ሰንበት ዘደብረ ዘይት ታሕሣሥ 4 2013 ዓ.ም. (12/13/20)

መዝሙር፡ ሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ. . ሰብ ከዕርፈላ ምእንት ሰንበት ሰርዐ አብ ሰማይን አብ ምድርን አብ ባሕርን አብ መሬትን ምእንቲ ዘለዉ። ምእንቲ አቦታትና ነብያትን ሓዋርያትን፥ ምእንቲ ጳጳሳትን ቀሳውስትን ዲያቆናትን መነኮሳትን ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ፥ ንጻድቃንን ኃጥአንን ንሙታንን ሕያዋንን ኢሉ ሰንበት ምእንቲ ዕረፍቲ ሰብ ኢሉ ሰርዐ፥ ንሳ ሰንበት ክርስቶስ ማኅደር ስም ንልዑል እያ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ሮሜ 5፡12-19፥ ፪ጴጥ 3፡10-ፍ፥ ግ.ሓ. 26፡1-11፥ ማቴ 8፡5-11።  ምስባክ፡ ለነዳያኒሃኒ አጸግቦሙ እክለ፥ ወለካህናቲሃኒ አለብሶሙ ሕይወተ፥ ወጻቃኒሃኒ ትፍሥሕተ ይትፌሥሑ። ‘ንድኻታታ እኽሊ ኸጽግቦም እየ። ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፣ ቅዱሳና ኸኣ ብሓጐስ እልል ኪብሉ እዮም።’ መዝ 132.14-15

ምስጢር ምዓልቲ ሰንበት ተረዲእና አብ ጥቕሚ ነፍስና ክነውዕላ የዘኻኽረና። ሰንበት መዓልቲ ዕረፍቲ ክብሃል እንከሎ ንኹሉ ግዙፋዊ ሥራሕና ገዲፍና ውራይ ነፍስና ክነቐድም ይነግረና። አብ መዓልቲ ሰንበት እንፍጽሞ ስርዓተ ቅዳሴ ንሕያዋንን ንሙታን አብዘለና አሊና ከም ዝጠቕመና ፈሊጡ ተሳትፎና ከይንዝንግዕ ይመኽረና። ሰንበት ካብ ኩለን ዕለታት ዘዕብያ ክርስቶስ ካብ ሞት ዝተንሥአላ ከምኡ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ዝወረደላ ስለ ዝኾነት ንአና በዅሪ ዕለታት እያ፥ ካብ ኵለን ከአ ትዓቢ።

ሰንበት ዕለት አምላኽ ስለ ዝኾነት ክንስሓላ ሰላም ክንገብረላ ንጽጉም ክንረድአላ ንዝተባእሱ እንዓርቀላ ልዕሊ ኹሉ ኸአ አብ መአዲ አምላኽ ቀሪብና ብምሉእ እንሳተፈላ ፍልይቲ ዕለት ምሕረትን ጸጋን እያ። ቤተ ክርስትያን ሰንበት መዓልቲ አኽብሩ ክትብለና እንከላ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ርኢና ነቲ ካብ አምላኽ አውጺኡና ዘሎ ክንሓድጎ ንአምላኽ ልብና ክንከፍተሉ እሞ ክንቅደስ ንማለት እዩ እሞ ሰንበት ንቅድስና ሕይወትና ንጠቐመላ። አብ ምሕረት አምላኽ አሚና ኦ ግይታይ አብ ቤተይ ክትአቱ ብቑዕ አይኮንኩን ዝብል ናይ ሎሚ ወንጌል እናስተንተና ሰንበትና ነብዕል።

