“ኵላትና ኣሕዋት” ዓዋዲት መልእኽትን መልሰ ግብሪ ብጹዓን ጳጳሳትን “ኵላትና ኣሕዋት” ዓዋዲት መልእኽትን መልሰ ግብሪ ብጹዓን ጳጳሳትን 

“ኵላትና ኣሕዋት” ዓዋዲት መልእኽትን መልሰ ግብሪ ብጹዓን ጳጳሳትን

በቲ ሓደ ወገን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕርን ምሕረትን ዘነቓቕሕን ብኻልይ መዳይ ከኣ እዚ ቃል ብስራት እዚ ረቒቕን ዘይጭበጥ ሓቂ ኮይኑ ከይተርፍ፥ ንሕድ ሕዳዊ ምትሕልላይን ምድግጋፍን ንእግዚኣብሔርን ፍጠረቱን ገዛእ ርእስኻን ብምክንኻን ምንባር ከምዝግባእ እተነጽር

ካብ ኢጣሊያ ክሳብ ፈረንሳ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክሳብ ኣውስትራሊያ፥ ብጹዓን ጳጳሳት ነታ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝኾነ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሳልሰይቲ ዓዋዲት መልእኽቲ “እዋናዊትን ደራኺትን” እንክብሉ ይገልጽዋን የንብብዋን፡ “ንግብረ ገብን ኤኮኖምን ጸዓተይና ሓዳሲት” እንክብሉ ይገልጽዋ፣ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ባሰቲ፥ “ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትምህርቲ፥ ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ክስዕቦ ዝኽእል ንጹር መገዲ ኣብ ምሕበር ንቕድሚት ዝብል እዩ” እንክብሉ ርእዮት ከምዝሃቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብዚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ለብዒ ዝሻቐል ዘሎ እዋን እቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትምህርቲ ንጹርን ትኽክለይናን ዝኾነ ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ክስዕቦ ዝኽእል መገዲ የመላኽት” ነዚ ዝበሉ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲ ነታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስተ ሳልሰይቲ ዓዋዲት መልእኽቲ ምኽንያት ኣብ ዝሃብዎ ርእዮቶ ክኸውን እንከሎ፡ እታ ሰነድ ንቤተ ክርስቲያን ሓድሽ እስትንፋስ እትህብ እያ፥ በቲ ሓደ ወገን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕርን ምሕረትን ዘነቓቕሕን ብኻልይ መዳይ ከኣ እዚ ቃል ብስራት እዚ ረቒቕን ዘይጭበጥ ሓቂ ኮይኑ ከይተርፍ፥ ንሕድ ሕዳዊ ምትሕልላይን ምድግጋፍን ንእግዚኣብሔርን ፍጠረቱን ገዛእ ርእስኻን ብምክንኻን ምንባር ከምዝግባእ እተነጽር እያ” ቢሎም፡ ር.ሊ.ጳ. ሓድሽ ሜላ የመላኽቱ፥ ሜላ ሰማዕነትን ዘተን ምስ ኩሉ ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም፡ እዚ ኸኣ ፍልልያትን ምርሕሓቕ ምጽባብን ፈላላይ መናድቕ ዘይምቛምን በዚ ኣቢልካ ነቲ ኣነነትን ርእሰ ምእኵልነትን ዘስዕቦ ጸገማት ኵሉ ንምውጋድ “ንሕና” ዝብል በዓል ቤትነት ምቛም፥ ኵሉ ግደኡ ንኸበርክት ንዝተጸወዓሉ ናይ ምርኻብ ሓድሽ ባህሊ ንምርግጋጽ ዘኽእል መዓጹ ዘርህው ትርኢት ምኽፋት ማለት ምዃኑ ዘብርህ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ከነቓቕሑ እዮም ኢሎም።

