2019.09.14 መስቀልከ እግዚኦ ተሰብሓ 2019.09.14 መስቀልከ እግዚኦ ተሰብሓ  

ዘንበት ዘመስቀል መስከረም 24 2013 ዓ.ም. (10/4/2020)።

መዝሙር፡ መስቀልከ እግዚኦ ተሰብሓ . . . ጎይታ መስቀልካ ተመስገነ ኃይሊ መስቀልካ ንእሱራት ፈትሐ፥ ንለምጻማት አንጽሐ፥ አጋንንቲ አውጽአ፥ ሙታን አተንሥአ፥ ሰንበት ምእንቲ ንሰብ ዕረፍቲ ሰርዐ፥ መስቀልካ ተመስገነ ቃልካ ብሓቂ እሙን እዩ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡   ሮሜ 11፡25-36፥ 1ጴጥ 2፡20-ፍ፥ ግ.ሓ. 4፡19-31፥ ማቴ 16፡13-19.  ምስባክ፡ ወአጽንዖ እግዚኦ ለዝንቱ ዘሠራዕከ ለነ፥ ውስተ ጽርሕከ ዘኢየርሳሌም፥ ለከ ያመጽኡ ነገሥት አምኃ። (መዝ 67/8,28) ዎ ኣምላኽ፣ ነቲ ዝገበርካልና ኣጽንዓዮ። ስለ ቤት መቕደስካ ኣብ የሩሳሌም ነገስታት ውህበት ኬምጽኡልካ እዮም።

24 መስከረም ሰንበት እንተ ወዓለ ዝዝመር መዝሙር መስቀልከ ተሰብሓ እግዚኦ ዝብል እዩ። አብ እዋን መስቀል ስለ ዘሎና ብዛዕባ ጥቕምን ትርጉመን መስቀል ክነስተንትን ፍሉይ ጥቅሚ አለዎ። ኃይሊ መስቀል ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን ሓራ ይገብረና፥ ካብ ስጋዊን መንፈሳውን ሕማማት የንጽሓና ብዓቢኡ ትንሣኤ ይእውጀልና። መስቀል ክብሪ ክርስትና አብ ኹሉ እንጉዓዞ ሕይወት ርኢና ክንክእል ዘዘኻክር ፍሉይ ትእምርቲ እምነትና እዩ።

አብ ናይ ሎሚ ሰንበት ወንጌል ኢየሱስ ንነፍሲወከፍና መን እዩ ትብለኒ?ትብልኒ እናበለ ክንፈልጦ ክነለልዩ ከም ዝደሊ ብሕቶ መልክዕ ይሓተና። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምሳና ክኸውን ምስ ደለየ እዩ። ካብ መጀመርያ ብአርአያናን አምሳልናን ሰብ ንፍጠር ክብል እንከሎ ምሳና ዘለዎ ምቅርራብን ንሕና ክንኮና ዘሎና ዝሕብር እዩ። ብነብያቱ ብሓዋርያቱ በብእዋኑ ነዚ ምቅርራብ እናአዘኻከረ ንደቂ ሰብ ካብኡ ከይፍለዩ አብ ዕለታዊ ሕይወቶም ክፈልጥዎ ከለልይዎ ነጊሩ ሎሚ ኸአ ብቤተ ክርስትያኒ ገሩ ይነግር አሎ። እዋና ፍሉይ መልእኽቲ ዘልኦ ኮይኑ እዩ ዝርአየካ።

COVID-19 ፍሉይ ኩነት ንአምላኽ ብዝያዳ ክነለሊ ዝሕግዝ ኮይኑ እዩ ዘርአየካ። ዓለም ብዓለሙ ብዓይኒ ብዘይርአ ደቂቕ ፍጥረት ክጭነቕ ክመውት ክሓምም ክትርኢ እሞ ኩላ ዓለም አብ እውጅ ቤት ማእሰርቲ ተለዊጣ ክንርኢ ከሎና ሓደ ፍሉይ መልእኽቲ ዘልኦ ኮይኑ ይርአየካ። ሓደ ክንበጽሖ ክንርእዮን ክነለልዮን ዘይክአልና መልእኽቲ ዘልኦ ይመስል። ሎሚ አምላኽ ክንርእዮ ንኽእል ዘሎና? ብዙሓት ንህላዌ አምላኽ ንጎኒ አወንዚፎም ክዕንድሩን ክጻወቱን እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ፥ ብዙሓት ከአ ናብራ ዓለም፥ ስልጣን ህርፋን ልቦምን ቀልቦምን ሰሊብዎም ንአምላኽ ከይርእዩን ከየልልዩን አብ ጸልማት እሞ ዝርእዩ ዝመስሎ ዝነብሩ አለዉ። እዚ ኹሉ አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ከም እንነብር ስለ ዝገብረና ዳርጋ አብ ጸልማት አሎና እንተ በልና ዝተጋነነ አይኮነን። ንባባትና ንኃይልን ግብርን አምላኽ ርኢና ክንክእል እሞ አብቲ ካብ መጀመርያ ምስኡ ክንከውን ዘሓረየ አምላኽ ክንቀርቦ ከነልዮ ዘዘኻኽሩ እዮም።

