ኦ ጐይታ ኣድሕነና! ማዕበል ከጥሕለና ቀሪቡ ኣሎ። ኦ ጐይታ ኣድሕነና! ማዕበል ከጥሕለና ቀሪቡ ኣሎ። 

፫ይ ሰንበት ዘአስተምህሮ 20 ኅዳር 2013 ዓ.ም. (11/29/2020)

መዝሙር፦ አምላክ ፍጹም በህላዌሁ. . . . አምላኽ ፍጹም ብህላዌኡ ዘሎ፥ ዓለም ከይተፈጥረ ብመንግስቱ ዝገዝእ፥ ሰማይን ምድርን ንክብሩ ዝፈጠረ፥ ንምድሪ ዝሸለመ ንባሕሪ ንኹሎም አብ ኩነኔ ዘለዉ ፍጥረትን ገሰጾም። አቦ አብ ጸገም ዘለዉን ከዕርፉ ንሰንበት ቀደሰሎም፤ንአምላኽ ጽድቅን ማሕደር ንጹሓትን ነቶም ዘፍቅርዎ ዘሰናደዎ አኽሊል ክብሪ ምእንቲ ክትወስዱ ናብ አምላኽ ጽድቂ ናብኡ ቅረቡ፥ ብጸጋ፤ ብስነ ምግባርን ሃይማኖት ጸኒዖም ናይ ሰማዕትነት አኽሊል ብእምነቶም ወረሱ። ካብ ዓለም ንጎይትኦም አሐጎስዎ፤ መምህር ናይ ቅዱሳን አኽሊል ናይ ሰማዕታት ናይ ካህናት ሸያሚ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ዕብ 12፡25-ፍ፤ያዕ. 3፡4-13፤ ግ.ሓ.21፡27-ፍ፤ማቴ 8፡23-ፍ    ስብከት፡  ቅረቡ ኀቤሁ ወያበርህ ለክሙ። ወኢይትሓፈር ገጽክሙ። ዝንቱ ነዳይ ጸርሓ ወእግዚአብሔር ሰምዖ። ናብኡ ቅረቡ ገጽኩም አይሕፈር ከብርሃልኩም እዩ፤ እዚ ድኻ ጸውዔ እሞ እግዚአብሔር ከአ ሰምዖ።

መዝሙር ናይ ዕለቱ ኩሉ አብ ዓለም ዘሎ ናይ አምላኽ ምዃኑ ከምኡ ሓቀኛ መልክዑ ዝሕዝ  ምስ አምላኽ ብዝህልዎ ርክብ ከም ዝልካዕ ይነግረና። አብ ሕይወትና አኽሊል ዓወት ክንጭብጥ ጸጋ ክንለብስ የድልየና ንአምላኽ አብ ርክብና አብ ሕይወትና ቦታ ሂብና ብቕድስና ክንጉዓዝ ዝዕድም ሰንበት።