ብጹዓን ጳጳሳት ፈረንሳ፥ ዓቢይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ

ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ኤሪክ ደ ሙሊንስ - ቡፎርት እውን ብወገኖም ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ “ሰፊሕን ዓሚዩቕን ጥንቃቔን ጻዕርን ትዕግስትን ዝሓትት ዓቢይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ እዩ” እንብሉ ገሊጾም፥ “ሕውነታውነት ኣረኣእያ ኣይኮነን”፡ ዝተፈላለዩ ማእዝናት ከምዘለዎ”፡ ር.ሊ.ጳ. “ከም ክርስቶስ ብናይዚ ዓለም ዝቖሙ ቀስብታት ድምብርጽ ከይበሉ ብዓቢይ ናጽነት የብርህዎ”፡ ብፍላይ ከኣ “እቲ ሕውነት ዝፈሽለሉ ዘበለ ኩሉ ኩነትን ቦታን ብጥልቂ ኣበይን መዓስን ይሕብሩ” ምእንቲ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረትን ትካላትን ኣባይቲ ስድራን መንግስታትን ካብቲ ብቓል ዝንገር ሕውነት ናብቲ ብጭቡጥ ዝግለጽ ሕውነት ንኸብሉ መታን ናይ ሕልና መርመራ የነቓቕሑ” እንክብሉ ከምዝገለጹ ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ  መርበብ ሓበሬታ የረጋግጽ ዝበላ ፒሮ ኣስዒበን፥ ፈረንሳዊ ኣባል ማሕበር ኢዮሱሳውያን ኣብ ፈረንሳ ብሔራዊ ኣገልግሎት ንስድራ ቤትን ማሕበረሰብን ሓላፊ ኣባ ግረጎርይ ካታ እውን ብወገኖም፥ “ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ምስካልኦት ኮይኑ ማሕበረሰብኣዊ ሕውነትን ፍትሒ ንኹሉን ኣብ ዝብል ኪደት ክጽምበር እንከሎ` ናብቲ ዓቢ ናይ ፍቕሪ - ኣገልግሎት መግለጺ ዝኾነ ስፍራ እዩ ዝኣትው፥ እምንቲ እዚ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ናይ ፖለቲካ ልዑል ትርጉሙ እተብርህ እያ፡ ብፍላይ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፥ ብጠንቂ እዚ ለብዒ እዚ ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ጸገማት ኣዚዩ ኣብ ዝብእሰሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ ኣምርን ተግባርን ሕውነት እዋናዊ ምዃኑ ብዘየማትእ ኣገባብ ተስተውዕል” ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ንሓደ ዝተሓደሰ ግብረ ገብ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሎስ ኣጀሎስ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኾሴ ጐመዝ እውን ብወገኖም “እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብርቱዕን ኣገዳስነትን ሕዳሴ ፖለቲካን ኤኮኖምን ግብረ ገብን ብዞባውን ብዓለም ለኻውን ጽፍሕታት ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሰናይ ዝኾነ ሓባሪ መጻኢ ምሕናጽ ናብ ዝብል ሓላፍነትና እተጽውዕ እያ” ቢሎም ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ናይ ውልቃውነት ባህሊ በዲህና ብፍቕሪ ንብጻይና -  ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስትውዓል ፍትሕን ምሕረትን ሓልዮትን ናይ ሕድ ሕዳዊ ረብሓ ብምንዳይ ንኸነገልግል እትዕድም እውን እያ” ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ፥ “ነታ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰነድ ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ስድራ ቤት ሓድነት ድልያ ዝብል ጻዕሪ ንምስትንታንን ንምኽዋንን ካቶሊካውያንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብዕምቆት ከስተንትንዋ ጻውዒት ኣተቕርብ እያ” ከምዝበሉ ፒሮ ሓቢረን።

