ዕለት ኩለን ነፍሳተ ሙታን ጥቅምቲ 23, 2013 ዓምግ (2 November 2020)

ንባባት: 1ቆሮ 15፡20-23፥ (ሮሜ 5፡5-11/6፡3-9)፥ ፩ዮሓ 3፡1-12፥ ግ.ሓ. 10፡34-43፥ ዮሓ 6፡37-40. ምስባክ፡ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕና ሰብእሰ ከምሣዕር መዋዕሊሁ ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ሎሚ መዓልቲ ኵሎም ሙታን ተባሂሉ ብፍላይ አብ ምዕራባዊ ዓለም ብዝያዳ ብካቶሊካውያን ዝዝከር ዕለት እዩ። መዓልቲ ኵሎም ሙታን ወይ ኵለን ነፍሳት ተባሂሉ ይፍለጥ። አጀማምርኡ ሓደ ነጋዲ ካብ ንግደት ኢየሩሳሌም ንዓዱ ክምለስ እንከሎ ብማዕበል ተገፊዑ አብ ሓንቲ ደሴት ተገሊፉ ወጺኡ አብኡ ሓደ ባሕታዊ ረኺቡ። እቲ ባሕታዊ ብዛዕባ አብ ንስሓ ቦታ ዝሳቐያ ነፍሳትን ከምኡ ጸሎት መነኮሳት ብፍላይ አብ ክሉኒይ ዓዲ ፈረንሳይ ዝርከቡ ብዝያዳ ከም ዝሕግዘን ነጊርዎ። እዚ ዓዱ ምስ ተመልሰ አብ ገዳም ሓላፊ ንዝነበረ ቅዱስ ኦዲሎ ብዓል ክሉኒይ ብ999 ዓ.ም ምስ ነገሮም ተጀሚሩ ቀስ ብቐስ አብ ኩሉ ተዘርጊሑ። አብ ሮማ አብ 14 ክፍለ ዘመን ብዕሊ ተቐባልነት ረኺቡ። አብ ኵሎም ላቲናዊ ስርዓት ዝኽተሉ ኅዳር 2 መዓልቲ ሙታን ተባሂሉ ቅዳሴ ይዓርግ ከምኡ አብ መቓብር ብምኻድ ጸሎትን ዕምባባታትን የንብሩ።

አብ ምስራቕ ኦርቶዶክስ አብ ዓመት አብ ዝተፈላለይ እዋን የብዕልዎ ብፍላይ ቀዳም ቀዳም ምኽንያቱ ኢየሱስ አብ ከርሲ መሬት ዝውዓለላ ዕለት ስለ ዝኾነት ብፍላይ ቀዳም ስዑር ንዅሎም ሙታን ዘኪሮም የሕልፍዎ። አብ ሃገርና ንሙታን አብ ዓሱር አርብዓ መንፈቕ ዓመት እናበልና ንዝክር እምበር ብፍሉይ ንዅሎም ሙታን ዝብል ፍሉይ ዕለት እንዝክሮ የብልናን ግን አብ ገለ ብሄራት ንአብነት አብ ብኄረ ብለን “ታና” ብዝብል ንዝኽሪ ኢሎም ጸበል የስትዩ።

አብ ምሉእ ዓለም ብሞት ንዝሓለፉ ምዝካር ፍሉጥ እዩ ብዝተፈላለየ አገባብ በብዓዱ ይዝክሩ። አብ ክርስትና እንገብሮ ብዘየገድስ ፍቕሪ አምላኽ ኵሉ ጊዜ አብ ቦትኡ አሎ። ተግባራትና ሕማቕ እንከሎ አምላኽ ካብ ምፍቃርና አየቋርጽን እዩ። ነዚ መሰረት ገርና ወላእኳ ገለ ካባና ከምቲ ዝድለ ክርስትያናዊ ሕይወት አይምርሑ እምበር አብ ፍቕሪ አምላኽ መሰረት ገርና ምእንትኦም ንጽሊ።

