ሎቱ ስብሓት ወሎቱ ኣኰቴት ሎቱ ስብሓት ወሎቱ ኣኰቴት 

፪ይ ሰንበት ዘአስተምህሮ (ኅዳር ዘቅድስት) 13 ኅዳር 2013 ዓ.ም. (11/22/2020)

መዝሙር፡ ሎቱ ስብሓት ወሎቱ አኰቴት. . ነቲ ንሰንበት ዝቀደሰ ንሱ ዘይነበረሉ ጊዜ አይነበረን ወዲ አምላኽ ክርስቶስ ንሱ ዘይነበሮ ጊዜ አይነብረን ንአኡ ክብሪ ይግብኦ። ንሰብ ብአርአያኡ ፈጠሮ ኩሉ አብ ኢዱ እዩ፥ ንሰማይን ምድርን ይገዝእ፥ ከም ዝደልዮ ገበረ አምላኽ ወዲ እግዚአብሔር።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት 1ቆሮ 15፡20-28፤ 1ጴጥ 1፡13-21፥ ግ.ሓ.19፡27-ፍ፥ ማቴ 25፡31-46  ምስባክ፡ ኩሉ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር፥ በሰማይኒ ወበምድርኒ፥ በባህርኒ ወበኩሉ ቀላያት። “እግዚአብሔር ኩሉ ዝደለዮ አብ ሰማይን ምድርን አብ ባሕርን አብ ኩሉ ቀላያትን ገበረ” መዝ. 135፡6።

ተፈጥሮ ብምልኡ አብ ትሓቲ አምላኽ እዩ፥ ፍጡር በቲ ዘልኦ ንአምላኽ ከመስግን እዩ ተፈጢሩ። ልዕሊ ኹሉ ፍጡር ሰብ ብአርአያን አምሳልን እግዚአብሔር ስለ ዝተፈጥረ ዝያዳ ክብሪ አልኦ፥ ብመጠኑ ኸአ ሰብ ንአምላኽ አብ ኩሉ ክምስክሮ ምስኡ ቀጻሊ ርክብ ክገብር ይግብኦ። አምላኽና ፈቃር አምላኽ እዩ። ፍቕሩ በቲ ሓደ ወዱ ገሊጹልና እዩ።

ሎሚ ላቲናዊ ስርዓት ንዝኽተሉ ሰንበት ክርስቶስ ንጉሥ ብዝብል ዘኪሮም የውዕልዎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፕዮስ XI ብ1925 ዓ.ም. ክርስቶስ ንጉሥ ብዝብል ክብዓል አዊጆም። ነዚ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾኖም ደቂ ሰብ አብ ዓለማውን ግዙፋውን ነገራት ብዝያዳ ሰሪዖም ዓለም ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለምን ከምኡ አልቦ እግዚአብሔር ትምህርቲ ኮሙኒዝም አብ ብዙሓት ምስራቕ ኤሮጳን ሩስያን ቻይናን አብ ብዙሓት ሃገራት ብናህሪ ይሰፍሕ ብምንባሩ ከምኡ ዓለም ብርቱዕ ቍጠባዊ ጸገም ሃስይዋ ብዙሓት ብሓልንጊ ጥመትን አልቦ ስራሕን ተጨኒቖም አብ ዝብልዎ  ጠፊእዎም አብ ዝነበሩሉ እዋን እቲ እንኮ መፍትሕ ሕይወትናን መራሕናን ዑቕባናን ክርስቶስ እዩ፥ ንሱ አባና ክነግስ ይግብኦ ብዝብል ሓሳብ እዚ ሰንበት ክርስቶስ ንጉሥ ተባሂሉ ብፍሉይ ክብዓል አዚዞም። ነዚ ምስ እዚ ዘሎናዮ እዋን ክትርእዮ ከሎኻ ሰብ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ማለት ዓለም ምሉእ ብለበዳ ሕማም ኮቪድ 19፥ ውግእን ወረ ውግእን፥ ተአሲሩ ተሰዲዱ፥ ጠምዩ፥ ጠፊኡ ዝብል ጥራሕ እትሰምዓሉ ኮይኑ ንሰብ ሕልንኡ ከም ዘዕርብ ገርዎ አብ ዘለዎ እዋን ንክርስቶስ ልዕሊ ኩሉ ጸገማትና ርኢና አብኡ ክንምለስ እንከሎና ጥራሕ ከም ዝቕየረልና ስለ እንአምን ንሕና እውን ክንዝክሮ ክነብዕሎ ጽቡቕ እዩ። አብ ሕይወተይ መን እዩ ነጊሡ ዘሎ ኢልና ምስ ርእስና ክንዛረብ ሓጋዚ እዩ። መንፈስ ዓለማውነትን ሕይወት ወዲ ሰብ ብኹሉ ሓሲሩ ግቡእ ክብርን መሰልን ስኢንሉ አብ ዘሎ እዋን አብ ክርስቶስ ንጉሥናን መድኃኒና ክንምለስ እዋኑ እዩ። 

