ዚምባብወ፥ ድጋፍ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንናይ ዚምባብወ ጳጳሳት ዚምባብወ፥ ድጋፍ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንናይ ዚምባብወ ጳጳሳት 

ዚምባብወ፥ ድጋፍ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንናይ ዚምባብወ ጳጳሳት

ናይታ ሃገር ናይ ርእሰ ብሔር ኤመርሶን ምናጋግዋ መንግስቲ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኤኮኖምን ናይ ክንክን ጥዕናን ቅልውላው ብግቡእ ክቆጻጸሮን ከመሓድሮን ብዘይምኽኣሉ ሕዝቢ ንዘለዓዓሎ ዘሎ ተቓውሞ ግቡእ መልሲ ኣብ ምቕራብ ብኹርን ዘይብቑዕን እዩ ዝብልን ንመንግስቲ ዝነቕፍን ዘበለ ኩሉ ሓሳብ ንምዕፋን ብኣባላት ሓይል ጸጥታን ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ሕዝብን ምንቅስቓሳትን ጋዜጠይናታትን ዝወስዶ ዘሎ

“መንግስቲ ዚምባብወ ዘጓንፎ ዘሎ ሕዝብዊ ተቓውሞ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ክንክን ጥዕናን ብግቡእ ኣብ ምምሕዳር ብኹር ከምዝኾነ ዘመላኽት እዩ” ነዚ ዝበሉ ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ህውልው ኩነታት ኣማእኪሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ጳጳሳት ዚምባብወ በቲ ዘቕረብዎ ህየሳ ምኽንያት ኣብ ዘጋጥሞም ጸገም ኵሉ ኣብ ዚምባብወ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብይብጻሕ ንናይ ሃራሬ ሊቀ ጳጳሳት ኣቢሎም ንመላእ ጳጳሳት ዚምባብወ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅርበት ቅድስቲ መንበር ከምዘረጋገጹ ልእኻት ጋዜጠይናታት ዜና ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞን ፓውል ሳማሱሞ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓባር ጸብጻብ የመላኽቱ።

ናይ ሃይማኖት መራሕቲ
ናይ ሃይማኖት መራሕቲ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ርእሰ ብሔር ምናጋግዋ መንግስቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 14 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ናይ ዚምባብወ ብጹዓን ጳጳሳት እቲ ኣብ ሃገሮም ዝተለዓዓለ ህዝባዊ ተቓውሞን ነቲ ተቓውሞ ንምእላይ መንግስቲ ዝወሰዶ ዘሎ ዓፋናይ ስጉምቲ ኣዛሚዶም ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ብግልጺ ከምዝነጸግዎን ናይታ ሃገር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ሚኒ. ሞኒካ ሙጽቫንግዋ ኣብ ናይ መንግስቲ ናይ መራኸቢ ብዙሃን - ተለቪዝን ቀሪበን ዝፈነወኦ ብግልጺ ንናይ ሃራረ ሊቀ ጳጳሳትን ናይታ ሃገር ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ሮበርት ክሪስቶፈር ንድሎቩ ዝትንክፍን ዘጥቕዕን ዝስመዐኦ ቃል ምኽንያት ንመላእ ናይ ዚምባብወ ጳጳሳትን ኣብ ዚምባብወ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ኣቡነ ፓውሎ ሩደሊ ቅርበትን ድጋፍን ከምእተገልጸ ጸብጻብ ልኡኻት ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ቸራዞን ሳማሱሞ ይሕብሩ።

መሰልን ተቓውሞን

ናይታ ሃገር ናይ ርእሰ ብሔር ኤመርሶን ምናጋግዋ መንግስቲ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኤኮኖምን ናይ ክንክን ጥዕናን ቅልውላው ብግቡእ ክቆጻጸሮን ከመሓድሮን ብዘይምኽኣሉ ሕዝቢ ንዘለዓዓሎ ዘሎ ተቓውሞ ግቡእ መልሲ ኣብ ምቕራብ ብኹርን ዘይብቑዕን እዩ ዝብልን ንመንግስቲ ዝነቕፍን ዘበለ ኩሉ ሓሳብ ንምዕፋን ብኣባላት ሓይል ጸጥታን ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ሕዝብን ምንቅስቓሳትን ጋዜጠይናታትን ዝወስዶ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ገሃሲ ስጉምቲ ጳጳሳት ዚምባብወ ኣብ መልእኽቲ ዘርዚሮም ከምዝኾነኑን ከምኡ እውን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሓላቒ ማሕበር ብወገኑ መንግስቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ምፍርራሕ ዘሰክፍ ጸቕጥን ጭውያን ማእሰርትን መግረፍትን ይፍጸም ከምዘሎ ብግልጺ ጠቒሱ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑስ ክኸውን ጻውዒት ከምዘቕረበ ዝሓበሩ ልኡኻት ጋዜጠይናታት ዜና ቫቲካን ኣስዒቦም፡ እቲ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት መልእኽቲ ንዘቕርቦ ዝርዝር ርእይቶ ናይታ ሃገር መንግስቲ ብቑዕ መልሲ ካብ ምሃብ ከምእተቖጠበን በንጻሩ ኣጥቓዕን ሰብነት ተንከፍ ቃላት ከምዝፈነወን ካብኡ ሓሊፉ እውን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተግባር ኣብ ዚምባብወ ምስ ናይ ሕዝብን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድላይ ዝጻረር ዘምስል ንሕዝቢ ዝምቡዕ ሓበሬታ ይፍንው ከምዘሎ የመላኽቱ።

