ሰንበት ዘስብከት ታኅሣሥ 11 2013 (12/20/2020)

መዝሙር፡ ወልዶ መድኅነ ንሰብክ . . ነቲ ‘ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን መድኅን ንሰብኽ፥ አኽሊል ናይ ሰማዕታት ሰያሚ ካህናት ተስፋ ናይ መነኮሳት፥ ወልድ መድኅን ንሰብኽ፥ ንመድኃኒ ወዱ ንሰብኽ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ሮሜ 13፡11-14፥ 1ዮሓ 2፡14-ፍ  ግ.ሓ. 3፡17-ፍ፥  ማቴ 24፡37-44 ስብከት፡ “ፈኑ እዴከ እምአርያም፥ ወአድኅነኒ ወባልሓኒ እማይ ብዙኅ፥ ወእምእደሆሙ ለደቂቀ ነኪር።” “ኢድካ ካብ ላዕሊ ስደድ ካብ ዓሚቚ ማያት አውጽአኒ፥ ካብ ኢድ ወዲ ጓና አናግፈኒ” መዝ. 144፡7።

ካብ 7 ታሕሣሥ ክሳብ 27 ታሕሣሥ ዘሎ ዘመነ ስብከት ወይ ምጽአት ይብሃል። ሰለስተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ ይብሃል። ሓሓደ ጊዜ ከአ 4ይ ዘመርዓዊ ይውሰኾ። ዘስብከት ዘብሎ ነብያት ጎይታና ብሥጋ ምውላዱ አስፊሖም ብትንቢት ብትምህርቲ ስለ ዘስተምሃሩን ዝሰበኹን ቤተክርስትያን ነዚ እናሓሰበት ሰብ ንምድኃን ናብ ምድሪ ንዝመጸ አምላኽ እትሰብከሉ እዋን ስለ ዝኾነ እዩ።

እዚ እዋን ፍሉይ እዩ ምኽንያቱ ንምጽአት ክርስቶስ ዘሰናድወና ስለ ዝኾነ ኩልና እንአምን ብንቕሓት ንዳግማይ ምጽአቱን አብ ግላዊ ሕይወትና ዝግባእ ምቅርራብ ገርና ክንጉዓዝ ዝሕግዘና ቅዱስ ጊዜ እዩ። አብዚ ጊዜ ምጽአት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ እነንብቦ ኩሉ ብግቡእ ክንሰናዶ ክሕግዘና ምእንቲ እዩ። አብ ዝኾነ እዋን ጎይታና ክመጽእ እንከሎ ናቱ ኮና ልብሲ መርዓ ለቢስና ክንጽበዮ እሞ አብ ናይ ሓጎስ ቦትኡ ምስኡ ክንአቱ። ስብከት ክንብል እንከሎና ኩሉ ግብርና አካይዳና ሰባት አብ ሕይወትና ዝርእይዎ ከምኡ ብቃልና እንሰብኮ ነቲ እንአሞና ዝምስክር ክኸውን እንከሎ እዩ ዘስምዕ። አብ ጊዜ ካልአይ ውግእ ዓለም ሓደ አመሪካዊ አብ ጃፓን ተማሪኹ አብ ቤት ማእሰርቲ ነሩ፥ አብኡ ምስኡ ሓደ ጃፓናዊ ንአመሪካውያን ሰሊኻ ተባሂሉ ምስኡ ተአሲሩ ነሩ፥ ነቲ ወዲ ሃገር ጃፓናዊ ከዳዕ ተለፋለፍ እናበሉ በብእዋኑ ብሕሱም ይሃርምዎ ይቕጥቅጥዎ ነሮም ድሓር አብቲ ቤት ማእሰርቱ ይድርብይዎ እቲ አመሪካዊ ብኹሉ ይሕግዞ ነሩ ቍስሉ ይደርዘሉ አጆኻ ይብሎ ካብ ምግቡ ይህቦ ኩሉ ዝክአሎ ይገብረሉ ነሩ፥ ሓደ መዓልቲ እቲ ጃፓናዊ ክመውት ምዃኑ ተነጊሩ እሞ እቲ አመሪካዊ ሎሚ ክትመውት ኢኻ ሓንቲ ነገር ክብለካ አፍቅደለይ ኢልዎ አብ ኢየሱስ እመን ዘለዓለማዊ ሕይወት ክትረክብ ኢልዎ፥ እቲ ጃፓናዊ ኢየሱስ ከማኻ እንተ ኾይኑ ሓንቲ ዘጸቢ የብለይን ኢሉ አሚኑ መይቱ ይብሃል። እዚ አመሪካዊ እሱር ብግብሩ ብቃሉ ብኹሉ ኩነታቱ ነቲ እሱር ብጻዩ ኢየሱስ መን ምዃኑ አርእዩዎ። እዚ ዓይነት ስብከት እዩ ሎሚ ዘድልየና ዘሎ። ንርእስና አሚና ንኻልኦት ብግብርና ክንሰብኮም።

