ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ  

በርጠለመዎስ ብዛዕባ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ

እታ ናይ ሓውና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅድሚ ምፍላጥና እቲ ነቕ ዘይብል “ብእግዚኣብሔር ንዝተፈቕረ ሰብ” ዘለዎም ዓቢይ ግዳሰ ዝምልከት፡ ካልእ ኣብነት ብምጥቃም ነዚ ሓሳብ’ዚ ከምዘብርሁልና ርግጽነት ነይሩና፡ ንኻልኦት ነቶም ዝደኸሙን ዝሳቐዩን ድኽካታትን ምሕላይን ምትሕብባርን ብዝብል ኣብነት ነቲ ዘይጽንቐቕ ክርስቲያናዊ ባህሊ ምንጪ ብምግባር

ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣመልኪቶም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ዘይተገዳስነትን ሲኒካውነትን (ኵሉ ንውላቃዊ ጥቕምን ስሰዔን ዝብል ኪደት) ምውጋድ ከምዘድሊ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣመላኺቶም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ምስ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጻውዒትን - ብድሆን ምሉእ ብምሉእ ንሰማማዕ፥ ነቲ ስነ ማሓድርኣዊ ሕይወትን ፖለቲካን ማሕበራውን ብጠቕላላ ዘመሓድሮ ካብ ዘሎ ዘይተገዳስነት ወይ ውን ውልቃዊ ረብሓን ስሰዔን ካብ ዝብል ኣነባብራ ምልቓቕ የድሊ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳውነትን ጥቕሚ ካብ ዘምእክለ ሓድነት ዘይኮነ ዓለምና ከም ሓድነት ሰብኣዊ ስድራ ቤት ክንሓልማ ይግብኣና ኣብ ዝብላ ቃላቶም (ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ) ምሉእ ጥምረት ኣሎና ብዝብላ ቃላት ኣብ ሮማ ንምብጻሕ ዝመጹ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ምስ ዜና ቫቲካን እብታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣማእኪሎም ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ርእይቶኦም የቕርቡ።

ነታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ምስ ኣንበብኩምዋ ዝተሰመዓኵም መልሰ-ግብሪ እንታይ እዩ ትብሉ?

እታ ናይ ሓውና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅድሚ ምፍላጥና እቲ ነቕ ዘይብል “ብእግዚኣብሔር ንዝተፈቕረ ሰብ” ዘለዎም ዓቢይ ግዳሰ ዝምልከት፡ ካልእ ኣብነት ብምጥቃም ነዚ ሓሳብ’ዚ ከምዘብርሁልና ርግጽነት ነይሩና፡ ንኻልኦት ነቶም ዝደኸሙን ዝሳቐዩን ድኽካታትን ምሕላይን ምትሕብባርን ብዝብል ኣብነት ነቲ ዘይጽንቐቕ ክርስቲያናዊ ባህሊ ምንጪ ብምግባር፡ ካብቲ ብፍቕሪ ዝተመልኤ ልቦምን ካብዚ ብዝነቐለ ኣስተንፍሶን ነቲ ዓቢይ ናይ እዋንና ብድሆ ንኽንገጥሞ ከምዝግባእ ጭቡጥ እማም ከቕርቡልና ከምዝኾኑ ርግጸይናታት ነይሩና፡ ስለዚህ ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብጥልቂ ምስ ኣንበብናያን ምስ ተንተንናያን ብርግጽ እቲ ዝነበረና ትጽቢታት ኵሉ ምሉእ ብምሉእ ረውዩ እዩ። ነዛ ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽቶም ናይተን ቅድም ክብላ ዝለገስወን ዓዋድያን መልእኽቲ ኣስተዋጽኦን ወይ ውን ጽማሬ ገርካ ምርኣያ ምሉእ ብምሉእ ጌጋ እዩ፥ ምእንቲ’ዚ እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ዘውድን ፍሱህን ድምዳሜ እያ። ንኣብነት ዘይተገዳስነትን ኣብ ውልቃዊ ጥቕምን ስሰዔን ዘማእከለ ምሕደራ ማሓድሮኣዊ ሕይወትን ፖለቲካን ኤኮኖምን ብጠቕላላ እዚ ንማሕበራዊ ጉዳይ ዘመሓድር ኪደት ምውጋድን ካብ ናይ ገዛእ ርእሳውነት ጥቕሚ ካብ ዘማእከለ ሓድነት ብምልቓቕ፡ ዓለምና ናብቲ ኵላትና ብዘይ ፍሉይነት ኣሕዋት ምዃንና እንነብርላ ከም ሓድነት ሰብኣዊ ስድራ ቤት ክንሓልማ ይግብኣና እንክብሉ ዘስምርሉ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ እንሰማማዓሉ መሰረታዊ ሓሳብ እዩ። በዚ መንፈስ እዚ እታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን መላእ ፍጥረት ኣዳምን ናይ ኣስተንፍሶን ፍርያምን ዘተ ንዝተፈላለዩ ቆራጽ ተግባራውን ተበግሶታት ምንጪ ክትከውን ምዕዳንናን ተስፋናን ንገልጽ ኢሎም።

ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ብዛዕባ ኣብ ዓለም ጸኒዖም ዝረአዩ “ጐድናዊ ትርኢት ወይ ጽላሎት” ይዛረብ፡ እቲ ኣዚዩ ዘሰክፈኩም ጽላሎት ኣየኖት እያቶም? ካብ ወንጌል ብዝነቕል ኣረኣእያ ኣብ ዓለም እንታይ ዓይነት ተስፋ ንረክብ?

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ዘለዎም ብሊሕ ሰብኣውነትን ማሕበራውነትን መንፈሳውንትን ስምዒት ኣብ እዋናዊ  ዓለም ዘለዉ ዘይረብሑ ነገራት ፈልዮም የመላኽቱን በስማቶም እውን ይገልጽዎም፡ ንኣብነት ዋላ’ኳ ናይ ኣዳም ሓጢኣት ኣብ እንነብረሉ እዋናዊ ዘመን ዝመጸ ኣይኮነን ዝብል ኣመለኻኽታ ንኽንገልጾ ባህ ዘብል እውን እንተመሰለ፡ ብዛዕባ “እዋናዊ ሓጢኣት” ክንዛረብ ዝከኣል እዩ፡ ሕሉፍ ከም ፍጹም ገርና ክንሓሶ ኣይግባእን፡ እዋናዊ እደ ጥበባውን ስነ ምርምራውን ምዕባለ ሰብኣዊ ፍጥረት ንውስንነቱ ኣፍልጦ ንኸይህብ (hybris) ትዕቢታቱ ክሕይል ገይሮምዎ እያቶም፡ ዝበዝሔ ስነ ምርምራዊ ተበጽሖታትን ምህዞታትን ንናይ ህልውና መሰረታዊ ድልያ መልሲ ኣይሃቡን ወይ ከኣ ኣየወገዱን፡ ከምኡ እውን ስነ ምርምራዊ ፍልጠት ናብቲ ናይ ሰብኣዊ መንፈስ ጥልቀት ከምዘይኣተወ ነስተውዕል፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ነዚ ሓቂ እዚ ዘስተውዕሎ እውን እንተኾነ ከምዘየስተውዓሎ ኮይኑ ክነብር ይመርጽ።

ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ እቲ ዝረአይ ዘሎ ኣብ መንጐ እቶም ብዙሕ ዝውንኑ ዉሑዳትን ውሑድ ወይ ውን ገለ’ኳ ዘይብሎም ዝበዝሑን ዘሎ ጋግ ኣጽኒዖም ይዛረብ . . .

ኤኮኖሚያዊ ምዕባለ እቲ ኣብ መንጐ ሃብታማትን ድኻትትን ዘሎ ጋግ ክቕንስ ኣይገበረን፡ ብዝገደደ ኣብ መኽሰብ እዩ ዘጽነዔ፡ ንድኻታት እናዕደየ ንናይ ከባቢብያዊ ጸገም ንኽብእስ ግደ ዘለዎ እዩ፡ ፖለቲካ ናይ ኤኮኖሚ መገልገሊ ኮይኑ ኣሎ፡ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ነቲ ፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ዝብል ሸቶ ዘየማዕድውን ምንም ተዛምዶ ዘይብሉን ኮይኖም ክግለጽ ንርእይ። ናይ ተመዛበልትን ናይ ግብረ ሽበራን ናይ መንግስታት ዓመጽን ምግሃስ ናይ ሰብኣዊ ክብርን ሓድስ ኣግበባብ ጊልያነትን ለብዒ ኮቪድ - 19ን ንፖለቲካ ኣብ ቅድሚ ሓደስቲ ሓላፍነት የንብሮ፡ እቲ ዝኽተሎ ብዘይ እምነትን ግብረ ገብን ግዳሴ ኣብ ግብርን ውጺኢትን ዘድህብ ዝኽተሎ ስነ መጐት ሰሪዞምዎ እያቶም።

ኣብ ቅድሚ እዚ ኵነት ኣዚ ክርስትና ዘቕርቦ ሓሳብ እንታይ እዩ?

