መዓልቲ ኩሎም ቅዱሳን ጥቅምቲ 22 ዓ.ም. (1st November 2020)

ንባባት፡ ራእ 7፡2-14፥ 1ዮሓ 3፡1-3፥ ማቴ 5፡1-12 ምስባክ፡ ብፁዓን እለተኀድገ ሎሙ ኃጢአቶም ወእለ ኢሓሰበ ሎሙ ኵሎ ጌጋዮሙ ብፁዕ ብእሲ ዘኢኄለቀ ሎቱ እግዚአብሔር ኃጢአቶ: 'ኣበሳኡ እተሐድገሉ፣ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሔር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፣ ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዜብሉ ሰብ ብጹእ እዩ' (መዝ 32፡1-2)።
ብድምጺ ንምክትታል!

አብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላቲናዊ ስርዓት ዝኽተሉ ኅዳር 1 መዓልቲ ኩሎም ቅዱሳን ተባሂሉ ይኸበር። አብ ታሪኽ ክርአ እንከሎ መበቆል ናይ እዚ ብዓል አብ ምስራቕ ብ4ይ ክፍለ ዘመን እዩ ጀሚሩ፥ አብ ሶርያ ምእንቲ ኩሎም ሰማዕታት ተባሂሉ ፍሉይ ዕለት ይብዓል ነሩ፥ ቅ. ኤፍረም ብዓል ኤደሳ ብ373 አቢሉ ዝሞተ ካብቶም ነዚ ዕለት ብዝያዳ ከምዝዝከር ዝገበሩ እዩ፥ ቀንዲ ምኽንያት ናይ እዚ ብዓል ከአ ነቶም ኩሎም ብሰማዕትነት ዝሞቱ ንምዝካር ፍሉይ መዝሙር ነቲ ብዓል ዝምልከት አውጺኡ አብ ቤተ ክርስያን ክዝመር ጀሚሩ፥ ቀስ በቐስ ከአ ነቶም ሰማዕታት ዘይኮኑ እውን ከጠቓልል ጀሚሩ (አብ መጀመርያ ግንቦት 13 ይብዓል ነሩ አብ ገሊኡ ድሕሪ ትንሣኤ ዘላ ዓርቢ፥ ገሊኦም አብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ይዝክርዎ ነሮም፥ አብ ሮማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፬ይ ካብ 609/610 ዓ.ም. ጀሚሩ “Roman Pantheon” ዝብሃል ዝነበረ ብ13 ግንቦት S Maria ad Martyres “ማርያም ኩሉ ጊዜ ድንግልን ኩሎም ሰማዕታትን” ብዝብል ኵስሚ ተዋሂቡ ክብዓል ጀሚሩ)። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጎርጎርዮስ ፬ይ (827-844) ዝነበሩ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ አብ ኅዳር ፩ ክብዓል ቀይሮሞ። አብ ምስራቕ አብ ስብከት ቅ. ዮሓንስ አፈወርቅ ከም እንረኽቦ አብ ቍስጥንጢንያ ድሕሪ ጰራቅሊጦስ ዘላ ሰንበት እዩ ዝብዓል ነሩ።

ሎሚ አብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፍላይ አብ ምዕራብ ንኹሎም አሕዋትና እንፈልጦምን ዘይንፈልጦምን አብ ሰማያዊ ክብሪ ዝሳተፉ ንዘለዉ እንዝክረሉ ዕለት እዩ። ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ነዚ አብ ፪ይ ጉባኤ ቫቲካን አብ ብርሃን አሕዛብ 49 ብኸምዚ ይገልጾ “እቶም ብፁዓን ምስ ክርስቶስ ስለ ዝተወሃሃዱ ንቤተ ክርስትያን አብ ቅድስና ጸኒዓ ደው ከምእትብል ይገብርዋ ነቲ ቤተ ክርስትያን ንእግዚአብሔር አብዚ ምድርዚ እተዕርጎ ሥርዓት አምልኾ የማዕርግዎ ብብዙኅ መገዲ ድማ ንርሑብ ሕንጸት ቤተ ክርስትያን ረድኤቶም የወፍዩ” (ቆሮ 12፡12-27) እናበለ ይገልጾ። ሓ/ት/ክ ከአ “ምስ ክርስቶስ ብቐረባ ተዋሃሂዶም ስለ ዝኾኑ እቶም አብ መንግስተ ሰማይ ዘለዉ ንመላእ ቤተ ክርስትያን አብ ቅድስና ከጽንዕዋ ይርከቡ. . . . በቲ አብ መሬት ከለዉ አብ መንጎ አምላኽን ሰባትን እንኮ መንጎይና ብዝኾነ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብዎ ዓስቢ እንከቕርቡ ምእንታና ናብ እግዚአብሔር አቦ እንካብ ምምላድ አየቋርጹን እዮም. . . . . ስለዚ ኸአ በዚ ኅውነታዊ ኃልዮኦም አብ ድኻምነትና ብዓቢኡ ክንሕገዝ ንርከብ” (956) ይብል።

