ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ምስ ር.ሊ.ጳ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ምስ ር.ሊ.ጳ 

መልእኽቲ ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንሓዲስ ዓመት ግዕዝ 2013

“ናብ ፈተና ኣይተእትወና፣ ካብቲ ክፉእ ደኣ ኣድኅነና” ፩ መስከረም ፳፻፲፫ (11 መስከረም 2020)
ብድምጺ ንምክትታል!

ክቡራትን ክቡራንን ሕዝበ እግዚኣብሔር

“ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ኅብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኲልኻትኩም ይኹን” (2ቆሮ 13:13)።

ኣብዚ እንጅምሮ ዘሎና ግእዛዊ ሓዲሽ ዓመት ፳፻፲፫ ከም ኣርእስቲ መልእኽተይ ነቲ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ጸሎት ክምህሮም ከሎ “ናብ ፈተና ኣይተእትወና ካብ ክፉእ ደኣ ኣድኅነና” (ማቴ 6:13 ፣ሉቃ 11:4) ዝብል ክኸውን መሪጸ። ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዘምረጸኒ ምኽንያት ከኣ ፍሉጥ እዩ። ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይሩስ ናብ መላእ ዓለም ካብ ዝኣቱ ድሮ ሹዱሽተ ወርኂ ሓሊፉ። ኣብቲ መጀመርያ ንኩላትና ብሓጺር እዋን ተሸኒፉ ዝዕገት እሞ ኲልና ናብ ንቡር ሒይወትና ንምለስ እዩ መሲሉና ነቢሩ። ከምቲ ዝሓሰብናዮን ዝተመነናዮን ግን ኣይኮነን። መጥቃዕቲ ናይቲ ሕማም ቀጺሉ ምውሻብ እውን ማዕረ ማዕረኡ ተናዊሑ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክነውሕ ከሎ ከኣ ኣዝዩ ፈታኒ እዩ። መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ነዚ ፈሊጡ እዩ “ናብ ፈተና ኣይተእትወና” እናበልና ወትሩ ክንጽሊ ዝመሃረና። ንሕና ድኹማት ኢና። ብቐሊሉ ተስፋ ክንቆርጽ፣ ብቀሊሉ ክስልኪየና፣ ብቀሊሉ ክንጠራጠር ንኽእል። እግዚኣብሔር እንተዘይ ኣበርቲዑና ብቀሊሉ ክንሽነፍ ንርከብ ። ንኣምላኽናውን ከነማርር ንኽእል። ኣብዚ እዋን እዚ እምበኣር፣ ንምኽሪ ቅዱስ ያዕቆብ ብፍሉይ ክነንብብን ክንዝክርን ኣሎና። “እቲ ብጊዜ ፈተና ዝዕገስ ሰብኣይ ብፁዕ እዩ፣ ከመይ ተፈቲኑ ምስ ወጸ ነቲ እግዚኣብሔር ነቶም ዘፍቅሮም ዘተስፈዎም ኣኽሊል ሕይወት ክቕበል እዩ። ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል፣ ከመይ ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ፣ ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንንን እዩ። ነፍስ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡ ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን። ሽዑ ትምኒት ምስ ጠነሰት ንኃጢኣት ትወልዳ፣ ኃጢኣት ምስ ተፈጸመት ድማ ንሞት ትወልዳ” (ያዕ 1:13-15)። ኣብዚ ንቅበሎ ዘሎና ሓዲሽ ዓመት ማቴዎስ ወንጌላዊ ነዚ ኣስተንትኖ እዚ ክንገብር ከሎና ብዙኅ ክጠቕመና ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይመስለንን። ነዚ ፈታኒ እዋን ብእምነትን፡ ብትብዓትን ብተስፋን ክንሰግሮ ኣሎና። ብኃይሊ ጐይታ፣ እዚ ጸገም ክሓልፍ፣ እዚ ጸልማት ከኣ ክወግሕ ምዃኑ ርግጸይናታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለዚ ነተን“በቲ ኃይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ ንኲሉ እኽእሎ እየ”(ፊል 4:13)ዝብላ ቃላት ቅዱስ ጳውሎስ ጸሎትናን ጭርሖናን ንግበረን።

ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ፈተናታት፣ ካብ ውሽጥና/ርእስና፡ ካብ ኣብ ከባቢና ዝተፈጥረ ኩነታት፣ ካብ ምሳና ዝነብሩን ዝሰርሑን ሰባት፣ ካብ ሰይጣን እዮም ክመጹና ዝኽእሉ። ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሰይጣን ንዝመጽእ ፈተናታት ከመይ ጌርና ክንገጥሞን ከነሸንፎን ከምዝግብኣና፣“ዲያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጠንቀቑ፣ ንቕሑ። ኣብ እምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ፣ ምኽንያቱ ነቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለው ኣኅዋትኩምውን እዚ መከራ’ዚ ይበጽሖም ከምዘሎ ትፈልጡ ኢኹም”(1ጲጥ 5፡8-9)እናበለ ንጹር መምርሒ ይህበና። ንዝመጸና ፈተናታት ምእንቲ ከነሸንፍ፣ ክእለትናን ዓቕምናን ኣለሊና፣ ኣዚና ክንጥንቀቕ፣ ክንነቅሕ ከምኡውን ኣብ እምነትና ክንጸንዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ይምዕደና ኣሎ። ቅዱስ ያዕቆብ እውን ደጊሙ “እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ፣ ንዲያብሎስ ግና ተጻረርዎ። ንሱ ከኣ ካባኻትኩም ክሃድም እዩ”( ያዕ 4:7)ይብለና። ምስ ፈተና ምዝናይ፣ ምስ ሓዊ ምጽዋት እዩ ዝመስል። ከይተፈለጠና ቀስ ብቐስ ናብ ዘይደለናዮ ደልሃመት ክመርሓና ይኽእል። ንጐይታ ደኣ“ናብ ፈተና ኣይተእትወና” ንበሎ እምበር፣ ብወገንናውን ብንቕሓትን ብጥበብን እጃምና ከነበርክት የድሊ። እግዚኣብሔር ልዕሊ ዓቕምና ክንፍተን ኣይፈቅድን እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፣“እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። ሰብ ኪጾሮ ዘይክእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ። ስለዚ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይኃድገኩምን እዩ። ምጽዋሩ ምእንቲ ክትክእሉ ግና ምስቲ ፈተናኹም መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ”(1ቆሮ 10:12-13)እናበለ፣ ብሓቂ ጥበብ ዝመልኦ ዘጸናንዕ ቃላት ይልግሰልና። ነዚ ዘሎናዮ እዋንን ኲነታትን እምበኣር ብዓብይ ትዕግሥትን ትሕትናን እምነትን ክንነብሮ እንተጽዒርና እቲ ፈተና ኣይክኸብደናን እዩ ኣብ መጨረስታኡ ድማ ክንዕወት ኢና።

