ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ 

በርጠለመዎስ፥ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝነጽግ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ሃዋሁ በዓለ ልደት ዘሕድሮ ጽልዋ

እቲ ሕዝበ እግዚኣብሔር ምስ ክርስቶስ ዘለዎ ውሳጣዊ ርክብ ብደጋዊ ኵነታት ኣይጽለውን፡ እቲ ናይ 2020 ዓ.ም. በዓለ ልደት እውን በዚ መንፈስ እዚ እዩ ዝበዓል፡ እቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝነጽግ ደጋዊ መርኣያን ዓለማውነትን ዝብል ኣህላኺ ባህሊ ናይ በዓለ ልደት ሕብሪ ዘህስስ ኮይኑ ዝረአይ እውን እንተኾነ፡ እውነተይና በዓለ ልደት ነዚ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝነጽግን ዘድክምን ናይቲ ናይ ህልውና ምስጢር ዝቐትል ባህሊ ዝብድህ እዩ

ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ብምኽንያት በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መከራ ከጥፍእ ዘይኮነ ሰብ እውነተይና ሰብ ንኽገብር ትስብእቲ እግዚኣብሔር ዘረጋግጽ እዩ፡ እንክብሉ ትርጉም በዓለ ልደት ኣብሪሆም፥ ምእንቲ እቶም ብኾሮና ተሕዋስ ምኽንያት ዝሳቐዩንን ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕንናን ካህናትን ዝለብስዎ ልብሲ ናይ መስዋዕትነትን ናይ ኣገልግሎት መንፈስ ትእምርቲ ምዃኑ እውን ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ካብቲ እንነብሮ ዘሎና እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ለብዒ ዝርአየሉን ኣብ ልዕሊ ሕይወት መክብብ እውን ከይተረፈ ክሳብ ዘስዓቦ ዘሎ ቅልውላው ክንክን ጥዕናን ብሰፊሕ ዝድህስስ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ብበዓለ ልደት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ፥

በዓለ ልደት በቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝነጽግ ባህሊ ሕብሩ ይሃስስ ኣሎ

እቲ ሕዝበ እግዚኣብሔር ምስ ክርስቶስ ዘለዎ ውሳጣዊ ርክብ ብደጋዊ ኵነታት ኣይጽለውን፡ እቲ ናይ 2020 ዓ.ም. በዓለ ልደት እውን በዚ መንፈስ እዚ እዩ ዝበዓል፡ እቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝነጽግ ደጋዊ መርኣያን ዓለማውነትን ዝብል ኣህላኺ ባህሊ ናይ በዓለ ልደት ሕብሪ ዘህስስ ኮይኑ ዝረአይ እውን እንተኾነ፡ እውነተይና በዓለ ልደት ነዚ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝነጽግን ዘድክምን ናይቲ ናይ ህልውና ምስጢር ዝቐትል ባህሊ ዝብድህ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንሰብ ክብሪ እቲ ሰብ ዝኾነ እግዚኣብሔር እዩ (ትስብእቲ)

“ኣብቲ ዝተሰብአ ቃል፥ ናይ ሰብኣዊ ህላወ ሸቶን ዕላማን ኣሎ” ቢሎም - “ሰብ ከም ኣገባብ እግዚኣብሔር ክህልው መታን እቲ ፍጹም ህላወ እግዚኣብሔር ከም ፍጹም ሰብ ህልው ኮነ፡ ኣታናሲዮስ ዓቢይ ጠቒሶም፥ “እግዚኣብሔር ሰብ ኮነ፡ ትስብእት እግዚኣብሔር፡ ሰብ መልኮታዊ መታን ክኸውን እዩ”፡ ቅዱስ ጐርጐሪዮስ ዓብይ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ፥ “ሰብ፥ ዝተዓጸወ እግዚኣብሔር፥ ህያው መለኮታዊ ፍጡር” ዝበሎ እውን ጠቒሶም፡ እዚ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዓቢይ ክብሪ ምዃኑን፡ ንሰብኣዊ ህልውና መዳርግቲ ዘይብሉ ዓቢይ ክብሪ ዝህብ እዩ እንክብሉ ኣብሪሆም፡ እዚ ቲዮሎጊያዊ ኣምር’ዚ ኣብ ዓውዲ ሰነ - ሰብእን ኣብ ናይ ክቡራት ዋጋታት ተዋረድን ስነ ምግባራዊ መምርሕታትን ኣብ ግምት ብምእታው ወሳኒ ዝኾነ ለውጢ ዘምጽአ እዩ። ስለዚህ ካብታ ሰዓት እቲኣ ንሰብ ምትንካፍ ወይ ምጉዳእ ጸረ እግዚኣብሔር ምቛም ማለት ይኸውን፡ ከምቲ ኒኮላ ካባሲላስ “ልደት ኣብታ ክርስቶስ ብቐጻልነት ከምቲ ዝነበረን ዝኸውንን ‘ኣብ ሕቕፉ ኣዲኡን ኣብ እግዚኣብሔርን ዘሎ ኮይኑ ህልው ዝኾነላ መላእ ናይ ቤተ ክርስቲያን መለኮታውን ሰብኣውን ሕይወት ይግለጽ” ከምዝብሎ እዩ እንክብሉ ከምዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።