እዚ ብዓል ካልእ ዘዘኻኽሮ ኸአ ናይ ነፍሲ ወከፍና ቅድስና እዩ። ብጸጋ ሰማያዊ አቦና ቀጺልና ንቅድስና ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብስም እቲ ልዕሊ ኹሉ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንቃለስ አሎና። ቅ. ጳውሎስ አብ ሰብ ሮማ ዝጸሓፋ ከምዚ ይብል “ቅዱሳን ክትኮኑ ዝተጸዋእኩም ኢኹም” (ሮሜ 1፡7)። ናብ ሰብ ቆሮንቶስ አብ ዝጸሓፎ ኸአ “ስም እቲ ጎይትኦምን ጎይታን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዚጽውዑ ኹሎም ቅዱሳን ንምዃን ዝተጸውዑ እዮም” (ሮሜ 1፡2) ይብለና።

አብ ብዙሕ ጥቕስታት መጻሕፍቲ ሓዲስ ኪዳን ቅዱሳን ክንከውን ጥራሕ አይኮናን ተጸዊዕና ቅዱሳን ኢና። (2ቆሮ 1፡1፥ ኤፈ 1፡1፥ ቆላ 1፡2,4,12)። ስለምንታይ እዩ እዚ? ምኽንያቱ ጸጋ ጥምቀት ምስተቐበልና አብ ሰውነት ክርስቶስ ተቐባልነት ረኺብና። አብቲ ጊዜ እቲ ካብ ኩሉ ሳዕቤን ኃጢአት ቀዳሞት ወለድናን ቅድሚ ጥምቀት ዝገበርናዮ ኃጢአትን ነጻ ወጺእና። ከምቲ ቅ. ጴጥሮስ “ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኳንኩም ነቲ ሳላ ክርስቶስ አብ አምላኽ ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋዕቲ ምእንቲ ኽተቕርቡ ከም ሕያዋን አእማን ኳንኩም አብ መንፈሳዊ ቤት ተሓነጹ” (1ጴጥ 2፡5) ዝብሎ መሰረ ሕይወትና አብ ክርስቶስ ገርና ክነብር ይሕብረና።

አብ ቃልስና ንቅድስና ቀጺልና ክንገብሮ ዘሎና ናይ መንፈስ ቅዱስ መሪሕነት ክንሓትት እዚ ኸአ ክሕብረና ከዘኻኽረና ነቲ ኹሉ ኢየሱስ ዝበሎ ክንሓቶ አሎና (ዮሓ 14፡26)። መንፈስ ቅዱስ ክንጽሊ የስተምህረና፥ አብ ጊዜ ድኻምና ይሕግዘና፥ ከመይ ኢልና ከም እንጽሊ ስለ ዘይንኽእል መንፈስ ቅዱስ አብ መንጎ መጺኡ ንቃላትና ከም ዝስማዕ ይገብሮ። “መንፈስ ቅዱስ ድማ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ከም ዝግብአና አይንፈልጥን ኢና፥ ግና እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚጽልየልና፥ እቲ ልቢ ዝምርምር እግዚአብሔር ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓሳብ እንታይ ከምዝኾነ ይፈልጦ እዩ። ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ዚጽልዩ ኸም ፍቓድ አምላኽ ገይሩ እዩ” (ሮሜ 8፡26-27)። ብጸጋ ጥምቀት አባላት ሰውነት ክርስቶስ ክንከውን ስለ ዝበቓዕና ምስጢረ ሜሮን ክንቅበል በቒዕና ነቲ ብጥምቀት ዝተቐበልናዮ ጸጋ ክነብዝሖን ክነዕምቆን፥ ነቲ ብእኡ ገርና ኣባ አቦ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር ናብ ፍርሃት ክትምለሱ መንፈስ ባርነት አይተቐበልኩምን” (ሮሜ 8፡15)።

