ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት፥ ክርስቲያን ኣብዚ እዋን ለብዒ’ዚ ሓደ ክኸውን ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት፥ ክርስቲያን ኣብዚ እዋን ለብዒ’ዚ ሓደ ክኸውን 

ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት፥ ክርስቲያን ኣብዚ እዋን ለብዒ’ዚ ሓደ ክኸውን

ተስፋ መሰረታዊ እዩ፥ ተስፋና ኣብቲ “ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ ዝኾነ” (ዕብ. ምዕ. 13,8) ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡ ዓለም ክቀያየር ናይ እግዚኣብሔ ፍቕሪ ብኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንሱን ዘይቀያየርን እዩ፡ “ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ታእላው ኣይኮነን” (ድጒዓ ምዕ. 3,22)፡ ናይቶም ኣቢያተ ክርስትያን ዝመርሑ ሓላፍነት፥ ኣብ ጽንኵር እዋን ተስፋ ምምስካር እዩ

ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ዩስቲን ወልብይ ምስ ዜና ቫቲካን ለብዒ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዘንበሮ ብድሆን ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእክቲ ንናይ ክርስቲያን ሓድነት ጉዕዞ ዘለዋ ዓቢይ ክብርን ንደቡብ ሱዳን ናይ ተስፋ ዘላምን ኣብ ዝብል ነጥብታት ምእኵል ዝኽነ ቃለ መሕትት ከምዘካየዱን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጃስቲን ወልባይ ከም ሎሚ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 13 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቀብብላ ተገይሩሉም ክሌኣዊ ርክብ ከምዘካየዱ ክዝከር እንከሎ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ 19 ኵነታት ዓለም ሱር በተኽ ለውጢ ዘጓነፎ እውን እንተኾነ እቲ ለብዒ ነቲ ምትሕብባር ካብ ዝብል ክሳብ ማሓድሮን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ክሳብ ሰላምን ዝብሉ ናይ ሮማ ጳጳሳን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማውን መለለይኦም ዝኾኑ ክቡራት ዋጋታት ክበራታዕ ገይሩ እዩ። ልክዕ ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላትና ኣሕዋት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ  ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ ልክዕ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ምስ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ምስ ዝኾኑ ምስቲ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ምስ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣን ዜና ቫቲካንን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣዚዮም ኣገደስቲ ኣብ ዝኾኑ እዋናውያን ርእሰ ጉዳያት ኣማእኪሎም ማሕበረ ክርስቲያን ኣብዚ ብጥልቂ ስቓይ ምልኩት ኮይኑ ኣብ ዘሎ ዓለም ክህልዎም ዝኽእል ኣብ ግደ ሰፊሕ ኣስተንትኖ የቕርቡ።

ጸጋውነትኵም ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ እትራኸቡ ልክዕ ዝሓለፈ ዕለት 13 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ፡ ካብቲ እዋን ዓለም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ሱር በተኻዊ ምቅይያራት ኣጓኒፍዎ ኣሎ፡ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ከማኹምን ከም ር.ሊ.ጳጳሳትን ዝእመሰሉ ኣብዚ እዋን ዓውሎማዊ ራዕድን ስቓይን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ተስፋ ንኸነቓቕሑ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ትብሉ?

ተስፋ መሰረታዊ እዩ፥ ተስፋና ኣብቲ “ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ ዝኾነ” (ዕብ. ምዕ. 13,8) ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡ ዓለም ክቀያየር ናይ እግዚኣብሔ ፍቕሪ ብኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንሱን ዘይቀያየርን እዩ፡ “ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ታእላው ኣይኮነን” (ድጒዓ ምዕ. 3,22)፡ ናይቶም ኣቢያተ ክርስትያን ዝመርሑ ሓላፍነት፥ ኣብ ጽንኵር እዋን ተስፋ ምምስካር እዩ፡ ኢየሱስ ኣብቲ ኵሉ ስሩዕን ግሩምን ኰይኑ ኣብ ዝኸይድ ዝነበረ ዓለም ተስፋ ከበጽሕ ዘይኰነ ዝመጸ፥ ኣብቲ ተኣፋፍን ተገሚዑን ዝነበረን ኣብቲ ብተኣፋፍያንን ህሱያትን ሓጢኣተይናታትን ዝተመልኤ ዓለም እዩ ተስፋ ንኸብጽሕ ዝመጸ፡ እቲ ንሱ ዝብለና ከኣ “ኣይትፍርሑ” እዩ፡ ንሱ ተስፋና እዩ፡።

