ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵባ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵባ 

ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵባ

ቅዱስነቶም ኣብቲ እዋን ዝኣወጅዎ ናይ ምሕረት ኢዮበልዩ ዓመት ዝተጣምረ ብምንባሩ በቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣቢሎም ዘብጽሕዎ ምሕረት ሎሚ እውን “ኣስተንፍሶ ንተልእኾና ዘላቒ ናይ ወንጌል ኣገዳስነት ዘመላኽት” እዩ

“ኣስተምህሮኦም ህያው እዩ”፥ ናይ ኵባ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምኽንያት ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵባ ናብ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣረጋጊጾም፥ ስለ ቅርበቶምን ፍቕሮም ኣብ ኵባ ንእትረክብ ቤተ ክርስቲያን ምስጋና ነቕርብ ክምዝበሉን፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እውን እታ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ኣብ እትኸውን ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶምም ንኽልገሱ ዘለዎም ዓቢይ ትጽቢት እውን ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣሊና ቱፋኒ  ሓቢረን

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 22 መስከረም 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵባ ዘካየድዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ዝዘከሩ ናይ ኵባ ብጹዓን ጳጳሳት፥ እቲ ኣብቲ እዋን ዝተነብረ ተመክሮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵባዊ ኣእምሮ ህያው ከምዝኾነን ሎሚ እውን እቲ ኣብቲ  እዋን ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ምዕዳንን ስልጣናዊ ትምህርቶምን ነታ ኣብታ ሃገር ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘይጽንቐቕ ምንጪ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበራ ቱፋኒ ኣስዒበን፥

ምሕረት፥ ብሩህ ቅዱስነቶም ዘመላኸትዎ ኣሰር

ናይ ኵባ ብጹዓን ጳጳሳት ዕለት 18 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናብ ቅዱስነቶም ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምስቲ ቅዱስነቶም ኣብቲ እዋን ዝኣወጅዎ ናይ ምሕረት ኢዮበልዩ ዓመት ዝተጣምረ ብምንባሩ በቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣቢሎም ዘብጽሕዎ ምሕረት ሎሚ እውን “ኣስተንፍሶ ንተልእኾና ዘላቒ ናይ ወንጌል ኣገዳስነት ዘመላኽት” እዩ ከምዝበሉን፡ እቲ ኣብቲ እዋን ቅዱስነቶም ምስቶም ኣብ ኵባ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣብ ባዚሊክ ፍቕርቲ ቅድስተ ማርያም ዘኮብረ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ዝለገስዎ መርሕ ቃልን ስብከቶምን፥ ኣብ ናይ ሳንቲያጎ ካቴድራል ኣብ ዝተኻየደ ርክብ እውን ምስ ሓንቲ ስድራ ቤት ዘካየድዎ ርክብ ሎሚ ንናይ ኵባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘይጽንቐቕ ንናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መደባት ኣስተንፎ እዩ ቢሎም፡ ንናይ ኵባ ኣባይቲ ስድራ ኪደት ዘበራተዔ እዩ ከምዝበሉ ሓቢረን።

እቲ ማሕበራዊ ሕውነት እንክብሉ ቅድስነቶም ዝሓተቱና ኣምሪሒና ንቕድሚት

ብጹዓን ጳጳሳት ኵባ ኣብ መልእኽቶም ህልው ኩነታት ለብዒ ኮቪድ-19 ጠቒሶም፡ እዚ ንመላእ ዓለምን ሕዝብን ጽንኩር እዋን ዝኾነ ነቲ ለብዒ ንምብዳህ ዝግበሩ ጻዕርታት ብዙሓት ንድኽነትን ጥምየትን እውን ይዳርግ ከምዘሎን እዚ ኹሉ ጸገም’ዚ “ከምቲ ቅዱስነቶም ንኩባ መንእሰያት ማሕበራዊ ምሕዝነት እንክብሉ ዘቕርብዎ ምዕዳን ህያው ዝገብርን፡ ማሕበራዊ ምሕዝነት ዝጠልብን ኵነት እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብዚ እዋን እዚ እታ ኵሉ ሓው ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽትዅም ንኽንቅበል ገና ብዓንተውዑ ዘሰናደወና ኩነት ምንባሩ ንምስክር” ከምዝበሉ ቱፋኒ ሓቢረን።

ታሪኻዊ ምብጻሕ

ብጹዓን ጳጳሳት ኩባ ኣብ መልእኽቶም ንር.ሊ.ጳ. ውሉዳዊ ፍቕሮምን ጸሎቶም ምእንቲ ብፍቕሪ ዝተሓደሰ ሰብኣውነትን ኣረጋጊጾም፡ “ምብጻሕኩም፥ እተን ናይ ጸጋ መዓልታት ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሞሳን ሓላፍነትን ንዝርክር፡ እግዚኣብሔር ቅርበቱን ፍቕሩን ንቤተ ክርስቲያናን ንመላእ ሕዝብናን ጻማ ቅርበቱ ይጸግው” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክምዘጠቓለሉ ዝሓበራ ቱፋኒ ኣስዒበን፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማን ናይ ኵባ ርእሰ ብሔር ራዉል ካስትሮን ብዝለዓለ ደረጃ ር.ሊ.ጳ. ብዙሕ ኣስተዋጾ ዝገበሩሉ ዝተበጽሐ ክሌኣዊ ስምምዕ ዘርከቦ ዕድል ብምጥቃም ብቐጥታ ንተመሳሳሊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ካብ ኵባ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዝኸዱ ክዝከር እንከሎ፡ ደጋጊሞም ዕርቅን ሰላምን ኣብ መንጐ ሃገራት ዝኽወን መናድቕ ብምቛም ዘይኮነ ድልድል ብምሕናጽ እዩ እንክብሉ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ጭቡጥ ሓቅነቱ ዘረጋግጸ ስምምዕ እዩ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ኵባ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካየዱ ሳልሳይ ር.ሊ.ጳ. ክኾኑ እንከለዉ፡ ቅድሚኦም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ደሓር እውን በነዲክቶስ መበል 16 ምብጻሕ ከምዘካየዱ ይዝከር። ፍራንቸስኮ ኣብ ኣደባባይ ሶውራ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ምስ ናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ሓለፍትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካላትን መንእሰያትን ከምእተራኸቡን ኣብ ሆልጒይን ሳንቲያጎ ደ ኩባን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ኣባይቲ ስድራ ተራኺቦምን ናብ ፍቕርቲ ማርያም ዘ ራመ ናይ ኵባ ሓላዊት ቅድስቲ ጸሎት ከምዘቕረቡ የዘኻኽራ።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 September 2020, 17:08