ወንጌል ማቴዎስ ንሎሚ ዝተነበልና ዝሕብሮ ንኢየሱስ አብ ሕይወትና አብ ገዛና አብ ኩሉ ኩነትና ከመይ ገርና ክንቅበሎ ከምዘሎና የዘኻኽረና። እዚ ማቴዎስ ዝነግረና አብ ሉቃስ አብ 7፡1-5 ንረኽቦ አብ ማርቆስ ግን የለን። ቅፍርባሆም ሓንቲ ከብተን ኢየሱስ ብዙሕ ተአምራታትን ትምህርትን ዝገበረላ ከተማ ግን ካብተን ምስማዕ ዝአበያ ሓንቲ እያ ነራ። እዚ ሓለቓ ሚእቲ አብ ኢየሱስ ቀሪቡ ምሕረት ንወዱ/ንጊላኡ ሓቲቱ። ንሱ አረማዊ እዩ ነሩ ብዙሓት ሮማዊ ዘይኮነ ሶርያዊ እዩ ነሩ ዝኸውን ዝብሉ አለዉ፥ ሉቃስ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ብመንጎኝነት ሰባት አብ ኢየሱስ ከም ዝቐረበ ክነግር እንከሎ ማቴዎስ ግን ባዕሉ ከምዝቐረበ ገሩ ይሕብረና። ጎይታይ እናበለ ብኽብሪ ይቐርብ ንሓደ ክርስትያን ጎይታይ ክብል እንከሎ ልዕሊ ስነስርዓት ናይ አምላኾ ሰላምታ እዩ ነሩ።

ጸገምና ምሉእ እምነት ገርና አብ ኢየሱስ ንቕረብ፡

ሰብ አብ ሕይወቱ ተአምራት ክርኢ ክልተ ነገር የድልዮ ምሉእ እምነትን ቅኑዕ ሕይወት ክለብስ የድሊ። አብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ምሉእ እምነት ክህልዎም ማርያም ዝበለኩም ግበሩ ኢላቶም። ነቲ ዕዉር አብ መገዲ ኢያርኮ ዝረኸቦ ነዚ ክገብረልካ ትአምንዶ ኢልዎ እወ ምስ በለ ብእምነት ብሥጋን ብነፍስን ክርኢ ክኢሉ።

ስለዚ ምሉእ እምነት ገርና ጸገማትና ሒዝና አብ ኢየሱስ እንተ ቐረብና ኩሉ ጊዜ ከምዝቕበለና ንምሃር፥ እዚ ታሪኽ ንትምህርቲ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያን እዩ ተጻሒፉ፥ ብእምነት ክቐርቡ ዝነግር ታሪኽ እዩ። አምላኽ ምሕረቱ ከውርደልና ናታትና ተበግሶ እምነትና ዓቢ ተራ አልኦ።

ኢየሱስ ልመናን እምነትን ሓለቓ ሚእቲ ርእዩ እነኹ መጺአ ከሕዎ እየ ኢልዎ፥ እንተ ኾነ እቲ ሓለቓ ንኹልና ዓቢ ትምህርቲ ዝኸውን ጎይታይ ንስኻ ናብ በተይ ክትአቱ አይበቅዕን እየ፥ ግና ሓንቲ ቃል ጥራይ ተዛረብ ወደይ ድማ ዂሓዊ እዩ ኢልዎ። አብ ጊዜ ቅዳሴ ህዝቢ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን ምቕባል ኦእግዝእየ ኢየሱስ ክርስቶስ አኮ ዘይደልወኒ ትባእ ታሕተ ጠፈረ ቤትየ ርኵስት. . . . .  እናበሉ ጸሎት ይደግሙ። ከምኡ ኦ አምላኽና ከብ ምሕረትካ እምበር ከም በደልና አይትኽደና እናበልና ንጽሊ እዚ እውን አብ ቅድሚ አምላኽ ዘቕርብ ሓንቲ ግብሪ ከምዘይብልና እንተ ኾነ አብ ምሕረት አምላኽ አሚና ክንቀርብ እንከሎና ከም እንምሓር ስለ እናአምን ምስ ኩሉ ኃጢአትና ንቐርብ።

አምላኽ አብ ቤትና ክአቱ እንታይ የድሊ፡

ሰባት ብባህርና ዝኾነ ክቡር ሰብ እንፈትዎ ወይ እውን ብዓል ስልጣን አብ ቤትና ክንዕድሞ እንተ ኾና ንሰናዶ ዘድሊ ነቲ ጋሻና ዝበቅዕ ዝበልናዮ ንቕርብ ጋሻና ምእንቲ ክኸብርን ክሕጎስን፥ በዚ ኸአ ፍቕርናን አኽብሮትናን ንገልጽ እዚ ንማንም ሰብ ከማና ኢና እንገብሮ፥ ንአምላኽ ንፈጣሪና እንገብሮ ምቅርራብ ድአ ከመይ ክኸውን አለዎ ምበልና?