አብ እምነትና ቤተ ክርስትያን ብሰለስተ ዓይነት ሰባት ዝቖመት እያ። ፩ያ “ተጋዳሊት/ተዋጋኢት  ቤተ ክርስትያን” (the Church Militatn) አብዚ ዓለም ብሕይወት ዘሎና ጌና አብ ጉዕዞ እንርከብ። ፪ይ “ዝተዓወትት ቤተ ክርስትያን” (the Church triumphant) ምድራዊ ሕይወቶም ወዲኦም አብ መንበር ክብሪ ምስ አምላኽ ዝርከቡ ቅዱሳን። ፫ይ “እትሳቐ ቤተ ክርስትያን” (the Church Suffering) እዚኦም ከአ ዝሞቱ እንተ ኾነ ዓቢ ኃጢአት ዘይገበሩ አብ ንስሓ ቦታ ዝርከብ ካሕሳ ኃጢአቶም ምስ ወድኡ ቅድሚ አብ ሰማይ ምእታዎም ዝጽበዩ ዘለዉ። ሎሚ ነዚኦም ኢና ዘኪርና ዘሎና።

አብ እምነትና አርባዓተ ናይ ሰብ መፈጸምታታት አለዉ ንብል፡ ሞት፥ ፍርዲ፥ መንግስተ ሰማይ፥ ግሃነም እሳት። ንስሓ ቦታ ካብዚኦም አይሕሰብን እዩ ምኽንያቱ ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ንስሓ ቦታ ክፍሊ መንግስተ ሰማይ እዩ። ንስሓ ቦታ ስም ከም ዝሕብሮ ቅድሚ መንግስተ ሰማይ ምእታው ዘንጽሕን ዘሰናዱን እዩ። እተን አብ ንስሓ ቦታ ዝኸደ ነፍሳት ዓቢ ኃጢአት ዘይገበራ ግን አብ መንግስተ ሰማይ ብቐጥታ ክአትዋ ምሉእ ምንጻሕ ዘይብለን ዝጸንሓሉ እዩ። ቅድሚ አብ መንገስተ ሰማይ ምእታወን ምንጻሕ የድልየን ምኽንያቱ አብ ራእይ ዮሓንስ ከምዝብሎ “እቶም አብቲ ናእቲ ገንሸል መጽሓፍ ሕይወት ዝተጻሕፉ ደአ እምበር ገለ ርኽሰት ወይ ዜጸይፍን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ናብአ ኸቶ አይክአቱን እዩ፡ (ራእ 21፡27)።

ገለ ክርስትያን ንትምህርቲ ብዛዕባ ንስሓ ቦታ ዘይቅበሉ አለዉ ምኽያቱ ንስሓ ቦታ ዝብል አብ ቅዱስ መጽሓፍ ተጠቕሱ አይንርብኽቦን ይብሉ። ግን አብ ስላሰ ንአምን ይብሉ ስላሴ ዝብል ግን አብ ቅዱስ መጽሓፍ አይንረክብን ኢና። ከምቲ አብ ስላሴ ዘሎና እምነት ብመሰረት አብ ቅዱስ መጽሓፍ እንበጽሖ ግን ዘይ ጥቀስ ከምኡ ኸአ ብዛዕባ ንስሓ ቦታ ካብቲ አብ ቅዱስ መጽሓፍ እንረኽቦ ክንርድኦ ንኽእል።