ዓላማ ናይ እዚ ብዓል ናይ ክርስቶስ ንግስነት ትርጉምን አድማዕን ብዝኾነ መገዲ አብ ሕይወት ወልቀ ሰባትን ስድራታት፥ ሕብረተሰባት፥ መንግስታትን ሃገራትን ዝህልዎ ለዋጢ ኃይሊ ንምግላጽ እዩ። መላእ ቤተ ክርስትያን ኩሎም ምእመናንን ሎሚ ብሓባር ዘብዕልዎ ዘለዉ ናይ ኩሉ ዓለም ንጉሥ፥ ብሥልጣንን ኃይልን ዝገዝእ፥ ንጉሥ ርሕሩሕን ፈቃርን፥ ንጉሥ ብበትሪ ሓጺን ዝገዝእ ዘይኮነ ንፍትሒ አብ ጻሕሊ ወርቂ ገሩ ዝእውጅ እዩ።

ክርስቶስ ንጉሥ ኢልካ ምብዓል ኢየሱስ ብሕይወቱ አብዚ ዓለም እንከሎ ዝገበሮ ነገር ዘኪርና አይ ኮናን እነብዕል፥ ሓደ ካብቲ መንነቱ ዝገልጽ ኢና እነብዕል ዘሎና። አብዚ ብዓል ንክርስቶስ ከም ንጉሥን ጓሳን ናይ መላእ ዓለም ገርና ንፈልጦን ነኽብሮን። እዚ ብዓል ኢየሱስ አብ ዳግማይ ምጽአቱ ብግርማ መለኮት ክመጽእ እንከሎ ናይ መጨረሻ ፍርዲ ነቶም ጽቡቕ ዝገበርና ዓስብና እንረኽበሉ ነቶም ሕይወቶም ብጽቡቕ ዘይመርሑ ኸአ አብ ዘለዓለማዊ መቕጻዕቲ ዝድርበዩሉ ምዃኑ ተረዲእና ንቅድሚት ናይ መጨረሻ መጻኢናን ርኢና ክንክእል ዝሕግዘና እዩ።

ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና እዚ ብዓል ኩሉ ናይ ድሕነት ምስጢር ጸሚቑን አብ ዝልዓለ ፍጻሜ ወይ ጥርዚ ከምዝበጽሐ ዝገልጽ እዩ። አብ ላቲናዊ ስርዓት ዓመተ ልጡርግያ ናይ ዓመት በዚ ሰንበት ይውዳእ፥ ዝመጽእ ሰንበት ሓዲስ ዓመት ልጡርግያ መጀመርያ ሰንበት ዘምጽአት ዝጅምረሉ እዩ። ዓመት ክውዳእ እንከሎ ክርስቶስ ንጉሥ ናይ ኩሉ ፍጥረትን ነፍሳትናን ከም ዝኾነ ነስተንትን። እዚ ብዓል ነቲ ጎይታ ሰማይን ምድርን ዝኾነ ክርስቶስ ክነኽብርን ክንውድስን ጽቡቕ አጋጣሚ ይኸፍተልና፥ ንዝውዳእ ዘሎ ዓመት ከመይ ሓሊፈዮ ኢልና ምስ ርእስና እንዋስአሉ እዋን እዩ።