እዚ ሓለቓ ሚእቲ ጭዋ ሰብ ስለ ዝነበረ ንክቡር ጋሽኡ ክኸውን ዝደለ ክርስቶስ ንአኻ ዝበቅዕ ቤት የብለይን ኢሉ ብግሉጽ ገሊጹ እዚ ግን አብ ትሕትና ዝተመስረተ እዩ እምበር ንኢየሱስ አብ ቤቱ ከይአቱ ክዓግት ኢሉ አይኮነን። አብ ገዛይ ክትአቱ ብቑዕ አይኮኑኩን ክብል እንከሎ ክልተ ነገር እዩ ዘስምዕ፡ መጀመርያ ኢየሱስ አይሁዳዊ ስለ ዝኾነ አብ ቤት አረመን ክአቱ አይፍቀዶን እዩ ከምኡ እንተ ገበረ ብህዝብን ብመራሕቲ ሃይማኖትን ክጽላእን ክስጎግን እዩ፥ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ነዚ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ንኢየሱስ አብ ጸገም ከእትዎ አይደለን። ካልአይ ንኢየሱስ ከም ነብን ዓቢ ሰብን ስለ ዝረአዮ ምሉእ ትሕትና ገሩ አብ ገዛይ ክትአቱ ብቑዕ አይ ኮንኩን እዩ ዝብል ዘሎ። ንአና ሎሚ ዘድልየና ዘሎ እዚ ዳሕራይ ሓሳብ እዩ። ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ክነስተንተን ይሕግዘና።

  • እምነት መሰረት ናይ ኩሉ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ እዩ፡ አብ አምላኽ ክንቀርብ ክንልምኖ ምሉእ እምነት የድልየና። ዘይንአምን እንተ ኾና አምላኽ ካባና ርሑቕ እዩ ዘሎ። እምነተይ ብኸመይ እርእዮ? አበናይ ጊዜ እየ ዝአምን? ኢልና ንርእስና ክንርኢ አሎና።
  • ልብና ሕይወትና ጋዕዝዩ ብኃጢአት ተበላሽዩ እንከሎ አብ አምላኽ ክንቀርብ አይክአልን እዩ። ሙሴ አብ ደብረ ሲና አብ ቅድሚ አምላኽ ክቐውም ሳእኑ ከውጽእ ከምዘለዎ ተነጊሩ እዚ በቲ ግዚኡ ናይ ትሕትናን አምልኾን ምልክት እዩ ነሩ። ሎሚ አብ ቤት አምላኽ ቅድሚ ምእታውና ንዝኾነ ክፍአትን ቂምታን ኃጢአትን ክነውጽእ አሎና።
  • ቤት አምላኽ ዝኾነ ልብና ክነጽሕ ይግብኦ። ረሲሑ ተበላሽዩ ተቐይሙ ኃጢኡ እንከሎ አብ አምላኽ ክቐርብ አይክእልን። ከይተገብኦ እንጌራ ጎይታ ዚበልዕ ወይስ ጽዋዕ ጎይታ ዚሰቲ አብ ናይ ጎይታ ሥጋን ደምን እዩ ዚዕግብ፥ እምብአር ሰብ ካብዚ እንጌራ እዚ ቅድሚ ምብልዑን ካብዚ ጽዋዕ ቅድሚ ምስታዩን ርእሱ ይመርምር፥ ከመይ ሥጋ ጎይታ ምዃኑ ፈልዩ ኸይፈለጠ ዚበልዕን ዝሰትን አብ ገዛእ ርእሱ ፍርዲ እዩ ዜምጽእ (1ቆሮ 11፡27-29)።
  • ምስጠረ ንስሓ ክነዘውትር አሎና። ክዳና ሰውነትና ምስ ረስሐ ከም እንሓጽቦ ርስሓት ነፍስና ኸአ ብኑዛዜን ተአምኖ ኃጢአትናን ኢና እነንጽሖ። አብ ቅድሚ አምላኽ ተደፊእና ምሕረት ክንሓትት ብኃጢአትና ክንእመን የድሊ።
  • ቅድሚ አብ መአዲ ክርስቶስ ምቕራብና ሕልናና ክንምርምር ይግባእ። ምስ ጎይታይ ክራኸብ እንተ ኾይነ ሕይወተይ ከምኡ ርክበይ ምስ ሰባት ከመሎ ኢልና ንርእስና ክንሓትት ክንፍትሽ እዋኑ እዩ።

