ድለ

ኣማዞን፥ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ንናይ መላእ ከባቢ ኣማዞን መረብታው ኤቅለሲያዊ ርክብ ቤት ምኽሪ ኣማዞን፥ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ንናይ መላእ ከባቢ ኣማዞን መረብታው ኤቅለሲያዊ ርክብ ቤት ምኽሪ 

ኣማዞን፥ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ንናይ መላእ ከባቢ ኣማዞን መረብታው ኤቅለሲያዊ ርክብ ቤት ምኽሪ

ብጹዕ ካርዲናል ሁመስ ናይ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ናይቲ ኤቅለሲያዊ ማሕበር ፍጻሜታት ብዝርዝር ክሕብሩ እንከለዉ ምኽትሎም ካርዲናል ባረቶ እውን ብወገኖም እቲ ማሕበር ዝፍጽሞ ዘሎን ናይ መጻኢ መደባቱን ኣማእኪሎም ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃቡ

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ ተዋሳኢ ዝነበሩ ኣባል ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ማሪያማውያን ሓው ዥዋው ጉተምበርግ ሳምፓዮ ንናይ መላእ ከባቢ ኣማዞን ኤቅለሲያዊ መረብታዊ ርክብ ቤት ምኽሪ ሓድሽ ዋና ጸሓፍ ኮይኖም ከምእተሰምዩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣማዞናዊ ኤቅለሲያዊ መረብታዊ ርክብ ቤት ምኽሪ ካብ ዝቐውም ሻድሻይ ዓመቱ የቑጽር ከምዘሎን እዚ ኤቅለሲያዊ ማሕበር’ዚ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ኣብ ምክልኻል ሕይወትን ማሓድሮን ዓቢይ ፍጻሜታት ዘሳልጥን ነቲ ከባቢ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበት ዝምስክር እውን ከምዝኾነ ዘዘኻኸራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን፥ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ሓው ዥዋው ጉተምበርግ ሳማፓዮ ዕለት 14 መስከረም 2020 ዓ.ም. ከምእተሓርዩን፡ ኣብ ጐድኒ ናይቲ ኤቅለሳዊ መረብታዊ ርክብ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ ኮይኖም ዝዓዩ ከምዝኾኑ ናይቲ ኤቅለሲያዊ ማሕበር ብቐጥታ ብፈይስ ቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ፡ ንዝቕጽሉ ዓመታት እውን ናይቲ ማሕበር መደባት ብወግዒ ከምእተሓበረን፥ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ሓው ሳምፓዮ ካብ ዝርከብዎ ዞባ ማናውስ ኮይኖም ከምእተሳተፉ እውን ኣፍሊጠን።

ብጹዕ ካርዲናል ሁመስ ናይ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ናይቲ ኤቅለሲያዊ ማሕበር ፍጻሜታት ብዝርዝር ክሕብሩ እንከለዉ ምኽትሎም ካርዲናል ባረቶ እውን ብወገኖም እቲ ማሕበር ዝፍጽሞ ዘሎን ናይ መጻኢ መደባቱን ኣማእኪሎም ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃቡ ፒሮ ሓቢረን።

ግደን ፍጻሜታትን

ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ እቲ ማሕበር ብመረብታዊ ርክባት መላእ ሃገራት ዞባ ኣማዞን ዘሳተፉ ዝተፈላለዩ ርክባት ከምዘካየደን ናይቲ ማሕበር መርሓ ጐዳና እውን ከምዝቐረበን ናይቲ ማሕበር ምዕባለ ተራን ፍጻሜታቱን ኣብ ዞባ ኣማዞን እንታይ ከምዝመስልን ምልስ ቢሉ እውን እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ ውጽኢታቱን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እንታይ ይግበር ከምዘሎን ክግበር ከምዘለዎን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምይይጥ እውን ከምእተኻየደ ፒሮ ኣፍሊጠን።

ኤቅለሲያውነትን ሕይወት ምክልኻልን

ኣማዞናዊ  ኤቅለሲያዊ መረብታዊ ርክብ ማሕበር ዕለት 2 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ብወግዒ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብቲ እዋን ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ዝነበሩ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ኣብ ዝመርሕዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ብወግዒ ዝተላለየ ከምዝኾነ እውን ፒሮ ኣዘኻኺረን፥ ቀንዲ ዕላማኡ እቲ ኣስታት 30 ሚሊዮን ሕዝብታት ኣብ ዝርከቦ ኣማዞናዊ ዞባ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተቕዋማትን ኣብቲ ዞባ ዘገልግላ ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ሕይወት ኣብ ምክልኻልን እቲ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ተቓሊዑ ዝርከብ እቲ ናይ መሬት ሳምቡእ ተባሂሉ ዝነገረሉ ከባቢ ኣማዞን ካብ ብከላን ምዝመዛን ናጻ ክኸውንን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብቲ ከባቢ ውሑስ ክኸውንን ዝተፈላለዩ መደባት ምንቕቓሕን ዝተፈላለዩ መደባት ሕንጸትን ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ብዘዋስእ ኣገባብ ዘሳልጥ እውን ከምዝኾነ ፒሮ የዘኻኽራ።

ኣማዞን፥ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ንናይ መላእ ከባቢ ኣማዞን መረብታው ኤቅለሲያዊ ርክብ ቤት ምኽሪ
15 September 2020, 17:43