ናብኡ ቅረቡ ገጽኩም አይሕፈር ከብርሃልኩም እዩ ዝበለ ናይ ሎሚ ስብከትና ወላ እኳ ሓጢአትና እንተ በዝሔ ብርሑቕ ቋሕ አቢልና ክንጥምት እሞ ንምሕረት አምላኽ ክንጽውዕ። አብ ቅድሚ አምላኽ ንሕና ኢሚንቲ ድኻታት ፍጥረት ኢና እንተኾነ መሓሪ አምላኽ ክንጽውዖ ይደልየና እዩ። ከም ምሕረትካ እምበር ከም በደልና አይትኺደና እናበልና ክንቀርቦ ሎሚ እዋኑ እዩ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ማቴዎስ ናይ እዋና ጸገማት አብ ሕይወት ዝጓነፍ ከመይ ገርና ከም እንብድሆ ይነግረና። ንደቂ ሰብ ንፋሳትን ባሕርን ይእዘዙኒ (8፡27) ዝብል ናይ ምዝቓር ቃላት ኮይኑ እዩ ዝስምዓና። ደቂ ሰብ አብ ብህርይ ዝገጥም ክንርኢ ከሎና ክንደይ ድሩታት ዓቕምና ንእሾትይ ምኻኑ ኢና አንርኢ። አብዚ ወንጌል አብ ርድኢትና አብ ግምት ክነእትዎም ዝግብአና ነገራት አለዉ። መርከብን ባሕርን። መጀመርያ ብዛዕባ መርከብ እንተ አልዓልና ግድን ብዛዕባ ባሕርን መርከበኛታን ክንሓስብ ምኻና ንፈልጥ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ መጀመርያ ብዛዕባ መርከብ እንረኽቦ አብ ታሪኽ ኖኅ እዩ። ከምኡ ዮናስ ነቢይ ካብ ጸዋዕትኡ ንሰብ ንነዌ ንንስሓ ከይሰብኽ ብመርከብ ከም ዝሀደመ ነንብብ። ካብ መርከብ ጸገም ምስ ተጓነፎ አብቲ አምላኽ ዝበሎ ከም ዝኸደን ሰብ ንነዌ እውን ከም ዝተነስሑ ነንብብ። ኢየሱስ ገለ እዋን አብ ባሕሪ ገሊላ አብ መርከብ ኮይኑ ክሰብኽ እንከሎ ነንብብ። ሓዋርያት ገሊላውያን ገፈፍቲ ዓሣ ብባሕሪ ዝናበሩ ዓሣ ናይ ሕይወቶም ቀንዲ መግቢ ከም ዝነበረ ወንጌል ይነግረና። አብ ገምገም ባሕሪ ኮይኑ ይሰብኽ ከምዝነበረ ወንጌል ይነግረና። አብ ከባቢ ባህሪ ዝነብሩ ናይ ባሕሪ ባህርያትን ጥቕምን ብዝያዳ ክርድኡ ይኽእሉ። ባሕሪ ሕይወት እዩ ይብሉኻ። አብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝነብሩ ብዝያዳ ክነግሩና ይኽእሉ። ኢየሱስ አብ ባሕሪ ብዙሕ ተአምራታትን ምልክታታትን ከም ዘርአየ ነንብብ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሓዋርያት አብ መርከብ ከለዉ ዝኾነ ነገራት ይነግረና። አብ መርከብ ኮይኖም እና ተጓዕዙ ማዕበል ተላዒሉ። ሞት መጽኤትና እናበሉ አብ ተስፋ ቁርጸት በጺሖም ሽዑ ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም ርድአና ጠፋእና ክብሉ ነንብብ። አብ ትርጉም ናይ እዚ ክንአቱ ከሎና ነቶም ሓዋርያት ጸራቶም ዝነበረት መርከብ አምሳል ቤተክርስትያን እያ። ቤተክርስትያን ኩነታት ብዘየገድስ ኩሉ ጊዜ ደቃ ሓቚፋ ትጉዓዝ ከምቲ ማዕበል ንባሕሪ ዘናውጾ ንቤተክርስትያን ኩነታት ደቂ ሰብ ከምኡ ስደት ባሕርያውን ሰብ ዝፈጠሮ ጸበባ የናውጻ እንተኾነ ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ምስአ ሰለ ዘሎ ዘሸንፋ ሓይሊ የሎን። ክትርበሽ ክትሳቐ ትክእል እያ እንተኾነ ኩሉ ጊዜ አላ ምስአ ምድሓኒአ ስለ ዘሎ። ቤተክርስትያን እምብአር ሰባት አብኣ አብ ጊዜ ስደት፥አብ ጊዜ ዋሕዲ እምነት ጸኒዖም ዝተረፉላ ካብ ኢየሱስ ኩሉ ጸጋ ዝዕደሉላ መርሶ ድሕነት እያ። እቲ ባሕሪ አብ ዓለም ብባሕሪ ዝጓነፍ ምንዋጽ የመልክት። አብ ባሕሪ ብዙሕ ጸገም ይጓነፍ ብዙሓት አብኡ ምስ አተዉ ዘይተመልሱ አለዉ አብኡ ጥፍአት ሞት፥ከምኡ ዝተፈላለየ ጸገማት ከም ዝጓነፍ አብ እዋና እንርእዮ ዘሎና እዩ። ከም ርድኢት እስራኤላውያን ባሕሪ አብ ትሕቲ ቁጽጽር አምላኽ እዩ (ዘፍጥ. 1፡6-10)። ምስጢር ፍጥረት ልዕሊ ርድኢት ደቂ ሰብ እዩ። አብ ኢየብ 38፡11 ከም እነንብቦ “ክሳብ አብዚ ብጻሕ፥ ካብዚ ንንየው አይትኅለፍ፤ እቲ ብርቱዕ ናህሪ ማዕበላትካ ኻብዚ አይኅለፍ ኢለ አዘዝክዎ” ይብል ናይ አምላኽ ምቍጽጻር አብ ልዕሊ ባሕሪ ይነግረና።

