ሰንበት ዘኖላዊ ታሕሣሥ 25 2013 ዓ.ም. (1/03/2020)

መዝሙር፡ ኖላዊ ዘመጽአ ውስተ ዓለም . . . 'ጓሳ ናብ ዓለም ዝመጸ ወዱን ቃሉን ንእግዚአብሔር ካብ ላዕሊ ብኃይሉ ዝወረደ ክርስቶስ ንሱ ጎይታ ሰንበትዩ፥ አቦ ንወዱ ወደይ ብየማነይ ንበር በሎ' እናበለ ጎ.ኢ.ክ. ጓሳ ሕዝቢ ኮይኑ ካብ አብኡ ከም ዝተላእከ ይገልጸልና።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ዕብ. 13:16-ፍ፥ ያዕ 5፡7-10፥ ግ.ሓ. 11፡21-ፍ፥ ማቴ 11:2-11።   ምስባክ፡ ኖላዊሆም ለእስራኤል አጽምእ፥ ዘይሬእዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ፥ ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ።  ኦ ጓሳ እስራኤል ጽን በለና አታ ንህዝብኻ ንደቂ ዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሓና፥ አታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ ተገለጽ (መዝ 80፡1)።

ካብ ታሕሣሥ 1-26 ዘሎ ዘመነ ስብከት ይብሃል ምኽንያቱ ነብያት ናይ ጎይታ ብሥጋ ምምጻእ አግፊሖም ብትንቢት ብትምህርቲ ብምስትምሃሮም ምስባኾም፥ ቤተ ክርስትያን በዚ እዋን ንዝኽሪ ጥራሕ ዘይኮነ ነፍስወከፍ ንአምላኽ አብ ልቡ ከሰናዱ ኢላ እተቀራርበሉ እዋን ስለ ዝኾነ። ናይ ሎሚ ሰንበት ብፍሉይ ዘኖላዊ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ክርስቶስ እቲ እንኮ ጓሳና ምዃኑ ተረዲእና አብ መጓሰኡ ክንርከብ ክንሓስብ ሕይወትና መንፈስ አምላኽ ለቢሱ ደቂ አምላኽ መጓሰ አምላኽ ዘብል መገዲ ክንሕዝ እሞ ደቂ ገዛ ኮና ደምበና ክነለሊ። እዚ ጓሳ ዝብል ካብ ጥንቲ ብነብያት ዝተነገረ እዩ። ኩሎም ነብያት ክርስቶስ ጓሳና ከምዝኾነ ተነበዩ፥ ባዕሉ ኢየሱስ ከአ እቲ ሕያዋይ ጓሳ አነ እየ እናበለ አስተምሂሩና (ዮሓ 10፡14)። አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ምስ ሓዋርያቱ እንከሎ ሓደ መጓሰ ክንከውን ጸልዩልና። ናይ አምላኽ መጓሰ ኮና ክነብር እዩ ተፈጥሮና አብ ካልእ መጓሰ ክንሕወስ ድላይ አምላኽ አይኮነን። ሎሚ መጓሰና አለሊና ደንበና ክንአቱ አምላኽ ይጽውዓና አሎ።

ሰንበት ዘኖላዊ ብዛዕባ ጉስነት አምላኽን መጓሰ አምላኽ ዝኾና ደቂ አዳምን ምዃና ዘኪርና አበይ ከም ዘሎና ክንሓስብ ይሕግዘና። አብ ዘመን ምጽአት ተጓሲኻ ምኽአል እቲ ዝበለጸን ዝዓበየን ጉዳይ እዩ። አብ ወንጌል ናይ ዮሓንስ ኢየሱስ እቲ ሓቀኛ ጓሳ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ ብዛዕባ ጓሳ፥ መጓሰ፥ አፍደገ፥ ሕያዋይ ጓሳ፥ ዕሱብ ጓሳ፥ ሰራቒ ክብትን ዝመጽእ ከመይ ዝበለ ከም ዝኾነ ይነግር።