አብ ኢሳ 22፦19-23 እንተ ርአና ምስናይ ሎሚ ወንጌል ማቴ 16፡13-20 ዝመሳሰል ኮይኑ ንርአኽቦ። ኢሳያስ ነብይ አብ ግዚኡ አብ እስራኤል ናይ ስልጣን ውድድር ከም ዝነበረ እዚ ኸአ አብ ከቢድ ጥልመትን ክሕደትን ከምዘውደቐ ይነግር። ኢሳይስ ንንጉሥ ሕዝቅያስ አብ አምላኽ እምነት ክገብር ምስ አረማውያን ህላዌን ሕጊ አምላኽ ምስ ዘይፈልጡ ምሕዝነት ከይገብር ገሊጹ ድላይ እግዚአብሔር እናአጠንቀቐ ነጊርዎ ንጉሥ ግን ክሰምዕ አይደለየን። ከምኡ ሓደ ካብቶም ዝለዓለ ናይ ንጉሥ አመኻርቲ ሸብና ዝተባህለ ንአምላኽ ዘሕዝን ምኽሪ መኺርዎ፥ በዚ ኸአ ነቲ ልኡኽ አምላኽ ዝብሎ ሓዲጎም ምስ ግብጺ እታ ቀንዲ ጸላኢት ሕጊ አምላኽ ኮይኖም አንጻር አሲርያ ክዋብግኡ ተሰሊፎም እንተ ኾነ ዘሕፍር ዓብይ ስዕረት ገጢምዎም። እግዚአብሔር ከአ ብኢሳያስ አቢሉ ኩነኔ አብ ልዕሊ ሸብና እሞ ብኤልያቂም ከም ዝትካእ ነጊሩ። መፋትሕ መንግስቲ ቤተ ዳዊት ክውሃቦ እዩ ንሱ ብዓል ምሉእ ስልጣን ኮይኑ ንሱ ዝኸፈቶ ኩሉ ዚዓጽዎ የለን ንሱ ዝዓጸዎ ኩሉ ኸአ ዝኸፍት የለን እናበለ ብአምላኽ ዝተዋህቦ ስልጣን ነጊሩ። ኤልያቂም ስልጣን ብቐጥታ ካብ አምላኽ እዩ ተቐቦልዎ ነዚ ዝገልጽ ከአ ቀሚስ መዓርግ አልቢስዎ ማዕጥቖ አዕጢቕዎ ይብል።

አብዚ እንርእዮ እግዚአብሔር ነቲ ዕቡይን ክፉእ ሰብ ሸብና ካብ ስልጣኑ አውሪድዎ ነቲ ትሑትን እሙንን ኤልያቂም ከአ አብ ሥልጣን አደይብዎ። ኤልያቂም አምሳል ክርስቶስ እቲ መስሕ፦ እቲ ቕዱስ ሓቀኛ መርኆ ዳዊት ዘለዎ ንሱ ምስ ከፈተ ሓደ እኳ ዘይዓጹ ንሱ ምስ ዓጸወ ኸአ ሓደ እኳ ዘይከፍት (ራእ 3፡7) እዩ። ብኹሉ ትሕትንኡ አምላኽ ኩሉ ሥልጣን አብ መንግስተ ሰማይን አብ ምድርን ዘሎ ሂብዎ። ብአምሳሉ ብእዉጅ መልክዕ ክርስቶስ ንጴጥሮስ ከምዚ አብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ አብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያኑ ሓደ ዓይነት ሥልጣን ሂብዎ።