ማቴዎስ ነዚ ክትርኽ እንከሎ ናይ ኢየሱስ ስልጣንን ሓይልን ክገልጽ ኢሉ ዘቕረቦ እዩ። ንሱ መስሕ ስለ ዝኾነ ስልጣን አልኦ አብ ልዕሊ ኹሎም ሓይልታት ተፈጥሮ ከምኡ አብ ልዕሉ ደቂ ሰብ ሓልዮት አልኦ። ነዚ ከረድእ ማቴዎስ ናይ ክልተ አጋንንቲ ካብ መቓብር ምስ ወጹ ምስ ኢየሱስ ዝተጋጠሙ ይትርኽ። አብዚ ናይ እቶም ብአኦም ዝተታሕዙ ሰባት መንነት አይገልጽን። ብዝኾነ እዞም ሰባት ከም ሙታት ተቖጺሮም አብ መቓብር ሓጋዚ ዘይብሎም ይነብሩ ነሮም። እቲ ኹሉ ዘረባ እቶም አጋንንቲ እዮም ዝዛረቡ እሞ ንኢየሱስን ተልኮኡን ከምዝጻረሩ ይዛረቡ። አብ ወንጌል ሉቃስ 11፡20 አነ ነጋንንቲ በጻብዕ አምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኮንኩ ግና መንግስቲ አምላኽ አባኻትኩም በጺሓ እያ” ዝብል ነንብብ። ብዝኾነ እቶም አጋንንቲ ከምዝረዓዱ ነንብብ። “”ወዲ አምላኽ ንስኻ ምሳና ንሕና ምሳኻ እንታይ አሎና እናበሉ ክጭርሑ ንሰምዖም። ጊዚኡ ከይበጽሐዶ ክትሳቕየና መጻእካ እናበሉ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ክዛረቡ ንሰምዖም።