ክርስቲያን ኣብቲ ከም ማሕበረሰብ ኣብ ዝነብርሉ ዓለም፡ ሰብ ተስፋ ክኸውን ዝተጸውዐ እዩ፡  ናይ ክርስቶስ ተስፋ ካብቲ ኣብዝን ሕጅን ክንየው ዝብል እዩ፡ እቲ ዝተገልጸን ክመጽእ ዝኾነን፥ ንዘለዓለማውነት፡ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘማዕድው፡ ሰብኣዊ ሕይወት ተኣፋፊ ከምዝኾነ ዝሰፍሕ ሕማምን ሞትን ፈንጻግን መዓታውን ብዝኾነ መገዲ ኣቢሉ ንኽንርዳእ ገይሩና እዩ፡ ኰይኑ ግና ዝተጸዋዕናሉ ዝለዓለማዊ ሕይወት ዘለዓለማዊ እዩ፡ ምድራዊ ሕይወት ሰማያዊ ሕይወት ዘንጸባርቕ ክኸውን እግዚኣብሔር ይጽውዓና፡ ምኽንያቱ እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ስለ ዝመርሕ፡ ናይ ኢየሱስ ኣብነትን ንጐረቤትካ ኣፍቅር ዝብል ትምህርቲ ብምስዓብ ንኽንፍጽሞ ግደ ክህልወና ይኽእል፡ እምነትና ኣብ ክርስቶስ እንተድኣ ነንብር ኰይናን ተኣፋፍን ድኻን ዝተሓረገን እንተድኣ ምእኵል ጌርና ናይ ተስፋ መልእኽቲ ንነብር ኣሎና ማለት እዩ።

ኣብዚ እዋን ለብዒ’ዚ እታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ተሓቲማን ንንባብ እውን በቒዓ እያ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሕውነት ዘማእከለ ሰነድ ኣቢሎም ከመሓላልፍዎ ዝደለይዎ መልእኽቲ ንኣኹም ጦብላሕታ ዘሕደረልኩም እንታይ እዩ?

ኵላትና ኣሕዋት ንብሉጽ መጻዓ ዓለም ጽዑቕን ስሩዕን ርእየት ዘቕርብ ህንጡይን ተባዕን  ሰነድ እዩ! ክርስቶስ ማእከል ዝገበረ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስነ ክርስቶሳዊ ዝጸንዔ ሰነድ እዩ፡ ነቲ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ሰብኣውነት ዝገጥም ሰነድ እዩ፡ ቅዱስነቶም ምስ ናይ ውህደት ኣርቶዶስካዊት ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክን (በርጠለመዎስ ቀዳማውን) ምስ ዓብይ መምህር (ናይ ኣል-ዓዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ) ዘካየድዎ ርክብን ኣብ ማርቲን ሉተር ኪንግን ማህትማ ጋንዲን ሊቀ ጳጳሳት ደስሞንድ ቱቱን ተወኪሶምን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ራእይ ጥራሕ ዘይኮነ ዘቕረቡ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ትብጻሕ መልእኽቲ እዮም ዝለገሱ፡ ቅዱስነቶም ናይ ሰብኣዊ ሕይወት መዳያት ካብ ውልቃውነት ክሳብ ህብረ-ብሔራውነትን ካብ ስድራ ቤት ክሳብ ዓለም፡ ካብ ንግድ ክሳብ ኢንዳስትሪን ፖለቲካን ብቐረባ ከምዝስምዖን እተረጋግጽን፡ ማሕበረ-ሰብኣውነትን ውልቃውነትን ዝብሉ ክልተ መንታውያን መግለጽታት ኣብ ቲዮሎጊያን ፍስፍናን ኣርጊጾም ዘብርሁላን ንኹላትና እትዛረብ ሰነድ እያ።