ንባባትና ኩሎም ብዛዕባ ዳግማይ ምጽአት ክርስቶስ ብግርማን ሥልጣንን ከም ዝመጽእ ይነገሩና። አብ ሕዝቅኤል ነብይ 34፡11-17 ዘሎ እንተ አንበብና እግዚአብሔር ባዕሉ ንህዝቡ ብዓቢ ተገዳስነት ከም ሓደ ጓሳ ከም ዝመርሕን ዝሕሉን ነንብብ፥ ምኽንያቱ እቶም ብእምነት ክጓስዩ ሓላፍነት ዝተዋህቦም እሙናት ኮይኖም አይተረኽቡን። አምላኽ ባዕሉ ነተን ዝጠፍአ ኽደልየን፥ ነተን ዝተባረራ ኽመልሰን፥ ንዝተሰብራ ኽዝንነን ንዝሓመማ ክፍውሰን እየ ይብል። ነቶም ብዋጋ እተን ድኹማት ንገዛእ ርእሶም ሃብታማትን ብርቱዓትን ዝገብሩ ኸአ አብ ቦታ ኩነኔ ክሰጎም እዩ።

ሕዝቅኤል ነዚ ትንቢት አብ ጊዜ ስደት ባቢሎን ዝነበሩ ጓሶት ሓላፍነቶም ዘንጊዖም መጓሰ አምላኽ ዝኾነ ህዝቢ ብሰንኪ ሕማቕ ጉስነት ካብ መገዲ አምላኽ ወጺኡ በዚ ኸአ አምላኽ ባዕሉ ንህዝቡ ከም ዝጓሲ ዝተነበየሉ እዩ። አብ ሕዝቅኤል ምዕ. 5 ዘሎ እንተ ርአና ነቶም መራሕቲ ህዝቢ ከም ጓሶት ኮይኖም ንሃገር ዘገልግሉ ዝነበሩ እግዚአብሔር ነተን አባግዑ ካብ ጉስነቶም ክወስደን ከም ዝኾነ ምኽንያቱ እተን አባግዕ ንዋኒን በረኻ ገንሸል ክኾና ስለ ዝሓደግወን ከምኡ ንርእሶም እናተመገቡ ስለ ዘይመገብወን ከምዘሕድጎም የጠንቅቖም። አብ ከምዚ ኩነታት እንከለዉ ነቶም አብ ስደትን አብ ተስፋ ቁርጸንት ንዝነበሩ ህዝቢ እቲ ሓደ ተስፋ ዝኾኖም እግዚአብሔር ጉስነቱ አሕዲጉ ባዕሉ ጓስኦም ክኸውን ከም ዝኾነ ምስ ነገረ እዩ። እዚ እግዚአብሔር አብ ልዕሊ እቶም ዘይእሙናት ጓሶት ዝወስዶ ፍርዲ መሰረት ናይ እቲ አብ መወዳእታ ዝዋህብ ፍርዲ እዩ ዝገልጽ።

1ቆሮ 15፡20-28 ብዛዕባ ናይ ክርስቶስ አድማሳዊ ንጉሥነት ይነግረና። ጳውሎስ አብዚ ንጹርን ሓያልን ስእሊ ናይ ክርስቶስ ጎይታን ንጉሥን ምዃኑን ኩሉ ኃይልን ሥጣን ክግዝኦ ከም ዝኾነ ይገልጽ። ክርስቶስ ካብ ሞት ስለ ዝተንሥአ ዝለብሶ ስልጣንን ንጉሥ ከምዝኾነ ኽገልጽ እንከሎ ከምዚ ይብል ንኹሎም ጸላእቱ አብ ትሕቲ እግሩ ክሳዕ ዜግርሮም ኪነግሥ ይግብኦ እዩ፥ እቲ ኪድምሰስ ዘለዎ ናይ መወዳእታ ጸላኢ ኸአ ሞት እዩ ይብል። ትንሣኤ ክርስቶስ ናይቶም ዝሞቱ በዅሪ ትንሣኤ እዩ። እዚ ናይ ሞት ስዕረትን አብ ሓዲስ ሕይወት ምትንሣእን አብ ናይ ምሉእ ዓለም ዓላማ ዘምርሐ እዩ። አምላኽ ኩሉን አብ ኩሉን እዩ።

