ኣሲዚ፥ “ክንየው ዶባት”፡ ሻድሻይ ስንዳአ ደንበ ፍራንቸስኮ ኣሲዚ፥ “ክንየው ዶባት”፡ ሻድሻይ ስንዳአ ደንበ ፍራንቸስኮ 

ኣሲዚ፥ “ክንየው ዶባት”፡ ሻድሻይ ስንዳአ ደንበ ፍራንቸስኮ

እቲ ናይ ለምዘበን ሻድሻይ ደንበ ፍራንቸስኮ መደብ ዓውደ ጉባኤ ፍራንቸስካውነትን ኤኮኖምን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ምርኢት ብምቕራብ ከምእተበገሰን

ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን፡ ናይ ሃይማኖትን ኣካላትን ጋዜጠይናታትን ኣብ ናይ ኢጣሊያ ሓላዊ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ከተማ ብኣካልን ገሊኦም እውን መረብታዊ ርክብ ዝዋስእሉ ክንየው ዶባት፥ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ሻድሻይ ስንዳአ ደንበ ፍራንቸስኮ ዕለት 17 መስከረም 2020 ዓ.ም. ከምእተበገሰን እዚ ኸኣ እቲ ኮቪድ - 19 ዝምልከት ናይ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ምፍንታት ዝብል ውሳኔ ብምኽባር ዝካየድ ኮይኑ ዕለት 20 መስከረም 2020 ዓ.ም. ከምዝዛዘም ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዛዕባ ማሓድሮን ኤኮኖምን ስነ ንድፍን ፍራንቸስካውነትን ፍልስፍናን ስነ ጥበብን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ዘተ ዝካየደሉ ኣካላውን ሓሳባውን ስፍራ እዩ፡ እቲ ናይ ለምዘበን ሻድሻይ ደንበ ፍራንቸስኮ መደብ ዓውደ ጉባኤ ፍራንቸስካውነትን ኤኮኖምን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ምርኢት ብምቕራብ ከምእተበገሰን ኣብ ኣሲዚ ናይ ቅዱስ ገዳም ዓቃቢ ኣባ ማውሮ ጋምበቲ እውን ይሳተፉ ከምዘለዉን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ከተማ ፊረንዘ ናይ ዓበይቲ ምርኢት ማእከላት ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኤይከ ሽሚድትን ካብ ጀነቭ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ጥዕና ውድብ ኣመሓዳሪ ተድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ብመረብታዊ ምስማዐ ርእየት ኣቢሎም እውን ይሳተፉ ከምዘለዉን ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ ፍራንኮ ካርዲኒን ናይ ኢጣሊያ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣባል ሊሊያና ሰግረን ናይ ኢጣሊያ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ጉዳይ ሚኒ. ሮበርቶ ጓልቲየሪን ካልኦት ዓበይቲ ኣካላትን ይሳተፉ ከምዘለዉ ካምፓኒለ ኣፍሊጠን፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ምስ ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽርን ምስ ናይ ኢጣሊያ ናይ ኡምብሪያ ክፍለ ሃገር ቤት ምኽርን ብምትሕብባር ዝተዳለዎ ከምዝኾነ ይሕብራ።

ኣሲዚ፥ “ክንየው ዶባት”፡ ሻድሻይ ስንዳአ ደንበ ፍራንቸስኮ
19 September 2020, 21:27