ናይ አመሪካ ፕረስደትን John F. Kennedy ብዛዕባ ሓደ ታሪኽ ብዘይመጠን ይግረም ከም ዝነበረ ይንገር። ብ1960 አብ ውድድር ናይ ፕረስደንትነት ክወዳደር እንከሎ ኩሉ ጊዜ አብ ዘረብኡ አብ ምውዳእ ይደግሞ ነሩ። እቲ ታሪኽ ብዛዕባ ኮለነል ዳቨንፖርት ዝተባህለ ብ1789 ናይ ከነትከት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ አፈ ጉባኤ ዝነበረ እዩ። ሓደ እዋን እቲ ባይቶ አብ ጉባኤ እንከሎ ምድረ ሰማይ ጸልሚቱ ብርቱዕ ከቢድ ጸሊም ደበና ገሩ፥ ገለ አባላት ባይቶ ብመስኮት እንተ ጠመቱ ምድረ ሰማይ ጸልሚቱ ርእዮም ፍርሕን ስንባደን አትይዎም፥ እዚ ምልክተ መወዳእታ ዓለም ከምዝኾነ ዘመልክት እዩ ክብሉ ጀሚሮም። እዚ አብ መንጎ ኩሎም ክዝርጋሕ ጀሚሩ ስለዚ ብዙሓት አኸባ ክዕጾ እሞ ክኸዱ ሓቲቶም። እንተ ኾነ ዳቨንፖርት ካብ መንበሩ ተንሲኡ “ክቡራት አባላት ባይቶ መወዳእታ ፍርዲ ወይ ቀሪባ አላ ወይ ከአ አይቀረበትን አላ፥ ዘይቀረበት እንተ ኾነት ዘኽይድ የብላንን፥ ቀሪባ እንተላ ኸአ ግቡአይ ክገብር እንከሎኹ እንተ ጸናሕኩ ይሕሸኒ ስለዚ መብራህቲ ነምጽእ እሞ ጉባኤና ንቐጽሊ ኢልዎም” ሽምዓ መጺኡ ጉባኤኦም ቀጺሎም ይብሃል።

ኩሉ ጊዜ ቁርብ ምዃን፡

ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ መወዳእታ ዓለምን ከመይ ገርና ተቐሪብና ክንጸንሕ ከምዝግብአና ይነግረና። አብ ዓለም ሎሚ ሰባት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽአት ጎይታን፥ መወዳእታ ዓለም ክዛረቡ ከለዉ ክልተ ዓበይቲ ጌጋታት ይገበሩ።

  1. ብፍርሓትን ምንቅጥቃጥን ክንሰናዶ ከምዘሎና ዝብል፥ ቀዳሞት ክርስትያን ምጽአት ክርስቶስ አብ እዋኖም ዝመጽእ መሲልዎም ካብ ዝኾነ ስራሕ ደው ኢሎም ይጽበዩ ነሮም ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ከምኡ ከምዘይኮነ ንመዓልቲ ጎይታ ዝፈልጣ ከምዘየሎ ነጊርዎም፥ አብዚ እዋን እውን ብዙሓት ንዝተፈላለየ ምልክታት ርእዮም ምጽአት ዓለም ከምዝመጸ ገሮም ዝነግሩ አለዉ።
  2. ንኹሉ ከምዘየሎ ሓሲብካ ሓንቲ ከምዘይመጽእ አሚንካ ሱቕ ኢልካ ምንባር ብኻልእ አዘራርባ መወዳእታ ዓለም ዝብሃል የለን ከም ምባል። ንብላዕ ንስተ ዝመጽእ ነገር የለን ሰብ ምስ ሞተ ድሕሪኡ ሓንቲ የለን ኢሎም ዝአምኑ። ነዚ ብዝርኢ ወንጌል እንታይ ይነግረና ከመይ ኢልና ክንሰናዶኸ ይሕብረና?