ጳውሎስ አድላይነት ትንሣኤ ንነፍሲ ወከፍና ከረድእ ኢሉ ከመይ ኢልና ብእምነትን ብጥምቀትን አብ ትንሣኤኡ ከም እንሳተፍ ኽገልጽ ኢሉ ናይ አዳምን ክርስቶስን ዝብል እናአነጻጸረ ይገልጾ። ምኽንያቱ ሞት (ኃጢአት) ብአዳም አትዩ፥ ንሕና ኸአ ብባህሪ ደቁ ስለ ዝኾና ምስኡ ዝተአሳሰርና ኢና፥ እምብአር ትንሣኤ ሙታን ብሰብ ክፍጸም ግዲ እዩ ንሱ ኸአ ክርስቶስ እዩ። እዚ ሓዲስ ሕይወት ብክርስቶስ ጥራሕ እዩ ክመጽእ ዝኽእል፥ ክርስቶስ ብሞቱን ትንሣኤኡን ንኹሉ ናይ ኃጢአት ብከላ ቀንጢጡ ዓወት አብ ልዕሊ ሞት አምጺኡልና። ክርስቶስ ስለ ዝተንሥአ ሕጂ ንጉሥ ኮይኑ ይነግስ አሎ። አብ መጨረሻ ዓለም ክርስቶስ ኹሉ ምስተገዝአሉ ግና አምላኽ ኩሉን አብ ኵሉን ምእንቲ ክኸውን ወልድ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኹሉ ዘግዝአሉ ኪግዛእ እዩ። ክርስቶስ ተንሢኡ፥ ክርስቶስ ይነግስ፥ ክርስቶስ እንደገና ብግርማ ክመጽእ እዩ። ንሕና ከአ ክንትንሥእ ኢና።

አብ ዘንበብናዮ ወንጌል ማቴዎስ ብዛዕባ ምሳሌ አባግዕን አጣልን ይነግረና፥ እዚአ ምሳሌ አብ ምዕራፍ 25 ሳልሰይቲ ብዛዕባ መጨረሻ ዓለም እትነግር እያ። አብዚ ኢየሱስ ብዛዕባ ሓበራዊ ፍርዲ አብ መጨረሻ ዓለም ዝውሃብ እዩ ዝዛረብ። እዚአ ምሳሌ ዘርዚሩ ብዛዕባ ታሪኻዊ ፍጻሜ ዝነግር አይኮነን። ንሰማዕቱ ብግሁድ አብቲ ዝነብርዎ ዘለዉ ሕይወት ከስተንትኑ፥ ሕይወቶም ክሰርዑ እሞ ብሓቅን ቅንዕናን ክነብሩ ምእንቲ እዩ። እዛ ምሳሌ ከምተን ቀዳሞት ምሳሌታት ንነፍሲ ወከፍና አብ ሕልናና አቲና ንመዓልታዊ ሕይወትና ክንርኢ እሞ ነቲ ዘይተርፍ ሞት ክንሰናዶ ምኽንያቱ ሓደ መዓልቲ አብ ቅድሚ መንበር ፍርዱ ክንቀውም ኢና ክንሕተትን ጸብጻብ ሕይወትን ክንህብ ኢና። ብአርአዩን አምሳሉን ብሂጉ ዝፈጠረ አምላኽ ሓቀኛ መልክዕና ክርኢ ይደሊ እዩ፥ ዘይመልክዕና ለቢስና ከይንህሉ እሞ ዘይንልለ ከይንኸውን ሎሚ ሓቀኛ መልክዕና ንልበስ።