አብ ጥቕኦም ዝነበሩ ሓሳሙ ክአትዉ ይሓቱ። አብ ርድኢት እስራኤላውያን ሓሳማ ዘይንጹሓት እንስሳ እዮም (ለዋውያን 11፡7 አብኦም ክአትዉ ምሕታቶም ዘይብልዑ፥ ዝተበላሸዉ ከም አጋንንቲ እዮም ስለዚ ሓሳሙ ከም አጋንንቲ እዮም ዝርአዩ ነሮም። ኢየሱስ ኪዱ አብቶም ከማኹም ዝአመሰሉ ይብሎም። አብ ብሉይ ኪዳን ናይ ሓሳሙ ዘይንጹሓት ምዃን ዝተጋነነ ይመስል አብ መጽሓፈ ምሳሌ 11፡22 መልክዐኛ ሰበይቲ ብዘይ አእምሮስ ከም አብ አፍንጫ ሓሳማ ዝተሰቝረ ቀለበት ወርቂ እያ ይብል። አብ ሓዲስ ኪዳን አብ ማቴ 7፡6 በአእጋሮም ከይረግጽዎ ድማ ሉልኩም አብ ቅድሚ ሓሳሙ አይትደርብዩ ይብል። ሓሳማ ዘይንጹሕ ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ ተግባራቱ ናይ ዕንወት ክፍአት አምሳል እዩ። ብ 70 ዓ.ም ንከተማ ኢየሩሳሌም ዘጥፍኤ ሰራዊት ሮማ አርምኡ ሓሳማ እዩ ነሩ። እቶም ሓሳሙ በጋንንቲ ምስተጠቕዑ አብ ባሕሪ አትዮም ይብለና ወንጌል እቶም ጓሶት ንኢየሱስ ከሕውየሎም አብክንዲ ዝሓቱ ንዓዲ ክነግሩ ይአትዉ ደቂ እቲ ዓዲ እውን ንኢየሱስ አብ ክንዲ ምምስጋኖም ዓዶም ክሓድገሎም ይሓትዎ።

አብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል እንምሃሮ ነገራት፡

  • መዓልታዊ ሕይወት ደቂ ሰብ ከም ማዕበል እዩ። አብ ገለ እዋን እቲ ዝጓነፍ ማዕበል ዓቕልና የጽብበልና እሞ አብ ጉድለት እምነት የብጽሓና ሽዑ ጸገማትና አብ ከማና ዝአመሰሉ ሰባት ነውርዶ አብ ክንዲ አብ አምላኽ። አብዚ ማዕበል ዝኾነ ሕይወት እምነት ከይነጉድል አብ ጥቓ ኢየሱስ ንኹን።
  • ቤተክርስትያን አምሳል መርከብ እያ። አብ ቤተክርስትያን ምስ እንጽጋዕ ሽዑ ድሕነት ርግአት አብአ አሎ። ቤተክርስትያን ክንብል ከሎና እታ ምልእቲ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ንኹልና አብ ውሽጣ እትሕዝ ማሕበር እያ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ብፍሉይ ይገልጸልና፥ ኩልና አባላት ሰውነት ክርስቶስ ኢና፥ ህንጻቤቱ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኢና እናበለ ናይ ሓደ ክርስትያን ሓቀኛ መንነት ይገልጽልና። ደቂ ሓንቲ ቤተክርስትያን ስለ ዝኾና ሓንቲ ሥድራ ቤት ኢና።
  • ባሕሪ ናይ እንነብሮ ዓለም አምሳል እዩ። አብ ባሕሪ ማዕበል ስግአት አሎ። ሃቦብላ ንፋስ ንመርከብ ሰንከልከል የብላ አብኡ ፍርሒ ምጥላቕ ሞት አሎ። ዓለምና ቅሳነት ዘይብላ ኩሉ ጊዜ አብ ምህዋኽን ሻቕሎትን ትርከብ። ዓለምና ብዘልአ ዓጊባ አይትፈልጥን ኩሉ ጊዜ አብ ዝበዝሔን ዝዓበየን ነገራት ክጥምት ከይ ዓገበት ትነብር። ብባሕሪ ዝምሰል ዘሎ መነባብሮና ርግአት እምነት ተስፋ ዝጎደሎ እዩ። ነዚ ዘይርጉእ ሕይወት ንኢየሱስ ሒዝና ክንሓልፎ ከሎና ብሓቂ ቅሱናት ክንከውን ኢና። አብ ገለ እዋን ክበድ ዝበዝሖ ናብራ እንተ ሎና ምሳና መድኃኒ ከምዘሎ ዘይምዝንጋዕ።
  • ባሕሪ ምንጪ ሞትን ሕይወትን ክኸውን ይኽእል። ባሕሪ አጠቓቕምኡ እንተ ፈለጥና ምንጪ ሃብቲ ምዕባሌ ክኸውን ይኽእል። ሰባት አብኡ ዝለዓለ ሕይወት ከሕልፉ ይኽእሉ። አብ ርሑቕ ምስራቕ ኣስያ አብ ባሕሪ ጥራሕ ዝነብሩ አለዉ። ብአንጻሩ ባሕሪ ምንጪ ጥፍአት ዕንወት ሞት ከኸውን ይኽእል። ንአብነት ሱናሚ ናይ ዘመና ተርእዮ። አብ ባሕሪ አብ መንጎ ከሎኻ ጸገም አንተ ተረኽበ ዝኸበደ እዩ። ናይ ባሕሪ ማይ ክትሰትዮ ዘይክአል እዩ። ዝገርም ግን ዓሣ አብ ጭዋም ማይ እናነበረ ብጨው ከይተበከለ ይነብር። እዚ ንአና ክርስትያን አብ ዓለም ከሎና ከምዘይ ናይ ዓለም ኮና ክነብር ዘዘኻኽረና እዩ። አብ ዓለም ክነብር ከሎና መገድን ድለትን አምላኽ አለሊና ክንፈልጥ ግድን እዩ። ንባሕሪ ሕይወትና አብ ጥቕሚ ርእስናን አሕዋትናን ክንውእሎ መደብ አምላኽና እዩ። ኩሉ ፍጡር ክንጥቀመሉ አምላኽ ሂቡና እዩ። ንሕና ደቂ ሰብ ኢና ዘይ መልክዑ እነልብሶ ብዙሕ ጊዜ እሞ ሎሙ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንመርሕ መብጽዓና ነሓድስ።
  • ምስ ኢየሱስ እንጉዓዞ ጉዕዞ ኩሉ ጊዜ ቅሳነት አልኦ። ሰብ ዝጽገም ካብ ኢየሱስ ርሒቑ አብ ዓቕሙን ናቱ ዘበለን ተመስሪቱ ክነብር እንከሎ እዩ። ንኢየሱስ ምንጪ ሕይወትን መምርሕን ገሩ እንተ ተጓዕዘ ዝመጸ ይምጻእ አይሽገርን ዓቕሉ እውን አየጸብብን እዩ። ኩልኹም ዝደኸምኩም ዝጸዓርኩም ናባይ ቅረቡ አባይ ዕረፍቲ ርግአት ክትረኽቡ ኢኹም ይብለና። ጉዕዞ ሕይወትና ምስኡ ንግበሮ።