አብ ቀዳመይቲ ንባብና ሮሜ 11፡33-36 ዘሎ እንተ ርአና ቅ. ጳውሎስ ናይ እግዚአብሔር ዕብየት ብአድንቖት ይገልጽ። ከምዚ እናበለ የስተንትን፡ ሃብቲ አምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቕ እዩ፥ ንፍርዱ ኪምርምሮ ዚኽእል የልቦን፥ ንመገዱ ዚኽእልውን የልቦን፥ ንሓሳቡ ዚፈልጥ መን እዩ ወይስ መን እዩ ዘማኽሮ እናበለ ንሕና ደቂ ሰብ ንፍልጠትን ዕብየት አምላኽ ክንበጽሖ ክንርድኦ አይንኽእልን ኢና። ግን አምላኽ ነቶም ብግሩህ ልቢ ዘፍቅርዎን ነቶም ንሱ ባዕሉ ዝመረጾም ገዛእ ርእሱ ከም ዝገልጸሎም ይነግረና። ቀጺሉ ነፍስወከፍ አማናይ ንአምላኽ ንዘለዓለም ክብሪ ክህብ ይዕድመና። ንሰብ ሮማ ኩሉ አብዚ ዓለም ዘሎ ካብ አምላኽ ዝመጸ እዩ በዚ ኸአ ኽብሪ አምላኽ ምሃብ እዩ ተፍጥርኡ ይብሎም ሎሚ ንአይን ንአኻትኩምውን ይብለና።

አምላኽ ነቶም ብምሉእ ልቦም ምስኡ ዝጉዓዙ ልቦም ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ክኸውን ዘፍቅዱ ፍቕሩ ይገልጸሎም። ንማርያም፥ ንጴጥሮስ፥ ጳውሎስን ካልኦት ሓውርያትን መንነቱ ኽገልጸሎም እንከሎ ክገርመና የብሉን ምኽንያቱ ንአና እውን ልብና እንተ ኸፈትናሉ ሕጉ እንተ ሓሎና ፍቕሩ ብዝበለጸ ኽገልጸልና እዩ። እሞ እንታይ ንግበር? ልብና ነንጽሕ ኃጢአትና ተአሚና ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ንግበር፥ ንኽፉእ ሓዲግና አብኡ ንመለስ ዝተረፈ ባዕሉ ክምልአልና እዩ።

ኢየሱስ ወላ እኳ ብብዙሕ ትምህርትን ተአምራታትን ንሱ መን ምዃኑ ዝገልጽ እንተ ገበረን ነገረን ሓዋርያቱ ከምኡ እቶም ህዝቡ መንነቱን ተልእኮኡን ምሉእ ከም ዘይፈልጡን ከም ዘይርድኡን ይፈልጥ ነሩ እዩ በዚ እዩ ኸአ ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ፥ ንስኹምከ መን ትብሉኒ እናበለ ሕቶ ዘቕረበሎም፥ እዚ አብ ሃገር ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ እዩ ሓቲትዎም። ካብቲ ዝሃብዎ መልሲ ከም እንዕዘቦ ኢየሱስ መን ምዃኑ ወላ ሓንቲ አመት ከም ዘይነበሮም ኢና እንዕዘብ።

ኢየሱስ ወላ እኳ ሰባት መን እዩ ከም ዝብሉ እንተ ሓተተ ብፍሉይ አትኵሮ ግን ንሓዋርያቱ እዩ ንስኹምከ መን እዩ ትብሉ እናበለ ዝሓተቶም። እዚ ሕቶ ንሓዋርያቱ ካብኡ ምስ ተፈልዩ ንሱ መን ምዃኑ ክገልጹ ከለዉ ክሕግዞም፥ ንሱ ኩሉ ጊዜ ምስኡ ጥቡቕን ሓቀኛ ርክብ ክህልዎም ወይ አፍልጦ ክህልዎም ስለ ዝደለ ብዓቢኡ ኸአ ብግልጸት መንፈስ ቅዱስ ንሱ መን ምዃኑ ክገልጸሎም ስለ ዝደለየ እዩ። አብ መጀመርያ እዚ ሕቶ ኢየሱስ ቀሊል እዩ ዝመስል ግን ብሓቂ ብርቱዕን ልቦና ዝሓትት ሕቶ እዩ። ብርግጽ ግላውን ንኢየሱስ ጥራሕ ዝርኢ ሕቶ እዩ ስለ ብመጠኑ እቲ መልሲ ኸአ ንኢየሱስ ጥራሕ ዝምልከት ክኸውን አለዎ።

ኢየሱስ ሓዋርያት ድሕሪ እቲ ኹሉ ትምህርትን ተአምራታትን ንሱ መን ምዃኑ ክፈልጡን ክርድኡን ተጸብይዎምዶ? ከምቲ ህዝቢ ዝርእዮዶ ይርእይዎ ነሮም ይኾኑ፥ ወይስ ናቶም ብዝያዳ ዝጸረን ዝበለጸን አፍልጦ ነሩ ይኸውን?