ቅ. ማቴዎስ ብዛዕባ መጨረሻ ፍርዲ ብፍሉይ መልክዕ ምስቲ አብ መጨረሻ ክኸውን ዝበሎ ገሊጹ ይነግረና። አብዚ ወንጌል ጥራሕ ኢና እንረኽቦ ኢየሱ ከም ንጉሥን ፈራዳይን ተጠቒሱ እንረኽቦ። ብርግጽ እዚ አቀራርባ ቃል ንቓሉ ክንወስዶ የብልናን። ነቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ትርጉም ኢና ክነስተውዕለሉን ክንርድኦን ዘሎና። አምላኽ አብ መወዳእታ ዓለም ዝገብሮ ከምዚ አብ ዓለም ዝግበር ገርካ ምሕሳብ ንኽብርን ትርጉምን ዘይመልክዑ የልብሶ። ካልእ አብዚ ክንሓስቦ እንኽእል እንታይ እዩ ፍልልዩ ግላውን ሓባራውን ፍርዲ። እቲ ወዲ ሰብ ምስ ኵሎም መላእኽቱ ብኽብሩ ክመጽእ እዩ ዝብል ብፍሉይ አበሃህላ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ እዚ ኸአ ዕቤትን መወዳድርቲ አልቦነትን አምላኽ ንምግላጽን ናይ ዝኾነ ብርድኢትን ራእይን ወዲ ሰብ ኽግለጽ ከምዘይክአል ምግንዛብ የድሊ።

አብ ፍርዲ ዝቐርቡ ክልተ ዓይነት ሰባት ከም አባግዕን አጣልን ጥዑያትን ክፉአትን ተገሊጾም ዝቐርቡ። ከመይ ኢሎም እዮም እዞም ጥዑያትን ክፉአትን ሰባት ክፍለዩ ዝክአል? እቲ መምዘኒ ወይ መለክዒ ፍርዲ ዘገርም እዩ፡ ቅልል ብዝበለ አብቶም ድኻታትንን ጽጉማትን ዓለም ዘርይእዎ ናይ ፍቕርን ሕያውነትን ተግባር እዩ። አብዛ ምሳሌ ነቲ ንሰብ ቀንዲ ዘድልዮ ነገራት እዩ ዘተኩር። እቶም ብፍሉይ ተጠቒሶም ዘለዉ ተግባራት ከአ 1. ንዝጠመዩ ምምጋብ፥ 2. ንዝጸምኡ ዝስተ ምሃብ፥ 3. ንዕሩቓት ምኽዳን፥ 4. ንጋሻ ምቕባል፥ 5. ንእሱራት ምብጻሕ፥ 6. ንሕሙማት ምእላይ፥ 7. ንዝሞቱ ምቕባር። እዚኦም እቶም ሸውዓተ ናይ ምሕረት ስርሓት ዝብሃሉ እዮም። ነዚኦም ናይ ምሕረት ተግባራት አብ መዓልታዊ ሕይወትና ክንገብሮም እንከሎና ንኢየሱስ ረኺብናዮ ማለት እዩ። ነዚኦም ዘይምግባር ከአ ነቲ ኢየሱስ ዝደልዮ ምእባይ ወይ ምንጻግ እዩ። ነዞም ሰናይ ተግባራት ክንገብር እንከሎና አብ መንግስቲ አምላኽ ክፍሊ እዩ ዝህልወና፥ ብአንጻሩ ነዚ ዘይምግባር አብ መንግስቲ አምላኽ ክፍሊ ከይህልወካ ምግባር እዩ። ካብዞም ዝተጠቕሱ ብባህሪኦም ወላ ሓደ እምነታዊ ወይ ሃይማኖታዊ ነገራት አይኮኑን፥ ነዚኦም ብዘይ ምግባርካ ካብቶም 10 ትእዛዛት ዝፈረሰ ወይ ዝተዓቀብ ምዃኑ ዝገልጽ የለን። ሰባት ዝኹነኑ ገለ ብሞራላዊ መገዲ ጌጋ ዝኾነ ስለ ዝገበሩ አይኮነን እንታይ ድአ ሓንቲ ስለ ዘይገበሩ እዩ።