ኣብዚ ዓለም ክሳዕ ዘሎና ንድኻምነትና ተጠቒሙ፣ ወትሩ ከጋግየናን ክጐድኣናን ዝደሊ ጸላኢ ከምዘሎና ክንርስዕ የብልናን። በዚ ምኽንያት እዩ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ “ካብ ክፉእ ደኣ ኣድኅነና” ኢልና ክንጽሊ ዝመሃረና። ሊቃውንቲ ቅዱስ መጽሓፍ ከምዝብሉና ግን እቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ጸሎት ብሓፈሻ “ካብ ክፉእ” ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብፍላይ “ካብቲ ክፉእ” ከድኅነና ንእግዚኣብሔር ኣቦና ክንልምኖ ኣበራቲዑና ኣሎ። ከመይ ቀዳማይ ጸላኢና፣ እቲ“ሓሳዊ፣ ንሓሶትውን ኣቦኣ”(ዮሓ8:44) ዝኾነ ሰይጣን/ዲያብሎስ ኣዩ። “እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፣ ‘ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ኮይንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና’ በል። - ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ኮይንካስ-እስከ ንታሕቲ ጽደፍ። - ተደፊእካ እንተሰገድካለይ እዚ ኩሉ ክህበካ እየ” (ማቴ 4:1-11 ረአ) እናበለ ከምዝፈተኖ ወንጊል ይነግረና። ንመድኃኒና እኳ ዘይሓፈሮስ ንኣና ግዳ ምስቲ ኩሉ ድኻምነትና ብቀሊሉ ከጥቅዓና ይኽእል እዩ። መድኃኔ ዓለም ግን ነቲ ኩነታትና ኣጸቢቑ ይፈልጦን ይርድኦን እዩ። ናብኡ እንተጐዪና ከኣ ክንዕወት ኢና። “እቶም ውሉድ ሥጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ ስለዝኾኑ፣ ኢየሱስ ውን ከምኦም ሰብ ኮነ። እዚ ከኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኪስዕር፣ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሜኦም ባራዩ ኮይኖም ዚነብሩ ከኣ ሓራ ምእንቲ ኬውጽእ ኢሉ እዩ “ (ዕብ 2:14-15)። ከም ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወይ ከም ቃኤል ብቅንእን ብትዕቢትን እንተዓዊርና ግን መሳርሒ እቲ ክፉእ ንከውን ማለት እዩ። “ኪድረሩ ከለዉ ከኣ ዲያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ወዲ ስምዖን ኣስቆረታዊ  ንኢየሱስ ኬትኅዞ ቅድም ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ” (ዮሓ 13:2)። “ቃየል ከኣ ኣዝዩ ኮረየ፣ ገጹ ድማ ተጸወገ፣ እግዚኣብሔር ከኣ ንቃየል ‘ስለምንታይ ኰረኻ፣ ስለምንታይከ ትጽወግ? ጽቡቕ ጌርካ እንትትኸውንሲ ገጽካ ምበርሀ ነይሩ። ጽቡቕ ስለዘይገበርካ ግና ኃጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ኮይና ትቃጸወካ ኣላ። ንሳ ክትስዕረካ ትደሊ ኣላ፣ ንስኻ ግና ከምእትስዕራ ግበር’ በሎ” (ዘፍ 4:6-7)። ሀኬት፣ ቊጥዓ፣ ቅንኢ፣ ስስዕቲ፣ ብዝቐልጠፈ ናብ ፈተና ከም እንኣቱ፣ መጋበሪ እቲ ክፉእ ከምእንኸውን ይገብሩና። በዚ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ፣ “ክትቊጥዑ ከሎኹም ኣብ ኃጢኣት ከይትበጽሑ ተጠንቀቑ። ኣብ ቊጥዓኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንዲያብሎስ ከኣ መገዲ ኣይትሀብዎ” (ኤፈ 4:26-27) ዝብል።

ከምዚ ዘሎናዮ ኩነታት ክነውሕ ከሎ ብቀሊሉ ዘጋጥሙና ብድሆታት ሓድሓደ ክንጠቅስ እውን ንኽእል። ብቀዳምነት ምዕጻው እንተነዊኁ ጊዜኻ ከመይ ጌርካ ፍርያም ትገብሮ ይጠፍኣካ። ብቀሊሉ ኣብ ቊምነገር ዘይብሉ ዕላልን፣ ኣርድወረን፣ ሓሜትን ከተድህብ ትፍተን። ሓቅን ሓሶትን ክትፈሊ ይጽግመካ። በዚ ከኣ ነቲ “ነገርኩምሲ ‘እወ ፣ እወ፣ ወይ ኣይኮነን፣ ኣይኮነን ደኣ ይኹን። ካብዚ እንድኅሪ በዚኁ ግና ካብቲ ክፉእ እዩ” (ማቴ 5:37) ዝብል ጥበብ ዝመልኦ ማዕዳ መድኃኒና ንርስዕ ማለት እዩ። ከምኡ እውን ግዲ ኣልቦነትን, ድንዛዘ ኅሊናን እናዓብለለካ ክኸይድ ይኽእል። ኩራ፣ ምጉርምራም፣ ቊጥዓ፣ እውን ኣብ ቀረባ እየን ዝርከባ። ሃኼትን ድቃስን ከምፍታሕ ናይ ብስጭትና ኮይነን ክረኣያና ይኽእላ። ገለ ገለ ከኣ ኣብ ጥንቆላን ካልእ ሰብኣዊ ፍታሕን ኣብ ምንዳይ ይዋፈሩ (ገላ 5:19-ፍ ረአ)። ንኣና ግን እቲ “ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኩም እንተኾነ ኣጆኹም ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ”(ዮሓ 16:32) ዝበለና ወትሩ ከጽንዓናን ካብ ሰይጣንን ኲሉ ክፉእን ክሕልወናን እዩ። “ጐይታ ግና እሙን እዩ፣ ከጽንዓኩም እዩ፣ ካብ ሰይጣን ከኣ ክሕልወኩም እዩ” (2ተሰ 3:3)። እዚ ግን ምስ ጐይታ እንተተሓባበርና እዩ ዝኸውን። ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ “ጐይታ ከኣ ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘለዎም ካብ ፈተና ከመይ ጌሩ ከምዘድኅኖም፣ ንገበርቲ ዓመጻ ድማ እናቐጽዐ ከመይ ጌሩ ክሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ከም ዘጽንሖም ይፈልጥ እዩ” (2ጴጥ 2:9)ዝብሎ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ኣብ ጊዜ ሽግር ንርእስኻ እምበር ንድኻታት ዘይምሕሳብ ዓብይ ፈተና እዩ። ኣብዚ ጊዜ እዚ እንካ ዝብለና እምበር፣ ሃባ ዝብለና ኣይንፈቱን። ብቀሊሉ ፈተና ንፍገት ከሸንፈና ይኽእል። ናብራ እንተከቢሩ፣ እቲ ዝድለውን እንተተሳኢኑ፣ ሰብ ክመጽኣና እንተረኣና ኩሉ ሃበኒ ዝብል ኮይኑ ይረኣየና እሞ ቀልጢፍና ንመልሲ ንቕረብ ወይ ድማ ንሃድም። ወዮ“ጠሚየ ኣብሊዕኩምኒ፣ ጸሚአ ኣስተኹምኒ፣ ጋሻ ኮይነ መጺአ ተቐቢልኩምኒ፣ ዓሪቐ ከድንኩምኒ፣ ሓሚመ በጻሕኩምኒ፣ ተኣሲረ ኣጸናናዕኩምኒ” (ማቴ 25:35-36) ዝብል ቃል ጐይታ ደኣ ኣውራ ሎሚ እንድዩ ዝትግበር!።

