፩ ሰንበት ዘጽጌ ጥቅምቲ 1 2013 ዓ.ም. (10/11/2020)

መዝሙር፡ ትዌድሶ መርዓት እንዘ ትብል ነዐ ወልድ እኁየ ንፃዕ ሐቅለ. . . . መርዓት ንመርዓዊ እናወደሰት ኦ ሓወይ ንዓ ንግዳም ንውጻእ እሞ ወይንን ሮማንን ፈርዩ እንተሎ ንርአይ፥ ንሰማይ ብኸዋኽብቲ ዝሸለመ ንምድሪ ብዕምባባታት ዘጌጸ። ንሱ ሓደ ወዱ ጎይታ ሰንበት እዩ። መርዓት ኦ ሓወይ ቃልካ ጥዑም እናበለት ትውድሶ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ፊሊጲ 4፡6-9፥ ራእ 21፡1-9፥ ግ.ሓ. 15፡22-ፍ፥ ማቴ 21፡33-43።   ምስባክ፡ 1.     ፍሬ ጻማከ ተሤሠይ፥ ብፁዕ አንተ ወሠናይ ለከ፥ ብእሲትከ ከመ ወይን ስሙር ውስተ ጽርሓ ቤተከ። “ዕዮ አእዳውካ ዘፍረዮ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ ብፁዕ ኢኻ፥ መነባብሮኻ ኹሉ ኸአ ኺባረኽ እዩ፥ ሰበይትኻ አብ ውሽጢ ቤትካ ከም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን እያ” መዝ. 128፡2~3።  2.    እስመ ፈተወ ንጉሥ ስነኪ፥ እስመ ውእቱ እግዚእኪ፥ ወይሰግዳ ሎቱ አዋልደ ጢሮስ በአምኃ። “ብመልክዕኪ ንጉሥ ክፈትወኪ እዩ፥ ንሱ ጎይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ፥ ሕዝቢ ጢሮስ ገጽ በረኸት ኬምጽኡልኪ እዮም” መዝ. 45፡11።

አብ ናይ ግዕዝ አቆጻጽራ ዘሎናዮ እዋን ካልአይ ክፍሊ ዓመት እዩ መጽው ይብሃል፥ ካብ 26 መስከረም ~ 25 ታሕሣሥ ዘሎ እዩ። አብኡ ፫ ንኡሳን አዝማን ይርከቡ፡

1. ዘጽጌ፥ 6 ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ብ፩ ፪ ፫ ፬ ፭ ፮ ይፍለጥ።  2. ዘአስተምህሮ 5 ሰንብቲ ዝሓዘ፥ ዘወረደ፥ ዘቅድስት፥ ዘምኵራብ፥ ዘመጻጉዕ፥ ዘደብረ ዘይት።

 3. ዘስብከት ወይ ዘምጽአት፥ 3 ሰናብቲ ዝሓዘ፥  ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ ።

ዘመነ ጽጌ እምብአር ፮ ሰናብቲ ዝኀዘ እዩ። አብዚ እዋን ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቤተ ክርስትያን ዘለዎ ርክብ ክገልጽ ኢሉ ብአምሳል ርክብ መርዓትን መርዓውን ነቲ አብ መኀልየ መኅልይ “ንወዲ ኀወይ. . . . . መርዓት ትውድሶ” ዝብል መሰረት ገሩ ንምሕረት አምላኽ ይገልጽ። አብዚ እዋን አምላኽ ምስ ነፍሲ ወከፍና ርክብ ክፈጥር ይደሊ። እንተ ቐረብናዮ አብ ሕይወትና ተሓድሶን ለውጥን ክገጥመና እዩ።

ዘመነ ጽጌ ብፍሉይ እውን ንማርያም ዝውሃብ ጊዜ እዩ። ማርያም ምስ አምላኽ ዝነበራ ርክብ ከምኡ አብዚ ዓለም እንከላ እትኽተሎ ዝነበረት ሕይወት እናገለጸ ዕብየት ማርያም ክነስተንትን ፍሉይ ጊዜ ይኸፍተልና።