ዘገርም እዩ ክልቲኦም ጋንታታት በቲ ኢየሱስ ዝወሰዶ መለክዒ ይግረሙ። እቶም ብየማኑ ዝነበሩ አቱም ናይ አቦይ ብሩኻት እቲ ዓለም ኪፍጠር ከሎ ዝተዳለወልኩም መንግሥቲ ኽትወርሱ ንዑ ኢልዎም። ብርግጽ እዚ አይ ኮነን ክሰምዕዎ ዝተጸበይዎ። ሓደ ኽግምቶ ዝኽእል እዞም ሰባት ነቲ ዝገበርዎ ክዝክርዎ አይ ክእሉን ይኾኑ ወለ ገለ ካብኡ ገሮም እንተ ኾኑ። ገሮሞ እንተ ኾኑ እውን ንኢየሱስ ኢሎም ከም ዘይገበርዎ ርግጽ እዩ። ኦ ጎይታ ምስአስ ጠሚኻ ርኢናካስ አብሊዕናካ፥ ወይ ጸሚእካ አስቲናካ፥ መአስከ ጋሻ ዄንካ ርኢናካስ ተቐቢልናካ ወይ ተአሲርካ ሓሚምካ በጺሕናካ? በቲ ዝሃቦም መልሲ ዝያዳ ተገሪሞም ይኾኑ እዮም፥ እቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነአሱ አኅዋተይ ዝገበርክምዎ ንአይ ከም ዝገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ናብቶም አብ ጸጋሙ ዝነበሩ ግልጽ ኢሉ አቱም ርጉማት እናበለ ካብቲ ዝጠቐሶ ወላ ሓንቲ ክገብሩ ብዘይምኽአሎም ንኢየሱስ አብቶም ንኡሳን አሕዋቱ ከለልይዎ ብዘይምኽአሎም ይኹንኖም።

እምብአር ነዚ ብዓል ክነብዕል እንከሎና ትርጉምን ዓላምን ናይ እዚ ብዓል አብ ግጉይ መገዲ ከይንወስዶ ነቒሕና ንሓሉ። እዚ ብዓል ንድሕሪት እንጥምቶ ዘይኮነስ ንቕድሚት አብ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ምጥማት እዩ። እዚ ብዓል ብፍሉይ ዘዘኻክረና ንግስነት ክርስቶስ አብ ላዕሊ አብ ሰማይ ዘይኮነ አብዚ አብ ማእከልና እዩ ዘሎ። እዚ አብ ወንጌል ዘሎ ፍርዲ ከፍርሓና ንማለት አይኮነን። እዚ ናይ ጽባሕ ብድሆ ዘይኮነ ናይ ሎሚ እዩ። እዚ ብዓል ንአምላኽ ክነመስግን አብ መንጎና ንዘሎ ርኢና አባላት ንግስነቱ ክንከውን ዘዘኻኽር እዩ። እዚ ክርስቶስ ንጉሥ ዝብል ብዓል ትርጉም ክህልዎን አብ ሕጊ ክርስቶስ ብምልኡ ክንአቱን እንተ ኾና ንግስነቱ ከመ ኢሉ አብ ሕይወትና ከም ዝነግስ ክንለማመዶ አሎና። እቲ ቀዳማይ ምልክት ልምምድና አባላት መንግስቲ ክርስቶስ ምዃና ኸአ አብ ፍቕሪ ብፍላይ አብ ድኻታትን ጽጉማትን ዘሎና እዩ። ርሕሩሕን ፈቃርን ልቢ አብ ልዕሊ ድኻታትን ጽጉማትን አብ መንግስቲ አምላኽ ዘሎና ምልክት ዝገልጽ እዩ። እቲ ግዙፋዊ ሰናይ ተግባራትና መለኮታዊ ሓይሊ አብና ይዓዪ ከምዘሎ ምልክት እዩ። እንፍረዶ አብ ሕብረተሰብ ዘሎና ተራ ወይ ሓላፍነት፥ ዘሎና ትምህርቲ፥ ሃብቲ፥ ዘመዝገብናዮ ዓወታት. . . አይኮነን። ወላ መዓልታዊ ብእንገብሮ ጸሎት አይኮነናን እንፍረድ ማለት ናብ ፍቕሪ አምላኽ ዘተኮረ እንተ ኾነ ብመጠኑ አብ አገልግሎት ድኻታትን ንኡሳን አሕዋተይ ዝመልስ እንተ ኾነ ሓቀኛ ጸሎት እዩ ግን ብስም ስርዓት ጸሎት ፈጸምካ ምስ አምላኽ አሎኻ ማለት አይኮነን። ኢየሱስ ምስ ድኻታትን ጽጉማትን አብ መንግኦም ተሓቢኡ አይኮነን ዘሎ ንገዛእ ርእሱ ምስኦም ሓደ ኮይኑ ከምኦም ኮይኑ አሎ። ብሓጺሩ ምስተን አባግዕ ክንቁጸር እንተ ኾና ገብረ መልሲ እንረኽበ ብዘየገድስ ፈቃራት ክንከውን አሎና። በዚ መገዲ እዩ አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ዘፍቅረና። ሃይማኖታውን ካልእ ነገራትን ብግቡእ ምግባር እኹል አይኮነን። ነቶም አብ ከባቢናን እንፈልጦምን፥ አብ ሃገርናን ዓለምና ድኻታትን ጽጉማትን ሓዲግና ንክርስቶስ ክነኽብር አይክአልን እዩ።