አብቲ እሙንን ዘይእሙንን አገልጋሊ ዝብል ምሳሌ ከም እንረኽቦ ኢየሱስ ንሓዋርያት ክስብ መጨረሻ ፍርዲ እሙናት ኮይኖም ክጸንሑ ከምዘለዎም ክገልጽ እንከሎ ከምዚ እናበለ ዛዚምዎ “እቲ ፍቓድ ጎይትኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ አገልጋሊ ብዙኅ መግረፍቲ ኺግረፍ እዩ። እቲ ኸይፈለጠ ንመግረፍቲ ዜብጽሕ ግብሪ ዝገበረ ግና ሒደት እዩ ዝግረፍ፥ ብዙኅ ንዝሃብዎ ብዙኅ ይደልይዎ ብዙኅ ንዘማዕቆብዎ ኸአ አብዚኆም ይደልይዎ እዮም” (ሉቃ 12፡47-48)። አብዚ ከም እንርእዮ እቲ መጨረሻ ፍርዲ ገሃነም እሳት ወይ መንግስተ ሰማይ እዩ ግን እቶም ብምሉእ አብ መንግስተ ሰማይ ክአትዉ ዝአክል ግብሪ ዘይብሎም ወይ አብ ገሃነም እሳት ዘደርቢ ክፉእ ግብሪ ዘይብሎም ዝሓልፍዎ እዩ ንስሓ ቦታ ተባሂሉ ዘሎ። ነቲ ጎዲልዎም ዘሎ ዝመልኡሉ ዝሓውዩሉ ቅድሚ ንመንግስተ ሰማይ ምእታዎም ዝገብርዎ እዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባዚ ከስተምህር እንከሎ ክርስትያን ከምቲ ብዙሓት ሃነጽቲ አብ ሓደ ሕንጻ ዝወፍሩ እዮም ንሶም አብቲ መሰረት ሕንጻኦም ዝኾነ ክርስቶስ ብዝተፈላለየ መጋበሪ ይሃነጹ ይብል። ገሊኦም ብወርቂ፥ ገለ ብንሓስ፥ ገለ ብምሩጽ እምኒ፥ ገለ ብዕንጨይቲ፥ ገለ ብጭቃ፥ ገለ ኸአ ብሓሰር። አብ መጭረሻ ፍርዲ ነፍሲ ወከፍ በበቲ ዝሃነጾ ብሓዊ ክፍተን እዩ ይብል “እቲ አብ መሰረት ሃኒጹ ዕዮኡ ዝጸንዓሉ ሰብ ዓስቡ ኪቕበል እዩ። ዕዮኡ ዝነደዶ ሰብ ግና ዓስቡ ኪስእን እዩ። ንገዛእ ርእሱ ኺድኅን እዩ ግናኸ ከምቲ ብሓዊ ኃሊፉ ዚድኅን እዩ” (፩ቆሮ 3፡14-15) ይብል። ከመይ ኢሉ ነፍሲ ድሕሪ ፍርዲ ክትሳቐ ይክአል እሞ ክትድሕን ይክአል? እቲ መልሱ “ንስሓ ቦታ” ንብሎ።

ቅ. ዮሓንስ ክርስትያን ክልተ ኃጢአት ክፍጽም ይኽእል ይብለና፡ ዓቢ ኃጢአት ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ዘቋርጽ ዝቀትል፥ ንእሽቶይ ኃጢአት ግን ንርክብና ዘይቀትል ግን ዘሕምም፥ “ሓደ ንኃዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢአት ኪገብር እንተ ረአዮ ይጸልየሉ፥ አምላኽ ከአ ሕይወት ኪህቦ እዩ፥ እዚ ነቶም ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢአት ዚገብሩ እዩ ዝርኢ። ናብ ሞት ዘብጽሕ ኃጢአት አሎ ‘ይጸልየሉ’ ዝብል ዘሎኹ ብዛዕባ እዚ አይኮነን። ክፉእ ሥራሕ ዘበለ ዅሉ ኃጢአት እዩ እንተ ኾነ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢአት እውን አሎ” (፩ዮሓ 5፡16-17)። አመንቲ ብዘይ ኃጢአት ዝሞቱ ንመንግስተ ሰማይ ይኸዱ። አመንቲ ምስ ዓቢ ኃጢአት ዝሞቱ ንግሃነመ እሳት ይኸዱ። እቶም ምስ ንእሽቶይ ኃጢአት ዝሞቱ ድአ አበይ ይኸዱ? እቲ መልሲ አብ ንስሓ ቦታ ይኸዱ። አብኡ ቅድሚ አብ መንግስተ ሰማይ ምኻዶም ነቲ ዘይነጽሑሉ ንእሽቶይ ኃጢአት ይነጽሑ።

ወላ እኳ ካቶሊካውያን አብ ንስሓ ቦታ ይእመኑ ከምኡ ከኒሻ ይኽሓድ ግን ብዘይ ዕላዊ አዋጅ ኩልና ንአምን ኢና እዚ ኸአ አብቲ ሓደ እንፈትዎ ሰብና ብሞት ክፍለየና እንከሎ ኵልና ምእንቲ ዝሞተ ንጽሊ። ኵልና “መንግስተ ሰማይ የዋርሶ/ሳ። ነፍሱ/ነፍሳ ይምሓር ንብል። አብ ግሃነም እሳት ከይዶም እንተ ኾኑ ስለምንታይ ንጽልየሎም ወላ እውን አብ መንግስተ ሰማይ ከይዶም እንተ ኾኑ ጸሎትና አየድልዮምን እዩ ስለዚ አብ ሓደ ውሱን እዋን ጸሎትና ስለ ዘድልዮም ኢና እንጽሊ ስለዚ ንስሓ ቦታ ከምዘሎ ኵልና ንአምን ኢና። ኵሎም ሙታን አብ ምልእ ሓድነት ምስ አምላኽ ዘይበጽሑ ጸሎትና የድልዮም እዩ፥ በዚ ምኽንያት ኢና ምእንቲ ሙታን እንጽሊ።