ናይ ሓኻይምን ናይ ካህናትን ልብሲ፥ ንኻልኦት ናይ ምግልጋል ትእምርቲ እዩ

በዓለ ልደት እነብዕል ነቶም ኣብ ሓደጋን ወይ ንህሙማን ኣሕዋትና ብምጽላይ እዩ፥ ዝበሉ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ሓሳቦም ናብቶም ኣብ ስቓይ ዘለዉ ከየብል ዘይከኣሎም እዩ፡ ናይ ሓኻይምን ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ናይ ኵሎም ነቶም ብለብዒ ኮቪድ - 19 ንዝተለኽፉ ኣብ ምግልጋል ሕይወት ገዛእ ርእሶም ዝሰውኡን፡ ናይቶም ዝጠቐስዎም ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ሓሴት ንህሙማን ከም ዝተቐደሰ ሰብ እምበር ከም ቁጽርን ወይ ከም ሓደ ጉዳይን ከም ግኡዝን ሰብኣዊ ዘይኮነ ስነ ህይወታዊ ድምር ኣይኮነን ኣብ ዝብል ኣገልግሎቶም እዩ፥ እዚ ንገዛእ ርእሱ ብዝሰማማዕ ደረጃ እውን ናይቶም ሓኻይም ህርኵት ኣገልግሎት የረጋግጾ፥ ምእንቲ ሓው ገዛእ ርእስኻ ናይ ምውፋይ ተግባር፡ ሓላይ ኣብ ምዃን ተግባር ዝምስክሮ እዩ። ምእንቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ሓው ዘገልግሉ ናይ ሓኻይም ጻዕዳ ልብስን ናይ ካህናት ልብስን ናይ መስዋዕትን ኣገልግሎት ትእምርቲ እዩ።

እቲ ለብዒ ኣብ ምትሕብባር ዘሎ ሓይሊ ኣስተርእዩና እዩ

በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብቲ ናይ በዓለ ልደት መልእኽቶም ኣስዒቦም፥ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ገዛእ ርእሱ ከሃሌ ኩሉ ዝገብር ሰብ ድሩትነቱ ንምእላይ ዝገብሮ ቃልሲ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ፍሹል ምዃኑ ኣርጋጊጹዎ እዩ። እዚ ኸኣ እቲ ሓይሊ ነቲ ሓገዝ ዘድልዮ ቀረባ ኣብ ምዃኑ ከምዝኾነ ብምሕባር እዩ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ማለት ኣብቲ ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ መንፈስ ዝጸንዔ ከምዝኾነን` ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ነዚ ዘረጋግጽ ዝተሓደሰ ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ሕልምታትን መሰረታዊ ናይ ሕይወት ሕቶታትን ንዘቕርብ ሓድሽ ውለዶ ኣብ ሰብኣዊ ሕውነት ዝሓንጽን ዝኸናኸንን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክረጋገጽ እውን ምንዮቶም ገሊጾም፥

መድሓኒና ናይ ናጽነት እግዚኣብሔር እዩ

መልእኽቶም እንከጠቓልሉ፥ እቲ ምጽኣት እነብዕሎ እግዚኣብሔር መከራን ናጽነትናን ዘዕንው ዘይኮነ እቲ ኣብ ኢየሱስ እንጽበዮ እግዚኣብሔር ብቤተ ክርስቲያኑ ኣቢሉ እውነተይና ሰብ ዝገብር እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሰብ ብዅሉ ይሕደስን ተራ ሓገዝ ዝቐርበሉ ዘይኮነ ብሓቂ ሰብ ይኸውን እሞ መለኮታዊ ፍጻሜኡ ይነብር” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

26 December 2020, 19:09