ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ  

ፒዛባላ፥ ተስፋ ንዝዓሰሎ ጽባሕ ብሓባር ክንዓዪ

“ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኢየርሳሌም ክተርፍ ይሓትቱኒ - ካብዚ ምትራፍ ዝብል ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ግሲ ገዛእ ርእሰይ ክኽውል ኣይከኣለንን፡ ብሱል ትዕግስትም ንቑሕ ትጽቢትን ዕለት ብዕለት ተኣማንነትን ዝሓትት እምበር ዝሓልፍ ስምዒት ኣይኮነን

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርክ ንኽኾኑ ከምእተሰምዩ ክሕበር እንከሎ፥ ብጹዕነቶም ንሰበኻኦም ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ “ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኢየርሳሌም ክተርፍ ይሓትቱኒ - ካብዚ ምትራፍ ዝብል ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ግሲ ገዛእ ርእሰይ ክኽውል ኣይከኣለንን፡ ብሱል ትዕግስትን ንቑሕ ትጽቢትን ዕለት ብዕለት ተኣማንነትን ዝሓትት እምበር ሓላፊ ስምዒት ኣይኮነን፥ ስለዚህ ነቲ ቅዱስነቶም ዝሓትቱኒ ሓዋርያዊ ተልእኾ እነዅ እብል ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድሳት ንብረት ዓቃቤ ዝብል ኣገልግሎተይ ኣጠናቒቒ ዝተወሃበነ ተልእኾ ፈጺመ ክቕየር ኣብ ዝብለሉ ዝነበርኵሉ እዋን፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርካዊት ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ መስተናብር ንኽኸውን ስመዩኒ ንዓይ እውን ከየገረመኒ ኣይተረፈን፡ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣባኻ እምነት ገይሮም ነዚ ተልእኾ’ዚ እንክሰምዩኻ ብመንፈስ ውላድ ተኣዝዞን ትቕበሎን፡ ሓዋርያዊ መስተናብር ኮይኑ ከኣ ናይ ኣገልግሎት ዘመነይ ምስ ኣብቃዕኵ ከም ብሓድሽ ካብ ሓዋርያዊ መስተናብር ናይታ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ክኸውን ከምዝደልዩኒ ምስ ተሓበረኒ ነዚ ተልእኾ በገልግሎት መንፈስ ከምእተቐበልዎ ናብ ሰበኻኦም ከም ሓድሽ ፓትሪያርክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡ ኣስዒቦም “ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኢየርሳሌም ክተርፍ ይሓትቱኒ - ካብዚ ምትራፍ ዝብል ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ግሲ ገዛእ ርእሰይ ክኽውል ኣይከኣለንን፡ ብሱል ትዕግስትም ንቑሕ ትጽቢትን ዕለት ብዕለት ተኣማንነትን ዝሓትት እምበር ዝሓልፍ ስምዒት ኣይኮነን፥ ኢየሱስ ከምቲ ንደቀ መዛሙርት ቅድሚ ዕርገቱ ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ፡ ከምዝበሎም እዩ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዓረገ። ንሳቶም ከኣ ሰገድሉ ብብዙሕ ሓጐስውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ንኣምላኽ እናወደሱን እናኣመስገኑን ከኣ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ። በዚ መንፈስ እዚ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣባይይ ዘለዎ እምነት እሙን ኮይነ ክርከብ ናተይን ናይ ኵሉን ናታትኵም ምእመናን ሰበኻይ ጸሎት የድልየኒ” ከምዝበሉ ታማሮ ኣፍሊጠን።

ናይ ዘራእቲ ተስፋ ፍርያት

ብጹእ ኣቡነ ፒዛባላ ኣብዚ ዝተወሃቦም ሓድሽ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ቅድም ቀዳድም ምስ ናይ ሰበኻኦም ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዲያቆናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ብሓባር ምስ ኵሎም ምእመናን ክጓዓዙን ናይዞም ኣገልገልቲ ኣገልጋሊ ኮይኖም ቀዳምነት እግዚኣብሄርን ናይ እግዚኣብሔር ግዜን ብትዕግስቲ ምልላይን ብትዕግስቲ ኣብ ፍርያት ተስፋ ብምግባር ዘራኢ ምዃን፡ ምስ በሉ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ፖለቲካ ትማልን ሎምን ርሑቕ ዘይጥምት ሓጺርን ዝኮላለፍ እስትንፋስ ዘለዎ  ራእይን ትብዓትን ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ማሕበራዊ ሕይወት ዝተገማመዔን ኤኮኖሚ ኣናንቆልቆለን ኣብ ልዕሊ እዚ ከኣ ኮቪድ - 19 ተወሲኽዎ እቲ ጸገም ጽንኵር እውን ዝኾነ እንተመሰለ ንቕድሚት ምባል የድሊ ምስ በሉ ኣስዒቦም ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመት ብዙሕ ጸገም እውን እንተነበረ ጸጋታት እውን ኣሎ፡ ብሓይልን ብትብዓትን ብእምንቶ ንቕድሚት ንበል፡ ንናይ’ዚ ግዜ ጸገም ፈጣሪ ኣደናጋሪ ኵነት ብብቕዓት ክርስቲያናው ተስፋ ንግጠሞ” ከምዝበሉ ታማሮ ሓቢረን።

ብሓባር ክንየው ህሞታዊ ጸገም ምጥማት

ብጹዕ ኣቡነ ፒዛባፓላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣስዒቦም፡ ብእምነት ጽባሕ ንምጥማት ብዘለዎም ዓቕምን ሓይልን ንመላእ ሰበኻኦም ንምግልጋል ስንድው ምዃኖም ኣረጋጊጾም፡ እቲ ክቡር መንጠሊና ኣብ ኣግልግሎት ኣብ መንጎኹም ምዃነይ ዘረጋግጽ እዩ፡ ብጸጋ ጥምቀት ናይ ክርስቶስ ሓሴት ዝተቐበልና ኢና፡ ክሳብ ሞት ዝተወፈየ ፍቕሪ፡ ናይ መስቀል ጾርን ሓሴትን። መንፈስ ቅዱስ ንናይ እግዚኣብሔር መጻኢ ይዕድመና፡ ንሱ ወትሩ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ዝበጽሓና እዩ፡ ኣብዚ እዋን ምእንቲ እታ ፍቕርቲ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ኢየሩሳሌም ንሓድሽ ብጋሴ ብመንፈስ ቅዱስ ንኽንምራሕ ንፍቕድ” እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ታማሮ ኣፍሊጠን።

27 October 2020, 15:01