ንኩሉ ፈተና ዝኸውን ፈውሲ ግን ቅዱስ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ኤፈሶን ዝጸሓፋ መልእኽቱ ዘርዚሩ ነጊሩና ኣሎ። “ብዝተረፈ ኣኅዋተየ፣ ብጐይታን ብጽንዓት ኃይሉን፣ ንፍሕሶ ሰይጣን ተቓዊምኩም ምእንቲ ክትክእሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ብምሉኡ ልበሱ።-ከመይ ቅልስና ምስ ሕልቅነትን ሥልጣናትን ምስቶም ንዘመን ጸልማት ዜመኃድሩ ገዛእቲ ዓለምን፣ ምስቶም ክፉኣት መናፍስትን ኣብ ሰማያት ዘለው እዩ እምበር ምስ ሰብ ኣይኮነን። እምበኣር በታ ክፍእቲ መዓልቲ ተቓዊምኩም ምእንቲ ክትክእሉ፣ ኩሉ ስዒርኩም ከኣ ደው ክትብሉስ፣ ምሉእ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ደጊም ሕቖኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም፣ ድርዒ ጽድቂ ውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ሰላም ዚህብ ወንጌል ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሣእን ብምእታው ተዳሊኹም ደው በሉ። ኣብ ርእሲ እዚ ኩሉ ከኣ ነቲ ናይቲ ክፉእ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት ኩሉ ከተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድኃን ቆቡዕ ሓጺን ኣእትዉ። ናይ መንፈስ ቅዱስ ሰይፊውን፣ ማለት ቃል ኣምላኽ ኃዙ። ብኩሉ ጸሎትን ልማኖን ኩሉ ሳዕ ብመንፈስ ጸልዩ። ስለዚ ከኣ ተስፋ ከይቆረጽኩም ስለ ዂሎም ኣመንቲ ኣብ ጸሎት ተጸመዱ። ምእንታይ እውን ክዛረብ ከሎኹ ነቲ ምሥጢር ወንጌል ብትብዓት ክነግር ቃል ክወሃበኒ ጸልዩ”(ኤፈ6:10-19)። እዛ ጠቕሲ እዚኣ ብፍላይ ነዚ ዘሎናዮ ጊዜን ኩነታትን መልሲ እትህብ ጠቕሲ እያ ክብል እደፍር። ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ወርኂ፣ ሽሕኳ ከምቲ ንቡር ንቤተክርስትያን ተጋሲስና ናይ ኣምልኾ ስራሕ ክንገብር፣ ሥጋኡን ደሙን ክንቅበል፣ እንተዘይከኣልና፣ ኣብተን ናብ ዘቤታዊት ቤተርክስትያን ዝተለወጣ ገዛውትና ኮይንና ብዙኅ ጊዜ ቃል እግዚኣብሔር ከምዝሰማዕና፣ ጸሎት፣ መቚጸርያ፣ ምህልላ ከምዝገበርና ኣብ ምሉእ ዓለም ተራኣዩ እዩ። ጊዜ እንተ ነዊሑ ግን እቲ ዝነበረና ሀረርታን ትግሃትን እናዘሓለ ክኸይድ ይኽእል። ስለዚ ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት እንደገና ንበራበር፣ እምነትና ተስፋና ፍቕርና ነሓድስ። “ኢትግድፈነ ወኢትመንነነ፣ ኣምላከ ስላም ተራድኣነ” እናበልና ነእዊ።