ወንጌል ብዛዕባ ካብ መጓሰ ዝጠፍአት በግዕ እሞ እቲ ጓሳ ነተን 99 ሓዲጉ ነታ ሓንቲ ክደሊ ከም ዝኸደ ምስ ረኸባ ክንደይ ከም ዝተሓጎሰን ንጎረባብቱ ዝጠፍአት በግዐይ ረኺበያ እናበለ ከም ዝነገሮምን ምስኡ ክሕጎሱ ከም ዝዓደሞምን ነንብብ። (ሉቃ 15፡1-7፥ ማቴ 18፡12-14)። እዚ ምሳሌ አምላኽ ከም ሓደ ንፉዕ ጓሳ ኮይኑ ንአና ነባግዑ ካብኡ ክንጠፍእን ክንርሕቕን እንከሎና ክሳብ አብኡ ተመሊስና ምስኡ እንኸውን ከም ዝደልየና ክነግረና ኢሉ እዩ። ሰብ ይጠፍእን ይህውትትን እዩ፥ መገዲ አምላኽ ሓዲግና ጓል መገዲ ወሲድና እንወጽእ ውሑዳት አይ ኮናን ሎሚ አብ አምላኽ ክንምለስ ካብቲ ጠፊናሉ ዘሎና ወጺእና አብ ቤትና ዝኾነት ቤተ ክርስትያን አብ መጓሰ አምላኽ ተመሊስና ምስ ካልኦት አሕዋትና ሓደ ክንከውን ንሕተት አሎና።

ብዙሕ ጊዜ ንጠፍእ ኢና ክንምለስ ዓቕምን መንፈስን ይጎድለና እሞ ከም እሱራት አብቲ ብዘይ አምላኽ ዝኾነ ሕይወት ከም ጥዒሙና ዘሎ ንነብር እዚ እዩ እቲ ዝገደደ ጥፍአት። መትካ ከሎኻ ከም ሕይወት ዘሎካ ክተምስል ሕጉስ ምዃን፥ ብሓቂ አብ ርእስና ንመለስ እሞ ንመገዲ አምላኽ ዝወስድ ክንርኢ ክንክእል ኢና። አምላኽ ብወገኑ ክንምለሶ ይጽበየና አሎ። አብ ልብና ተመሊስና አብ አምላኽና ንመለስ።  

ኢሳያስ ነብይ አብ 35፡1-6 ሓልዮትን ጉስነት አምላኽ እቲ ሓላዩን ፈቃር አቦ ከም ዝኾነ ንሱ ንህዝቡ ከድሕን ከም ዝመጽእ አቐዲሙ ከም ዝተነበየ ንርኢ። አጆኹም አይትፍርሁ አምላኽኩም ከድኅነኩም ይመጽእ አሎ ይብል። እዚ ትንቢት እስራላውያን አብ ባርነት አብ ዓዲ ጓና እናተሳቐዩ ተስፋ ቆሪጾም አብ ዝነበሩሉ እዋን ብርሃን ተስፋ ክህቦም እንከሎ ዝተነግረ እዩ። ሰብ አብ ከቢድ ስቓይ ወይ ፈተና እንከሎ ብርሃን ተስፋ ክርኢ ይኸብዶ እዩ፥ ግን ንአምላኽ ዝአመነ ነቲ ጸልማትን ከቢድን ፈተና ክሓልፎ ይኽእል። አምላኽ አብቲ ከቢድን ጽንኩርን እዋን ምስ ኩሉ ተስፋታቱን ጸጋታቱን ይመጽአና። ንሱ ሕያዋይ ጓሳና እዩ። ኢሳያስ አምላኽ ክመጽእ እንከሎ ምስኡ እንታይ ከም ዘምጽእ ዝገብርን ክገልጸልና እንከሎ ሽዑ ዕዉራት ክርእዩ ጸማማት ድማ ኺሰምዑ እዮም፥ ሓንካሳት ከም ኢራብ ክሰራሰሩ ዓባስ ከአ እልል ክብል እዩ፥ ማያት አብ በረኻ ወሓይዝ ድማ አብ ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ. . . እቶም እግዚአብሔር ዝተበጀዎም ኪምለሱ እዮም ይብል።