ሓዋርያት ምስጢር ክርስቶስ ክርድኡ ይኸብዶም ነሩ። አብ መንግኦም ከሎ ገለ እዋን ይዝንግዑ ነሮም ጠፋእና አድሕነና እናበሉ እምነትን ምጥርጣርን ዝመልኦ ከርእዩ ንርእዮም። አብ ሕይወትና ገለ እዋን አምላኽ ክውል ዝበለ ኮይኑ ክርአየና ይክአል እዩ ብፍላይ ዓለም ሓዲጋትና መስሓቒ ገለ ሰባት ክንከውን ከሎና። ገለ እዋን ዝሓደገና ዝረስዓና ኮይኑ ይርአየና፥ እንተኾነ ንሕና ኢና እንኽወሎ እምበር ንሱስ ኩሉ ጊዜ ምሳና አሎ። እምነት ክጎድል እንከሎ ኩሉ ውድቀት ምስኡ ይመጽእ። ዓው ኢልና አድሕነና ንበሎ ንሱ ኸአ ክድሕነና እዩ።

ማቴዎስ ኢየሱስ አብ ልዕሊ ኹሉ ስልጣን ከምዘለዎ ከረድአና ኢሉ ከምኡ ምስቲ ቅድም ዝገበሮ አተሓዚዙ ናይ ክልተ ጋኒንን ዝሓዞም አብ መቓብር ዝነብሩ ዝነበሩ የምጽአልና። ነዚ ወንጌል ብጽሞና ክነንብቦ ከሎና ነዚ ዝስዕብ መንፈሳዊ ረብሓ ክንረክብ ንኽእል።

