፭ይ ሰንበት ዘጽጌ ጥቅምቲ 29 2013 ዓ.ም. (11/8/2020)

መዝ. ትወፅእ በትር እምስርወ እሰይ. . . ካብ ሱር እሰይ በትሪ ትወጽእ ዕምባባ ይዓርግ፥ እታ በትሪ አምሳል ቅድስት ማርያም እያ፥ ካብአ ዝወጽአ ዕምባባ አምሳሉ ንወልድ አብአ ኃደረ፥ ቃል ሥጋ ኮነ ካብአ ኸአ ተወልደ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 1ተሰሎ 4፡13-18፥ ያዕ 1፡1-13፥ ግ.ሓ. 13፡6-16፥ ማቴ 25፡1-13።  ምስባክ፡ ወይከውን ከም ዕፅ እንተ ትክልት ኃበ ሙሐዘ ማይ፥ እንተ ትሁብ ፍሬሃ በበግዜሃ፥ ወቆጽላኒ ኢይትነገፍ፥ ንሱ ኸምታ በብእዋኑ ፍሬአ እትሁብ ቆጽላ ዘይነቅጽ አብ ወሰን ወሓዚ ማይ ዝተተኽለት ኦም እያ (መዝ. 1፡3)።

አብ ዘመነ ጽጌ ፭ይ ሰንበት ኢና ዘሎና፥ ብፍሉይ አብ ማርያም ዘሎና ፍቕርን አሰራ ስዒብና ንወዳ ክንክተል እነስተንትነሉ እዋን እዩ። አብዚ ሰንበት ብፍሉይ ማርያም ኩሉ ጊዜ ንወዳ አብ ምፍቃርን ምስዓብን ንቍሓትን ዝተሰናዶናን ኮና ክነብር ትነገረና። ሕይወት ማርያም ኩሉ ጊዜ ንድላይ አምላኽ ጽን ምስ በለ እዩ፥ ነቲ ሓንሳብ ሕረይ ኢላ ዝተቐበለቶ ክትዝንግዖ አይከአለትን፥ አብ ጉዕዞ ሕይወታን ሕይወት ወዳን ከቢድ ፈተናታት እዩ ገጢምዋ፥ ውልድ ምስበለ ገዛኢ ሃገር ንቕትለት ወዳ ተበጊሱ ንወዳ ክተድሕን መሪር ስደት ከይዳ፥ አብ ዓዲ ጓና እሞ ሓንቲ ዘይብላ ተቐሚጣ ብፍሉይ ናይ ስደትን ዓዲ ጓናን ተመክሮ ዘሎኩም ብቐሊል ክትርድእዎ ይክአል። ወዳ መንግስቲ አምላኽ እናሰበኸ እንከሎ፥ ንሕሙማትን ምጉዱራትን ካብ ኩሉ ሕማማት እናአሕወየ እንከሎ ጋኒን አለዎ እናበሉ ከዋርድዎን ክጸልእዎን ትርኢ ትሰምዕ ነራ እዚ እውን ንእምነታ አይተንከፎን፥ አብ መጨረሻ አብ መስቀል ክመውት እንከሎ ንስቓዩ ምስኡ ተኻፊላ ንፍቓድ አምላኽ እያ ተቐቢላ። አብ መስቀል ዝሃባ ለበዋ አደ ተኸተልቱ ክትከውን እዩ ነዚ ኸአ ብሓጎስ ተቐቢላቶ። ነቲ አብ ሕይወታን እምነታን ዝተመከረቶ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ንማሕበር  ወዳ መንፈስ ቅዱስ ክትቅበል አሰናድያታ፥ ምስኦም አብ መንግኦም መንፈስ ቅዱስ ተቐቢላ። እዚ ኹሉ ዘርእየና አብ ሕይወትና ንማርያም ጽን ክንብላ እሞ እሙናት ደቂ ኮና ክነብር እዩ። ወደይ ዝበለኩም ግበሩ እያ ትብለና ዘላ። ድላይ ወዳ ኸአ ፍቕሪ ሰላም፥ ሕድገት ገርና እሙናት ክርስትያን ኩሉ ጊዜ ንጽቡቕ ስንድዋት ኮና ክነብር እሞ ነዛ ብኹሉ ጨኒቕዋ ዘሎ ዓለም ተስፍአ ክንከውን እዩ።