ኩሉ ጊዜ አምላኽ ክመጽእ እንከሎ ምስኡ ዝመጽእ ሓጎስን ሰላምን እዩ። አብ ጉዕዞ ንምጽአት ጎይታ አብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ወዲ አምላኽ ሥጋና ለቢሱ አብ መንጎና ክሓድር እንከሎ ሓጎስና ምሉእ ክኸውን እዩ። አብ መዓልቲ ልደት ግልጸት ምስጢር ፍቕሪ አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ኢና እነስተማቕር። እዚ ከም ስንቂ ኮይኑ ንጉዕዞ ምቅርራብና ፍሉይ ጽንዓትን ትርጉምን ክህቦ ይግባእ። ሰብ ተስፋ ገሩ ንቅድሚት ክርኢ እንተ ከአለ ንዝኾነ ጸበባ ወይ ሽግር ክሓልፎ ይኽእል እዩ ብፍላይ አብ አምላኽ እምነት ገሩ ክጉዓዝ እንከሎ ተስፍኡ ጭቡጥ እዩ። ሎሚ አብ ዝኽረ ልደት ክንቀርብ ከሎና ነቲ ቅድሚ ልደቱ ብነብያት ዝተሰብከ አብ ልብና ሓዲስና ክንሰምዖ እሞ ብዝያዳ አብዚ ጸገምን ፈተናን ዝበዝሖ ዓለምና ብተስፋ ክነብር አብቲ ምንጪ ተስፋና ዝኾነ ክንምለስ እሞ ሽዑ አብ ሓደ ደምበ ተጠርኒፍና ናይ ክርስቶስ መጓሰ ክንከውን።

ቅ. ያዕቆብ ከጸናንዓና ኢሉ አሕዋተይ ክሳብ ምጽአት ጎይታ ተዓገሡ. . . . ልብኹም አጽንዑ ምኽንያቱ ምጽአት ጎይታ ስለ ዝቐረበ ይብለና። አብዚ ጊዜ ምጽአት ሓደ ካብቲ ብዝያዳ ክንገብሮ ዘሎና ትዕግስቲ ምግባር እዩ። ዝጸበ ትዕግስቲ ገሩ ክጽበ እንከሎ ዝመጽአ ይምጻእ ድንብርጽ አይብሎን እዩ። ተስፋን ትዕግስትን ንሕይወትና ክመርሓ ከለዋ መአዝና አይነጥፍእን ኢና። ተስፋን ትዕግስትን ንቅድሚ ክንጉዓዝ ዓቢ ኃይሊ ይኾናና።

ንምጽአት ጎይታ እናተጸበና ከሎና ነቲ ዓዳል ኩሉ ጸጋታት ዝኾነ አምላኽ ጸጋ ትዕግስትን ተስፋን ክህበና ክንልምኖ አሎና። ከም ሓደ እስፖርተኛ አብ ዝገብሮ ምቅርራብ ከም ዝዕወት አረጋጊጹ ዝቐርብ ንሕና እውን ንርእስና ዝግባእ ምስንዳው ገርና አብቲ እንደልዮ ከም እንበጽሕ ንርእስና ክነረጋግጸላ አሎና ሽዑ አብቲ ዝድለ ክንበጽሕ ኢና። ብትዕግስትን ተስፋን ክንጽበ እንከሎና ብርግጽ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንረኽቦ ኢና፥ ምጽአቱ ኸአ ምልአት ሓጎስ ክዕድለና እዩ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኵሉ ኢየሱስ ዝብሎን ዝገብሮን ዝነበረ ዘደንቕ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ህዝቢ ተሓጒሱ ይስዕቦ ከም ዝነበረ ይነግረና። ነቲ ብኢሳያስ ነብይ ተባሂሉ ዝነበረ ፈጺምዎ ዮሓንስ መጥምቅ ከይተረፈ አብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ሰሚዕዎ። ሎሚ ንሕና እውን ብሓቅን ብምሉእ ተገዳስነትን ንኢየሱስ ክርስቶስ አብ ሕይወትና ክመጽእ እንከሎ እንተ ተቐበልናዮ ነቲ እንጽበዮ ኵሉ ክምልአልና እዩ እዚ ኸአ ከም እንርኢ ብምግባር፥ እንደገና አብ ሓቂ ብምምልላስን ንቃሉ ብምስማዕን ብምስትውዓልን ንገብሮ። እዚ ኸአ ሕጉሳት ከም እንኸውን ይገብረና።

