናይ ስደተይናታት መእለዪ ማእከል፡ ኣብቲ መእለዪ ስደተይናታት ዝነበሩ ናብ ሰሜን ኤውሮጳ ንኽስደዱ ድላይ ዘለዎም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣስታት 1200 ዝግመቱ ስደተይናታት ኣብዚ እዋን’ዚ ንኸቢድ ሰብኣዊ ስግኣት ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ኣብ ሳርየቮ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ኣፍሊጡ።

ነቶም ስደተይናታት ካልኣ ኣማራጺ ከምዘይቀረበን ብዝገደደ እውን ናይቲ ከባቢ ሕዝብን ናይተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት ከንቲባታት እውን እቲ ኣብ ከተማ ቢሃች ዝርከብ ቢራ ናይ ሰተይናታት መእለዪ ማእከል ከይኽፈትን ካልእ ኣማራጺ መፍትሒ እውን ከይቐርብ ዝጽውዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዘካየዱ ኣብ ሳራየቪ ናይ ካሪታስ ጨንፈር ኢጣሊያ ወኪል ዳኒኤለ ቦምባርዲ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ አካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ እቶም ስደተይናታት ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ምስቲ ዘሎ ቁርን ኣስሓይታን ኣብ ፈቖዶ ጉደናታትን ኣብ ናይ ለይቲ ናይ ከተማ መጓዓዝያ ሕዝቢ የሕልፉ ከምዘለዉን ናብቲ ቅድሚ ዓሰርት መዓልታት ብባርዕ ሓዊ ዝባደመን ኣብዚ እዋን’ዚ ዳግማይ ይሕነጽ ናብ ዘሎ ሊፓ ናይ ስደተይናታት መእለዪ ማእከል ክኣትዉ ምዃኖም ክሕበር እንከሎ፥ ይዅን ደኣ እምበር ኣብቲ ማእከል ንሰብኣዊ ጉዳይ ዘድሊ ኵሉ ከምዘየለን ዘተኣማምን እውን ከምዝየኮነን ዝስተይ ጽሩይ ማይ ኮነ መብራህትን መውዓይን ዘይብሉ እዩ፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ ሙቐት ከባቢ ኣየር ትሕቲ ዘሮ ዝበጽሕ እውን ብምዃኑ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት’ዚ ኣብቲ ማእከል ክጸንሑ ምግባር ንገዛእ ርእሱ ሓደገይና እዩ ኢሎም።

ኣገዳስነት ሰብኣዊ ዓቐን ዘለዎ ካልእ ኣማራጺ

እቶም ስደተይናታት ኣብ ቦዝንያ ንነዊሕ እዋን ክጸንሑ ምግባር ንሕጻናትን ኣባይቲ ስድራን ንጽንኩርን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ምቅላዕ እዩ ዝኸውን፡ ስለዚህ ተዋሂዶም ክነብሩ ዝድርኾም ዕድል ብምቕራብ ምድጋፍ የድሊ፡ ካብ ውግእን ጥምየትን ቅልውላው ማሓድሮን ማሕበራውን ንኸምሉጡ ተስፋ ሰኒቖም ዝተሰዱ እያቶም፡ ተስፋኦም ከይህሉ ምግባር ካብቲ ንስደት ዝዳርጐም ቅልውላዊ ዝኸፍኤ እዩ ዝኸውን፡ ንኽስደድ ቢሉ ዝስደድ የሎን፥

ብሓባር ዝበለጸ ዓለም ምሕናጽ

እቶም ስደተይንታት ኣብ ከምዚ ዓይነጽ ጽንኩር እዋን ንብሩህን ብሉጽን መጻኢ ተስፋ ገይሮም ክነብሩን ብሓቂ ጽንኵር እውን እንተመሰለ፡ መብዛሕቲኦም ልዕሊ ኵሉ ተስፋታት ተስፋ ገይሮም ዝነብሩ እዮም፡ ኣብቲ መእለዪ ስደተይናታት ብዙሓት ኣባይቲ ስድራን ደቃቶም ሕጻናትን ኣብ ጽንኩር ማዕቅፍ ዝነብሩ ብምዃኖም ነዚ ግምት ብምሃብ እውን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኢጣሊያ ብዝተፈላለየ መዳይ ኣብ ዘድልዮምን ኵሉ ቀረባ ንምዃን ይጽዕር ኣሎ ኢሎም። እዚ ንበይኑ እዅል ኣይኮነን፡ እቶም ስደተይናታት ተዋሂዶም ንኽነብሩ ዘኽእሎም ዕድል ዝፈጥር ሕይወቶምን መነባብርኦምን ውሑስ ክኸውን መታን ፓለቲካዊ መፍትሒ የድሊ፥ ምኽንያቱ ብሉጽ መጻኢ ንኹሉ ክኡል እዩ፡ ዋላ’ኳ እዚ እዋናዊ ኩነት ጽንኩርን ብለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት እውን ዝተሓላለኸ እንተመሰለ።

ውሁድ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ‘ካሪታስ’ ማሕበር ረድኤት ህርኵት ጻዕሪ

ብካሪታስ ዝጸውዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኢጣሊያ ካብ 2015 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ መገዲ ባልካን ኣብቲ ስደተይናታት ዝርከብሉ ምስ ናይ ጨንፈር ካሪታስ ግሪኽን ኣልባኒያን መቀዶኒያንን ቦዚኒያ ኤርዘጎቪናን ሰርቢያን ብምትሕብባር ኩለ መዳያዊ ድጋፍ - ሰብኣውን ስነ ኣምሮኣዊ ማሕበራውን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ምክልኻልን ክንክን ጥዕናን ኣብ ምቕራብ የገልግል ከምዘሎ ቦምባርዲ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳታ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱስ ኣቦናን ካሪታስ ጨንፈር ኢጣሊያን ቦስኒያን ኤርዘጎቪናን ኣብ ቢሃችን ሳራየቮን ን1500 ስደተይናታት ናይ መሰጋገሪ ማእከል ብምቛምን ድጋፍ ኣብ ምቕራብ ይርከቡ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

09 January 2021, 22:29