  1. ጋኔን ዝሓደሮ ኩሉ ጊዜ የፍርሓና። አጋንንቲ መላእኽቲ ዝነበሩ ካብ አምላኽ ዓልዮም አብ ገሃነም እሳት ዝተኾነኑ ፍጡራት እዮም። ንሰብ ከሸግሩ ከጋግዩ ክእለት አልኦም። አብ ሕይወት ደቂ ሰብ ሓዲሮም ንሰብ ካብ አምላኽ አርሒቖም ክንብሩ ይክእሉ እዮም። ካብ ግዝአቶም ነጻ ክንከውን ጸጋን ሓለዋን አምላኽ የድልየና። አብ መንፈስ ዝዘሓሎ ሕይወት አጋንንቲ ምቹእ ባይታ ይረኽቡ። ንጋኒን ክነሸንፎ እንተ ደለና ምስ ኢየሱስ ጥቡቕ ርክብ ክህልወና ይግባእ። ጋኒን አብ ብመንፈስ ዝደኸመ ሰብ ክአቱ አየጸግሞን እዩ። ጋኔን ከይሓድረና ተጊህና ምስ ኢየሱስ ክንጉዓዝ ይግብአና። ልዕሊ ኹሉ ሥጋኡን ደሙን ክንቅበል ከሎና ዝያዳ ድሕነት አሎና።
  2. አብ መቓብር ምንባር ካልአይ ሞትዩ። ሰባት አብ ቦታ መቓብር ክነብሩ እንከለዉ አብ ቦታ ደይን አለዉ ማለት እዩ። አብ መቓብር ሬሳ እዩ ዝነብር ሰባት አብኡ ዝነብሩ እንተኾይኖም ካብቲ ዝኾነ ሰብ ዝነብሮ ካልእ መንፈስን ዓለምን መሪጾም አለዉ ማለት እዩ። አብ መቓብር ምንባር አብ ሓጢአትካ ምንባር የስምዕ። አብ ክትነብሮ ዘይግብአካ ሕይወት ምንባር፥ ማለት አብ ዓዘቕቲ ሓጢአት ተዋሒጥካ ምንባር። አብ ሓጢአትና ተሪርና ክነብር ከሎና ዳርጋ አብ ዓለም ከሎና አብ ቦታ ስቃይ ምንባር ማለት እዩ። መቓብር ኩሉ ጊዜ የፍርሓና ምኽንያቱ አብኡ ተስፋ ዘሎ ኮይኑ አይስምዓናን። አብኡ ሞት እታ ቀዳመይቲ ቀታሊት ሰብ አላ። ካብ መቓብር ክንወጽእ ንኢየሱስ ክንክተል ክንአምን ይግብአና።
  3. ጋኔንን ኢየሱስን ብሓንሳብ ክነብሩ አይክአልን እዩ። ንኢየሱስ ወይ ንድለታትና ስምዒትና መሪጽና ክንክእል አሎና። ንኢየሱስ እንተ መረጽና አብ ድሕነት አብ ዓወት አሎና ንሕወትና እንተ መረጽና ግና አብ ጭንቀት ጓሂ ክንነብር ኢና። ነቲ አብ ሕይወትና አትዩ ማሕደሩ ገሩ ክነብር ዝደሊ ርኹስ መንፈስ ፎእ ንበሎ። ካብ ንሰይጣንን ዓለምን ዝግዛእ ሞት ይሕሸኒ ኢልና ንሕይወትና ካብ ክፍአት ነርሕቃ። ንኽልተ ጎይቶት ክንግዛእ አይግባእን አይክአልን።
  4. ንምሕረት አምላኽ አለሊና ንኽአል። ከም ሰብ መጠን ገለ እዋን ኢየሱስ ከየለለናዮ ከይሓልፈና። እቶም ደቂ ዓዲ ኢየሱስ ነቶም ክልተ ሰባት ካብ አጋንንቶም ነጻ ምስገበሮም ብዓጀባን እምነትን ክንዲ ዝቕበልዎ ካብ ዓዶም ክወጽአሎም ሓቲቶሞ። ንምሕረት አምላኽ ርኢኻ ዘይምኽአል ካብ አምላኽ ከም እንርሕቕ ይገብረና።አምላኽ ካብኡ ርሒቕና አብ መቓብር ክነብር አይደልን እዩ። አምላኽ አንተ ዘይተቐበልናዮ ብሓይሊ አብ ሕይወትና፥ ገዛና፥ ርክባትና አይአቱን እዩ።
  5. ካብ ጋኔን ነጻ ክንከውን ብርቱዕ ጸሎት የድልየና። ሰይጣን ዝበርትዔ ጸላኢና ስለ ዝኾነ ብርቱዓት ተዋጋእቲ ብመንፈስ ክንከውን አሎና። ጸሎት፥ ተጋድሎ፥ ዘይገብር ንሰይጣን ቅሉዕ ኮይኑ ይነብር። አብ ጸሎት ዘይገብር ሰብ ሰይጣን ብምሉእ ሓይሉ ይአቱ ሽዑ ካብኡ ክወጽእ ዓቢ ጸገም ንርእሱን ንኻልእን ኮይኑ ይነብር። ንሰይጣን አባና ክነብር ክንተሓባበሮ ኸሎና እቲ ዕንወት ብሓቂ ጎዳኢ እዩ። ደቂ ሰብ ልኡኻት ሰይጣን ኮና አብዛ እንነብረላ ዓለም ክነበላሹን ክንጎድእን እንርከብ ብዙሓት ኢና። ሰይጣን ልኡኻቱ በዚሖም ደቂ ሰብ አብ እግዚአብሔር አልቦ ይነብሩ አለዉ ። እቲ ዝገደደ ብስም ክርስትያን ኮንካ ምጭራሕ ብተግባር ግን ተግባር አጋንንቲ ዝገብሩ ውሑዳት አይኮኑን። ሎሚ ንሰይጣንን መንገዱን ሓዲግና አብቲ ምንጪ ሓጎስና ዝኾነ አምላኽ ንመለስ። ነዚ ክንገብር ምስ አምላኽ ተዛሪብና ክንክእል አሎና።