ጥቅምቲ 29 ሰንበት እንተ ወዓለ ትወፅእ በትር እምስርወ እሰይ ዝብል መዝሙር ይዝመር። በትሪ እሰይ እታ ካብ ኩለን ዓምቢባ ተፈልያ እትረኽበት አምሳል ማርያም እያ። እግዚአብሔር ንእሰይ ካብኡ ዝውለድ ንእስራኤል ከም ዝመርሕን ከም ዝጥርንፎምን ብሳሙኤል ነብይ ገሩ ገሊጽሉ። እዚ ሕርየት ምስቲ ናይ ማርያም ሕርየት ይመሳሰል። ማርያም አምላኽ ባዕሉ ሓርይዋ አደ ወዱ መድኃኔ ዓለም ክትከውን መሪጽዋ። ማርያም ብአምላኽ ንዝቐረበላ ሕቶ ወላ እኳ ክትርድኦ ይኽበዳ ካብ አምላኽ ዝመጸ ስለ ዝኾነ ተቐቢላቶ። አብዚ መሰረት ገርና ንድላይ አምላኽ ክንቅበል እንከሎና ንድሕነትና እዩ፥ አብ ገለ እዋን ክንርድኦ ክንቅበሎ ክኸብደና ይክአል እዩ ግን አብ አምላኽ እምነት ገርና ክንቅበሎ ከሎና ባዕሉ እዩ ብጸግኡ ንኹሉ አብ ጥቕምና ዘውዕሎ።

ንባባትና ብምልኦም ንአምላኽ ክንደልን ብጥበብ ዝመልኦ ሕይወት እናነበርና ንጎይታ ክንጽበዮ ከም ዘሎና የዘኻክሩና። ቀዳመይቲ ንባብና ካብ 1ተሰሎ 1፡13-18 እያ፥ ቅ. ጳውሎስ እዛ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ካብ ኩለን መልእክትታቱ ነቶም አብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ አመንትን ዝጸሓፋ  ሎሚ ኸአ ንነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ እቶም ቅድሚ ዳግማይ መጽአት ጎይታ ዝመቱ ከይንጭነቕ ወይ ከይንሓዝን ይነግረና፥ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት አይትኹኑ. . . . ንኢየሱስ አሚኖም ዝሞቱ ምስኡ ኸም ዜተንሥኦም ንአምን ኢና ይብል። ሰብ ተሰሎንቄ ዘጨንቖም ዝነበረ ከም ኩሎም አብቲ እዋን ዝነበሩ ዝአምንዎ ዝነበሩ ዝተንሥአ ኢየሱስ ቀልጢፉ ካብዚ ጭካን ዓለም ንሰማይ አብ መንግስቱ ከምዝወስዶም ይአምኑ ስለ ዝነበሩ እዩ።

