ድለ

ሰንበት ዘመብረቅ ሰንበት ዘመብረቅ 

ሰንበት ዘመብረቅ ፩ ጳጕሜን 2012 ዓ.ም. (9/6/2020)

መዝሙር፡ ከመ እንተ መብረቅ ዘይወጽእ እምጽባሕ. .. በርቂ ካብ ምብራቕ በሪቝ ክሳዕ ምዕራብ ከም ዝርኤ ምጽአት ወዲ ሰብ ከአ ከምኡ ብብርሃን መብረቕ ምስ ኃይሊ ሰማይ አእላፍ መላእኽቲ ሊቃነ መላእኽቲ ክኸውን እዩ፥ አኽሊል አኽሊላት አብ ርእሲ ካህናት።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ሮሜ 12፡1-2፥ 2ጴጥ 3፡10ፍ፥ ግ.ሓ. 9፡110፥ ማቴ 16፡21-227    ምስባክ፡ እግዚአብሔር ገሀደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም እሳት ይነድድ ቅድመሁ፥ እግዚአብሔር ብግሁድ ክመጽእ እዩ፥ አምላኽና ስቕ አይብልን እዩ፥ አብ ቅድሚኡ እሳት ይነድድ” መዝ፡ 50፡3።

ባሕቲ ጳጕሜን ጀሚርና አሎና። አብ መወዳእታ ዓመተ ዮሓንስ ኢና ዘሎና። አብዚ ዓመት ንኹሉ አምላኽ ዝሃበና ዝገበረልና ርኢና ተመስገን ክንብሎ ነዚ እንአትዎ ሓዲስ ዓመት ዓመተ ማቴዎስ አብ እንጅምረሉ ብሓዲስ መንፈስን ምስ አምላኽን ሰብን ዘሎና ርክብ ገምጊምና ብንጹሕ መንፈስን ድለትን ክንአትዎ ዘዘኻኽር ቅዱስ እዋን እዩ።

ዓመት ሓሊፉ ዓመት አብ ዝጅምረሉ እዋን ንአና ንክርስትያን ፍሉይ እዩ። ንቀለዓለም አይኮናን እነብዕል ዘሎና ብሓቂ አብ ውሽጥና ክንአቱ እሞ ክንሕደስ ሕይወትና አብ መገዲ አምላኽ አሎዶ የለን ኢልና ምስ ርእስና አብ ዘተ ክንአቱ ዝሕግዘና እዩ።

እዚ እዋን ንፍሉይ ነገራት እና አዘኻኸረ ንፍሉይ ለውጢ ዝሓትት እዩ፡

  1. አብ ዓድና ንግሆ ንግሆ ተንሲእና ማይ ጳጉሜ ንሕጸብ። ናይ ምንጻሕ ምሕዳስ ምልክት እዩ። ከምኡ ነቲ አብ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበልናዮ ጸጋ እናአዘኻኸረ ዓመትና አብ ዕርቅን ንስሓን አቲና ብሓዲስ መንፈስ ዓመትና ክንጅምር ዝሕግዝን ዘሰንዱን ፍሉይ እዋን እዩ።
  2. እዋኑ ዝተዘርአ አብ ሰዊትን ፍረን በጺሑ ንሰብን ንእንስሳን ዋሕስ ሕይወት ዘበስር፥ ጸባን ምዓርን ክልተ ዓበይቲ ህያባት አምላኽ እንቅበለሉ ናይ ምስጋናን ተስፋን ጊዜ እዩ። አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ማዕረ ማዕሪኡ ፍረ ዘልኦ ሕይወት ለቢስና ንድላይ አምላኽ ከምቲ ዝበለናን ዝሃበናን ክንመርሕ ዘዘኻኽረና እዋን እዩ።
  3. ተመሃሮ አብ ዓውደ ትምህርቲ ዝጅምሩሉ፥ ንሓዲስ ዓመት ብግልን ብሓባርን ዝተፈላለየ ዓመታዊ መደባት ዝሕንጸጸሉ ጊዜ እዩ። መንፈሳዊ መደባት ብግልን ብሓባርን ንዓመት መመላእታ እነውጽአሉ ብፍሉይ ከአ ደቅና ብጥበብን ፍቕሪ አምላኽን ሰብን ክዓብዩ ሓላፍነትና እንሕድሰሉ፥ አብ ፍቕርን ሰላም አፍረይቲ ክንከውን ከምዘሎና መብጽዓና እንሕድሰሉ እዋን እዩ።