ብጹዓን ጳጳሳት ኣውስትራሊያ፥ እታ ሰነድ ንኣማንያንን ኢኣማንያንን እያ

ናይ ኣውስትራሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ማርክ ኮለሪድገ እውን ብወገኖም፥ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንኣማንያን ጥራሕ ዘይኮነት ንመላእ ስድራ ቤት ፍጥረት ኣዳም እያ” ቢሎም፥ ሓድሽ ናይ ሕውነትን ዘተን ባህሊ ንምሕናጽ ጽዋዐና ዝምንጭወሉ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ሰብኣዊ ክብሪ ሓድሽ ርእየት እተቕርብ እያ” ኣብታ “ይሴባሕ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ናይ ሓባር ቤትና ክንክን ይዛረቡ፡ ኣብዛ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ከኣ ናይ ሓደ ሰብ ናይቲ ካልእ ካብኡ ዝተፈልየ ሰብ ምክንኻን ትዛረብ - ኣብታ ናይ ሓባር ቤትና ዝነብር ነፍሲ ወከፍ ንሕድ ሕዳዊ ምክንኻን ትጽውዕ” እንክብሉ ” እታ ዓዋዲት መልእኽቲ “እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ድሕረ ባይታ ዝገበረት እውን ምዃና ገሊጾም፡ ካብ ብሔራዊ ምትሕብባር ናብ ዓለም ሓቆፋዊ ምትሕብባር ንኽስገር እትዕድም እውን እያ፡ ኩሉ ማሕበረሰብ ተሟራዃስን ሰብኣዊ ፍጥረት ተኣፋፊ ምዃኑ ተመላኽት”፡ ምእንቲ’ዚ ናይዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን “ምግምማዕን ግጭትን ናብ ባዶነት ዘሰንዩ መገድታት እያቶም፡ ልክዕ ከምቲ ካብ ንሰብን ናይ ሓባር ቤትናን ፖለቲካን ንመኽሰብ ጥራሕ ሓላፋ ዝብል ኤኮኖሚን ቁጠባን - እዚ ናብ ባዶነት እዩ ዝመርሕ” ከምዝበሉ ፒሮ ሓቢረን፡ ብጹዕነቶም ኣተሓሒዞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ሓድሽ ዓቢይ ዝኾነ ራእይ ይልግሱልና፥ እዚ ኸኣ ክቢድ ዘይከነን ዘይተሓላለኸን ስብኣዊ ፍጥረት ተማራዃሲ ምዃኑ የመላኽቱ” ካብዚ ስዒቡ እቲ ቅዱስነቶም ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ኣብ ግብሪ ምውዓል ሓላፍነትና ይኸውን” ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ጀርመን፥ ናይ ዕርቒ ሕቶ

ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ጊዮርግ ባትዚንግ እውን ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “እታ ዓዋዲት መልእኽቲ - ይብሉ - በቲ ሓደ ወገን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ብመሰረት እታ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡዳቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ዓል -ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ዓል - ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ  ዝገበርዋ ‘ሰብኣዊ ሕውነት ንናይ ዓለም ሰላምን ንውሑስ ሓባራዊ ናብራን’ ዘርእስታ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓድሽን ስምዒት ዘወዓውዕን ኣብ መንጐ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ናይ ሓባር ዘተ እተነቓቕሕን ብኻልእ መዳይ ሃይማኖታዊ መሰረት ብምሕያል ማሕበራዊ ምሕዝነት ንምቛምን ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ብምትብባዕ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝረአይ ሕድ ሕዳዊ ተጻብኦነት ንምውጋድ እትነቓቕሕን እያ” ከምዝበሉ ፒሮ ይሕብራ።