ጴጥሮስ እዩ ብትብዓት ነዚ በዳሂ ሕቶ ክንዲ ኹሎም ከይኑ ምናልባት በቲ ዝነበሮ ሓላፍነት መሰረት ገሩ ክምልስ ክኢሉ። ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው አምላኽ ኢኻ እናበለ ሓቀኛ መንነት ኢየሱስ ዝገልጽ መልሲ ሂቡ እዚ መሲሓዊ ምስጢር እዩ (ማር 1፡43-45)። እዚ መልሲ ምስቲ ዝጽበይዎ መስሕን ንኹሉ እቲ ንሱ ዘምጽኦ ዘጠቓለለ እዩ። ጴጥሮስ ነዚ ከመይ ኢሉ እዩ ፈሊጡ? ከምቲ ኢየሱስ ዝበሎ አምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ አቢሉ ዝገለጸሉ እዩ። ኢየሱስ በዚ መልሲ ጴጥሮስ እቲ ሓቂ ንሱ ምዃኑ ግን ግዚኡ ስለ ዘይበጽሐ ክሳብ ምሉእ አፍልጦን ርድኢትን ዝህሉ ከምኡ ብዛዕባ መስሕ ዘልኦም አፍልጦ ዝተፈልየ ስለ ዝኾነን ንሓደ እኳ ከይገልጹ ነጊርዎም።

አብ ርእስና ምልስ ኢልና ንርአ ሎሚ ኢየሱስ ንስኻ/ንስኺ መን ትብሉኒ እንተ ዝብለና መልስና እንታይ ምኾነ? ብርግፍ ብዙሓት ንአምን ኢና ብዓቕምና ቤተ ክርስትያን ንመላለስ ኢና ግን ዕሙቕ ዝበለ አፍልጦ ክህልወና እዩ ዝድለ ዘሎ። እዚ አብ እምነተይ እፈልጦዶ አብ ዝብል እዩ ዝወስደና። እምነትና ክንፈልጥ ክንምሃር የድሊ። አፍልጦ እምነት ክጎድል እንከሎ እዚ እንርእዮ እዩ ሰባት ሃይማኖት ከም ፋሽን ወግሐ ጸብሐ ክቕይሩ ንርኢ አሎና። እሞ ሎሚ ኢየሱስ መንት ትብሉኒ ይብለና አሎ መልሲ ንሃቦ።

ኢየሱስ ወላ እኳ አፍልጥኦም ድሩት ይነበር እምበር ንጴጥሮስ ከድንቖ እንከሎ ስምዖን ወዲ ዮና እቲ አብ ሰማይ ዘሎ አቦይ ደአ እምበር ሥጋን ደምን አይገለጸልካን እሞ ብፁዕ ኢኻ ይብሎ። ምናልባት ጴጥሮስ እዚ ምስ ሰምዐ ቍሩብ ኩርዓት ተሰሚዕዎ ይኸውን እዩ። እምነት ጥራሕ እዩ ንጴጥሮስ ነዚ ክብሎ ዘኽአሎ። ንመስሕ ከለልዮ እምነት ጥራሕ እዩ ክሕግዞ ዝኽእል እምበር ከም ኩሎም አይሁድ እቲ ዝጽበይዎ ዝነበሩ መስሕ ንኹሉ ዝስዕር ንኹሎም ጸላእቶም አሸኒፉ ነጻ ዝገብሮም ዝብል አብ ምሉእ አፍልጦ ከብጽሖ አይክእልን እዩ። ብግልጸት አምላኽ ጥራሕ እዩ እዚ ወዲ ጸራባይ ካብ ገሊላ ዓርኮምን መምህሮምን አብኡ ናይ አምላኽ ህላዌ ክርእዩ ዝኽእሉ።