ሓዲስ ዓመት ክአቱ እንከሎ እምብአር አምላኽ አብ ኩሉ ዝነግሰሉ ተስፋ ፍቕሪ ሰፊኑ ጽልኢ ትዕቢት ኩሉ ክፍአት ዝጠፍአሉ ንሓዲስ ዓመት ብሓዲስ ሕይወትን ርክብን እትጅምረሉ ንእነብራ ዓለም ከአ ብኡሳት ዝዕረቝሉ ጽጉም ዝዕንገለሉ፥ እሱር ዝፍትሓሉ ፍሉይ ጊዜ  ምዃኑ አሚና ነፍሲ ወከፍና አብ ውሽጥና አቲና ክንክእል እሞ ነቲ ክንገብሮ ዝግብአና ክንገብር ፍቓደኛታት ንኹን።   

ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ አብ ሓደ ሓሳብ እዮም ዘመልክቱ ንሱ ኸአ ሕይወትና ብምልእ ንክርስቶስ ከይነወፊ ንዝዓግቱና ሸለልትነትን መኸላእታን አሊና ነቲ ሓቀኛ መገዲ ሒዝና ብምሉእ ክንቅበሎ የዘኻኽሩና። ንክርስቶስ ብምሉእ ምቕባልን ምስኡ ምውህሃድን።

ቅ. ጳውሎስ አብ ሰብ ሮማ ዝጸሓፋ (ሮሜ 12፡1-2) ከምቲ ኩሉ ጊዜ አብ ጽሑፋት ዝገብሮ ብምኽርን ማዕዳን እዩ ዝጅምሮ ግን ቅድሚ ዝኾነ ነቲ አምላኽ ዝገበረሎም ምሕረት ርእዮም ክኽእሉ እሞ ንገዛእ ርእሶም ባህ ዘብልን መሥዋዕትን ገሮም ከቕርቡ ይላበዎም። ከምዚ ኸአ ይብሎም “አኅዋተይ ሰብነትኩም ሕያውን ቅዱስን ንአምላኽ ባህ ዘብልን መሥዋዕትን ጌርኩም ክተቕርብዎ ብምሕረት አምላኽ እልምነኩም አሎኹ”። አብ ጊዜ ጳውሎስ እዚ አበሃህላ ንግሪኻውያን ክቕበልዎ ከቢድ እዩ ምኽንያቱ ግዙፍ ሰውነት ማእሰርቲ ቤት ናይ እቲ መንፈስ ወይ ነፍሲ እዩ ዝብል ርድኢት ስለ ዝነበሮም ክቕበልዎ ይኸብዶም ነሩ፥ ንክርስትያን ግን ሰውነት ልክዕ ከም እታ ነፍሲ ፍጥረት አምላኽ እዩ። ክልቲኡ ንአገልግሎት አምላኽ ዝተፈጥረ እዩ፥ ነፍስን ሥጋን ብሓደ ክርአያ ይግብአን። ነፍሲ እቲ አርአያን አምሳልን አምላኽ ዝገብረና ዝርከባ፥ ሥጋና ኸአ እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ከድሕነና ንአና መሲሉ መጋበሪ ድሕነትና ዝተጠቕመሉ ፍሉይ ምንጪ ጸጋ ምስጢራት አምላኽ አብ ግብሪ እንጥቀመሉ እዩ፥ ስለዚ ክልቲኡ ንሰብ ሰብ ዘብሎ ስለ ዝኾነ ተመላሊኡ ደቂ አምላኽ ክንከውን ዘብቅዓና ህያባት አምላኽ እዮም።