ናይ ሎሚ ሰንበት ንባባትና ብሓባር ዝነግሩና ብዛዕባ ሓረስቶት አታኽልቲ ወይንን ዋና አታኽልትን ኮይኑ አብ ጽቡቕ ፍረ አብ ምፍራይ ዝገብርዎ ይነግር። ነዚ ምስቲ ማርያም አብ ሕይወታ ዘፍረየቶ አተሓሒዝና ክንርእዮ ጠቓሚ እዩ።

አብ ብሉይ ኪዳን ብፍላይ አብ ኢሳያስ 5፡1-7 ዘሎ እንተ አንበብና ብተመሳሳሊ መገዲ ብዛዕባ መዝሙር አታኽልቲ ወይኒ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ጽቡቕ ፍረ ከመይ ገርካ ከም ዝርከብ ይነግር። ኢሳያስ ነብይ አማኻሪ ቤተ መንግስቲ ናይ ደቡባዊ መንግስቲ ይሁዳ እዩ ነሩ። አብ ጊዜ አገልግሎቱ (740-701) ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ብአሲራውያን ተሳዒሩን አብ ትሕቲ ቍጽጽሮም እንከሎ ደቡባዊ መንግስቲ ብማሕበራውን ፖሎቲካውን ሃይማኖታውን ጉዳያት አብ ዓቢ ጸገም ነሩ። እቲ ዝዓበየ ጸገም ዝነበረ መራሕቶምን ንሓቂ ንፍትሒ ጥሒሶም ንኪዳን አምላኽ ጠሊሞም፥ ንፖሎቲካውን ሃይማኖታውን ስነሓሳባት ጥራሕ ብምምጓስ እምበር ብሓቅን ብሓድነትን ይካየዱ አይነበሩን። አብዚ እዋን ድሕሪ ባይታ ኢና እምብአር መዝሙር አታኽልቲ እንሰምዕ። ጽቡቕ ኮይኑ ዝቐረበ ምሳሌ ብግዚኡ ዝውቱር ዝነበረ ዕብራዊ ግጥሚ ግን ብሕማቕ እዩ ዝውድእ ምኽንያቱ ሃገር በቲ ዝገበረቶ መለኮታዊ ቍጥዓ ክወርዳ እዩ። አብዚ መዝሙር ኢሳያስ ንአምላኽ ከም ሓደ ወናኒ ናይ ጽቡቕ አታኽልቲ ብጽቡቕ ዝተሓለወን ኩሉ ዘድሊ ሓለዋን ኩስኮሳን ዝተማልኦ ገሩ እዩ ዘቕርቦ። ዋና አታኽልቲ ወይኑ ጽቡቕ ክፈርየሉ ኢሉ ኩሉ ገሩ እንተ ኾነ መጺጽ ፍረ በረኻ አፍርዩ። ኢሳያስ ነቢ ነዚ ክብል እንከሎ ንደቂ እስራኤል ነቶም አብ ኢየሩሳሌምን ይሁዳን ዝቕመጡ እቶም አታኽልቲ ወይኑ ዝኾኑ ፍትሕን ሓቅን ብዘይምግባሮም ከምኡ ንሕጊ አምላኽ ብምፍራሶም ከም ዝነጽጎምን ዝሓድጎምን ይነግሮም። ምሳሌ ናይ ሓደ ዘሰምብድ ነገር እዩ፥ እቲ ዝጥቀመሉ መግለጺ አምላኽ ከምዘይተሓጎሰ ንምግላጽ እዩ። ኢሳያስ ነቲ ብአሲርያውያን ስዕረቶም ከም መቕጻዕቲ ንህዝበ አይሁድ እዩ ምኽንያቱ ነቲ ምስ አምላኽ ዝአተውዎ ኪዳን ብምፍራሶም ገሩ የቕርቦ። ኢሳያስ ነቲ አብ መንጎ እቶም ክልተ መንግስታት እስራኤልን ይሁዳን ዘሎ ርክብ ከም ዘሎ ይቕጽሎ እሞ ሳዕቤኑ ኸአ እዚ ዘሰምብድ ዘረባ ብሩህ ኮይኑ አብ ደቡባዊ መንግስቲ ይሁዳን እስራኤልን ክስማዕ ኢሉ ይዛረቦ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ማቴዎስ ብዛዕባ አታኽልቲ ወይንን ሰራሕተኛታትን ይነግረና። አብ ማርቆስን ሉቃስን እዚ ፍልይ ዝበለ አቀራርባ አለዎ። ማቴዎስ እዚ ሳልሳይ ምሳሌ ብዛዕባ አታኽልቲ ወይኒ አብ መንግስቲ አምላኽ አብ ዝብል ርድኢት ዘቕርቦ እዩ። አብዚ ናይ ሎሚ ምሳሌ ካብተን ሰለስተ ምሳሌታት ብዛዕባ ምንጻግ ወይ ምእባይ ዝገልጻ ካልአይቲ ምሳሌ ኢየሱስ ምስ ሊቃነ ካህናትን ዓበይት ዓድን በብሓደ ዝገበሮ ክትዕ ወይ ዝርርብ እትገልጽ እያ። እዘን ሰለስተ ምሳሌታት ብቀዳምነት አብ መራሕቲ ሰበስልጣን አይሁድ ዘተኮራ እየን፥ ትሕዝቶአን ከአ አብቲ ፈሪሳውነት ወይ ግብዝነትን ዝመልኦ ሕይወቶም ከምኡ ጨሪሾም ንኢየሱስ ከም መስሕን ንወንጌሉን ከም ዝነጸጉ ንምግላጽ እዩ። አብ ወንጌል ማቴውስ ብዝያዳ አምሳል እምብአር ሓቀኛ ምሳሌ አይመስልን እዩ። ብዙሕ ጊዜ ምሳሌ ሓደ ትምህርቲ ይህብ እቲ ዝርዝር ግን ግሉጽ አይኮነን፥ አብ አለጎሪ (ብምሳሌ ብአምሳል ዝግለጽ) ነፍሲወከፍ መግለጺኡ እቲ ታሪኽ ምሳሌዊ ትርጉም አለዎ። አብዚ ምሳሌ ማቴዎስ ዘመልክቶ ዘሎ ንቶም ሰማዕቱ ሰራሕተኛታት አታኽልቲ ዝኾኑ አፍረይቲ ካብ ምዃን ከይወድቁ መጠንቀቕታ እዩ ዝህቦም። አግፊሕና ክንርእዮ ከሎና ግና አብ ነፍሲ ወከፍ ዘመን ዝርከቡ ኩሉ ጊዜ ነቲ ቅኑዕ ዝኾነ መለኮታዊ ፍርዲ ዘኪሮም አፍረይቲ ሰማዕቲ ቃል አምላኽ ክኾኑ ዘዘኻክር እዩ።