ቀጺሉ ኢየሱስ መሰረት ሥልጣን ንሓዋርያትን ጴጥሮስን ብፍላይ ድሕሪ ትንሣኤ ንዝነበረት ማሕበር ነጊርዎም። ነቲ ጴጥሮስ አብ እምነት ገሩ ዝሃቦ መልሲ ኢየሱስ ክምልስ እንከሎ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ አብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንቤተ ክርስትያነይ ክሓንጻ እየ ኢልዎ። ጴጥሮስ እቲ ከውሒ ናይ እታ ማሕበር መሠረት ነቲ ስም ዝጸውርን ንሥልጣን ኢየሱስ አብ ምሉእ ዓለም ዘብጽሕን እዩ። ንሱ ምስቶም ካልኦት ሓዋርያት ብጾቱ ከም እሙናት አራኸብቲ ሕይወት ኢየሱስን መልእኽቱን ኮይኖም ነታ ቤተ ክርስትያን ማሕበረ ህዝበ አምላኽ ክሃንጹ እዮም።

ጴጥሮስ ፍሉይ ተልእኮን ሓላፍነትን አብ ልዕሊ እታ ማሕበር ተዋሂብዎ መርኆታት መንሥተ ሰማያት ድማ ኽህበካ እየ፥ አብ ምድሪ ዝአሰርካዮ አብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ፥ አብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ኸአ አብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ፥ እቲ መፋትሕ ንጴጥሮስ ዝውሃብ ምልክት ሓዋርያውን ተልእካዊ ሥልጣን አብ ልዕሊ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ከም ዝሃቦ እዩ ዝገልጽ። ነዚ ምስቲ አብ ኢሳያስ 22፡19-23 ዘሎ ንኤልያቂም ዝተባህለ ዝመሳሰል ኮይኑ ንረኽቦ።

ንስኻ ከውሒ ኢኻ አብ አብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንቤተ ክርስትያነይ ክሓንጻ እየ ዝብል ብሓቂ ቀንድን አድላይን እዩ ብግቡእ ክንርድኦ እንተ ኸአልና ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍና አብ ዕብየትን ጥዕናን ቤተ ክርስትያን ክንጻወቶ ዘሎና ሓላፍነት ስለ ዝሕብር። ብጸጋ ጥምቀት አብ እምነትን ተልእኮን ኢና እንአቱ፥ ዕለት ዕለት ነቲ ዝአቶናዮ ኪዳን ከይንጠልም ጥንቃቐን አፍልጦን ክህልወና የድሊ። ሓላፍነት ቤተ ክርስትያን አብ ዝተወሰኑ መራሕቲ ሃይማኖት እንተ ተደረተ አብ ምድስካልን ምጥፋእን ገፉ ክጉዓዝ ይኽእል እዩ። አምላኽ ካብ ነጻ ፍቓዱ ተበጊሱ አብቲ ንሱ ጥራሕ ዝዋንእዩ ጉዳይ እምነት ክንካፈል አፍቂዱ፥ ተራና ነቲ ዝተዋህበና ከምቲ ድላይ ውሃቢ መልሲ ምሃብ እዩ።

አብዚ ጴጥሮስ ዝተገብረ ዝርርብ ፍሉይ ነገራት ክንዕዘብ ንኽእል። ኢየሱስ ንሱ ጥራሕ ዝዋንኡ ነገራት ንጴጥሮስን ተኽቲሎም ዝመጽኡን ከካፍሎም እንከሎ ግን ብፍሉይ ክርድእዎ ኢሉ ከምዚ ከምዚ ክብል ንሰምዖ፡

1. ኢየሱስ ቤተ ክርስትያነይ ይብሎ፥ እዚ ዝሕብሮ ዋና ቤተ ክርስትያን ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                               እዩ። ንሱ ዝልዓለ ብዓል ስልጣን እዩ፥ ጴጥሮስ ወይ ካልኦት ሓዋርያት አይውንንዋን እዮም። ከምኡ ጳጳሳት ወይ አቡናት ወይ እውን ቆሞሳት አይውንንዋን እዮም። ተርኦም ነቲ ክርስቶስ ዘልበሶም ስልጣን ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ክመርሑ ክቕድሱን እዩ፥ በዚ መሰረት ኩልና አባላት ቤተ ቤተ ክርስትያን በብዓቕምና እነበርክቶ አሎና። ጉዳይ ቤተ ክርስትያን ብኹልና አመንቲ ዝዕየ እምበር ናብ ውሑዳት ዝሕደግ አይኮነን። እሞ አነ ከም አማናይ አብ ቤተ ክርስትያነይ ከም ልኡኽ ክርስቶስ እንታይ አበርክት አሎኹ ክንብል አሎና። በዚ እዋና ቤተ ክርስትያን ክትገብረልና እምበር ክንገብረላ ዳርጋ እንሓስብ አይንመስልን። ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና አብ ግራተይ ውፈር ኢሉና እዩ።