አብ ሰውነትና አተኲርና ክንርኢ ከሎና ማኅደር መንፈስ ቅዱስን መጋበሪ ድሕነትና ብኡቢሉ መንፈስ ቅዱስ አባና ፍሉይ ጸጋ ዝዕድለና መጋበሪ እዩ። ልዕሊ ዝኾነ ካልአይ አካል ቅ. ስላሴ ሥጋ ሰብ ክለብስ እንከሎ ክብሪ ሰውነትናን መጋበሪ ድሕነትና ክኸውን ዝመረጾ ፍሉይ ህያብ አምላኽ እዩ፥ በዚ ኸአ እዩ አብ መስዋዕቲ መጋበሪ ክኸውን ዝድለ። ቅ. ጳውሎስ ንሰውነትኩም ከም መስዋዕቲ አቕርቡ ክብለና እንከሎ ንኹሉ ብሓላፍነት ውሰድዎ ንኹሉ ክትገብርዎ ዝግባእ ክትገብሩ ጽዓሩ እዚ ኸአ ሥራሕኩም፥ ቤት ጽሕፈትኩም፥ ቤትኩም ኮታስ ኵሉ ናትና እትብልዎ አብ ክብሪ አምላኽን ድላዩን አውዕልዎ ማለት እዩ።  

 አብ ሓዲስ ኪዳን ክርስትያን አብ ቅድሚ አምላኽ መስዋዕቲ ከቕርቡ ከምዘለዎም ጽዉዓት እዮም ግን ከም ናይ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ናይ እንስሳ መስዋዕቲ ዘይኮነ ናይ ገዛእ ርእሶም እዮም ክስውዑ ዘለዎም። እዚ ሓዲስ መስዋዕቲ ከምቲ ኢየሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝበላ አብ ክንዲ ጽሩይ ግዙፋዊ ወይ ንዋታዊ ነገር ሕያው ቅዱስ ግዳማውን ወግዓውን ዘይኮነ ንአምላኽ ዘሕጉስ ሓዲስ መንፈሳዊ መልክዕ ዝለበሰ ክኸውን አለዎ (ዮሓ 4፡23)። ኵሎም ምእመናን ሓደ ቅዱስን ንጉሣውን ክህነት የቝሙ። ብኽርስቶስ ጌሮም ናብ እግዚአብሔር መንፈሳዊ መሥዋዕቲ የቕርቡ” (፪ይ ቫቲካን መዓርገ ክህነት 2)።

አብዚ አምልኾ ዝብል ክንርኢ ንኽእል። እዚ ቃል አብ ቋንቋ ግሪኽ ክርአ እንከሎ መበቆሉ ንጽቡቕ ክትክፈል እትገብሮ ስራሕ እዩ ዘመልክት ነሩ ቀስ ብቐስ ግን ትርጉም ክቅይር ጀሚሩ። ሰራሕተኛታት በቲ ዝሰርሕዎ ዝልዓለ ክኽፈሉ እንከለዉ የስምዕ ነሩ፥ ጽንሕ ኢሉ ምግልጋል ዝብል ትርጉም ክለብስ ጀሚሩ ቀጺሉ ሓደ ምሉእ ሕይወቱ ከወፊ እንከሎ ከስምዕ ጀሚሩ። ንአብነት ሓደ ምሉእ ሕይወቱ አብ ጽባቔ አተኲሩ ሕይወቱ ከሕልፍ እንከሎ። አብዚ ንሓደ ነገር ኢልካ ሕይወትካ ምውፋይ። አብ መጨረሻ ነቶም አማልኽቲ ኢልካ ዝግበር አገልግሎት ከስምዕ ጀሚሩ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ካብ መጀመርያ ንአገልግሎት ሰብ ጨሪሹ የስምዕ አይነበረን ኩሉ ጊዜ አምልኾን ንአምላኽ ጥራሕ እዩ ዘስምዕ ነሩ። አብዚ እምብአር አምልኾ ክንብል ከሎና ኩሉ እቲ ሰብ ብሰውነቱ መዓልታዊ ንአምላኽ ዘወፍዮ እዩ። ሓቀኛ አምልኾ እቲ አብ ስርዓት ልጡርግያ እንገብሮ ጥራሕ አይኮነን ወላ እኳ ጽቡቕን ትርጉም ዘልኦን እንተኾነ፥ ሓቀኛ አምልኾ መዓልታዊ ሕይወትካ አብ አምላኽ ክተወፊ እንከሎኻ እዩ። አብ ቤተ ክርስትያን እንፍጽሞ ስርዓተ አምልኾ ብርግጽ ዓቢ ትርጉም አልኦ እንተ ኾነ ሕይወትና ብምልኡ አብ አገልግሎትን አምልኾን ክነውዕል እንከሎና እዩ እቲ ሓቀኛ ትርጉም አምልኾ።