ነዚ ምሳሌ ክንርዳእ በቲ እዋኑ ዝነበረ አተሓሳስባን አገባብራን ክንፈልጥ ሓጋዚ እዩ። ብዙሕ ጊዜ ወነንቲ መሬት አብ ርሑቕ እዮም ዝቕመጡ ነሮም። ስለዚ ሓደ ሃብታም ወናኒ መሬት ንመረቱ ንኻልኦት ከፍርዩሉ እሞ ካብቲ ዘፈረይዎ ከከም ስምምዖም ርብዒ ወይ መሰለስ ወይ ፍርቂ ክህብዎ ኢሉ ብብላዕ ምሃቡ ዘገርም አይኮነን ዝውቱር አገባብራ እዩ ነሩ። አብዚ ዘገርም እቲ ዘይምስምማዕ አብ መንጎ ወናኒ መሬትን እቶም ብብላዕ ሒዞሞ ዘለዉ ዘርአይዎ ዘገርም ግብረ መልሲ እዩ።

ዋና መሬት ጊዜ እትዋት ወይ ቀውዒ ምስ ኮነ ብጽሒቱ ክረክብ ልኡኻት ሰዲዱ እንተ ኾነ እቶም ሓረስቶስ ነቶም ልኡኻት ንገለ ቀጥቂጦም ንገለ አዋሪዶም ንገለ ኸአ ቀቲሎሞም። አብ መጨረሻ ንወደይስ ይንሕፍዎ ይኾኑ ኢሉ ንሓደ ወዱ ልኢኹ። ብማዕዶ ምስ ረአይዎ እንሆ ወዮ ወራሲ ንዑ ንቕተሎ ኢሎም ቀቲሎም ካብቲ ጀርዲን ወጻኢ ቀቢሮሞ።

