እምነት ኣብ ደቡብ ኮርያን ፍልዩ ምኽንያት ኢዮቤልን እምነት ኣብ ደቡብ ኮርያን ፍልዩ ምኽንያት ኢዮቤልን 

እምነት ኣብ ደቡብ ኮርያን ፍልዩ ምኽንያት ኢዮቤልን

እዚ ዓመት ኢዮቤል’ዚ ናይ ወንጌላውነት ምልዋጥ እዋን ክኾነልና እዩ ጸሎተይ፡ ንኣስፍሆተ ወንጌል ምንቕቓሕን ቀናኢ ንወንጌላውነት ዘተባብዕ እዩ

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ቀዳማይ ካህን ተወላዲ ደቡብ ኮርያ ኣብ 1846 ዓ.ም. ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበለ ቅዱስ ኣንድረያ ኪም ታኤ - ጎን ዝኽሪ መበል 200 ዓመት ውልደቱ ምኽንያት ዝተፈላለዩ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ከምእተበገሰን ብዛዕባ እዚ መደብ’ዚ ኣማእኪሎም ናይ ሰበኻ ዳኤጆኤን ጳጳስ ምስ ዜና ቫቲካን ብዛዕባ እዚ ዝኽሪ መበል 200 ዓመት ልደት ሰማዕት ቅዱስ ኪም ታኤ-ጐን ዘለዎ ዓቢይ መፈሳውን ባህላውን ክብርን ከምኡ እውን እቲ ዝተበገሰ ኢዮበል ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ኮርያን ንመንእሰያት ዘለዎ ልዑል ኣድላይነት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ናይ ትምርትን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ማሕበር ድጋፍ ካብ ዕለት 29 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ኮርያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝኽሪ መበል 200 ዓመት ውልደት ሰማዕትን ቅዱስን ቀዳማይ ካህን እታ ሃገር ኣንድረያ ታኤ - ጎን (1821 – 1846 ዓ.ም.)፥ ቀዳማይ ካቶሊካዊ ካህን ኣብ ደቡብ ኮርያ ዕለት 16 መስከረም 1846 ዓ.ም. ብስርወ ንግስነት ጆሰኦን ዝተሰየፉ ምዃኖም ናይ ቅዱስ ኣንድረያ ታኤ ጐንን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ኮርያ ናይ ታሪኽ ማህደር ተመልኪቱ ከምዘሎን፡ ቅዱስ ኣንድረያ ዕለት 6 ግንቦት 1984 ዓ.ም. ዮሕንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንድረያን ካልኦት 103 ሰማእታት ኮርያ ቅድስና ከምዝኣወጁሎም ክዝከር እንከሎ፡ እዚ ኢዮቤል ዝኽር መበል 200 ዓመት ውልደት ቀዳማይ ናይ ደቡብ ኮርያ ካህን ቅዱስ ኪም ታኤ-ጐን ዓመት ኢዮቤል ዕለት 27 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ዝዛዘም ከምዝኾነ ናይቲ  ኢዮቤል ብሓላፍነት ናይ ዘሰናድው ሰበኻ ዶኤጆኤን ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ  ሀውንግ - ሲክ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ኣተሓሒዞም እውን እዚ ኢዮበልዩ እዋን ናይ ሰማእትነት መንፈሳውነት እነወስጠሉ እዋን እዩ ኢሎም።

ካብ መላእ ብዝሒ ሕዝቢ ደቡብ ኮርያ እቲ ካብ 50 ሚእታዊ ንላዕሊ ዝሽፍን ኢሃይማኖታዊ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ 11 ሚእታዊ ዝሽፍን ሰዓቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዝኾነ እውን ብጹዕነቶም ሓቢሮም፡ እቲ ኢዮቤል ዓመት ኣብዚ ጽንኵር እዋን ማለት ኮቪድ - 19 ኣብ ዘረኣየሉን ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው ክንክን ጥዕና ኣብ ዝተኸስተሉ እዋን ዝበዓል እውን ብምዃኑ እቶም ሰማእታት እምነት ነዚ ቅልውላው’ዚ ንኽንሰግሮን ነቲ ዕሽሽ ዝበለናዮም ክቡራት ዋጋታት ፍቕርን ምትሕልላይን፥ እቲ ዓቢይ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኣፍቅር ብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ኣፍቅር ዝብል መልእኽቲ የዘኻኽሩናን ንኽንነብሮ እውን የተባብዑናን ንእውነተይና እምነት ልብና ንኽንክፍትን ከም ጐይታ ንፍቕርን ንሓልዮን ገዛእ ርእስና ንኸነወፍይ ይድርኸና ሰማዕታት ኮርያ ናይዚ ተወፋይነት’ዚ መግለጺ እያቶም።