መስዋዕቲ ወይ ስርዓት አምልኾ ብካህን እዩ ዝዓርግ፥ ነፍሲ ወከፍና መስዋዕት ክነዕርግ ጽዉዓት ኢና በዚ ኸአ ኩልና ካህናት ኢና። መሰረት ናይ ክህነታዊ ትርጉም ናይ ክርስትያናዊ ሕይወት አብቲ አባላት ሰውነት ክርስቶስ ክንከውን ዘብቅዓና ምስጢረ ጥምቀት እዩ። ብጸጋ ጥምቀት ኵልና ካህናት ናይ ሕይወትና ኮና ኢና “አብ አምላኽ ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መሥዋዕቲ ምእንቲ ክተቕርቡ ሳላ ክርስቶስ ቅዱሳት ካህናት ኮንኩም” (1ጴጥ2፡5) ይብለና። ኩሉ እንገብሮ መግለጺ ተአዝዞና ንድላይ እግዚአብሔርን ምቕጻልን ተልእኮ ናይ እቲ ሰብ ዝኾነ አምላኽ እዩ።

ክርስትያን ዕለት ዕለት አብቲ ዝዓርግ መስዋዕቲ ቅዳሴ ርእሱ ምስ ክርስቶስ ክውፊ አለዎ። ከምቲ ፕዮስ XII አብ Mediator Dei 25 ዝብልዎ እቲ ዝዓርግ መስዋዕቲ ብቝዕን ቅቡልን ክኸውን ከምቲ ክርስቶስ አብ ሰማያዊ አብኡ ዘቕርብ ኩሎም አመንቲ ገዛእ ርእሶም አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ከስውዑ ከቕርቡ ይግባእ”። መስዋዕቲ ክርስቶስ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ለውጥን ተሓድሶን ከምጽእ እንተ ድአ ኾይኑ ናታትና ተሳትፎን ምቕባልን ዓቢ ግደ አለዎ።

 ሎሚ ጳውሎስ ንአና እውን ንአምላኽ ብምሉእ ብዘይምቅዋምን ዕቃበን ክንቅበሎ ይነግረና። ሰውነትና ንአምላኽ ምቕራብ ክንብል እንከሎና ክእለትናን ምሉእ ሕይወትና ምውፋይ፥ ኵልንትናኻ ኵሉ አብ ትሕቲ አምላኽ ምግባር እዩ። እዚ ብምሉእ ሕይወትካ ንአምላኽ ምውፋይ እንብሎ ዘሎና ቀንድን አድላይን አብቲ ቕኑዕ፥ ሕጉስ፥ ሰላምን ብክርስቶስ ክትዕወት እተካይዶ ሕይወት መሰረት እዩ።