ከም ቅዱስነቶም ኣነ እውን ምስ ዓቢይ መምህር ተራኺበ እየ - ዝበሉ ወልባይ ኣስዒቦም ኣብዚ ርክባቶም’ዚ ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን ባህልታትን ክፍጠር ዝኽእል ግጭት ዘይተርፍ ወይ ከይሁሉ ክትገብሮ ዘይከኣል እዩ ዝብል ኣዘራርባ ጌጋ እዩ፡ ናይ ስልጣኔታት ምስሕሓብ ዝብል ኣምር ነቲ ናይ ውልደትን ሕይወትን ሞትን ዝልወጥ፡ መላእ ተፈጥሮ ዝልውጥ . . ኣብ ናይ ክርስቶስ ትንሳኤን ዕርገትን ናይ ክርስቶስን ክውንታ ዕሽሽ ዝብል እዩ።

ኵላትና ኣሕዋት ሰነድ ብናይ ዝፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ጸሎት ይዛዘም፡ ነቲ ብውግእ ዝናወጽን ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኤውሮጳ ዝተራእ ግብረ ሽበራን ብዝኣመሰለ ጸረ ሰባኣዊ ተግባራት ከይተዓብለልና ብሉጽ መጻኢ ክህሉ እንታይ ኣበርክቶ ኣለዎ?_

. . . እቲ ዓቢይ ጸገም ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያን ገዛእ ርእሰን እንኰ ክርስቲያናዊ ተቕዋም ገይረን ኣብ ምቕራብ እዩ ኣብ ዝብል ኣመለኻታ ዝተምስረተን . . . ካብ ሓደ ጫፍ ካብሳ ሓደ ጫት ሕዝቢ ክንቀሰስ ዝድርኽ  . . . ነቶም ኣሕዋትን ኣሓትናን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ኣብ ሓደ ኵነት ታሪኽን ምስ ዓንቀጸ ሃይማኖት ካብ ዝተተሓሓዘ ሕቶን ክንየው ክንምልከቶም እንኰሎና ኣብኣቶም ክርስቶስ ንምልከት፥ ብእግዚኣብሔር ዝተፈቕሩን ዝተገልገሉን፡ . . .

ካብቲ ናይ ዝተፈላለይ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ካብ ዝግበር ኪደት ብጉጅለ ይኹን ብውልቂ ምትእምማን ዕርከነትን ምስፋሕን . . . ወሳኒ እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ለምዘበን ደጋጊሞም ካብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአይ ዘሎ ቅልውላው እንላቐቕ ንሓድ ሕድና ምስ እ ንከባበርን እዩ፡ ኵላትና ኣብ ሓንቲ ጀልባ ኢና፡. . . ኣብ ቅድሚ እቲ ብፍርሒ ዝጉልብት ኢጉነትን ነዚ ፍር’ዚ ከም ክርስቲያን መልሱ እንታይ እዩ ትብሉ?

ብትኽኽል፥ ኣነ እውን ዝኣምነሉን ዝበልክዎን ሓሳብ እዩ፥ ‘ዝተፈላለና እውን እንተዀንና ኣብ ሓንቲ መርከብን ኣብ ሓደ ባሕርን ኢና’፥ ፍርሒ ፈላላይ መናድቕ ከተቕውም ይድርኽ . . . ሰባት ኣብ ፍርሒ ምስ ዝጣበቑ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ነዚ ናይ ሕዝቢ ፍርሒ ኣክንዲ ከይህሉን ዝገብሩ ንኣህላኽነት ይጥቐምሉ፡ . . .  ቤተ ክርስቲያን ግና እንገዳን ኣገልግሎትን ፍቕርን ትጽውዕ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ክላትና ኣሕዋት ዓዋዲት መልእኽቲ ውልቅን ማሕበራውን ተሟራኾስቲ ምዃኖም የብርሁ፡ ኣይነጻጸጉም እያቶም፡ ናይ 17 ክፍለ ዘመን ኣንግሊካዊ ካህንን ገጣማይን ጆን ዶንነ “ማንም ሰብ ደሴት ኣይኮኖን፥ ንበይኑ እውን ምሉእ ኣይኩነን” ዝበሎ ጠቒሶም፥ . . . ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ጽዑቕ ዝኾነ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝትንት ምዕራፍ እተጠቓልል እያ፡ ሕያዋይ ሳምራዊ ብሔርተይናነትን ዞባውነትን ቅድመ ፍርድታትን ኵሉ ብፍቕሪ ዝብድህ እዩ፥ ኣይሁዳዊ ሳምራዊ  ብዘየገድስ. . . ክንየው ናይ ኣጋጣሚ ፍልልያት ዝብል።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣብ ዘካየድክምዎ ቃለ መሕትት፥ ንናይ ብሪጣንያ መራሔ መንግስቲ ቦሪስ ጆንሶን ወትሩ ከምእትጽልዩ ገሊጽኩም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንናይ ፖለቲካ መራሕትን መራሕቲ ሃገራትን ክንጽልዩ ከምእተላበዉ ንዝክር፡ ብፍላይ ኣብዚ ጽንኵር እዋን’ዚ፡ ብኣኹም ጸሎት ዝህልዎ ስፍራ ሎሚ እንታይ  ይመስል ትብሉ፡ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎና ርክብ፥ ኣብዚ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዘግልል እዋናዊ ባህሊ?