እዚ አብቲ ዘሎና እምነት አብ ተስፋ ትንሣኤ ሙታን ዝተመስረተ እዩ። አብ ክንዲ ብዛዕብኦም ብዙሕ ምስካፍን ምጭናቕን እቲ ጥበብ ዝመልኦ ስክፍታ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍና እዩ። ከጨንቐና ዘለዎ ንጎይታ ክንቅበል ክሳብ ከንደይ ስንድዋት ከም ዝኾና እዩ። ብርግጽ ልክዕ ዝኾነ መዓልቲ ብዛዕባ ምጽአት ክርስቶስ ዝነግር የብልናን። ጳውሎስ ሓንቲ ዝብለና አብ አየር ከምጽእ እንከሎ ክንርእዮ ኢና፥ እዚ ማለት ኸአ ኩሉ ጊዜ ቅዱስ ሕይወት እናመራሕና ክነብር እዩ። ቅ. ጳውሎስ ከም ዋሕስን ርጉጽ ገሩ ንትንሣኤ ነፍሲ ወከፍና ዘቕርቦ ትንሣኤ ክርስቶስ እዩ፥ ነቶም ምስ ክርስቶስ ዝሞቱ አምላኽ ባዕሉ ናብኡ ክወስዶም እዩ። አብ ጥምቀትና ምስ ክርስቶስ መትና ኢና፥ አብ ትንሣኤኡ ኸአ ሱታፌ ክህልወና እዩ ይብለና። እዚ ናይ ሰብ ተሰሎንቄ ምድንጋር ንጳውሎስ ብዛዕባ አብ መወዳእታ ዓለም ክገልጽ ምኽንያት ኮይንዎ። አብ መግለጺኡ ካብዚ ምድራዊ ሕይወት ናብ ሰማያዊ ሕይወት ከመይ ኢልና ከም እንሰግርን ከምኡ እቲ ዝጽበየና ከመይ ዝበለ ከምዝኾነ ይነግረና። እቲ ቀንዲ ትምህርቱ አቐዲሞም ዝሞቱ ይኹኑ ብሕይወት ዘለዉ ይኹኑ ክርስቶስ ክመጽእ እንከሎ ብሓባር ብደመና አብ ግርማ አምላኽ ክንልዓል ኢና ዝብል እዩ።

ሓደ ካብቲ አትሪሩ ጳውሎስ ዝብሎ ኢየሱስ አብ መወዳእታ ዓለም ዳግማይ ከም ፈራዲ ክመጽእ እዩ። ኩልና አብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክንቀውም ኢና። እሞ ፍርድና ዘሕፍርድዩ ክኸውን ወይስ ዘሕጉስ። ኩልና ነቲ አቱም ናይ አቦይ ቡሩኻት እቲ ዓለም ኪፍጠር ከሎ ዝተዳለወልኩም መንግሥቲ ኽትወርሱ ንዑ ዝብል ዶ ወይስ ነቲ አንቱም ርጉማት ካባይ ርሒቕኩም ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ ናይ ዘለዓለም ሓዊ ኺዱ ዝብል (ማቴ 25፡31-45)። መዓልቱን እዋኑን ከይፈለጥና እዚ ክኸውን እዩ ስለዚ ኩሉ ጊዜ ንቑሓትን ዝተሰናዶናን ኮይና ናይ መወዳእታ ምጽአት ክርስቶስ ንጸበ።

ወንጌል ካብ ማቴ 25፡1-13 ምስላ ዓሠርተ ደናፍል ኢና አንቢብና አብ ማቴዎስ ጥራሕ ኢና እንረኽባ እዛ ምሳሌ። እዚአ ምሳሌ ቀዳመይቲ ካብተን ሰለስተ ኢየሱስ ብዛዕባ ምሳሌታት eschatology ዝተዛረበን እያ። እዘን ምሳሌታት አብ ምጽአት ክርስቶስ አብ እንሰናደዉሉ ዘሎና እዋን ከመይ ኢልና ክንቀራረብ ከምዘሎና ዘዘኻክራ እየን።