ሕይወትካ ብምልኡ ንአምላኽ ምውፋይ ማለት ንኹሉ ነቲ ምስኡ ዝመጽእ ጸገማትን ፈተናን መኸላእታትን ተቐቢልካ ብሓቅን ቅንዕናን ምምራሕ ማለት እዩ። ቅ. ጳውሎስ አብ ካልአይ ምሕጽንትኡ “አእምሮኹም ብምሕዳስ ተለውጡ እምበር ነዛ ዓለም እዚአ አይትምሰልዋ” ይብል። ሕይወትና ብምልኡ ንአምላኽ ምስ አወፈና ጥራሕ ኢና ብምሉእ ምስ ክርስቶስ ክንውሃሃድ እንኽእል። ምስ ክርስቶስ ምውህሃድ ማለት ከአ ከም ክርስቶስ ኮንካ ምንባር ማለት እዩ። አብ ሕይወትን ሞትን ክርስቶስ ብምስታፍ፥ አዕንቲና አብቲ ግርማኡ አተኲርና እና ጠመትና ምስኡ ሓደ ክንከውን አሎና። እዚ ማለት ክርስቶስ ሎሚ እውን ብመንፈስ ቅዱስ አቢሉ ምሳና ይነብር ብአና አቢሉ እውን ይዓዪ አሎ (ገላ 2፡20) እዩ። እዚ እዩ ኩሎም ቅዱሳን አብ ሕይወቶም ዝገበርዎ ንሕና እውን ክንገብሮ እንሕተት ዘሎና። ንሶም ብምልኡ ዘልኦም ዘበለ ብምልኡ ንክርስቶስ አረኪቦም ምስኡ ተወሃሂዶም በዚ ኸአ አብ ሕይወቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ተሳተፍቲ ኮይኖም። ሕጂ ተሳተፍቲ ግርምኡ ኮይኖም አለዉ።

ቅ. ጳውሎስ ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና ክርስትያናዊ መንነትና ከይነጥፍእ ይምሕጸነና። ክርስትያናዊ መንነት ዝጠፍእ ንአረመናዊ ባህሊ ክንቅበል እንከሎና፥ ነቲ አምላኽ ካብ መጀመርያ ዝሃበና ሕጊ ተፈጥሮን ትእዛዝን ብናትና ትርጉምን ርድኢትን ክንትክኦ እንከሎና እሞ ካብ አምላኽን ሰብን ዝፈልየና መገዲ ጸጋም ሒዝና ክነብር ከሎና እዩ።

ክርስትያናዊ መንነትና ክሕደስ ከምቲ አምላኽ ዝገለጸልና ገርና አእምሮና ክንሕድስ አሎና። ሓዲስ አእምሮ ክህልወና ይግባእ እዚ ኸአ አተሓሳስባና ከምቲ ናይ ኢየሱስ ክኸውን እምበር ከምቲ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ናይ ጴጥሮስ ክኸውን አይግባእን። ንነፍሲ ወከፍና “ኪስዕበኒ ዝደሊ ሕይወቱ ይመንን መስቀሉ አልዒሉ ድማ ይስዓበኒ፥ ከምይ እቲ ንሕይወቱ ኬድኅና ዚደሊ ሌጥፍአ እዩ፥ እቲ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍአ ኸአ ኪረኽባ እዩ” እናበለ ክንጉዓዞ ዘሎና ሕይወት ይሕብረና አሎ።

እምብአር በዚ ብሩኽ ናይ ዓመት መጨረሻ ሰንበት ነዛ ዓመት ብሓጎስ ክንፍጽም ንዘብቅዓና አምላኽ እናአመስገና ነዛ እንአትዋ ዘሎና ዓመት ከአ ናይ ሰላምን ፍቕርን ምሕረትን ክገብረልና እናለመና ነፍሲ ወከፍና አብ ንስሓ አቲና ልብና ነንጽሕ ንአምላኽ ዘሕጉስ ሕይወት ንልበስ ንሓውናን ሓፍትናን ነፍቅር።

ብሩኽ ሰንበት

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

04 September 2020, 21:48