ንፈለማ ግዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያን - ናይ ዕርቂ ሕቶ ብጥልቂ ክረጋገጽ ንምልከት፡ ዕርቂ ድሕሪ መዓተይናን ዓመጸይናን ግጭት፥ ዕርቂ፡ ካብ ዘተን ምሕረትን ዝምንጭው ዕርቂ፡ . . . ምእንቲ እዚ ቅዱስነቶም ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑ ኣብ ናይ ማሕበራዊ ተዘክሮ ማእከል ንኽኾኑ ጻውዒት የቕርቡ” ቢሎም፥ ኣስዒቦም “ንዓለም ሓቆፋውያን ሽግራት ዓለም ሓቆፋዊ መልሲ፥ ብፍላይ ከኣ ንናይ ሕዝብታት ምዕብለ ዝምልከት፡ ብርግጽ ናጻ ናይ ኤኮኖሚ ምንቅስቓሳት ንምዕባለ ቦታ ዝህብ ንዕያግነት ቦታ ዘይሓድግን ንባህላዊ መንነት ቦታ ዘለዎ ኮይኑ ማሕበራውን ማሓድሮኣውን ክብሪ ግምት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ፡ ናይ መንግስታት  ሕዝብታትን ንተመዛበልትን ስደተይናታትን ብሔርተይናነት ዝነጽግ ማዕረ ሰብኣዊ ክብሪ ዝኽሕድ ሕዝብነትን ዕደ ጥበባዊ ማእከልነትን ርእሰ ውከሳን ዝብል ኣጥቓዒ ዝምባለ ቅዱስነቶም ብጥብቂ የውግዙ” ከምዝበሉ ፒሮ ሓቢረን።ካብ ኢጣሊያ ክሳብ ፈረንሳ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክሳብ ኣውስትራሊያ፥ ብጹዓን ጳጳሳት ነታ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝኾነ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሳልሰይቲ ዓዋዲት መልእኽቲ “እዋናዊትን ደራኺትን” እንክብሉ ይገልጽዋን የንብብዋን፡ “ንግብረ ገብን ኤኮኖምን ጸዓተይና ሓዳሲት” እንክብሉ ይገልጽዋ፣ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ባሰቲ፥ “ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትምህርቲ፥ ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ክስዕቦ ዝኽእል ንጹር መገዲ ኣብ ምሕበር ንቕድሚት ዝብል እዩ” እንክብሉ ርእዮት ከምዝሃቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብዚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ለብዒ ዝሻቐል ዘሎ እዋን እቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትምህርቲ ንጹርን ትኽክለይናን ዝኾነ ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ክስዕቦ ዝኽእል መገዲ የመላኽት” ነዚ ዝበሉ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲ ነታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስተ ሳልሰይቲ ዓዋዲት መልእኽቲ ምኽንያት ኣብ ዝሃብዎ ርእዮቶ ክኸውን እንከሎ፡ እታ ሰነድ ንቤተ ክርስቲያን ሓድሽ እስትንፋስ እትህብ እያ፥ በቲ ሓደ ወገን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕርን ምሕረትን ዘነቓቕሕን ብኻልይ መዳይ ከኣ እዚ ቃል ብስራት እዚ ረቒቕን ዘይጭበጥ ሓቂ ኮይኑ ከይተርፍ፥ ንሕድ ሕዳዊ ምትሕልላይን ምድግጋፍን ንእግዚኣብሔርን ፍጠረቱን ገዛእ ርእስኻን ብምክንኻን ምንባር ከምዝግባእ እተነጽር እያ” ቢሎም፡ ር.ሊ.ጳ. ሓድሽ ሜላ የመላኽቱ፥ ሜላ ሰማዕነትን ዘተን ምስ ኩሉ ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም፡ እዚ ኸኣ ፍልልያትን ምርሕሓቕ ምጽባብን ፈላላይ መናድቕ ዘይምቛምን በዚ ኣቢልካ ነቲ ኣነነትን ርእሰ ምእኵልነትን ዘስዕቦ ጸገማት ኵሉ ንምውጋድ “ንሕና” ዝብል በዓል ቤትነት ምቛም፥ ኵሉ ግደኡ ንኸበርክት ንዝተጸወዓሉ ናይ ምርኻብ ሓድሽ ባህሊ ንምርግጋጽ ዘኽእል መዓጹ ዘርህው ትርኢት ምኽፋት ማለት ምዃኑ ዘብርህ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ከነቓቕሑ እዮም ኢሎም።