ቅድሚ አብ አስተንትኖ ምእታውና ድሕሪ ባይታ ናይ እዚአ ምሳሌ ክንፈልጥ ጽቡቕ እዩ። አብ ጊዜ ኢየሱስ አብ እስራኤል መርዓ ዓቢ ጉዳይ እዩ ንብሩ፥ ኩሉ ወዲ ዓዲ ዝሳተፎ እሞ ነዊሕ መገዲ እትጉዓዞ ካብ ብዙሓት እንቋዕ አሓጎሰካን ምርቓን ሰናይ ትምኒት እትቅበለሉ አጋጣሚ እዩ። ቅድሚ መርዓዊ አብ እንዳ ሓምኡ መርዓት ከምጽእ ምኻዱ መርዓት ንመርዓዊ ምስ መሓዙታ ኮይና ትጽበ። አብዚ ሓደ ክንፈልጦ ዘሎና መርዓዊ ዝመጽአሉ ጊዜ አይፍለጥን ወላ እውን 2-3 መዓልቲ ክጽበዩ ይክአል ከምኡ ክመጽእ እንከሎ ፍርቂ ለይቲ ክመጽእ ይክአል።  ክመጽእ ምስ ቀረበ ይመጽእ ከምዘሎ ዝሕብር ሰብ ቀቀድሚኡ እናኸደ ንመርዓዊ ክትቅበሉ ውጽኡ እናበለ ይነግር። መርዓት ነዚ ምስ ሰምዐት ንመርዓዊ ክትቅበል ትወጽእ በዚ ኸስ ኩሉ ጊዜ ቅርብቲ ኮይና ክትጸንሕ አለዋ። አብ ጊዜ ቅበላ ብዙሕ ጊዜ ኩሉ ሰብ ጥዋፍ ከብርህ አለዎ መርዓዊ አብ ቤት ምስ አተወ ማዕጾ ይዕጾ ዝኾነ ድሕሪኡ ዝመጽእ ማዕጾ አይክፈተሉን እዩ። እዚ ንሰማዕቲ ኢየሱስ ጽቡቕ ገሩ ይርድኦም እዩ ነሩ ምኽንያቱ አብ ሕይወቶም ዝዝውተር ጉዳይ ስለ ዝኾነ።

እዛ ምሳሌ ቀጥታን ሓበራዊ ዝኾነ ትርጉም አለዋ። ቀጥታ ነቶም አይሁድ እይምልከት እያ። አይሁድ ሕሩያት ህዝቢ አምላኽ እዮም፥ ኩሉ ታሪኾም ንምጽአት ወዲ አምላኽ እናተጸበዩ ክኸውን ነርዎ፥ እንተ ኾነ ዘይተቐረቡ እዮም ነሮም በዚ ኸአ ማዕጾ ተዓጽይዎም። እዚ እዩ እቲ ዘሰንብድን ዘጉህን ናይ አይሁድ ዘይምቅርራብ።

እዛ ምሳሌ ክልተ ሓበራዊ ንኹሉ ዝምልከት ትርጉም አለዋ፡

  1. ንኹልና ዝኸውን መጠንቀቕታ አለዋ ንሱ ኸአ አብ መጨረሻ ዝግበር እኹል ምቅርራብ የለን ማለት ንሓደ ዓብይ ጉዳይ አብ ሓጺር ጊዜ ክትገብሮ ቀሊል አይኮነን። ንአብነት ተመሃራይ ከየጽንዐ ውዒሉ አብ አፍደገ መርመራ ከጽንዕ አይክእልን እንተ ፈተነ እውን ክዕወይ አይክእልን። ቆርበት ብርሕሱ ሰብ ብንእሱ ከም ዝብሃል ሰብ ክፈልጥ ክህነጽ ካብ ንእስነቱ ነዊሕ ጊዜ መዕበያ የድልዮ እምበር አብ ሓጺር ጊዜ ንሰብ ክትቅይሮ አይክአልን ስለዚ ጊዜ ዝወሰደ ምቅርራብ ንዝኾነ ነገር የዓውተና። ምስ አምላኽ ክንራኸብ አብ እንቀራረበሉ አብ መጨረሻ ስዓት ክኸውን አይግባእን ጊዜ ክንህቦ አሎና ርክብና ፍርያም ክኸውን።
  2. ገለ ነገራት ክንልቅሖም ዘይንኽእል ከምዘለዉ ይነግረና። እተን ዓያሹ ደናግል ዘይቲ ከም ዘድልየን ምስ ፈለጣ ካብ ብጾተን ክልቕሓ አይክአላን፥ እዚ ዝሕብሮ ኸአ፥ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ክንልቅሖ አይንኽእልን ኢና፥ ባዕልና ንርእስና ክነጥርዮ አሎና። ካልኦት አብ አብ ዘኻዕበትዎ መንፈሳዊ ሃብቲ ክነብር አይክአልን እዩ፥ ባዕልና ክነገብሮ አሎና። ገለ ነገራት አሎ ባዕልና ንገዛእ ርእስና ስዒርና ወይ ዓቂብና ክነጥርዮ ዘሎና ስለዚ ገለ ነገራት አሎ ካብ ካልኦት ክንልቅሖ ዘይንኽእል።