አብዚ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ እቲ ዘፍረይዎ ዘይኮነ ብዛዕባ እቶም ሰራሕተኛታት ንግዚኡ አሚኑ መሬቱ ክሰርሕሉ እሞ እትዋት ክረኽበሉ ኢሉ ዝሃቦም ምጥላሞም እዩ። ንዋናን ንወዱን ዋንነቶም ከሕድግዎም ደልዮም። ጠሊሞሞ ዝገደደ ነቲ ወራሲ ቀቲሎሞ። ካህናትን ዓበይቲ ዓድን እቲ ምሳሌ ናብኦም ዝተመሰለ ስለ ዝኾነ ናይ እቶም ሓረስቶት ዘይቕንዕናን ዓመጽን ክርድእዎ ከቢድ አይነበረን።

ትርጉም ናይ እዚ ምሳሌ ብኽልተ መገዲ ክንርእዮ ንኽእል፡

  1. እግዚአብሔር ዋና መሬት ነቲ አታኽልቲ ዝተኸለ እዩ። ንሱ ንደቂ እስራኤል አብ አታኽልቲ ወይኑ ክሰርሑ ባዕሉ ሓርይዎም። እንተ ኾነን ንአምላኾም አጉህዮሞ። አብ ኩሉ ታሪኾም እንተ ረአና ሕሩይ ህዝቢ አምላኽ እንከለዉ መጺጽ ፍረ ናይ ዘይእሙናት ምዃን አፍርዮም፥ ቀጺሎም ከአ ንልኡኻት አምላኽ ዝኾኑ በብእዋኑ ዝልአኽዎም ዝነበሩ ነብያት ካብ ክፍአቶምን ክሕደቶምን ክመልስዎ ንዝተላእኩ ቀቲሎሞም። ኢየሱስ ብርእሱ አብ መንግኦም መጺኡ ቃል አምላኽ ከስምዖም እንከሎ ምስማዕ አብዮሞ። ንኢየሱስ አብ መስቀል ብምስቃል ነቲ ውሉድ ብምቕታል ንአምላኽ ዝተዓወቱሉ መሲልዎም።
  2. አብ መወዳእታ አብዚ ምሳሌ እቲ መሬት ነቶም ዝተዋህቦም ተሓዲጉ፥ ነቶም ዝተባህሎም ቃል ዝሰምዑ እሞ አብቲ አታኽልቲ ጽቡቕ ፍረ ዘፍርዩ ክውሃብ እዩ። ኢየሱስ ብንጹር ዝገልጾ ዘሎ እዚ መወዳእታ ከም ዘይኮነን ከምኡ መልእኽቲ ወንጌል ንኹሉ ጊዜ ምዃኑን እዩ። እንተ በዚ ዝገበርዎ መንግስቲ አምላኽ ካባብአታቶም ከም እትውሰድ ፍሪአ ንዜፍሪ ሕዝቢውን ከም እትውሃብ ዝገልጽ እዩ።