ኢየሱስ ነቶም አርድእቲ ዮሓንስ ክምልሰሎም እንከሎ ሓቀኛ ስርሑን መንነቱን ገሊጽሎም። ከምቲ ሰባት ዝገልጽዎ ገሩ ንርእሱ አይገለጸን በቲ አብ መንጎ ህዝቢ ዝገብሮ ዝነበረ ክግለጽ ደልዩ። ሎሚ እውን እቲ ትማልን ሎምን ጽባሕን ሓደ ዝኾነ ክርስቶስ ንርእሱ ክገልጽ እንከሎ ዕዉራት ከም ዝርእዩ፥ ሓንካሳት ከም ዝኸዱ፥ ለምጻማት ከም ዝነጽሑ፥ ጸማማት ከም ዝሰምዑ፥ ሙታን ከም ዝትንሥኡ፥ ድኻታት ወንጌል ከም ዝብሰሮም ዝገብር እዩ። ንሱ ዘይቅየር ኩሉ ጊዜ ሓደ ዓይነት ዝኾነ አምላኽ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ አምላኽና እንታይ ዓይነት ርድኢት አሎና? አብዚ እዋን ልደት አብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን ትጽቢትና እንታይ እዩ? ምናልባት ብዙሓት ካባና ግዙፍ ነገራት ክውሃበና ንጽበ ንኸውን? ገለ አብ ሕይወትና ጎዲሉና ዘሎ ክንረክብ ወይ ሓዲስ ምጅማር ክገብረልና እሞ ኩሉ ክሕደስ ክኸውን ይኽእል ትጽቢትና? ቀንዲ ትጽቢትና ግን ሎሚ እውን ኢየሱስ ብፍሉይ መገዲ ዝመጽእ መንፈሳዊ ምሕረት ክህበና እዩ። ካብቲ መንፈሳዊ ዕውረትና፥ መንፈሳዊ ምልማስና፥ መንፈሳዊ ደዌና፥ መንፈሳዊ ምጽማምና፥ መንፈሳዊ ሞትናን ድንቁርናና ክሕውየና እዩ ዝመጽእ ዘሎ።

እምብአር ነቲ አምላኽ ዘርእየና ዘሎ ምልክታት ክንርኢ እንተ ዘይከአልና፥ ነቲ አብ መንደቕ ልብና ተጻሒፉ ዘሎ አብኡ ብዝያዳ ከቕርበናን ሓደ ክገብረና ዝኽእል ክነንብብ ዘይንኽእል እንተ ድአ ኮና ብመንፈስ ዓዊርና አሎና ማለት እዩ። ምስ ካልኦት ከማና ዘመሰሉ አሕዋትና ሰንበት ሰንበት ክነምልኽን ክንጽልን እንተ ዘይክአልና ጽቡቕ ክንገብር እንተ ዘይከአልና ብመንፈስና ለሚስና አሎና ማለት እዩ። ብመንፈሳዊ ደዌ እንሳቐ ነፍስና ብናይ ኃጢአት ግዕዘይ ነገራት መሊአ ክትርከብ እንከላ ዝኾነ ጽብቅ ነገር ቀጭቀጭ ከብለና እንከሎ እዩ። መንፈሳዊ ምጽማም ንቃል አምላኽ ምስማዕ ወይ ምእዛዝ ክኸብደና እንከሎ እዩ። ብመንፈስ እንመውት ከአ ንዝኾነ ክፉእ ነገር ክንገብር ሕልናና ዘይወቕሰና ኮና ዝኾነ ናይ ምሕዳስ ወይ ምቕያር መንፈስ ዘይብልና ክነብር ከሎና እዩ። ንቃል ወንጌል ክንርዳእ ክኸብደና እንከሎ ደናቝር ኢና። ካብዚ መንፈስ ወጺእና አብ አምላኽ ክንምለስ ይድለ አሎ።    

