ኣሲያ ቢቢ፥ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ደቀንስትዮ ከብቅዕ ኣሲያ ቢቢ፥ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ደቀንስትዮ ከብቅዕ 

ኣሲያ ቢቢ፥ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ደቀንስትዮ ከብቅዕ

ብዙሓት ክርስቲያን በስገዳድ እምነቶም ክኽሕዱን ክዕመጹን ደቀንስትዮ ሕጻናት ንመርዓ ክግደዳን ዝግበር ግህሰት ከብቅዕ ኣበርቲዔን ጻውዒት ከምዘቕረባን

ፓኪስታናዊት ቢቢ ምስ ጳጳሳዊ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ኣመሓዳሪ ብቐጥታ ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ቅድም ቀዳድም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣኣን ስድራ ቤታን ነተን ንኹለን ኣብ ጸገም ንዝርከባ ኣባይቲ ስድራ ዘርእይዎ ቅርበትን ድጋፍን ኣብ እምነት አመስግን ኢለን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ደቀንስትዮ ዝፍጸም መርዓን ከብቕዕ ኣብ መላእ ዓለም ሕርኩት ጻዕሪ ክግበር ኣሲያ ቢቢ ኣብ ፓኪስታን ናይ ዝወርድ ጸረ ክርስቲያን መጥቓዕቲ ምኽንያት ብዙሕ ዝተሳቐያን ኣባል ናይ ውሁዳን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ፓኪስታን ብዙሓት ክርስቲያን በስገዳድ እምነቶም ክኽሕዱን ክዕመጹን ደቀንስትዮ ሕጻናት ንመርዓ ክግደዳን ዝግበር ግህሰት ከብቅዕ ኣበርቲዔን ጻውዒት ከምዘቕረባን ንኣብነት ሁማ ኡኑስን መርይ ሻህባዝን በስገዳድ ንመረዓ ዝተዳረጋ ናጻ ክልቀቓ ጳጳሳዊ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማህበር ሰፊሕ ጉስጓስ ከምዘካየደን መንግስቲ ፓኪስታን ነዚ ጉዳይ’ዚ ክከታተሎን ሕጻናት ደቀንስትዮ ንመርዓ ምስግዳድ ከብቕዕ ቆራጽ ውሳኔ ከመሓላልፍ ጻውዒት ከምዘቕረበን ኣሲያ ቢቢ እውን ብወገነን ኣብ ፓኪስታን ናይ ውሁዳን ማሕበረሰብ ክርስቲያን መሰልን ክብረትን ክሕሎን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክኽበር ናይ ሃገረ ፓኪስታን መስራቲ ኣበው ኣሊ ጂናሕ ናይ ሃይማኖትን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ክኽበር ዝብል ለበዋኦም ክዕቀብ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ብኣጽንዖት ጻውዒት የቕርባ።

ኣሲያ ቢቢ ኣብቲ ብምስማዐ - ርእየት ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ናይ ጳጳሳዊ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ናይ ዩቲዩብ ናይ ምስማዐ ርእየት ኣድራሻ ከምእተዘርገሔን፥ አስያ ይብላ ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተወሃበን ክልተ መቑጸሪያ እታ ሓንቲ ኣብ ዓደን ፓኪስታን ከምዝሓደጋኣን እታ ሓንቲ ድማ ምስኣነ ከምዘላን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ምእንቲ ጽንዓት ኣብ እምነትን ምእንቲ  እቶም ኣብ ፓኪስታን ዝሳደዱን ጸሎት መቑጸሪያ ከምዝደግማ ሓቢረን፡ ቅድም በነዲክቶስ መበል 16 ደሓር እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ከምኡ እውን ጳጳሳዊ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ሓልዮ ማሕበርን ዜጋታት ኢጣሊያን እውን ምእንታይ ካብቲ ዝነበርኵኦ ጽንኩር ኩነት ናጻ ክልቐቕ ንዝገበርዎ ጻዕርን ጸሎቶምን እመስግን ቢለን ምስ ኣብቅዓ ናይቲ ማሕበር ኣመሓዳሪ ሞንተዱሮ ብስም እቲ ማሕበር ምስ መላእ ስድራ ቤተን ናብ ሮማ ንኽበጽሓ ከምዝዓደምወንን ንሰን እውን ነቲ ዝተገበረለን ዕድመ ምስቶም ኣብ እምነት ዘጽንዑና ቅዱስ ኣቦና ንምርኻብ ዘለወን ሃረርታ እውን ገሊጸን ብምሉእ ሓጐስ ንዝቐረበለን ዕድመ ከምእተቐበለኦ ጳጳሳዊ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማሕበር ኣፍሊጡ። 

ኣሲያ ቢቢ፥ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ደቀንስትዮ ከብቅዕ
11 September 2020, 16:16