እምነት እዚ ሓለቓ ሚእቲ አብ ቅድሚ ኢየሱስ ሞጎስ ረኺቡ ክንድዚ ዝአክል እምነት አብ እስራኤል አብ ሓደ እኳ ከም ዘይረኸብኩ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ አብ ካእል እዋን ሰባት እዮም በቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ክድነቑ እንርኢ አብዚ ግን አምላኽ ብፍጡሩ ክድነቕ እሞ አረማዊ ንርኢ። አብዚ እነስተንትኖ አብ ጊዜ ማቴዎስ እቶም አረማውያን ዝነበሩ ከመይ ኢሎም አብ እምነት ክርስትና ይቐርቡ ከምዝነበሩ ከምኡ ወንጌል ንኹሉ ከምዝኾነ ከስተምህር ዝብሎ እዩ። እምነት ብስም ተጠመቕካ ወይ ቤተ ክርስትያን ተመላለስካ ዘይኮነ ክነብሮ አሎና። አብ ቅድሚ አምላኽ ክነብር እዩ ዘድሊ ዘሎ። እምነት ክጠፍእ እንከሎ ሽዑ ምስኡ ርክብና ምስ አምላኽን ሰብን ይመውት። እምነትና ሕያው ክከውን እንከሎ ጥራሕ እዩ አብ ሓቂ እንነብር።

እመነተይ ከመሎ ኢልና ክንርኢ ዓይኒ ሕልናናን ልብና ክንፍትሽ ግቡእ እዩ። እምነት ክደርቕ ክድስክል ክመውት እውን ይክአል እዩ፥ ስለዚ ምሕዳስ ምብርባር የድልዮ። ወንጌል ክንበብ እንከሎ፥ ቃል አምላኽ ክንሰምዕ ከሎና፥ ዓመት ዓመት ብዓላት ክነብዕል ከሎና አብ ምሕዳስ እምነትና ክሕግዘና ብማለት እዩ። ስለዚ ከምዚ ሓለቓ ሚእቲ ሕያው ዝኾነ እምነት ክንለብስ ንበራበር።

ክንአምን እንከሎና ድላይና ይሰምር፥ ነዚ ሓለቓ ሚእቲ ኪድ ከም ዝአመንካዮ ይኹነልካ ኢልዎ እቲ ወዱ ኸአ በታ ሰዓት እቲአ ሓወየ ይብል። ብምሉእ እምነት ክንቀርብ ከሎና ድላይ አምላኽ አባና ይፍጸም። ለምኑ ክትረኽቡ ኳሕኵሑ ክርሓወኩም ኢሉና፥ ብምሉእ እምነት ዝለመነ አምላኽ ከይሰምዖ አይተርፍን እዩ። ነቶም አብኡ ዝቀርቡ ዝነበሩ እዚ ክገብረልኩም ትአምኑዶ ይብሎም ንሶም ከአ እወ እናበሉ ይሓውዩ ነሮም። እታ ከንአናዊት ሰበይቲ ደጋጊማ ምስ ለመነት ከም ዝደለኽዮ ይኹነልኪ ኢልዋ።

አብ ቅድሚ አምላኽ ጊዜ ክነሕልፍ አሎና። ብዙሓት አለማምና አይንኽእልን ኢና እግዚአብሔር ድላይና ክገብረልና ኢና እንደሊ ግን ድላዩ እዩ ዝህበና ስለዚ ድላይካ ክቕበል ሓግዘኒ ዝብል ልመና ክነዘውትር የድሊ።

ሎሚ እምብአር አብ አምላኽ ክንቀርብ መጀመርያ ምሉእ እምነት ከምዘድሊ፥ ንጽሑ ልብን ሕይወትና ክህልወና ከምዝግባእ፥ አምላኽ አብ ዝረስሐ ሕይወት ክአቱ ከምዘይደሊ፥ ፈሊጥና ሕይወትና ንአምላኽ ዝበቅዕ ንግበሮ። ንትዕቢት ንድንቁርና ንኽፍአት አብ ጎኒ ሓዲግና አብ ምንጭና ዝኾነ አምላኽ ንመለስ ሽዑ አምላኽ ክቕበለና ክባርኸና እዩ ነዚ የብቅዓና። አሜን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

12 December 2020, 18:50