ኢየሱስ ነዚ ምሳሌ እዚ ዝሃበ ተኸተልቱ አድላይነት ንቝሕን ተቐሪብካ ምጽናሕን ከረድኡ ኢሉ እዩ። ገለ ካብ አመንቲ ነቲ ቀንዲ ተራ ክጻወትዎ ዝግብኦም ብዘይምጽዋቶም አብ መጨረሻ ዓለም ዕጭኦም ጽቡቕ ከምዘይኮነ ንምግላጽ እዩ። እዚ ኢየሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ሰማዕቱ ጽቡቕ ገሮም ተረዲኦሞ እዮም። እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ንዳግማይ ምጽአቱ ዝርኢ እዩ። ምኽንያቱ አብታ ዕለት ናይ ኩሉ መወዳእታ እዩ ስለዚ መወዳእታ ፍርዲ እውን ክውሃብ እዩ። ኢየሱስ አብዚ ንኹልና ዝብለና አለዎ ኩልና ነናትና ህያባት ክነፍሪ ዝተወሃብና ኢና አብ መጨረሻ ናይ እዚ ዝተወሃብናዮ ጸብጻብ ክንህብ ክንሕተት ኢና እሞ ከምቲ ዝተወሃብናዮ ዘሎና ወይስ ዘንጊዕና አሎና ንርእስና ምርአይ የድልየና።

አምላኽ ምአስ ከም ዝጽውዓና ወይ ዝመጽእ አይንፈልጥን ኢና ዝተሰናዶና ኮና ክንጽበ አሎና። ዘንጊዕና ዓለም ውሒጥና ሓንቲ ስንቂ ሰማይ ከይቀረብና መዓልቲ መጸዋዕታ ከይትመጽአና ሎሚ ንንቃሕ ንበራበር። እተን ዓያሹ ደናግል መርዓዊ ከም ዝመጽእ ይፈልጣ ነረን እየን ግን ነርክበሎ ጊዜ አሎ እናበላ ብሃንደበት መጽኢኡ አብቲ ናይ ሓጎስ መአዲ ክሳተፋ አይከአላን። ሎሚ አነን ንስኹምን ተሰናዲና መብራህትና ወሊዕና ንጎይታ ዘሓጉስ ሕይወትዶ ሒዝና አሎና? እስከ ንርእስና ንርአ ከመሎና ውራይ መንግስተ ሰማይ አትዩና አሎ ስለዚ ዘንጊዕና እንተ አሎና ንቀራረብ።

ነዛ ምሳሌ ትርጉማ ክንፈልጥ ጽቡቕ እዩ። መርዓዊ ተባሂሉ ዘሎ ክርስቶ እቲ ጎይታ እዩ። መርዓት ተባሂላ ዘላ ቤተ ክርስትያን እያ። እተን ዓሰርተ ደናግል ንኹልና አባላት ቤተ ክርስትያን ንምጽአት ክርስቶስ እንጽበ እየን። አብቲ ድሓር ዝመጽእ መሰረት ብምግባር ክርአ እንከሎ አብ ክልተ ንምቀል ለባማት እቶም ንአምላኽ አብ ልቦም ቦታ ሂቦም ተቐሪቦም ሕይወቶም ዝመርሑ፥ ዓያሹ ኸአ ናብራ ዓለምን ምቾትን ውሒጥዎም ውራይ ነፍሶም ዘንጊዖም እንከለዉ መጸዋዕታ ዝመጽኦም የመልክት። እቲ ቀንዲ ልቦና አብዚ ዝርአ እቲ ንጎይትኦም አብ ምቕባል ዘርአይዎ እዩ። እቲ መብራህቲ ወይ ጥዋፍ ኩለን ደናግል ዘለወን ነቲ ዘለወን እምነትን ከምኡ ኩልና ክርስትያን ዘሎና እምነት ዘመልክት እዩ። ዘይቲ ገሊአን ዘለውን ገሊአን ከአ ዘይብለን ነቲ ጽቡቕ ግብሪ ዘመልክት እዩ። መብራህቲ ብዘይ ዘይቲ ከምቲ እምነት ብዘይ ግብሪ እዩ።