ብጹዓን ጳጳሳት ፈረንሳ፥ ዓቢይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ

ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ኤሪክ ደ ሙሊንስ - ቡፎርት እውን ብወገኖም ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ “ሰፊሕን ዓሚዩቕን ጥንቃቔን ጻዕርን ትዕግስትን ዝሓትት ዓቢይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ እዩ” እንብሉ ገሊጾም፥ “ሕውነታውነት ኣረኣእያ ኣይኮነን”፡ ዝተፈላለዩ ማእዝናት ከምዘለዎ”፡ ር.ሊ.ጳ. “ከም ክርስቶስ ብናይዚ ዓለም ዝቖሙ ቀስብታት ድምብርጽ ከይበሉ ብዓቢይ ናጽነት የብርህዎ”፡ ብፍላይ ከኣ “እቲ ሕውነት ዝፈሽለሉ ዘበለ ኩሉ ኩነትን ቦታን ብጥልቂ ኣበይን መዓስን ይሕብሩ” ምእንቲ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረትን ትካላትን ኣባይቲ ስድራን መንግስታትን ካብቲ ብቓል ዝንገር ሕውነት ናብቲ ብጭቡጥ ዝግለጽ ሕውነት ንኸብሉ መታን ናይ ሕልና መርመራ የነቓቕሑ” እንክብሉ ከምዝገለጹ ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ  መርበብ ሓበሬታ የረጋግጽ ዝበላ ፒሮ ኣስዒበን፥ ፈረንሳዊ ኣባል ማሕበር ኢዮሱሳውያን ኣብ ፈረንሳ ብሔራዊ ኣገልግሎት ንስድራ ቤትን ማሕበረሰብን ሓላፊ ኣባ ግረጎርይ ካታ እውን ብወገኖም፥ “ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ምስካልኦት ኮይኑ ማሕበረሰብኣዊ ሕውነትን ፍትሒ ንኹሉን ኣብ ዝብል ኪደት ክጽምበር እንከሎ` ናብቲ ዓቢ ናይ ፍቕሪ - ኣገልግሎት መግለጺ ዝኾነ ስፍራ እዩ ዝኣትው፥ እምንቲ እዚ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ናይ ፖለቲካ ልዑል ትርጉሙ እተብርህ እያ፡ ብፍላይ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፥ ብጠንቂ እዚ ለብዒ እዚ ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ጸገማት ኣዚዩ ኣብ ዝብእሰሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ ኣምርን ተግባርን ሕውነት እዋናዊ ምዃኑ ብዘየማትእ ኣገባብ ተስተውዕል” ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ንሓደ ዝተሓደሰ ግብረ ገብ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሎስ ኣጀሎስ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኾሴ ጐመዝ እውን ብወገኖም “እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብርቱዕን ኣገዳስነትን ሕዳሴ ፖለቲካን ኤኮኖምን ግብረ ገብን ብዞባውን ብዓለም ለኻውን ጽፍሕታት ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሰናይ ዝኾነ ሓባሪ መጻኢ ምሕናጽ ናብ ዝብል ሓላፍነትና እተጽውዕ እያ” ቢሎም ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ናይ ውልቃውነት ባህሊ በዲህና ብፍቕሪ ንብጻይና -  ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስትውዓል ፍትሕን ምሕረትን ሓልዮትን ናይ ሕድ ሕዳዊ ረብሓ ብምንዳይ ንኸነገልግል እትዕድም እውን እያ” ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ፥ “ነታ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰነድ ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ስድራ ቤት ሓድነት ድልያ ዝብል ጻዕሪ ንምስትንታንን ንምኽዋንን ካቶሊካውያንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብዕምቆት ከስተንትንዋ ጻውዒት ኣተቕርብ እያ” ከምዝበሉ ፒሮ ሓቢረን።