አብዚ ሰንበት ቤተ ክርስትያን ናይ እቲ ብክርስቶስ ዝውሃበና ሓጎስ እንታይ ከም ዝመስል ትእምርቲ ትህበና። እምብአር ንተሓጎስን ደስ ይበለናን ነዘን ተሪፈናና ዘለዋ መዓልታት ብዓቢ ንቕሓትን ምስትውዓልን ከአ ንሰናደወለን ትብለና። ከምቲ ነህምያ ንህዝቡ ዝበሎ ኪዱ ዝሰብሐ ብልዑ ዝጠዓመ ድማ ስተዩ ነቶም ዘይብሎም ከአ ግዲኦም ስደዱሎም እዛ መዓልቲ እዚአ ንጎይታና ዝተቐደሰት እያ፥ እቲ እግዚአብሔር ዝህበኩም ሓጎስ ኬበርትዓኩም እዩ እሞ አይትጉሃዩ (ነህምያ 8፡10) ዝበሎም ትብለና አላ።

ሓደ እዋን ሓደ ዕዉር ሰብ ሰባኻይ ኮይኑ ንብዙሓት ሰባት ብስብከቱ ይስሕብ ነሩ። ዝስሕቦም ዝነበረ ኸአ ብአካል ዓይነ ስዉር እንከሎ ኩሉ ጊዜ ስብከቱ ክጅምር እንከሎ ዕዉር እየ ነረ ሕጂ ግን እርኢ አሎኹ ይብል ስለ ዝነበረ እዩ። ዑረቱ አካላዊ እምበር ብመንፈስ ዝያዳ ይርኢ ነሩ፥ ነቲ ብዙሓት ዝርእዩ ግን ክርእይዎ ወይ ክርድእዎ ዘይ ከአሉ ርእዩ ይኽእል ስለ ዝነበረ ይርኢ ነሩ።

አብዚ ጊዜ ምጽአት ንብዓል ልደት ብዝያዳ አብ እንቀራረቡ ዘሎና እዋን እምብአር ነቲ አምላኽ ሕጂ እውን ፍቕሩ ክገልጸልና ኢሉ ዝህበና ዘሎ ጸጋ ርኢና ክንክእል እሞ ብዓልና ብፍሉይ ክነስተማቕሮ ርኢና ንኽአል ወይ እውን ነቲ ከይንርኢ ዝኽውለና ሎሚ ንእለዮ። አብ ምቅርራብና ንአምላኽ ብዝያዳ ዘሓጉስ ሰሪዕና ክንክእል ሕይወትና ቀይርና አብ አምላኽ ክንምለስ ንሰናዶ።

ክርስቶስ እቲ እንኮ ጓሳና ሎሚ እውን ክጓስየና ክሕግዘና ይመጽእ አሎ። እሙናት መጓሰ ኮና ጓሳና ክነለሊ እዋኑ እዩ። ካብ መጓሰ ክርስቶስ ፈልዩና ዘሎ አሊና አብ ሓቀኛ ጓሳና ክንጽንበር ልብናን ሕልናና አንጺሕና አብኡ ንቕረብ።

ብዓልና ምልአት ሓጎስ ክህልዎ ጸሎት፥ ንስሓ፥ ዕርቂ፥ ንግበር፥ እሙን ጓሳና ክርስቶስ ብጸግኡ አብኡ እንቀርበሉ ጸጋን በረኸትን የውርደልና።

ብሩኽ ብዓል ልደት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

31 December 2020, 11:06