ኣብዚ እንኣትዎ ዘሎና ሓዲሽ ዓመት ማቴዎስ ብፍላይ ነዘን ዝስዕባ ባዕሉ ኢየሱስ ንደቀመዛሙርቱ ዝሀቦም ክልተ ማዕዳ፣ መዓልቲ መጸ ንዘክረን። እታ ቀዳመይቲ “ናብ ፈተና ከይትኣትው ጸልዩ” (ሉቃ 22:40) እትብል እያ። ቅዱስ ማቴዎስ ከኣ ኣስፍሕ ኣቢሉ “ክሳዕ ክንድዚዶ  ሓንቲ ሰዓት እኳ ምሳይ ምንቃሕ ኣይከኣልኩምን፣ እምበኣር ናብ ፈተንና ከይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን፣ መንፈስ ድልዊ እዩ፣ ሥጋ ግና ድኹም እዩ በሎም” (ማቴ 26:40-41) ይብለና። ኣብዚ ተዋሂቡና ዘሎ ሓዲሽ ዓመት እምበኣር ብሓዲሽ መንፈስን ናህርን ኣብ ጸሎትን ኣምልኾን ንትጋህ። ጸሎት ካብ ፈተና የድኅን፣ ንፈተና ከነሸንፍ ይሕግዘና፣ ወትሩ ንቁሓት ኮይንና ንጸላኢና ክንቃወሞ የበርትዓና እዩ። ኢየሱስ፣ ኣብ መጨረስታ፣ ነቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝፈተኖ ዲያብሎስ፣ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገድ፣ ንእኡ በይኑ ኣምልኽ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፣ ኪድ፣ ‘ሰይጣን’” (ማቴ 4:10) ብምባል እዩ ዝሰጐጎ። ንሰይጣን ኣይትሃቦ ስልጣን ከምዝበሃል ንሕናውን ምስ ፈተና ምዝናይ ገዲፍና፣ ቀልጢፍና “ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ካባይ ረሓቕ”!ንበሎ። ብኣጋኡ ከተርሕቖን ከተሸንፎን ምጽዓር ዓብይ ጥበብ እዩ። እታ ካልኣይቲ ጠቕሲ ከኣ፣ “እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና ንሱ ኪድኅን እዩ” (ማር 13:13) እትብል እያ። ምጅማር ቀሊል እዩ፣ ንዝተወሰነ እዋን ምጉዓዝ እውን ደኃን ይኸውን፣ ክሳዕ መጨረስታ ምጽናዕ ግን ጀግንነት እዩ። በዚ እዩ መልእኽቲ ዕብራውያን፣ “እምበኣርሲ ነቲ ብዙኅ ዓስቢ ዝህብ ትብዓትኩም ኣይትደርብዩዎ። ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ክትገብሩን ነቲ ዘተስፈዎ ከኣ ክትቅበሉን ጽንዓት የድልየኩም እዩ”(ዕብ 10:35-36) ዝብለና። ቀጺሉ ከኣ እግዚኣብሔር፣ “እቲ ናተይ ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዚነብር፣  ንድኅሪት እንተተመልሰ ድማ ብእኡ ባህ ኣይብለንን እዩ” (ዕብ 10:38) ስለዝበለ፣ “ንሕና ግና ምስቶም ንድኅሪት ተመሊሶም ዝጠፍኡ ኣይኮንናን። እንታይ ደኣ ምስቶም ብእምነት ዚድኅኑ ኢና” (ዕብ 10:38-39) ዝብል ናይ ተበዓት መልሲ ይምልስ። ሎሚውን ካባና ዚድለ ዘሎ፣ እዚ ዓይነት ትብዓት እዩ።

