ማሕበረሰብ ኒጀር ናጻ ምልቕቓ ኣብ ማካሊ የብዕል ማሕበረሰብ ኒጀር ናጻ ምልቕቓ ኣብ ማካሊ የብዕል 

ማሕበረሰብ ኒጀር ናጻ ምልቕቓ ኣብ ማካሊ የብዕል

ናጻ ምልቓቕ ኣባ ማካሊ ናይ ምእመናንን ናይታ ኣብ ኒጀር ናይ እትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብታ ዝትወለዱላ ከተማን ሰበኻን ናጻ ምእንቲ ክልቐቑ ማሕበረ ክርስቲያን ዘዕረግዎ ናይ ልመና ጸሎት እግዚኣብሔር ዝሃቦ መልሲ

ኣባል ማሕበረሰብ ልኡካነ ወንጌል ንኣፍርቃ ኣባ ማካሊ ናጻ ምልቓቕ ዝሰመዔ ማሕበረሰብ ኒጀር ዝተሰምዖ ሓጐስ ከምዘብዓለ ኣብ ኒጀር ንኣባ ማካሊ ወዲ ማሕበሮም ኣባ ማውሮ ኣርማኒኖ ከምዝሓበሩን ኣባ ፒየር ልዊጂ ማካሊን ካልኦት ኣርባዕተ ዜጋታት ኣብ ማሊ ንኽልተ ዓመት ተጨውዮም ድሕሪ ምጽናሕ ናጻ ምስ ተለቁ ኢጣሊያ ከምእተመልሱን ኣብ ኒጀር ደቂ ማሕበሮምን ምእመናን እውን ይጽበይዎም ከምዘለዉን ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ናብ ኒጀር ክመጹና ተስፋ ንገብር ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፈደሪኮ ፕያና ኣስዒቦም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 17 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ኒጀር ካብ ርእሰ ከተማ ኒኣመይ 150 ኪሎ መትሪ ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ናይ ተልእኾ ወንጌል ማሕበረሰብ ንኣፍሪቃ ቤት ካብ ዝርከበሉ ስፍራ ተጨውዮም ኣብ ኢድ ናይ ማሊ ጅሃዳዊ ሓይሊ ዝነበሩ ኢጣሊያዊ ካህን ኣባ ፒየር ልዊጂ ማካሊን ካልኦት ምስኦም ተጨውዮም ዝነበሩ ሰለስተ ዜጋታት ዕለት 9 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ናጻ ምስተለቁ ዕለት 10 ጥቅምቲ ሮማ ከምዝኣተዉን ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ማሕበሮም ጠቕላሊ ቤት ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ኣባላት ማሕበሮም ተራኺቦምን ካብኡ ተሰናቢቶም ናብታ ዝተወለዱላ ከተማ ምስ ኣተዉ ኣባይቲ ስድራኦምን ናይ ክረማ ሰበኻ ምእመናንን በዓል ከምዝገበሩሎምን ናጻ ምልቓቖም ንእግዚኣብሔር ከምዘመስገኑን፡ ዝሓበሩ ፒያና ኣስዒቦም ብጀካ እዞም ክልተ ዜጋታት ኢጣሊያ ካልእቶ ምስኦምተጨውየን ዝነበራ ፈረንሳዊት ሶፊየ ፐትሮኒን ናይ ግብረ ሰናይ ኣባልን ተወላዲ ማሊ ናይ ፖለቲካ ኣካል ኪሰን እውን ናጻ ከምእተለቁ የዘኻኽሩ።

ኣባ ኣርማኒኖ ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ናጻ ምልቓቕ ኣባ ማካሊ ናይ ምእመናንን ናይታ ኣብ ኒጀር ናይ እትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብታ ዝትወለዱላ ከተማን ሰበኻን ናጻ ምእንቲ ክልቐቑ ማሕበረ ክርስቲያን ዘዕረግዎ ናይ ልመና ጸሎት እግዚኣብሔር ዝሃቦ መልሲ እዩ፡ ሕዝቢ ኒጀር ናጻ ምልቓቕ ኣባ ማካሊ ከምዘብዓለ እውን ገሊጾም።

ናይ ክረማ ጳጳስ ዳኒየለ ጃኖቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እውን ብወገኖም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዕለት 17 ምእንቲ ኣባ ማካሊ ጸሎት ይዓርግ ከምዝነበረን እዚ ኸኣ ንኣኦም ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሎም ኣብ ዘተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ምእንቲ ዝተጨውዩን ዝቐርብ እውን ከምዝነበረን እቲ ናቶም ናጻ ምልቓቕ ነቲ ናይ ክረማ ሰበኻ ኣብ ሃገራት ከባቢ ሳሀል ዘካይዶ መደብ ድጋፍን ሕንጸትን ኣስፍሆተ ወንጌልን ዘበራትዕ እዩ ቢሎም፥ እዚ ኵነት ብመንጽር እታ ቅዱስ ኣቦና “ኵላትና ኣሕዋት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝስደረዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝንበብ ክኸውን ኣለዎ ቢሎም፡ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ስቓይ ምኽንያት ዕርቅን ሰላምን ክኸውን ተስፋናን ጸሎትናን እዩ ኢሎም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ማሕበረሰብ ኒጀር ናጻ ምልቕቓ ኣብ ማካሊ የብዕል
13 October 2020, 17:40