ቅ. ጳውሎስ በቲ ዓቢ ዝተዋህቦ ፍልጠት ሓደ ዝተረድኦ ነገር ሓደ ካብቲ ግቡእ ወይ ግድነታት ቅዱሳን ክገብርዎ ዘለዎም ንኻልኦት ቅዱሳን ምግልጋል እዩ (ሮሜ 12፡13፥ 15፡15-16፥ 1ቆሮ 16፡1፥ 2ቆሮ 8፡4፥ 9፡1፥ ዕብ 6፡10)። ብአብነቱን ቃሉን ነዚ ግቡእነት አብ ኩሉ ጽሒፍዎ ይርከብ። ንኻልኦት ቅዱሳን ምግልግላ ማለት ንኻልኦት ምስባኽ እዩ። ብዙሓት ስብከተ ወንጌልን (evangelization) ስብከትን (preaching) ሓደ ገሮም ዝወስድዎ አለዉ ክልቲኡ ግን ዝተፈላለየ እዩ።

ወለዲ ንደቆም ክሰብኩ (evangelize) ይግባእ፥ ክልተ ሰብ ኪዳን አብ መንግኦም ክሰባበኹ ይግባእ። ንፉዓት ስድራታት ክርስትያን ነነድሕዶም፥ ንመሳርሕቶም፥ ነዕርዅቶም፥ ጎረባብቶም አብ ዝኸዱ ኸይዶም ክሰብኩ ይግባእ። ዕድል አብ ዝተረኽቦ ንወንጌል ከሰብኩ ንእምነቶም ክከላኸሉ ይግባእ። መንፈስ ቅዱስ ንነፍሲ ወከፍና መንፈሳዊ ህያባት ዓዲልና እዩ። “ንሱ ኸአ ንገሊኦም ሓዋርያት ንገሊኦም ነብያት ንገሊኦም ሰበኽቲ ወንጌል ንገሊኦም ናይ ነፍሳት ጓሶት ንገሊኦም ከአ መምህራን ገበሮም፥ እዚ ኸአ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ክትሕነጽ እቶም ቅዱሳን አብ አገልግሎቶም ፍጹማን ምእንቲ ኪኾኑ” (ኤፈ 4፡11-12)። እናበለ ናይ ነፍስወከፍና ህያባትን ክንገብሮ ዝግብአና ኩሉ ይነግረና።

አብ ራእይ 7፡2-14 “ድኅርዚ ድማ ኻብ ኵሎም አሕዛብን ዓሌታትን ሕዝብታትን ካብ ብዘሎ ቋንቋታትን ዝተአከቡ ሓደ እኳ ክቖጽሮም ዘይክእል ብዙኃት ሰብ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ጨናፍር ስየ አብ አእዳዎም ኂዞም አብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን አብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ከአዉ ረአኹ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸአ ምድኃን ካብቲ አብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ አምላኽና ካብቲ ገንሸልን እዩ ዝመጽእ እናበሉ ጨደሩ” ዝብል ነንብብ እዚአቶም ከአ እቶም ሰማዕታት እዮም። “እዚአቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝወጹ ንኽዳውንቶምውን ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ዘፃዕደዉ እዮም” (ራእ 7፡14)። እዚኦም ቅዱሳን ኢና ዘኪርና ነብዕል ዘሎና።

አብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሓንስ (3፡1-3) ዝነግረና አምላኽ ክሳብ ክነደይ ከም ዘፍቅረናና ደቁ ክንብሃል ከአ ከም ዝሓረየና። ብመንፈስ ቅዱስ ክንቅደስ እንከሎና አብ አምሳል አምልኽ ተቐይርና። “ሕጂ ውሉድ አምላኽ ኢና እንታይ ከም እንኸውን እውን ከአ ገና አይተገልጸን፥ ክርስቶስ ምስ ዝግለጽ ግና ከምታ ዘለዋ ክንርእዮ ኢና እሞ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና” (1ዮሓ 3፡2)። አብ አምሳል ክርስቶስ ስለ ዝተቐየርና እቶም ናይ ዓለም ክፈልጡና አይክእሉን እዮም። ዓለም ዝደልዮ ዝና ምቾት ሃብቲ እዩ በዚ ምኽንያት ከአ ንኢየሱስ ክፈልጥዎ አይክእሉን እዮም። ንኢየሱስ ስለ ዘይፈልጡ አብ ካልኦት ዘሎና ፍቕሪን እቲ ብአና አቢሉ ዘብርህ ዘሎ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ክርድእዎን ክፈልጥዎን አይክእሉን እዮም። ንአኣቶም ፍሉያት ፍጥረት ኢና።

በቶም አብ ዓለም ዘለዉ ፍንፉናትን ንዑቓትን ወላ ንኹን እምበር ጎይታ ከምዝብለና “አብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝኾነ ተሓጎሱ ባህውን ይበልኩም” (ማቴ 5፡12)። መንግስቲ አምላኽ ንሃብታማት አይ ኮነትን ነቶም ብመንፈስ ድኻታት እያ። መንግስቲ አምላኽ ንካልኦት ዘሳድዱ አይኮነትን ነቶም ምእንቲ ጽድቂ ዝጠምዩ እያ። መንግስቲ አምላኽ ነቶም ኩሉ ጊዜ ናይ ምሳሕ ግብጃ ገሮም ዝድሰቱ ንድኻታት፥ መበለታት ወይ ዘኽተማት ጊዜ ዘይብሎም አይኮነትን። ነቶም ዝሓዝኑ እያ። መንግስተ ሰማይ ብቐጻሊ ናይ እቶም ንአእምርኦም ብናይ ኃጢአት መግቢ ንሸውሃቶምን ድለታቶም ዝምግቡ አይኮነትን እንታይ ደአ ናይ እቶም ንጹሓት ልቢ እያ። ኩሉ ጊዜ መስዋዕቲ ቅዳሴ ክነዕርግ እንከሎና መንግስቲ አምላኽ ምስቶም ዕለታዊ መስቀሎም ጸሮም ዝጉዓዙ፥ ምስቶም አብ እምነቶም ጸኒዖም ዝነብሩ፥ ምስቶም ኩሉ ጊዜ ፈሪሃ አምላኽ አብ ልቦም አሕዲሮም ንድምጺ አምላኽ ጽን ዝብሉ ክትከውን ኩሉ ጊዜ ክንዝክሮም አሎና። ‘በታ ጎይታ ምስ ኩሎም ቅዱሳን ዝመጸላ መዓልቲ ኸአ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር አቦና አበር ዘይብሎምን ቅዱሳንን ምእንቲ ኽትኮኑ ልብኹም የበርትዕ” (1ተሰ 3፡13፥ 2ተሰ 1፡10)።

ሎሚ እምብአር ነዞ ኩሉም አብ ቅድሚ አምላኽ ደው ኢሎም ዘለዉ ቅዱሳን እናዘከርና እንከሎና ንሕና ውእን ንቅድስና ጽዉዓት ምዃና ፈሊጥና መገዲ ቅድስና ክንተሓሓዞ። አነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ ይብለና። ቅዱስ ምዃን ማለት ንኃጢአት ሓዲግና ንአምላኽ ክንዝክር እንከሎና እዩ። ጸሎት ተጋድሎ ትሕትና ገርና ንቅድስና ንልበሳ። አምላኽ ንጽድቂ ሒዝና እንኽእለሉ ኃይልን ጸጋን ይዓድልና።

ኦ ቅዱሳን አምላኽ አብ ቅድሚ ዙፋን አምላኽ ኮንኩም ንአምላኽ እተመስግኑ ንአና አሕዋትኩም ለምኑልና አሰርኩም ስዒብና ንአምላኽ ክንመስል ለምኑልና።

አሰር ኩሎም ቅዱሳና ተኸቲልና ቅድስና ዝመልኦ ብዓል ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ         

01 November 2020, 12:09