ቤተ ክርስትያን እተቕርቦ ናይ ሕይወት ሓሳብ “እቲ ዘድሊ ሓደ ነገር ጥራሕ እዩ” ዝብል ለውጢ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡ እዚ ፍቕሪ ዝብልን ንኻልእ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየን ንናይ ሰባት ናይ ምትሕብባር ባህሊ ክፉት ምዃን ዝብል እዩ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ እዋናዊ ዕቡይ ሰብ - እግዚኣብሔር ዝብል (ሰብ ዘመልኩት) ንሕና እግዚኣብሔር - ሰብ (ተሰብአ) ንሰብኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኤኮኖሚያውነት ንመሓድሮኣዊ  ኤኮኖምን ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝጸንዔ ንጥፈት ኤኮኖሚ ቦታ ንህብ፡ ነቲ ሰብ - እግዚኣብሔር ዝብል ባህልን ቕጥዒ ኣልቦ መሰልን ክብርን ዝብል ፖለቲካ በቲ ዘይገሃስ ናይ ዜጋታትን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣቢልና ንቃወሞን፡ ኣብ ቅድሚ መሓድሮኣዊ ቅልውላው ተፈጥሮ ንኸነክብር ዝተጽዋዕና ምዃንና ንናይ መጻኢ ወለዶ ዘሎና ኵለንተናዊ ውሁድ ባህርያዊ ተፈጥሮ ናይ ምርካብ ዝብል ዘይተሓላለኸ ዝተስተውዓለ ሓላፍነት ከምዘሎና ዝተጸዋዕና ምዃንናን ነዚ ዅሉ ጸገም ሓይልና እዋዲድና ምግጣ ግድነታዊ እዩ፡ ኮይኑ ግና እቲ ብኣና ኣቢሉ ዝዓዪ እግዚኣብሔር ናይ ፍጥረት ኣዳም ዓርኪ ምዃኑ ንጹር ምስተውዓል ኣሎና።

ናይ ሕያዋይ ጓሳ ኣዶ (icon) ሎሚ እዋናዊ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ?

ክርስቶስ እቲ “ቀዳማይን ዓቢይን ዝኾነ ትእዛዝ” ንእግዚኣብሔር ኣፍቅር ዝብል ምስቲ ናይቲ “ቀዳማይ ኣምሳል ዝኾነ ካልኣይ” የተኣሳስሮ እዚ ኸኣ ምስቲ ንብጻይካ ኣፍቅር ዝብል ትእዛዝ (ማቴ. 22፡ 36-40)። ወሲኹ እውን “ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ኵሉ ሕግትትን ነቢያትን ይጽግዑ”፡ ዮሓንስ ዓቢይ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቕ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ “እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” (1ዮሓ. 4፡ 8)፡ እንክብሉ ብግልጺ ይዛረብ፡ እቲ ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ ምሳለ ነቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ምሳለ ኣዚዩ ዝተቐራረበ እዩ (ማቴ. 25፡ 21-46)ን (ሉቃ. 10፡ 25-37)፡ እቲ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ትሕዝቶ ኩሉ ናይቲ ናይ ፍቕሪ ትእዛዝ ሓቅነቱ ዝገልጽ እዩ፡ ኣብዘን ምሳለታት ካህን እቲ ሌዋውን ነቲ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተዓጸወ ሃይማኖት ዝውክሉ ኣያቶም፡ ሕጊ ከምዘለዎ ክሕሎ ዝብል ጥራሕ እዩ እቲ ድላዮም፡ ብዘይ ምልዋጥ ብፈሪሳውነት ኣገባብ፡ ንሱ ኸኣ “ስርዓት ካብ ሕጊ ኣዚዩ ሓደገይና እዩ” ዝብል ጽኑዕ ራእይ የዘኻኽረና፡ (ማቴ. 23፡ 23፥ ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ) ከምዝብሎ። ፍቕርን ድጋፍ ንብጻይን (ቀረባውን)፡ ሕያዋይ ሳምራዊ እቲ ወጻእተይና ገባሬ ሰናይ፡ ነቲ በቶም ጓሓሉ ዝቖሰለን ዝተዘርፈን ቀረባ ዝኾነ፥ ነታ ናይ ሕጊ መምህር ኣብ ፈለማ “ብጻየይከ መን እዩ” (ሉቃ. 10፥ 29) እንክብል ንዘቕረቦ ሕቶ፡ ኢየሱስ ብሕቶ “ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ” (ሉቃ. 10፥ 36) ይምልሰሉ፡ ኣብዚ ሰብ ሕቶ ከቕርብ ፍቓድ የብሉን፡ እቲ ዝሕተቶን ዝጽውዖን ንገቢርነት እዩ፡ ወትሩ ብጻይ (እቲ ቀረባዊ) ጉሊሑ ክርአይ ምግባር ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ቀረባዊ’ዚ ሓው እዩ፥ ነቲ ርሑቕ ዘሎን መጻእተይናን ጸላኢኻን፥ ኣብታ ምሳለ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ምስቲ ናይ ሕጊ መምህር ንኽርስቶስ ንኽፍትኖ ቢሉ፡ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ ክገብር?” (ሉቃ. 10፡ 25)፡ እንክብሉ ንዘቕረበሉ ሕቶና መልሲ፥ ንናይ ድሕነት ታሪኽ ብግልጺ ዝውከስ ጭቡጥ ንብጻይካ (ቀረባዊ) ምፍቃር ዝብል እዩ፡ እዚ ኸኣ ብኻልእ ኣገላልጻ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዝምልከት መልእኽቲ እዩ።

