ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤተ ምኽሪ  ሰላምታ ንባይደን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤተ ምኽሪ ሰላምታ ንባይደን 

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤተ ምኽሪ ሰላምታ ንባይደን

እግዚኣብሔር ስለ ዝዓደለና ናጽነት ነመስግን! ሕዝቢ ኣመሪካን ኣብቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ድላዩ ገሊጹ፥ ሕጂ መራሕትና ኣብ ናይ ሓገር ሓድነታዊ መንፈስ ክሓብሩን ዘተ ክስፍሑን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዝዓይሉ እዋን እዩ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጐመዝ ናይ ደሞክርሲያዊ ናይ ፖለቲካ ውድብ መራሒ ንናይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካን ርእሰ ብሔር ንኽኾኑ ወዲሮም ዕለት 7 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ተዓዋቲ ብምዃኖም ንጆሰፍ ሮቢነት ባይደን ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽቲ ሰላምታ ኣመሓላሊፎም፥ “ድሕሪ ጆን ኤፍ ከነድይ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ናይ ካቶሊክ እምነት ሰዓቢ ርእሰ ብሔር ምዃኖም ከምዘዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ.  ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤተ ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሎስ ኣንጀለስ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኾሴ ኤች. ጐመዝ ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ዝተኻየደ ናይ ርእሰ ብሔር ሕዝባዊ መረጻን ኵለን ናይታ ሃገር መራኸቢ ብዙሓን ናይ ደሞክራሲያዊ ናይ ፖለቲካ ውድብ ወኪሎም ንምርጫ ዝቐረቡ ንጆሰፍ ሮቢነት ባይደን ከምዝሰዓሩ ዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት ገይሮም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥

እግዚኣብሔር ስለ ዝዓደለና ናጽነት ነመስግን! ሕዝቢ ኣመሪካን ኣብቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ድላዩ ገሊጹ፥ ሕጂ መራሕትና ኣብ ናይ ሓገር ሓድነታዊ መንፈስ ክሓብሩን ዘተ ክስፍሑን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዝዓይሉ እዋን እዩ።

ከም ካቶሊካውያንን ከም ዜጋታትን ቀዳምነት እንህበሉን ተልእኾናን ንጹር እዩ፡ ኣብዚ ምርኻብና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽንስዕብን ፍቕሩ ኣብ ሕይትና ንኽንምስክርን ኣብዛ ምድሪ መንግስቱ ንኽንሓንጽን እዩ! ኣብዚ እዋናዊ ታሪኽ ሕቡራት መንግታት ኣመሪካ ካቶሊካውያን ፍሉይ ሓላፍነትና ናይ ሰላም መጋበርያ ንምዃንን ሕውነታውን ሕድ ሕድዊ ምትእምማንን ምንቕቓሕ ዝብልን ንዝተሓደሰ እወንተይና ሃገራውነት መንፈስ ምጽላይን እዩ።

ደሞክራሲ ኩላትና ከም ድጋውያንን ርእሰ ምቁጽጻር ዘለዎምን ሰባት ጠባይ ከነርእን፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ንኸነኽብርን፡ ዋላ’ኳ ኣብ ፖለቲካዊ ክትዕን ዛዕባ መሰልን ግቡእን ኣብ መዳይ ፖለቲካን ዓሚዩቕ ዘይምስምማዕን ዝተፈላለየ ሓሳብን እውን እንተሎ ንሓድ ሕድና ብፍቕርን ብስልጣነን ክንከባበር ጻውዒት ነቕርብ።

በዚ መሰረት’ዚ ንጆሰፍ ሮቢነት ባይደን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መበል 46 ርእሰ ብሔር ንምዃን ዘብቅዖም ድምጺ ከምዝረኽቡ ኣፍልጦ ንህብ፡ ንባይደን እንቛዕ ሓጐሰኩም ንብል ንሶም ድሕሪ ጆን ኤፍ ከነድይ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካልኣይ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ምእመን ርእሰ ብሔር ከምዝኾኑ ንጆን ኤፍ ከነድይ የዘኻኽሩና፥ ኣብ ካሊፎርኒያ ናይ ሓጋጊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣባል ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምኽትል ርእሰ ብሔር ንኽኾና ብባይደን ዝተሓርያ ኣብዚ ሓላፍነት’ዚ ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ንዝኾ ካማላ ዲ. ሃሪስ እንቋዕ ሓጐስክን ንብል።

ነታ ናይዛ ዓባይ ሃገር ጠበቓን ሓላዊትን ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምእንታና ከተማልድ ንምሕጸን፡ ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልኡካንን መስረትን፥ ሓንቲ ሃገር ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሔርን ናይ ነፍሲ ወከፍ ስበኣዊ ሕይወት ቅዱስነት ዝሰፍሓላን ናይ ሕልንና ናይ ሃይማኖትን ናጽነት ዝኽበረላን ዝብል ራእይ ክንክውን ብሕብረት ንኽንዓዪ ትሓግዘና፡ ከምዝበሉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 November 2020, 20:14