ቅ. ጳውሎስ አብ ሰብ ፍሊጲስዩስ ዝጸሓፋ ንሎሚ ዘንበብናያ እናአተባብዐ ነቲ አምልኽ ካብ ነጻ ድለቱ ተብጊሱ ብኢየሱስ ገሩ ዝገለጸሎም ፍቕሪ አብ መዓልታዊ ሕይወቶም ጽቡቕ ፍረ ብምፍራይ ክነብርዎ ይላበዎም። ኩሉ ጊዜ አብ ሓቂ ዘበለ፥ ርዝነት ዘለዎ ኹሉ፥ ቅኑዕ ዘበለ፥ ንጹሕ ዘበለ፥ ተፈታዊ ዘበለ፥ ሠናይ ዜና ዘለዎ ኹሉ፥ ክጽዕሩ ይመኽሮም። ንጳውሎስ እዚ ዓይነት ሕይወት ክርስትያን እዩ አፍራዪ ክብሃል ዝክአል። አድላይነት ጸሎት ደጋጊሙ እናገለጸ አብ ፍቕሪ ክነብሩ እሞ ሰላም አምላኽ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ንርድኢት ሰብ ዝሓልፎ ክትስፈዉ ይነግሮም። ስለዚ ብዛዕባ ዝኮነ ነገር ከይስከፉ ወይ ከይሳቐዩ ይምዕዶም ግን ኩሉ ጊዜ ድለቶም ክረኽቡ ብጸሎትን ልማኖን ምስጋና አብ አምላኽ አሚኖም ክቐርቡ እምበር ብገለ እኳ አይትጨነቑ ሽዑ አምላኽ ሰላም ምሳኹም ክህሉ እዩ ይብሎም። ጸሎት ክብሃል እንከሎ ድለትካ አብ ድለት አምላኽ ጨሪሽካ ምሕዳግ እዩ ዘስምዕ። አምላኽ ካብ ኩሉ ጸገማትና ይዓቢ እዩ ስለዚ ሰላሙ እቲ ካብ ኩሉ ክንገብሮ እንኽእል ዝለዓለ ዝኾነ ክህበና እዩ። ቅ. ጳውሎስ ንኹሎም አመንቲ ደጋጊሙ ንሰላም አምላኽ ክለማመድዎን ነቲ ካብኡ ዝተማህርዎን ዝተቐበልዎን ዝሰምዕዎ ቃል ብግብሪ ዝረአይዎን አብ ግብሪ ከውዕልዎ ይምዕዶም።

ሎሚ ንሕና ኢና እቶም ሕሩያት ሕዝቢ አምላኽ። እቶም ሰራሕተኛታት አብ ግራት አምላኽ። እምብአር እሙናት አባላት መንግስቲ አምላኽ ኮና ነቲ ኩሉ ጊዜ ምሳና ዘሎ አፍረይቲ ክንከውን ይዕድመና። እሞ ነዚ መጸዋዕታ አምላኽ ብኸመይ ንርእዮ? ንርእስና ብጸጋ ጥምቀት ፍሉይ ጸጋ ዝተዓደልና እሞ አብ ግራት አምላኽ ዝተዓደልና ገርናዶ ንርእያ? ንመልእኽቲ አምላኽ ደጋጊሙ አብ ዝተአከብናሉ ክንሰምዖ ከሎና እሞ ነቲ ክፍሊ ሕይወትና ክንገብሮ ዝብለና ቃሉ ከመይ ገርና ንቕበሎ? አብ ግብሪ ከም እንርእዮ ንቃል አምላኽ በቶም ልኡኻቱ ገሩ ኩሉ ጊዜ ዝዛረበና ዝሰደልና ከምቶም መራሕቲ አይሁድ አብ ጊዜ ኢየሱስ ዝነበሩ ንቃል አምላኽ አብኡ ምልላይ ዝሓመቑ  ንሕና እውን ኩሉ ጊዜ ብቤተ ክርስትያን ብቃል ወንጌሉ ገሩ ዝብልና ካብ ምስማዕ ዝደንዘዝና ኢና። ታሪኽ ክርስትና እንተ ረእና ሎሚ ከም ትማሊ ንዘመናት ብዙሓት ነብያት አብ መንጎና ተነጺጎም ዝገፊዖም ከምኡ ተቐቲሎም እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ኩሎም ሰማዕታ ክርስትና ሓንቲ ሓባራዊት ነገር አላቶም ዝተቐትልዎ ብአረመን መንስታት ዘይኮነ ብኸምኦም ዝበሉ ክርስትያን አብ ግራት አምላኽ ዝዓዩ። ምናልባት ካብቶም አብ ጊዜ ኢየሱስ ዝነበሩ ሰባት ዝለዓልና ኮይኑ ክስምዓና ይክአል እዩ እንተ ኾነ እቲ ሓቂ ንሕና እውን ብዙሕ ግፍዕታት ንፍጽም አሎና ልዕሊ ኹሉ ንአምላኽ ክሒድና ካብኡ ርሒቕና ንነብር አሎና።