ናይ ጳጳሳት መልእኽት

መንግስቲ ንዝቃወሞን ናይ ተቓውሞ ርእይቶ ንዘቕርቡን ተራእዮ ዘይፈልጥ ግብረ ዓፈናን ጸቕጥን ይፍጽም ከምዘሎን፥ “እታ ንደልያ ዚምባብወ እዚኣ ድያ? ዝተፈልየ ሓሳብን ርእይቶን ጸላኢ ንዘብል ፍርዲ ዘቃልዕ ኣይኮነን፡ ካብ ናይ ሓሳብ ምግርጫውን ዝተፈላለየ ሓሳብ እዩ ብርሃን ዝዅላዕ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉን ኣተሓሒዞም እውን እቲ ናይ ሕዝቢ ተቓውሞ ነቲ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ዝድርኽ እምበር ከም ጸላኢ ሃገር ዘቑጽር ኣይኮነን፡ መንግስቲ ናይቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ሓላፍነት ክወስድን ከመሓድሮን መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ክተግህ እምበር ናይቲ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው መጻእተይናታትን ዝሓለፈ ባዕዳዊ መግዛእትን ተሓታቲ ገርካ ምቕራብን ናይ ተቓውሞ ርእይቶ ምቁንጻብን ኣይኮነን ዘድልዮ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኻት ጋዜጠይናታት ቸራዞን ሳማሱሞ ኣተሓሒዞም፡ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኸመንግው ዘቕረቦ ሓሳብ ብመንግስቲ ዝተወሃቦ ኣሉታዊ ምላሽን ለብዒ ኮቪድ 19 ንምብዳህ ዝድግፍ ናይ ሕክምና መጋባርያ ቐረብ ኢፍትሓዊ ከምዝኾነ እውን ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም ከምዝነቐፉ የመላኽቱ።

ሰላም ንምንቕቓሕን ንሃገራዊ ሕንጸትን ሓቛፍነትን ዘተን ሓባራዊ ሓላፍነት ምኽባር ኣገዳሲ ከምዝኾነ ጳጳሳት ዚምባብወ ኣብ መልእኽቶም ኣብሪሆም ንካቶሊካውያንን ዘይካቶሊካውን ኵሉ ቅርበቶምን ድጋፎምን ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፡ ንምኒስትራትን ንናይ መንግስቲ ኣካላትን ኵሎም ጳጳሳት ጓሶት እምበር ካልእ ዝኾነ ይኹን ህንጥይና ከምዘይብሎምን ገልጾም “ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ማሕበራውን ሰብኣውን ስቓይን ድኽነትን ዓባሳት ከምዘይኮንና ንሕብር” ከምዝበሉ ቸራዞን ሳምሱሞ ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ይንበብ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያ (WWC)፣ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስትያንን (LWF)፣ ዝተሓደሳ ዓለም ሓቆፍ ሱታፌ ኣቢያተ ክርስቲያንን (WCRC)፣ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ መጠዶሳውን ኣቢያተ ክርስቲያንን (WMC)፣ ብሓባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንመላእ ሕዝቢ ዚምባብወ ቅርበቶትን ድጋፍምን ገሊጾም ብምኽንያት ቅልውላው ኤኮኖሚያውን ክንክን ጥዕናን ኣብታ ሃገር ለኸሲቱ ዘሎ ሕዝባዊ ናዕብን ንምዕፋን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝፍጸም ዘሎ ጸቕጢ ዘሰክፍ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ቲዚያና ካምፒዚ ይሕብራ።

ለብዒ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ብድሆታት ፍሉጥ እዩ ካብዚ ወጻኢ ግና እቲ ካብ ርሑቕ ዝተበገሰ ኣብ ናይ መንግስቲ ተቕዋማት ቦታ ሒዙ ሰሪቱን ዝርከብ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ዘይምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘስዕቦ ዘሎ ቅልውላው  ዘይምርግጋእን ሕዝባዊ ነድርን ጠንቂ ከምዝኾነ ናይተን ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ኣብ ዝገብርዎ መልኽቲ ኣመላኺቶም “ናይ ሕዝቢ ተቓውሞን ናይ ሕትመትን ጋዜጠይናታትን ምንቅስቓሳትን ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ርእይቶን ተቓውሞን ብሓይልን ብዓመጽን ንምዕፋን ዝግበር ከይዲ ንኹንን ከምዝበሉ ካምፒዚ ኣፍሊጠን።

ኣብ መወዳእታ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ኣብ ናይ ሕይወትን ፍትሕን ሰላምን እግዚኣብሔር ዘለዎም ጽኑዕ እምነትን ጸሎትንም ቅርበቶም ንመላእ ሕዝቢ ዚምባብወ ኣረጋጊጾም ኣብ እምነት ጽኑዓት ኩኑ እንክብሉ መላእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ካምፒዚ ሓቢረን።

ዚምባብወ፥ ድጋፍ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንናይ ዚምባብወ ጳጳሳት
20 August 2020, 18:25