ሓ/ት/ክ/ ቤተ ክርስትያን አብ 1030-1032 አነጺሩ ይዛረበሉ “አብ ናይ አምላኽ ጸጋን (ዕርክነትን) እንከለዉ ዝሞቱ ክንሶም ግና አጸቢቇም ዘይተነስሑን ዘይተናጽሑን እውን ድኅነቶም ዘረጋገጹ እዮም። እንተኾነ ብድሕሪ ሞቶም ብናይ ምንጻሕ መስርሕ ኪሓልፉ እሞ እቲ ናብ ታሕጓስ መንስተ ሰማይ ንምእታው አድላዪ ዝኾነ ቅድስና ኪጭብጡ ናይ ግዲ እዩ። እዚ አብ ኅሩያን ዝፍጸም ካብ ናይ ዝተኾነኑ መቕጻዕቲ አዝዩ ዝተፈልየ ናይ መወዳእታ መስርሕ ምንጻሕ ቤተ ክርስትያን ፡ንስሓ መንጽሒ (ቦታ ንስሓ) ክትብሎ ትሰምዮ። ቤተ ክርስትያን ነዚ ብዝርኢ አብ ጉባኤ ፍሎሬንስን ትሬንቶስን አነጺራቶ እያ። ትውፊት ቤተ ክርስትያን ድማ ንገሊኡ ጹሑፋት ቅዱስ መጽሓፍ ብምንጽጻር ብዛዕባ እቲ እሳት መንጽሒ ይዛረብ።

ከም ካቶሊካውያን ሓድነት ኵሎም ቅዱሳን ንአምን እዚ ኸአ ነቶም አብ መንግስተ ሰማይ ዘለዉ ዝተዓወቱ፥ ነቶም አብ ንስሓብ ቦታ ዘለዉን ነዞም አብ ጉዕዞ ሕይወት ዘሎና ዘጠቓለለ እዩ። ብጸሎት ነነድሕድና ክንተሓጋገዝ ንኽእል ኢና። እቶም አብ ንስሓ ቦታ ዘለዉ ናይ ምንጻሕ ግዚኦም ክፍጽሙ ብጸሎት ሓገዝና የድልዮም። አብ ፪ይ መጽሓፍ መቃብያን 12፡38-ፍ ዘሎ እንተ አንበብና “ይሁዳ መቃቢስ ገዛኢ እስራኤል ገንዘብ አኪቡ ምእንቲ ኅድገት ኃጢአት መስዋዕቲ ምእንቲ ከዕርግሉ ናብ ኢየሩሳሌም ሰደዶ። ምእንቲ እቶም አብ ውግእ ዝሞቱ ናይ ካሕሳ መስዋዕቲ ምእንቲ ኃጢአቶም አዕሪጎም. . . ምእንትዚ እቶም ዝሞቱ ካብ ኃጢአቶም ሓራ ምእንቲ ኽኾኑ ኅድገት ኃጢአት ዚርከበሉ መሥዋዕቲ አዕረገ” ዝብል ነንብብ።

ድሕሪ ሞት ዘሎ ኵነት ዝገልጽ አብ መጽሓፍ ጥበበ ሰሎሞን 3፡1-9 ዘሎ እንተ አንበብና “ናይ ጻድቃን ነፍሳት አብ ኢድ አምላኽ እየን ዝኾነ ስቓይ ዘበለ ክአ አይክትንክፎምን እዩ፥ ብአረአእያ ዓያሹ ቅኑዓት ሰባት ዝሞቱ ይመስሉ ይኾኑ፥ ካብዚ ዓለም እዚ ምኅላፎም ከአ ዕንወት መሲሉ ይርአ ይኸውን፥ ግናኸ ንሳቶም አብ ሰላም እዮም ዘለዉ” ዝብል ነንብብ። አሕዋት ዘፍርሕ የብልናን ምኽንያቱ ብሞት ሓሊፎም ዘለዉ ኵሎም ሰብና ብዝበለጸ አብ ኢድ አምላኽ እዮም ዘለዉ።

