2020.11.08 ነፍሰኄር ኣባ ኃይለማርያም ተኽለማርያም ዘማኅበረ ሲታውያን [1919-2020] 2020.11.08 ነፍሰኄር ኣባ ኃይለማርያም ተኽለማርያም ዘማኅበረ ሲታውያን [1919-2020] 

ህየ ይሠየማ ወህየ ይትዓቀባ ነፍሳቲሆሙ ለጻድቃን እስከ አመ ይፈድዮ ለኩሉ በከመ ምግባሩ! ቅ.318

ኣባ ኃይለማርያም ተኽለማርያም ዘማኅበረ ሲታውያን [1919-2020] 101 ዓመት ዛዚሞም ሰንበት ፳፱ ጥቅምቲ ፳፻፲፫ [08.11.2020] ብሰላም ዓሪፎም
ብድምጺ ንምክትታል!

ነፍሰኄር ኣባ ኃይለማርያም ብ07 ሓምለ 1919 ዓ.ፈ. ኣብ ዓደንገፎ ም-ሠገነይቲ ተወልዱ።  ወለዶም ኣቶ ተኽለማርያም ተስፋማርያም ወይዘሮ ለተኺዳን ተኽለማርያም ይበሃሉ። ኣብ ጥምቀቶም ኃይለ ሚካኤል ተባህሉ፣ በኣኡ ከኣ ተጸውዑ።  ኣብ ስድራቤቶም 3 ኣኅዋትን 5 ኣኃትን እዮም። ኣብ ሠገነይቲ ፈላሚ ትምህርቲ  ድሕሪ ኣካዪዶም፣ ወዲ 18 ዓመት ናብ ዘርአክህነት ከረን ኣተዉ፣ ዚግባእ ናይ ፍልስፍናን ትምህርተ መለኮትን መደብን ኵስኰሳን ድሕሪ ፈጺሞም ድማ፣ ወዲ 29 ዓመት ኃይለሚካኤል፣ ብ15 የካቲት ናይ 1948 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከረን ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ብኢድ ኣቡነ ኪዳነማርያም ካሣ ኣብ ማዕርገ ክህነት ደየቡ። ድሕር’ዚ ንሾመንተ ዓመት ኣብ ቍምስናታት ከም መጠን ቆሞስ ኣገልገሉ፣ ማለት ኣርባዕተ  ዓመት ኣብ ቍምስናታት ሓላይን መሰርሓን፣ ካልእ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ኣብ ቍምስና ቍኒዕ (ከረን) ድሕሪ ኣገልጊሎም፣ ብፍቓድን ምርቓን ኣቡኖም ናብ ማኅበር ሲታውያን  ብ14 ሚያዝያ 1956 ኣተዉ። ብወርሒ መስከረም  1956 ዓ.ም.ፈ. ከኣ ናብ ገዳም  ካዛማሪ ኢጣልያ ከይዶም፣ “ኣባ ኃይለ ማርያም” ብዚብል ስመ ምንኵስና  ብ29 መስከ. 1956 ተመክሮ ጀመሩ።

ዓመት ምንኵስናዊ ተመክሮ ዛዚሞም  ብ01 ጥቅምቲ 1957 ብንኡስ መብፅዓ ኣባል ማኅበር ኮይኖም ናብ ሃገሮም ተመልሱ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ከኣ ብ01 ጥቅምቲ 1961 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ገዳም ፍልሰታ ኣሥመራ ብዓቢይ መብፅዓ ንወትሩ  ወዲ ማኅበር ንምዃን በቕዑ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ድማ ነቶም መምህር ተመክሮ ዝነበሩ ኣባ ፕላቺዶ ካፑቶ ተኪኦም መምህር ተመክሮ ኪኾኑ ማኅበር መዘዞ ም። ነዚ ኵስኰሳ ንኡሳን መነኮሳን ካብ 1967 ክሳብ 1973 ኣብ ዘሎ ዓመታት ኣካየድዎ። ምስኡ ማዕረ ማዕረ  ነቲ ንንኡሳን መነኮሳን ወትሩ ዚምህ ርዎ መጽሓፍ ሕጊ ኣቡነ ቡሩኽ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ተርጒሞም ንምኅታም በቕዑ። መምህር ዜማን ቋንቋ ግእዝን ኮይኖም እውን ኣገልገሉ።

ብ1973 ንገዳም ከረን ተለዊጦም ኣብኡ መምህር ዜማን ግእዝን ትምህርተ ክርስትናን፣ ኣብ ከባቢ ከረን ኣብ ዘሎ ቍምስናታት፣ ኣብ ዚግበር ኣገልግሎትን ሓዋርያዊ መደባትን ነጠፉ፣ ኣብ ማእከል ከተማ ከረን ኣብ ዚርከባ ገዳማት ውፉይ ሕይወት ድማ ብቕዳሴን ስብከትን ብመደብ ኑዛዜን ተላእኩ።

መደብ ተመክሮ ናብ ገዳም ከረን ምስ ተለወጠ ኣብኡ’ውን ዳግማይ መምህር ተመክሮ ኮይኖም፣ ካብ 1976 ክሳብ 1979 ዓ.ም.ፈ. ንማኅበር ኣገልግሎቶም ወፍዮም። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ብ1994 ናብ ገዳም ኣሥመራ ተለዊጦም፣ ጸኒሖም ድማ ብ2000 ናብ ገዳም ከረን ተመሊሶም ብኑዛዜ እናሓገዙ ክሳብ 2014 ኣብኡ ጸንሑ።  እዘን ዝሓለፋ 6 ዓመት ከኣ ኣብ ገዳም ኣሥመራ  እሕለፍወን።

ስለ’ዚ ብኽህነት 72 ዓመት መሊኦም ናብ 73 ኣትዮም ኣለዉ፣ ብምንኵስና 63 ዓመት መሊኦም ናብ 64 ሰጊሮም፣  ብዕድመ ልደት ድማ ብ07 ሓምለ 2020 መበል ሚእትን ሓደን [101] ዓመት መሊኦም 102 ረጊጾም ይርከቡ። ብዕድመ ልደት ኮነ ብኽህነት ኣብ ሃገርና ካብ ዘለዉ ቤተክህነት ዝዓበዩ ኮይኖም ጸኒሖም። ዕቤትን ድኻምነትን እንተዘይኮይኑ፣ ፈጺሞም ሥቓይ ዚበሃል ከይተሣቐዩ፣ ነቲ ብሰንኪ ዕቤት ዝመጽአ ኵሉ፣ ብትዕግሥቲ ብመንፈስ ምስጋና ንደቆም መነኮሳን ተመሊኦም፣ ኣሕለፍዎ።

09 November 2020, 13:13