2. አብዚ ኢየሱስ ንሱ እዩ ንቤተ ክርስትያን ዝሃንጻ። ንሱ ቀንዲ ሃናጻይ መደብ ህንጻ ብምልኡ አብ ኢዱ ዝሓዘ እዩ። ናይ ደቂ ሰብ ምትሕብባር ከምቲ አብ ሓደ ህንጻ ዝተፈላለዩ ሰራሕተኛታት ዝተሓባበሩ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዘበርክቶ እጃም አለዎ። ተራና ምስማዕን ነቲ ንሱ ዝህቦ መምርሒ ምስዓብ፥ አብቲ እቲ ጎይታ ዝመደቦ እጃምና ክነበርክት እዩ።

እሞ ኢየሱስ ዋናን ሃንጽን እንተ ኾነ አበይ እዩ ዘሎ ድአ ተራና? ብልክዕ አብቲ ጴጥሮስ ዝመጽኦ እዩ። ምስ ጴጥሮስ ኮና ንህንጻ ዝኸውን ብሎከቲ ቤተ ክርስትያን ምህናጽ እዩ። ጴጥሮስ እምነ መሰረት ከውሒ እዩ ንሕና ንአሽቱ አእማን ብእኡ ቤተ ክርስትያን ዝተሰርሐት ኢና። ብሓቂ ክንርእዮ ኸሎና ስልጣንን ሓላፍነትን ምስ ኩሎም ዝተጠምቁ እንካፈሎ እዩ። በቶም መፋትሕ ንመዓጹ ምሕረት ንምስጢረ ኑዛዜ ብምምራጽ ንኸፍት፥ ብመፋትሕ ገርና ንሃባታት  መንፈስ ቅዱስ ነቶም አብ ቅብአተ መሬን እንቕበሎም ንኸፍት፥ ንኹልና አብቲ ምንጭን ማእከልን ኩሉ ጸጋታትን ሓጎስን ዝኾነ ቅ. ቍርባን ክንከፍት መፋትሕ ተዋቦምና አለዉ፥ በቶም መፋትሕ ገርና ዝተዓጽወ ልብንን መዓጹን ክንከፍት ብእኡ አቢልና ካልኦት ፍቕርን እምነትን ሓቅን ከምዝምገቡ ንገብር።

አድህብ አቢልና እንተ ሓሰብና ኲኖ እዚ መፍትሕ ካልእ ስልጣን ክህሉዶ ይኽእል ይኸውን? አይመስለንን ሓንትስ ምስጢሩን ሓላፍነቱን ንርዳእ እምበር ክሳብ ክንደይ ዝተዓደልና ምዃና ክንርኢ ኢና፥ ግን ነዚ ግንዖት እዚ ብግቡእ እንተ ዘይተጠቐምናሉ ወይ እውን እንተ አራኸስና ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምስጢር ነጥፍእ አሎና። እሞ ከምዚ እንተ ቐጸልና አምላኽ ነቲ መፋትሕ ከሕድገናዶ ዘይኮነን ከምቲ ንሸባ ዝገበሮ ካባና አሕዲጉ ነቶም ብሓላፍነት ዝሕልውዎ ክህቦ እዩ።

በዚ ሰንበት እምብአር አብ ኢየሱስ ዘሎና እምነት ጽኑዓት ኮና ክንቅጽል ብምሉእ እምነት ነቲ ዋና ቤተ ክርስትያን ብምሉእ ልብና ንለምኖ። ሽዑ ነቲ ዝሓተና ሕቶ ንስኹምከ መን ትብሉኒ ንዝብል ግቡእ መልሲ ክንህብ ክንክእል ኢና። እዚ እንተ ገበርና ነቲ ኹሉ ዝሃበና ሓላፍነት አብ  ምህናጽ ቤተ ክርስትያኑ እሙናት ኮና ክንርከብ ኢና። እቶም ክርስቶስ መን ምዃኑ ዘለለይዎ ጥራሕ እዮም ምስኡን አብኡን ፍሉይ ቦታ ዘለዎም። ስለዚ እታ መዓልታዊ ዝበለጸት ሃረርታ ወይ ትምኒት ክትከውን ዘለዋ ንክርስቶስን ንሥልጣን ትንሣኤኡን ምፍላጥ አብ ስቓዩ ምክፋልን ብሞት ምምሳሉን እዩ (ፊሊጵ 3፡10)። እዚ እዩ እቲ ሰናይ ዜና ናይ ሎሚ።

ብሩኽ ሰንበት ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

03 October 2020, 13:43