ነዚ ከብርሃልና ወንጌል ክልተ ምልክታት ይነግረና “ጎይታኹም በየነይቲ ስዓት ከምዝመጽእ አይትፈልጡን ኢኹም” (ማቴ 24፡42)። ሓደ ብዛዕባ እቶም ብዘበን ኖኅ ዝነበሩ ሰባት ዝገጠሞም ይነግር፥ ይበልዑ ይሰትዩ የውስቡ ይዋሰቡ ነሮም እንተ ኾነ ብዘይተሓስበ ማይ አይኂ መጺኡ አጥፊእዎም፥ መወዳእታ ከአ ከምኡ እዩ ክኸውን፥ ካልአይ ንእኡ ዝመሳሰል ብዛዕባ ሓደ ሰራቒ ብለይቲ ከይተፈልጠ ዝመጽእ ይነግር። አብ ክልቲኡ ዝነግረና ዳግማይ ምጽአት ጎይታን መወዳእታ ዓለምን ብሃንደበት ብዘይትሓስበ ከምዝመጽእ ይነግረና። ከይተአወጀ ክመጽእ እዩ ነታ ከይተጸበየቶ ዝጸንሓት ዓለም ክገርማ እዩ፥ ነቶም ከይሓሰብናዮ ጊዜ ከይሃብናዮ እንጸንሕ ከሰንብደና እዩ። ከምቲ ንፍዑ ሰብ ንገዝኡ እናሓለወ ዝጸንሕ ኩሉ ጊዜ ስንድዋትን ንቑሓትን ኮና ክንጸንሕ አሎና።

ንሓደ ከምዝኸውን እትፈልጦ ግን ምአስ ከምዝኸውን ርግጽነቱ ዘይብልካ እቲ ሓደ አማራጺ ክኸውን ዝግብኦ ኩሉ ጊዜ ተሰናዲኻ ምጽናሕ እዩ። ንሕና መዓልቲ ሞትና ከምኡ ዳግማይ ምጽአት ክርስቶስ ምአስ ከምዝኸውን አይንፈልጥን ኢና ስለዚ እታ ሓንቲ ዘላትና ንጎይታ አብ ዝኾነ እዋን ክመጽአና እንከሎ ተሰናዲና ክንጸንሖ።

ስንድዋትን ንቝሓትን ክንብል እንከሎና እንታይ ማለት እዩ? አብ ከባቢና ከድና ብዛዕባ ዝንበዩን ብዙሓት ዝብልዎን ክንሰምዕ እሞ ብአኡ ተመሪሕና ክንከይድ ማለት አይኮነን። ከምቲ ኮለነል ዳቨንፓርት ዝበሎ ጽኑዓትን እሙናትን አብ ኩሉ ግቡእና ሓላፍነት ዝለበሱ ደቂ ዓለምን አምላኽን ኮና ክንጸንሕ ይግባእ። ቅ. ጳውሎስ ብዛዕባዚ ክዛረብ እንከሎ፡ “እምብአር ንንቃሕ፥ ንገዛ ርእስና እውን ንግእታእ ደአ እምበር፥ ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ አይንኹን፥ ከመይ እቶም ዝድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዝድቅሱ፥ እቶም ዝሰኽሩ እውን ብለይቲ እዮም ዝሰኽሩ። ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾና እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና፥ ናይ ድኅነት ተስፋ ኸአ ከም ቁራዕ ርእሲ ደፊእና ገዛእ ርእስና ብምግታእ ንንበር” (1ተሰ 5፡6-8) ይብል።

ቀዳሞት ክርስትያን ምድቃስ ከም አምሳል ናይ ሓደ አብ ኃጢአት ዝነብር ገሮም እዮም ዝወስድዎ ነሮም። ኩሉ ጊዜ ብርቡራት አብ ከባቢኻ እንታ ከምዘሎ ርኢኻ ምኽአል። ከይትዝንግዕ አስተውዒልካ ምንባር የድሊ ዝብል እዩ ድለቶም። አብ ሕይወት ካብቲ ሓቀኛ መገዲ ወጺእና ጓል መገዲ ክንክተል ዝስሕበና መሊኡ እዩ፥ ገለ እዋን ብባዕላትና እነምጽኦ ገለ እዋን ከአ ብኻልኦት ዝመጸና ዘጋጊ ብዙሕ እዩ፥ ስለዚ ከይንወድቕ ከይንዝንግዕ ተጊህና ክነብር አሎና።

ነቒሕካ ምንባር ማለት እምብአር ብእምነት ንአምላኽ እናአገልገልካ ምንባር ንትእዛዛቱ እናሓሎና አብ ጸግኡ ክነብር ማለት እዩ። ነዚ ሎሚ ዘንበብናዮ ወንጌል ቀጺልና እንተ አንበብና ብዛዕባ ሓደ እሙንን ዘይእሙን አገልጋሊ አብ ምጽአት ጎይትኦም ይዛረብ። አብ ሕይወትና ሓቂ ሰላም ፍቕሪ ከም ድርዒ ለቢስና ክነብር እዩ እቲ ዝድለ ዘሎ። እሙናት ኮና ንመዓልቲ ጎይታ ክንጽበ እምበር ዘንጊዕና አብ ኃጢአት እንከሎና መዓልቲ ጎይታ ከይመጸና ክንሓስብ አሎና። ሓወይ ሓፍተይ ከመሎ ሕይወትካ/ኪ ምቅርራብ ንመዓልቲ ጎይታ ከመሎ ክንብሃሃል ግቡእና እዩ። እቲ ጎይትኡ ብዘይተሓስበ መጺኡ ብእምነት ከገልግሉ እንከሎ ዝጸንሕ እሙን አገልጋሊ ዕዉት እዩ ጎይትኡ ኸአ አብ ዝለዓለ ደረጃ ከምዘብጽሖ ንሕና እውን ነቲ ብዘይተሓስበ ዝመጸና መዓልቲ ጎይታ ተሰናዲና ክንጸንሕ ይግብአና። አብ መዓልታዊ ሕይወትና ብምሉእ እምነት ትእዛዛቱ እናፈጸምና እንከሎና ሕይወትና ክነብር እሞ አብ ዝኾነ እዋን መዓልቲ አኺላ ክንጽዋዕ እንከሎና “እጽበየካ ነረ ጎይታይ ሕይወተይ ከምቲ እትደልዮ እመርሕ ነረ ኢልና” ክንጽበዮ ይግብአና።