ብጹዓን ጳጳሳት ኣውስትራሊያ፥ እታ ሰነድ ንኣማንያንን ኢኣማንያንን እያ

ናይ ኣውስትራሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ማርክ ኮለሪድገ እውን ብወገኖም፥ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንኣማንያን ጥራሕ ዘይኮነት ንመላእ ስድራ ቤት ፍጥረት ኣዳም እያ” ቢሎም፥ ሓድሽ ናይ ሕውነትን ዘተን ባህሊ ንምሕናጽ ጽዋዐና ዝምንጭወሉ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ሰብኣዊ ክብሪ ሓድሽ ርእየት እተቕርብ እያ” ኣብታ “ይሴባሕ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ናይ ሓባር ቤትና ክንክን ይዛረቡ፡ ኣብዛ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ከኣ ናይ ሓደ ሰብ ናይቲ ካልእ ካብኡ ዝተፈልየ ሰብ ምክንኻን ትዛረብ - ኣብታ ናይ ሓባር ቤትና ዝነብር ነፍሲ ወከፍ ንሕድ ሕዳዊ ምክንኻን ትጽውዕ” እንክብሉ ” እታ ዓዋዲት መልእኽቲ “እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ድሕረ ባይታ ዝገበረት እውን ምዃና ገሊጾም፡ ካብ ብሔራዊ ምትሕብባር ናብ ዓለም ሓቆፋዊ ምትሕብባር ንኽስገር እትዕድም እውን እያ፡ ኩሉ ማሕበረሰብ ተሟራዃስን ሰብኣዊ ፍጥረት ተኣፋፊ ምዃኑ ተመላኽት”፡ ምእንቲ’ዚ ናይዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን “ምግምማዕን ግጭትን ናብ ባዶነት ዘሰንዩ መገድታት እያቶም፡ ልክዕ ከምቲ ካብ ንሰብን ናይ ሓባር ቤትናን ፖለቲካን ንመኽሰብ ጥራሕ ሓላፋ ዝብል ኤኮኖሚን ቁጠባን - እዚ ናብ ባዶነት እዩ ዝመርሕ” ከምዝበሉ ፒሮ ሓቢረን፡ ብጹዕነቶም ኣተሓሒዞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ሓድሽ ዓቢይ ዝኾነ ራእይ ይልግሱልና፥ እዚ ኸኣ ክቢድ ዘይከነን ዘይተሓላለኸን ስብኣዊ ፍጥረት ተማራዃሲ ምዃኑ የመላኽቱ” ካብዚ ስዒቡ እቲ ቅዱስነቶም ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ኣብ ግብሪ ምውዓል ሓላፍነትና ይኸውን” ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ጀርመን፥ ናይ ዕርቒ ሕቶ

ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ጊዮርግ ባትዚንግ እውን ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “እታ ዓዋዲት መልእኽቲ - ይብሉ - በቲ ሓደ ወገን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ብመሰረት እታ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡዳቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ዓል -ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ዓል - ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ  ዝገበርዋ ‘ሰብኣዊ ሕውነት ንናይ ዓለም ሰላምን ንውሑስ ሓባራዊ ናብራን’ ዘርእስታ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓድሽን ስምዒት ዘወዓውዕን ኣብ መንጐ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ናይ ሓባር ዘተ እተነቓቕሕን ብኻልእ መዳይ ሃይማኖታዊ መሰረት ብምሕያል ማሕበራዊ ምሕዝነት ንምቛምን ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ብምትብባዕ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝረአይ ሕድ ሕዳዊ ተጻብኦነት ንምውጋድ እትነቓቕሕን እያ” ከምዝበሉ ፒሮ ይሕብራ።

ንፈለማ ግዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያን - ናይ ዕርቂ ሕቶ ብጥልቂ ክረጋገጽ ንምልከት፡ ዕርቂ ድሕሪ መዓተይናን ዓመጸይናን ግጭት፥ ዕርቂ፡ ካብ ዘተን ምሕረትን ዝምንጭው ዕርቂ፡ . . . ምእንቲ እዚ ቅዱስነቶም ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑ ኣብ ናይ ማሕበራዊ ተዘክሮ ማእከል ንኽኾኑ ጻውዒት የቕርቡ” ቢሎም፥ ኣስዒቦም “ንዓለም ሓቆፋውያን ሽግራት ዓለም ሓቆፋዊ መልሲ፥ ብፍላይ ከኣ ንናይ ሕዝብታት ምዕብለ ዝምልከት፡ ብርግጽ ናጻ ናይ ኤኮኖሚ ምንቅስቓሳት ንምዕባለ ቦታ ዝህብ ንዕያግነት ቦታ ዘይሓድግን ንባህላዊ መንነት ቦታ ዘለዎ ኮይኑ ማሕበራውን ማሓድሮኣውን ክብሪ ግምት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ፡ ናይ መንግስታት  ሕዝብታትን ንተመዛበልትን ስደተይናታትን ብሔርተይናነት ዝነጽግ ማዕረ ሰብኣዊ ክብሪ ዝኽሕድ ሕዝብነትን ዕደ ጥበባዊ ማእከልነትን ርእሰ ውከሳን ዝብል ኣጥቓዒ ዝምባለ ቅዱስነቶም ብጥብቂ የውግዙ” ከምዝበሉ ፒሮ ሓቢረን።

09 October 2020, 21:04