ካርዲናል ቶንግ፥ ህልው ኩነታት ሆንግ ኮንግ ጽንኩር እውን እንተኾነ ሰላም ንመርጽ ካርዲናል ቶንግ፥ ህልው ኩነታት ሆንግ ኮንግ ጽንኩር እውን እንተኾነ ሰላም ንመርጽ 

ካርዲናል ቶንግ፥ ህልው ኩነታት ሆንግ ኮንግ ጽንኩር እውን እንተኾነ ሰላም ንመርጽ

ብጹዕነቶም ኣብ መልእኽቶም፥ ኣገዳስነት ስርዓት ደሞክራሲ ሓቢሮም፡ እዚ ስርዓት ምሕደራ’ዚ ጽንዓት ዝሓትት ወትሩ ኣብ ኪደት እውን እዩ እንክብሉ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊት ምዕዳኖም “ሓደ ሕዝቢ ንምዃን ጽኑዕ ኪደት ይጠልብ

ናይ ሆንግ ኮንግ ሓዋርያዊ መስተናብር ንናይታ ደሴት ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቕ ትምህርቲ “ፍትሒ ንምዕታር ጽልእን ዓመጽን ኣይድግፍን” እቲ ዓመጽ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ይዅን “ ፍቕርን ምሕረትን ዕርቅን ጥራሕ እዩ ናብ ሰላም ዘብጽሕ ምእቲ’ዚ ፍቕርን ምሕርትን ዕርቅን ወትሩ ክነቓቓሕ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሆንግ ኮንግ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ካርዲናል ጆን ቶንግ ሆን ንናይታ ደሴት ካቶሊካውያን ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዕለት 21 መስከረን 2020 ዓ.ም. ከምእተዘርገሔን፥ ካብ 2019 ክሳብ 2020 ዓ.ም. ሆንግ ኮንግ ማሕበራዊ ዕግርግር ኣብ ዘጋጠመሉን ደሓር እውን ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝተሓወሶ ጸገም ኮይኑ ሕዝብን ሃገርን ከምዝጎአድኤን ይጎድእ እውን ከምዘሎን ኣብቲ “ሱታፌ ምስ ቤተ ክርስቲያን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ገሊጾም፥ ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብዚ ጽንኩር ፈታኒ እዋን ኣብ እምነት ጸኒዖም፡ እግዚኣብሔር ንስቓይ ናብ ቡራኬ ከምዝቕይር ንኸስተውዕሉ ተላብዮም፡ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ፥ ምእንቲ ንናይ ኩሉ ረብሓ ካብ ጽልእን ተጻባኦነትን ስምዒት ክርሕቕን፡ ምኽንያቱ ንኻልኦት ከም ጸላኢ ምምልካት ምስ እምነት ክርስትና ዝጻረር ምዃኑ ይገልጹ።

ብጹዕነቶም ኣብ መልእኽቶም፥ ኣገዳስነት ስርዓት ደሞክራሲ ሓቢሮም፡ እዚ ስርዓት ምሕደራ’ዚ ጽንዓት ዝሓትት ወትሩ ኣብ ኪደት እውን እዩ እንክብሉ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊት ምዕዳኖም “ሓደ ሕዝቢ ንምዃን ጽኑዕ ኪደት ይጠልብ (. . .) ኣብ ናይ ሓባር ናይ ስኒት መርሕ ግብሪ ዝጸንዔ ናይ ምርኻብ ባህሊ ምሕናጽን ጽንዓትን ኣብ ናይ ዕለተ ዕለት ጻዕሪ ይሓትት” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ተወኪሶም ጻውዒት ምስ ኣቕረቡ ኣስዒቦም፥ እዚ ኸኣ ኣብ ዝገለጽዎ ሓሳብ ምልስ ቢሎም ብምዝኽኻር፡ “ሰላማውን ፍትሓውን ሕውነታውን ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ግደና ነቢያውን ኣገልጋልነትን ኣብ ምዃን ዝንበር እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ናይ ግዜ ምልክታ ብምልላይ ናይ ምድሪ ጨውን ብርሃን ዓለምን መባኹዕቲ ሰብኣውነት ንዝዓሰሎ ሕብረተሰብ ኮይንና ክንዓይን፡ ብፍላይ ከኣ ትምህርቲ ብጽዕና ኢየሱስ ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ ኮይንና ክንርከብ ይግባእ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ጽልእ ኮነ ዓመጽ ፍትሒ መርከቢ ከምዘይኮነ የተሓሳስበና፡ እውነተይና መፍትሒ ካብ ፍቅርን ምሕረትን ዕርቅን እዩ፡ ንእትውጥኖ ሸቶ ንምውቃዕ እትጥቀመሉ ዝኾነ ይኹን መጋበሪያ እቲ ሸቶ ብገዛእ ራሱ ቅቡል ምኽንያት ክኾኖ ኣይከኣል” ኢሎም።

ናይ እምነት ብርሃን

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም ንካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ንምእመናን ብናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ኣቢሎም ከብርሁን ሕልና ምእመናን ክሓንጹን ኣበረቲዖም፥ ብመሰረት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ንጡፍ ኣካል ኮይኖም ክርከቡ ሓደራ፡ ምእመናን እውን ምስ ጓሶት ሱታፌ ዘለዎም ኮይኖም ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ጽኑዑት ንኽኾኑ ይላበዉ፡ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ዓለም ይብሉ ብጹዕ ካርዲናል ቶንግ - ኣብቲ ናይ ሰብኣዊ ታሪኽ ጐይታ ዝኾነ ክርስቶስ ዘሎና ተስፋ ክምስከርን . . . ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎና እምነት ዝኹልዑ ይኹን ይብሉ።

ምትሕብባርን ሓድነትን

ናይ ሆንግ ኮንግ ሓዋርያዊ መስተናብር ሓዋርያዊ መልእኽቶም፥ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ጸቕጠይናን ኣድካምን እውን እንተመሰለ ኣብ ፍጻሜ ንዅላትና እግዚኣብሔር ናይ ሰብኣዊ ጽሕፍቶን መፍትሕ ምዃኑ ንኸነስተውዕል ዘብቅዕ በረኸት ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ኣብ ብዙሕነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ብምዕቃብ ከም ሰብኣዊ ፍጥረት ዝለዓለ ምትሕብባርን ሓድነት የድልየና፡ እቲ ካብ 2019 ክሳብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝተራእየ ማሕበራዊ ቅልውላውን ንእነካይዶ ኣስፍሆተ ወንጌል ካልኦት ብድሆታት እውን ከጋጥሙ ከምዝኽእሉ ፈሊጥና ብሓደ ኣእምሮን ልብን ንኽንገጥሞ ስንዱዋት ንኹን እንክብሉ ይዛዝሙ።  

ካርዲናል ቶንግ፥ ህልው ኩነታት ሆንግ ኮንግ ጽንኩር እውን እንተኾነ ሰላም ንመርጽ
29 September 2020, 20:06