ብናይ ምልክታ ቋንቋ ብናይ ምልክታ ቋንቋ 

ር.ሊ.ጳ. ንበዓለ ልደት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ንሮማን መላእ ዓለምን ቡራኬን

ቡራኬን ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎ ኵሎም ክከታተልዎ ብናይ ምልክታ ቋንቋ ዝተሰነየ ከምዝኸውንን በዚ ዓይነት መደብ’ዚ ኣቢሉ ዜና ቫቲካን ንዅሎም ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ ጽንኵር ኩነት ንዝርከቡ ዜጋታት ቅርበቱ የረጋግጽ

ዜና ቫቲካን ምስ ትቩ2000 ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መደብር ተለቪዥንን እናቴ ቨሮኦኒካ ዶናተልሎ ካብ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት በዓለ ልደት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ፍርቂ መዓልቲ ንሮማን መላእ ዓለምን ዝህብዎ ቡራኬን ብዅሉ ተበጻሒ ክኸውን ብዝብል ሓሳብ ብዩ ቲዩብ ናይ ምስማዕ ጸገም ንዘለዎም ግዱዓት ብናይ ምልክታ ቋንቋ ከቕርቡ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 3 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ግዱዓት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “እምነት ብኹሉ ተበጻሒ ክኸውን ነዚ ዝድግፍ ብቑዕ መጋበርያ ምጥቓም ኣገዳሲ ምዃኑ ደጊመ ከዘኻኽር እፈትው፡ እዚ መጋበርያ እዚ ንዘድልዮም ኵሎም ብናጻን ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ንዅሉ ዘለዎ ኣገዳስነቱ ዝተጋህደ ሓድሽ ብእደ ጥበብ ዝመጠቐ መጋበርያ ብዅሉ ተበጻሒ ክኸውን እላበው” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ መሰረት ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ልደት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ዕለት 25 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ዘመሓላልፍዎ መልእኽትን ንሮማን መላእ ዓለምን ዝህብዎ ቡርኬን ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ግዱዓት ኣሕዋትን ኣሓትን ክከታተልዎ መታን ብናይ ማምስዕ ጸገም ዘለዎም ቋንቋ ከመሓላልፍ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዩ ቲዩብ ብቋንቋ ምልክታ ናይ ምስማዕ ጸገም ንዘለዎም ግዱዓት

ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ዜጋታት ልክዕ ከምቲ ኣብ በዓለ ፋሲካ ዝተኻየደ ብናይ ምልክታ ቋንቋ ክከታተልዎ መታን ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳታ ቤት ምኽሪ ናይ ግዱዓት ዜጋታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊት እናቴ ቨሮኒካ ዶናተሎ ኣሰናዳእነት ቲቩ2000 ምስ እተሰምየ ምስ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ናይ ተለቪዥን መደብርን ምስ ናይ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ብምትሕብባር ቅዱስነቶም ዕለት 24 ታሕሳስ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ስብከቶምን ዕለት 25 ታሕሳስ ፍርቂ መዓልቲ ዘመሓላልፍዎ መልእኽትን ዘቕርብዎ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ቡራኬን ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎ ኵሎም ክከታተልዎ ብናይ ምልክታ ቋንቋ ዝተሰነየ ከምዝኸውንን በዚ ዓይነት መደብ’ዚ ኣቢሉ ዜና ቫቲካን ንዅሎም ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ ጽንኵር ኩነት ንዝርከቡ ዜጋታት ቅርበቱ የረጋግጽ።

24 December 2020, 16:23