ቤተ ክርስትያን አብዚ እዋን ንነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ መወዳእታ ሕይወትናን መወዳእታ እዛ እንነብረላ ዓለም ክንሓስብ ትደልየና። አብ ምጽአት ጎይታና ከም ፈራዳይ ዓለም፥ ሓጎስ ዘለዓለምዊ መርዓ ምስ ሕሩያኑ ክጅምር እዩ፥ እንተ ኾነ ከምቲ ምጽአት መርዓዊ ዘይፍለጥ እዚ እውን ከምኡ እዩ። እሙን ተኸታሊ ክርስቶስ ወጀሃላን ዘይተቐረበን ክኸውን የብሉን። ከምቲ ኩሉ ጊዜ ዘጽንዕ ተመሃራይ ብሃንደበት መርመራ እንተ ሃብዎ ዘይገርሞ ከምኡ ክንከውን እዩ ድላይ አምላኽ።

ንምጽአት ጎይታ ክንጽበ እንከሎና አብ ፍርሕን ምሹቕራርን ወይ አብ ገለ ናይ ዘመና ነብያት ንፈልጥ ኢና ዝብሉ ከድና ከም አፍልጦ ንምስጢር አምላኽ ፍቕድ ዘለዎም አሚና ምአስን ከመይን መጨረሻ ዓለም ክኸውን እዩ እናበልና ክንሓቶም ሸበድበድ እንብሎ ክኸውን የብሉን፥ ወይ አብ መዓልቲ ሞተይ ንኹሉ ክናዘዝ እየ ኢልካ ክሳብ እትአርግ ወይ እትሽምግል ምጽባይ አይግባእን። መዓልቲ ጎይታ ሎሚ እያ እሞ ሎሚ ናይ አምላኽ ሰብ ክንከውን ይግባእ። ካብቲ ዘገርም ብዙሓት አብ ዓራቶም አይሞቱን እዮም። ሰብ አብ መገሻ አብ ስራሕ ኮታስ አብ ዝተፈላለየ ቦታን ኩነትን እንከሎ ሞት ትመጽኦ። ሞት እትመርጾ ጊዜ ዕድመ ቦታ ይብላና ትመጽእ ጥራሕ። እቲ ሕቶ እምብአር ሎሚን ኩሉ ጊዜን እንታይን ከመይ እገብር አሎኹ እዩ። እቲ ብዘይካኡ ካልእ አማራጺ ዘይብሉ ዝበለጸ ምርጫ ምቅርራብ ንናይ መጨረሻ መጸዋዕታ እዩ፥ እዚ ኸአ ክሳብ መጨረሻ ስዓት ካብ አእምሮኻ አውጺእካ ነርካ ፀሓይ ክትዓርብ ምስ ቀረበት ሸበድበድ ምባል ጥቕሚ የብሉን። 