እዚ ዓመት ኢዮቤል’ዚ ናይ ወንጌላውነት ምልዋጥ እዋን ክኾነልና እዩ ጸሎተይ፡ ንኣስፍሆተ ወንጌል ምንቕቓሕን ቀናኢ ንወንጌላውነት ዘተባብዕ እዩ። ክህነታውነት ዘማእከለ ክህሉ ዘይግብኦ ዝምባለ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን እውን ተራእዩ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ገርሄይና እምነትን ናይ ምእመናን ጽንዓትን ንናይ ደቡብ ኮርያ ቤተ ክርስቲያን ኣበርቲዑዋ እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጉባኤ ብጹዓን ካርዲናላት ዝበልዎ፥ “ናይ ኢየሱስ መገድን ናይ ዓለም መገድን ዘይቃደው እዩ” እቶም ሰማዕታት ኮርያ እውን ብስኑይን ስሙርን ሕይወትን ድኽነትን ብወንጌላዊ ክርብታትን ሃብታም ዝኾነ ኣብ ናይ ክርስቶስ መገዲ ምጉዓዝ ዘሎ ሓሴት ዳግም ንኽንረክብ ይደግፉና።

እዚ ኢዮቤል መበል 200 ዓመት ልደት ሰማዕት ቅዱስን ቀዳማይ ካህን ተወላዱ ኮርያ ኣንድረያ ኪም ብናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ማሕበር ዝተደገፈ እውን እዩ፥ እዚ ኸኣ ኣንድረያ ኪም ሓዲግዎ ዝሓለፈ ዓቢይ ውርሻ ንቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኮነ ንመላ ዓለም ዓቢይ ሃብቲ ምዃኑ ዝምስክር እዩ። ንኣብነት ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኩሉ ማዕረን ኣሕዋት ደቂ ሓደ ኣቦ ኣብ ዝብል መሰረት ኣጽኒዑ ዘመሓላለፎ ሰብኣዊ ባህሊ ዘለዎ ልዑል ክብሪ ዝምስክር ድጋፍ ምዃኑ ይሕብሩ።

ሰማዕታት ኮርያ ግብረ ሓዋርያት ተክለ ሰብነቶም ዝገበሩን እታ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተዓደለትና ቅዱስ ኣቦና ኵላትና ኣሕዋት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ብሕይወቶም ዝነበርዎን ውሑድ እውን እንተነበረ ዘለዎም ኵሉ ናተይ ከይበሉ ናትና ብዝብል መንፈስ ዘካፈሉን ብሓቂ ናይ ሕውነትን ፍቕርን ኣብነት እያቶም እንክብሉ ዝገለጹ ናይ ሰበኻ ዶኤጆኤን ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ  ሀውንግ - ሲክ  ኣስዒቦም፡ ኣብቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ እስያ መንእሰያት ዝተራኸብሉ ቦታ፡ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ማእከል ክልተ ዕላማ ዘለዎ ኮይኑ ከምዝቖመን፡ እቲ ቀዳማይ ናይ ኮርያ ምእመናን ዘራኽብ ስፍራ ዝብልን እቲ ካልኣይ ከኣ እቲ ናይ ኮርያ ሰማእታት ዝመስከርዎ ክቡር ዋጋ ብምንቕቓሕ ንመላእ ሕብረተሰብ ምድጋፍ ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

07 December 2020, 12:29