ቅዱስ ዮሓንስ፣ ኣብታ መጀመርያ መልእኽቱ፣ “እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ኃጢኣት ከምዘይገብር ንፈልጥ ኢና። ወዲ ኣምላኽ ስለዚሕልዎ እቲ ኲሉ ክፉእ ኣይትንክዮን እዩ” (1ዮሓ 5:18) ብምባል ካብ ፈተና ኮነ ካብቲ ክፉእ ዝሕልወናን ዘናግፈናን እቲ ዋልታናን ጸግዕናን ዝኾነ መድኃኔ ዓለም ከምዝኾነ የረጋግጸና። እንተኾነ ኣብዚ ዓለም ክሳዕ ዘሎና ብዙኅ ዘደናግረና ነገራት የጋጥመና እዩ። መጽሓፍ መክብብ ነዚ ኣደናጋሪ ኩነታት ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፣ “ኣብዚ ዓለም እዚ ጐየይቲ ኩሉ ሳዕ ኣይቅድሙን እዮም፣ ጀጋኑውን ኣብ ውግእ ኩሉ ሳዕ ኣይስዕሩን እዮም። ጥበበይናታት ኩሉ ሳዕ እንጌራ ኣይረኽቡን እዮም። ብልህታት ድማ ኩሉ ሳዕ ሃብቲ ኣይኮነሎምን። ከምኡውን ክኢላታት ኩሉ ሳዕ ኣብ ክብረት ኣይበጽሑን እዮም። ነዚ ተመሊሰ ረኣኹዎ። ግናኸ ንዂሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም። ጊዜኻ መኣስ ከምእትመጽእ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ስለዚ ከምቶም ኣብ ክፉእ መርበብ ዝተገፉ ዓሳታት፣ ከምተን ብመፈንጠራ ዝተታኅዛ ኣዕዋፍ፣ ከምኡ ከኣ ደቂ ሰብ ኣብ ዘይተጸበዩዎ ክፉእ ጊዜ ድንገት ምስ ዝወርዶም እዮም ብመፈንጠራ ዝተኃዙ” (መክብብ 9:11-12)። ምስላ ሃገርና “ሕማቕ ዘመንሲ ካብቲ ዝገብረካ፣ እቲ ዝኃድገልካ” ይብል። እምበኣር ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት እቲ ጐይታ ተሪኽ ዝኾነ መድኃኒና ብጥበቡን ብኃይሉን መሊኡ ነቲ ዘጋጥመና ፈተናታትን ክፉእ ነገራትን ምስኡ ኮይንና ከነሸንፎ የኽእለና። ነዚ ወሪዱና ዘሎ ለበዳ ሕማም ከኣ ከም ጽላሎት ብዝቐልጠፈ ቀንጢጡስ ከም ንተሓዋወስ ይግበረና። ኣብዚ እንጅምሮ ዘሎና ሓዲሽ ዓመት፣ ምስቲ ኩሉ ከጋጥመና ዝኽእል ጸገማትን ሽግራትን፣ ነቲ ኣብ ኦሪት ዘዳግም ሙሴ ንሕዝቢ እስራኤል ዝሃቦም፣ “እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ምሳኹም ኪኸይድ እዩ እሞ ኣይጠልመኩምን፣ ከምኡውን ኣይኃድገኩምን እዩ። ስለዚ ጽንዑ፣ ትብዑ፣ ኣይትፍርሁ ብኣኣቶም ኣይትሸበሩ” (ዘዳ 31:6) ዝብል ትስፉውን ዘተባብዕን ቃላት ዕለታዊ መግብና ንግበሮ። ቡሩኽ ሓዲሽ ዓመት ንኩልና። ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ሓንሰ መስቀለ ይግበረልና።

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳሳት ዘመንበረ ኣሥመራ

10 September 2020, 07:50