አብዚ ዓለም እንከለዉ ከም ኩልና ድኽመት ጉድለት ከምኡ ንአይ ይጥዓመኒ. . . ዝአመሰለ ፈተና ነርዎም እዩ ስለዚ ንሕና አባላቶም ኢና ክንጽልየሎም ዝግብአና። ብጸሎት ጥራሕ ኢና ኸአ ክንሕግዞም እንኽእል እዚ ልዕሊ ዅሉ መስዋዕቲ ቅዳሴ ብምዕራግ ክንገብሮ ንኽእል ምኽንያቱ አብ ቅዳሴ ዝለዓለ ርክብ ምስ አምላኽ ስለ እንገብር። ክርስቶስ ብሥግኡን ነፍሱን መልኮትን አብ መንጎና ስለ ዝሓድር እሞ ንሕና ክንቅበሎ ከሎና ዝለዓለ ሱታፌ ምስኡ ስለ እንገብር ምእንቲ እቶም ብሞት ዝሓለፉ ክንጽሊ ዝበለጸ ጸሎት እዩ። ካልእ ሰናይ ተግባራት ክንገብር ንኽእል ብስሞም ንጽጉም ክንሕግዝ፥ ምጽዋት ክንህብ ከምኡ ብስሞም አብ ኵሉ ሰናይ ክንወፍር እንከሎና አብ ቅድሚ አምላኽ ዓስቢ አለዎ።

እዚ ዕለት ብሞት ንዝሓለፉ ጥራሕ ዘይ ኮነ ንአና ብሕይወት ዘሎና እውን መልእኽቲ አልኦ። ኵልና ካብታ ዝተወለድናላ ዕለት ጀሚርና ጉዕዞ ሞት ምስተተሓሓዝናዮ ኢና ግን ምአስ ከም እንመውት አይንፈልጥን ኢና። ኢየሱስ ዕለቱን ስዓቱን አይትፈልጡን ኢዅም እሞ ተሰናዲኹም ጽኑሑ ይብለና። ጎይታኹም ብዘይሓሰብኽምዎ ዕለት ከይመጽአኩም ኵሉ ጊዜ ተሰናዲዅም ጽንሑ ንቕሑ ይብለና። ድሕሪ ሞት ምስንዳው የለን። ነፍስወከፍና መገዲ ሰማይ ሒዝና ክንጉዓዝ ይግብአና። ናብራ ዓለምን ሰይጣንን መሊኾምና ከለዉ ሞት ክትመጽአና እንከላ “ወደይ/ጓለይ ብሕይወት ተድላኻ ከም ዝተቐበልካ/ኪ ዘክር” (ሉቃ 16፡1931) ክብለና እዩ።

ሰባት ዘንጋዕቲ ኢና ናብራ ዓለም ከምኡ ሥጋና የዘንብለና ንልብና አዕዊሩ ንመገዲ ጸጋም ጥራሕ ከም እንሕዝ ዝገብር ከቢድ ፈተና አሎ ስለዚ ብእዋኑ ርእስና አብ መገዲ አምላኽ ክነትሕዝ ክንረባረብ አሎና። እና ተዛነኻ መንግስተ ሰማያት አይትእተውን እያ። እሞ ሎሚ ጉዕዞ ሕይወትና ከመሎ? ሎሚ አምላኽ እንተ ጸውዓኒ ከመሎዅ ከምቲ እሙንን ቅኑዕን አገልጋሊ “አብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶዶ” መተበሃልኩ እናበልና ንርእስና ንርአ።

ኦ መሓሪ አምላኽ ድኽመተይን ክፍአተይን አለልየ ዝኽእለሉ ጸጋ ዓድለኒ ተነሲሐ ቅዱስ ሕይወት ከምርሕ ምሳይ ኩን ዕለተ ሞተይ አብ ዝበጽሓሉ ከአ ንስኻ እትደልዮ መገዲ ሒዘ ክርከብ ሓግዘኒ ንበሎ።

ንዅሎም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝሓለፉ ዘለዓለማዊ ሕይወት የውርሰልና ንአና ኸአ ሰላምን ፍቕርን አንጊስና እሙናት አገልገልቲ እንኾነሉ ጸጋ ይዓድለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

02 November 2020, 13:17