ሎሚ በዚ ብሩኽ ሰንበት ክርስትያን እምብአር አብ ሕይወትና አቲና ብመን ተባሒተ አሎኹ ብአምላኸይዶ ወይስ በቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢ ደቂ ሰብ ዝኾነ ሰይጣን ኢልና ከመይ ከም ዘሎናን ንአምላኽ ክንዕረቖ ጸሎት እንገብረሉ ዕለት እዩ። ነቲ ከአልኩሉ ዝኾነ ፈጣሪና ናቱ ንኹን እንጉዓዞ መዓልታዊ ሕይወትና ብናቱ ብርሃንን ፍቕርን ንጉዓዝ፥ አብኡ ምሉእ እምነት ገርና ንዝጓነፈና ዝኾነ ፈተና ሓግዘኒ ንበሎ። ሰይጣን አብ ልብና ከይአቱ ኩሉ ጊዜ ከየቋረጽና ጸሎት ንግበር። ጸግዒ ሓጥአን ንዝኾነት ማርያም አብ ኩሉ ሕይወትና ጽላል ወዳን ምሕረቱን ከይፍለየና ለምንልና ንበላ። ምስ ወድኺ ዕርቂ አውርድልና ንበላ።  ጸሎትና ከም መስዋዕቲ ተቐቢሉ አብ ቅድስና ዘእቱ መገዲ እንኽተለሉ ሓይልን ጸጋን ይሃበና። ንሰይጣንን ልኡኻቱን እነሸንፈሉ ሓይልን ክእለትን ጸጋን የውርደልና።

 ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

28 November 2020, 10:01