ኣብ ምንታይ መሰረት ቆይምና ኢና ኩላትና ኣሕዋት ኢና ክንብል ንኽእል፡ ምኽንያቱ ምእንቲ ንናይ ሰብኣውነት ሰናይ ኣሕዋት ምዃንና ክነስተውዕል ስለ ዝግኣና?

ኣብ ኣናስር ናይ ቀዳማይ ዘመን ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ ክርስቲያን ንሓድ ሕዶም “ሓው” እናተበሃሃሉ እያቶም ዝጸዋውዑ ዝነበሩ፡ እዚ ሕውነታውነት’ዚ መንፈሳውን ክርስቶስ ማእከልነትን ካብቲ ባህርያዊ ዝምድናን ናይ ስጋ ምቅርራብን ኣዚዩ ዓሚዪቕን ጥልቅን እዩ፡ ንክርስቲያን እቲ ሓው እቲ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ ሕዝቢ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሔር ሰብኣዊ ባህሪ ለበስ እዩ፡ ኩሉ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘሕበረ እዩ፡ ኩሉ ፍጥረት እግዚኣብሔር ብምዃኑ ኣብ መደብ ድሕነት ዝተሳኹዔ እዩ፡ ናይ ኣማኒ ፍቕሪ ደረት የብሉን፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኵላዊ እዩ፡ መላእ ፍጥረት ዝሓቁፍ፡ “ልቢ ምእንቲ ኵሉ ምውዕዋዕ እዩ” (ይስሓቅ ሶሪያዊ)፡ ፍቕሪ ንሓው መወዳድርቲ የብሉን፥ እቲ ወትሩ ንብጻይ (ቀረባውን) ዝጐስይ ምፍታው ንሰብኣዊ ፍጥረት ዝብል ዘይጭበጥ ስምዒት ማለት ዘይኮነ፡ ማዕቅን ናይ ግሊ ሱታፌን ሕውነታውነትን ካብ ፍቕርን ሕውነታውነት ክርስቲያን ካብቲ ረቒቕ ዝኾነ ሰብኣውነት ዝተፈልየ እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቶም ወግእን ናይ ሞት ፍርድን ኣጥቢቖም ብትረት የውግዙ፥ ነዚ ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ ምዕራፍ ብኸመይ ትገልጽዎ?

ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ቅዱስን ዓቢይን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ (ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ ክረተ ዝተኻየደ)፡ ካልኦት እውን ዘኪርካ፡ በዚ ኣገባብ እዚ “ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ብሓፈሻኡ ውግእ ናይ መንፈስ ክፍኣትን ሓጢኣትን ውጽኢት ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ትኹንን” (ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ኣብ እዋናዊ ዓለም)፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከናፍር ክርስቲያን “ኣይፋል ንውግእ” ዝባላ ቃላት ህልዋን ክኾና ኣለወን፡ ናይ ሞት ፍርዲ ቅብሉ ዝብል ሓደ ሕብረተሰብ ናይ ባህሊ ምስረቓኡን ንናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዝህቦ ግምትን እንታይ ምዃኑ ዝሕብር እዩ፡ እቲ ክቡር ንናይ ኤውሮጳ ባህላዊ ቅዋመ ዓንዲ ካብ ዝኾኑ እቲ ሓደ ናይ ፍቕሪ ሚሳል እዩ፡ ንሱ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዋላ’ኳ ብዓቢይ ገበን ኣብ ቤት ማሕቡስ ይሃሉ፡ ናይ ምጥዓስን ምልዋጥን ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ እንክብል ዝእዝዝ ናይቲ ክርስቲያናዊ መሰረታን እምነታን መግለጺ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 October 2020, 22:15