ወትሩ ኣብ ዕለታዊ ሕይወተይ ምእንቲ መራሔ መንግስቲ ጆንሶን ድዩ ንዅሎም ናይ ፖለቲካ ኣካላት እጽልይ፡ . . . እዚ ምስጢር ኣይኮነን ብናጽነት ዝፍጽሞ ክርስቲያናዊ ተግባር እዩ፡ ጸሎት ምእንቲ ዅሉ፡ . . . ነገራት ክቕየሩ እንደልይ እንተድኣ ኰይንና ካብ ጸሎት እዩ ክንብገስ ዝግብኣና . . . ።

ሰላምን ማሓድሮን ማሕበራዊ ፍትሕን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ብወገንኵም ኮነ ር.ሊ.ጳ. እውን ኣበርቲዕዅም ትዓዩ፥ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለኩም ርክብ ንመጻኢ እንታይ ዓይነት ተስፋ ኢኹም እትግምትዎ፡ ብሓባር ናብ ደቡብ ሱዳን ንምብጻሕ ዘለኩም ድላይ ድሕሪ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ምስ ናይታ ሃገር መራሕቲ ኣብ ቫቲካን ድሕሪ ዝተኻየደ ርክብ ብወግዒ ሓቢርኩም?

ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቲ ወግዓዊ ርክብ ክንየው ዘሎኒ ዓሚይቕ ምሕዝነት የደንቐኒ፥ ዝተቐብልናዮ ተልእኾ (ከም ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ሓላፍነቶምን ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን) ዳርጋ ኣብ ዝተቕራረበ እዋን ኰይኑ፡ ሰላምን ዕርቅን ኣገዳሲ እዩ፥ ኣነን ር.ሊ.ጳ. ብሓባር ምስ ናይ ደቡብ ሱዳን መራሕትን ዝተፈላለዩ ናይታ ሃገር ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ኣብ ቫቲካን ዘካየድናዮ ሱባኤ ምእንቲ ሰላም፡ ናይ ብዙሓት ቀልቢ ስሒቡ እዩ፡ ዝከኣል ምስ ዝኸውን ብሓባር ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ከካይዱን በዚ ምብጻሕ’ዚ ሰላምን ናይታ ሃገር ሕዝብን ምዕባለ ከነተባብዕ . . .

ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘካየድክዎም ርክባት ኣብቲ ሓደ፥ “ጸሎት ሰላም ድኽነት” ዝብላ ቃላት ክንዝክር ይግብኣና እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ እዝክር፥ እቲ ርክባትና ኣብዘን ሰለስተ ቃላት እዚኣተን ንኽንተግህን እዩ፡ እዚ ናይ ርክባትና መሰረት ክኸውን ተስፋይ እዩ፡ ዘዋህደና፡ ምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ንመላእ ዓለም ናይ ድኻታት ሕይወት ክመሓየሽ ግድን ብምዃኑ ስለዚህ ሰላምን ዕርቅን ንድኻታት ምሕላይን ዝተኣሳሰሩ እያቶም እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

18 November 2020, 22:50