አምላኽ ኩሉ ጊዜ ሓደ እዩ፥ መሓርን ፈቃርን እዩ። ናይ ሎሚ ወንጌልና ከም ዝሕብሮ አብርእሲ እቲ ሕያዋይ ዝኾነ ባህሪኡ ካልእ መግለጺኡ ነቶም እሙናቱ ብዕጽፊ ዝኽሕስን እሙንን እዩ። እሙናት አገልገልቲ ንዝተዋህቦም ሓላፍነት ክፍጽሙ እንከለዉ አብ ሕልንኦም ኩሉ ጊዜ ነቲ ጽቡቕ ክቕጽልዎን አብ ስምዒቶም ብቀዳምነት ይሕግዞም። ኩልና ንርእስና አብቲ ኩሉ አምላኽ ብእምነት ክንዓዮ ብእምነት ዝሃበና ሓላፍነት አሎና። ሓላፍነት ዝወስድ ናይ እቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ጸብጻብ ዝህብ እዩ። አብ ወንጌል እቶም ሰራሕተኛታት ምስቲ ጎይታ ጸብጻብ ወይ ሕሳብ ክገብሩ አይደለዩን። ጸብጻብ ምሃብ አብዮም። ብሓሶት ዋንነት እቲ ግራት ክወስዱ ተመጣጢሮም። ብዝይ ዝኾነ ግቡእን ሓለፋታት ሓንቲ ጸብጻብ ወይ ሕሳብ ከይ ገበሩ ዋናታት ኮይኖም ሕጉስ ሕይወት ከሕልፉ ደልዮም። እዚ እዩ ናይ ዘመና ጸገም። ንዘይናትካ ምዝማድ ንድኻታትን ዓቕሚ ዘይብሎምን ንብረቶም መሰሎም ምግፋፍ እሞ ናትካ ምግባር። ንሰባት ኩነታቶም ገሚትካ ምዕማጽ።

አብ መጨረሻ ክንዝክሮ ዝድለ ዘሎ እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ ንሱ ርእሲ መአዝን ኮነ ዝብል እዩ። ነብያትን ቅዱሳት ሰባትን ከይተሰምዑ ከምኡ ወዲ አምላክ ከይተረፈ ክንጸግ ይክአል እዩ ግን ናይ ኩሉ ዋና መላኺ አምላኽ እዩ። ሰራሕተኛታት ክጠልሙ ይኽእሉ እዮም እንተኾነ አምላኽ አብቲ ንሶም ዝገበርዎ አይኮነን ዝምስረት። አብ ጊዜ ኃጢአትን ንጽገትን ንሱ ብነጻ ካልኦት ዘፍርዩ ሰራሕተኛታት ጥዑይ ፍረ ዘፍርዩ ክሓሪ ይኽእል እዩ። አብዚ ንእሽቶይ ምልክት ነቶም ሓደስቲ መራሕቲ እትኸውን አላ። መሪሕነት አገልግሎትን ንህዝቢ አምላኽ ምምጋብ ምክንኻን እዩ። ታሪኽ ክርስትናና ብዙሓት መራሕቲ ብሞራልን ብዝተፈላለየ ግፍዕታት ዝተፈጸመ አልኦ እንተ ኾነ ተባዓትን ክምህ ዘይብሉ ቅዱሳን ከአ ኩሉ ጊዜ አለዉ። ሎሚ እምብአር ነፍሲ ወከፍና አብ ቅድሚ አምላኽ ኮና ሕስብ ነብል እሞ ንርእስና ንመርምር ንመንግስቲ አምላኽ ክንወርስ ንኽእል እንተ ኾና።

አብዚ ዘመነ ጽጌ እምብአር ንማርያም ሒዝና ንአምላኽ ዘሓጉስ ንቃሉ እንሰምዓሉ ፍሉይ ጸጋ ክውሃበና ብሓደ ልቢ ንለምን። አምላኽና መሓርንን ርሕሩሕን እዩ ስለዚ ኦ አምላኽ ከም ምሕረትካ እምበር ከም በደልና አይትኸድና እናበልና ንለምኖ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ                     

09 October 2020, 10:18