አብ ርእስና ንመለስ ንክርስቶስ ነቲ ንጉሠ ከምቲ ዝግብኦዶ ክብርን አምልኾን ምስጋናን አቕረበሉ አሎኹ? በቲ ካብ ፍቕሪ ተላዕሉ ብነጻ ዝሃበኒ ጸጋታቱ ከመይ ኢለ እነብር አሎኹ? ቅኑዕ አምላኽ ንዝሓለፈን ንዘሎን ንዝመጽእን እንሓስቦ ሕይወትና ርእዩ መተሓጎሰዶ? ነዝን ንኻልእ ሕቶታትን ሕጂ ንመልሶ። እሞ አቱም ናይ አቦይ ቡራኻት እቲ ዓለም ኪፍጠር ከሎ ዝተዳለወልኩም መንግሥቲ ክትወሩ ንዑ ክብለና እዩ። እንተ ዘይኮነ ብዙሕ ክንገብሮ ዘሎና ብዙሕ ነገራት አብ ቅድመና አሎ።

ብዓልና ትርጉምን በረኸትን ክህልዎ ነቲ ንጉሥናን አምላኽናን ዝኾነ ክርስቶስ ነቲ ዝበለጸን ዝልዓለን መንበር ልብናን መፍትሕ ንንግስነት ልብናን ዝኾነ ነቲ ክንገሰሉ ዝደሊ ልብና ንሃቦ። ክርስቶስ አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ እንተ ነገሠ ሽዑ አብ ዓለም ክነግስ እዩ። ንሱ ድሮ ነጊሱ እንተሎ ንተሓጎስ ዘይነገሰ እንተ ኾነ ግን ክነግስ ንሕተቶ ምኽንያቱ ከምዚ ኢሉና እዩ አብ አፍደገ ደው ኢለ ማዕጾ ዃሕኳህ አብል አሎኹ፥ ሓደ እኳ ድምፀይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ ናብኡ ኸአቱ ምስኡ አብ መአዲ ኽቕመጥ እየ (ራህ 3፡20)። ንሱ አባኻ እንተ ነገሰ ብኹሉ ክትዕወት ኢኻ አባኽ ዝኾነ ክሳራ የለን።

ክርስቶስ ንጉሥ ዝብል ብዓል እና አብዓልና እምብአር ናይ ልብና ንግሥነት ምሉእ ምቁጽጻር ክህልዎ ነፍቅደሉ። ንሱ ሕያዋይ ጓሳና ስለ ዝኾነ ክንጠፍእ ጸላኢ ክዕወተልና አይደልን እዩ እሞ ብምሉእ እምነት አብኡ ቀሪብና ንጉሥናን አምላኽናን ንበሎ።

ኦ ንጉሠ ሰላም ክርስቶስ ሰላምካ ሃባና። 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

21 November 2020, 17:54