ስለምንታይ እዩ ንመዓልቲ ምጽአት ጎይታ ንምፍላጥ ዕለታትን ዓመታትን ምፍላጥ ጥቕሚ ዘይብሉ? ምኽንያቱ እታ ዓባይ መዓልቲ አምላኽ አብ ዝኾነ ዕለት ክትመጽአና ትክእል እያ። ዝሞትናላ ዕለት ኢና አብ ቅድሚ መንበር አምላኽ እንቈውም። እዚ ካብ ኮነ እንታይ እዩ ብዛዕባ መዓልቲ ጎይታ ክፈልጥ ሃዘው ዘብለኒ ሎሚ ወይ ጽባሕ ከምዝወስደኒ ዝፈልጥ ካብዘይ ኮንኩ? ነፍስወከፍና ሓንቲ መዓልቲ አብ ቅድሚ ፍርዲ አምላኽ እንቖመላ አላትና፥ ከምኡ አብ መወዳእታ ዓለም ናይ ኩልና ፍርዲ አሎና። መዓልት አምላኽ ከምቲ ምዓልቲ ሞትና ቀረባ ዝኾነ ቐረባ እያ፥ አብ ዝኾነ እዋን ክትከውን ይክአል እዩ።

ሎሚ አብዚ ሰንበት ዘስብከት ኢልና ሰሚናዮ ዘሎና እምብአር ክልተ ነገር ክንገብር ይግብአና፡

·       ንርእሳና ክንሰብክ፡ አፍልጦ እምነትና፥ መንፈሳዊ ሕይወትና፥ ሒዝናዮ ዘሎና ሕይወት፥ ምስ ሓውና ሓፍትና ዘሎና ርክብ፥ ተሳትፎና አብ ስብከት ወንጌል. . . . . . . እዝን ካልእ ርኢና ክንክእል እሞ ሃለዋትና ክንፈልጥ። እዚ ከም ስብከት ክንርእዮ ንኽእል። አብ ምሕዳስን ምንሳሕን ክንቀርብ ምእንቲ።

·       ንኻልኦት ክንሰብኽ። እዋኑ እዋን ቅድስና እዋን ንስሓ እዩ፥ ኩሉ ብርሃን ክርስቶስ ዝተቐበለ ተሓዲሱ ንመዓልቲ ጎይታ ክጽበ ናይ ነፍስወከፍና ሓገዝ የድሊ። ጸልማት ልቦም ደፊንዎም ንፍቕሪ ክርስቶስን አሕዋትን ክርእዩ ዝኸበዶም ብርሃን ክርስቶስ ክርእዩ እንሕግዞም ንሕና ኢና። መልእኽቲ ክርስቶስ ብፍላይ ነዚ እንቀራረበሉ ዘሎና ብዓለ ልደት ናይ ነፍሲ ወከፍና ተሳትፎ ክሕወሶ እንከሎ ጸጋ እዩ ዝዓዞ።

ንትህኪት ንሓማታ ንጽልኢ ንቅርሕንቲ አብ ጎኒ አጸጊዕና መገዲ አምላኽ ንሓዝ። ንመዓልቲ ጎይታ ነቒሕና እምነት ዝመልኦ ፍቕሪ ዝበዝሖ ሕይወት ለቢስና ክንጽበዮ ከሎና በየናይ ስዓት ምምጽኡ ብዘየገድስ ክንዕወት ኢና። መብራህትና ወሊዕና ክንጽበዮ ከሎና ካብኡ ዝዓቢ ጸጋ የለን እሞ፥ ሕይወትና ቀይርና ብኃጢአትና ተነሲሕና ደቂ ቤት አምላኽ ኮና ንረኸብ። አምላኽ ከአ ነዚ የብቅዓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

20 December 2020, 07:06