አብ ዝንገር ታሪክ ብዛዕባ ሓደ ቅዱስን ብዕድመ ዝደፍኡ መነኮስ አብ ገዳሞም ነቲ ዝወደቐ አቕጽልቲ ከጽርዩ እንከለዉ ሓደ በጻሓይ አብኦም ቅርብ ኢሉ ከምዚ እናበለ ሓተቶም፥ አቦይ  አብ ውሽጢ ዓሰርተ ደቒቕ ክትሞቱ ኢኹም እንተ ዝብሉኹም እንታይ ምገበርኩም? እቶም ሽማገለ መንኮስ ከአ ዝገብሮ ዘሎኹ ጽረት አቕጽልቲ ምቐጸልኩ ኢሎሞ ይብሃል። ምኽንያቱ ምሉእ ሕይወቶም ንፍርዲ አምላኽ ክሰምዑ ኩሉ ጊዜ ነቒሖም ይጽበዩ ስለ ዝነበሩ። ሞት ንአኦም አይተፍርሖምን እያ ዕለት ዕለት ተሰናድዮም ነቒሖም ይጽበይዋ ስለ ዝነበሩ። አብ ርእስና ክንምለስ ነፍሲ ወከፍና ከምዞም ፈላሲ ክንሰናዶ ክነቅሕ እሞ መዓልቲ ፍርዲ ምስ አኸለት ከምዚ ክብለና እዩ ንዓ/ንዒ አብ ናይ ሓጎስ ቦታ መንግስተይ እቶ/እተዊ ክብለና እዩ።

አብ ጊዜ ጸገም ካብ ገለ ሰባት ክንልቃሕ ይክአል እዩ፥ እንተ ኾነ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል እቲ ዘይቲ ናይ ፍቕሪ አገልግሎት ጨሪሹ አብ ካልኦት ክመሓላለፍ ዘይክአልን ምኻኑ ይነግረና። እቲ እንኮ ምርጫና ምሉእ ሓላፍነት ለቢስና ንገዛእ ርእስና ንጎይታ ክንቅበል ምስንዳው እዩ። አብ ክንዳይ ኮይኑ ንክርስቶስ ሕራይ ክብሎ ዝኽእል የለን ባዕለይ እየ ክምልሰሉ ዘሎኒ። ስለዚ እተን ዓያሹ ደናግል ግዚአን ብኾንቱ አጥፊአን ክዕድጋ ከይደን፥ እተን ለባማት ዝግባእ ምስንዳው ዝገበራ ኸአ አብ አዳራሽ መርዓ አትየን። ሽዑ ማዕጾ ተዓጽዩ። ኩለን ዕዱማት እየን ነረን እንተ ኾነ ኩለን አብ ሓጎስ አዳራሽ አይአተዋን። ጽዉዓት ብዙሓት እዮም ሕሩታት ግን ውሑዳት እዮም። እዚ እቲ መርዓዊ ብዝገበሮ ዝኾነ አይኮነን ገሊአን ንዕድመኡ ብዝግባእ ክምልሳ ስለ ዘይክአላ እዩ። ዕጹው ማዕጾ ማለት ናብ ኢየሱስ ዝወስድ ቅጽበታዊ ወይ ሸለል እናበልካ ዝውሃብ አይኮነን። በዚ እዩ አብዚ እዩ እምብአር አብ ናይ ሎሚ ምሳሌ ከምዚ እናበለ ዝጠንቅቐና እታ ወዲ ሰብ ዝመጽአላ መዓልትን ሰዓትን አይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ ንቕሑ።

ኢየሱስ ይመጽእ አሎ፥ ምናልባት ምድንጓዩ ከም ምኽንያት ተጠቒምና ከይተሰናዶና ከይንነብር ክንጥንቀቕ አሎና። እዚ ክንቀራረብ ሕይወትና ክንርኢ ምስ ሰብን አምላኽን ዘሎና ርክብ ክንርኢ ዘሰናድወናን ዝቕርበናን ገርና ክንወስዶ ይግባእ። እምብአር ኩሉ ጊዜ ምድኃነይ ካብ አምላኽ እዩ ዝመጽእ እሞ አነ ንእኡ ጥራሕ ሃዲአ እጽበ አሎኹ፥ ከውሐይን ምድኃነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ ፈጺመ አይክናወጽን እየ፥ እናበልና ንዘምር አምላኽ ከአ ብጸግኡ ከብርሃልናን ክሕግዘናን እዩ።

 

ኣባ ንፉሠ ፍሥሓ                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                    

07 November 2020, 12:24