፫ይ ፍልሰታ ለማርያም ነሓሰ 17 2012 ዓ. ም. (8/23/2020)

መዝሙር፡ አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት ጥዕምት በቃላ. . . . . መላእኽቲ ነታ ብቃላን ብግብራን ጥዕምቲ ንሰማይ አዕረግዋ። ነብያትን ሓዋርያትን ትባርኽ፥ ጻድቃንን ሰማዕታትን ትባርኽ፥ አብዚ ነገስታትን ዝነግሱን ትባርኽ። መላእኽቲ ንሰማይ አዕረግዋ፥ መላእኽቲ ንሰማይ አዕረግዋ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ገላ 3፡15-ፍ፥ 1ጴጥ 2፡5-11፥ ግ.ሓ. 15፡ 1-12፥ ሉቃ 11፡27-36    ምስባክ፡ 1. ወትቀውም ንግስት በየማኒከ፥በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወሑብርት፥ ስምዒ ወለትዮ ወርኢ ወአጽምዒ እዝንኪ። “ንግስቲ ብወርቂ ተሰሊማ አብ የማንካ ትቐውም፥ ጓለይ ናብቲ ዝብለኪ ስምዒ ርአዪውን እዝንኺ ኸአ ጽለዊ” መዝ. 45፡9-10። 2. ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል፥ እግዚአብሔር ውስተ ማእከላ ኢትትሓወክ፥ ወይረድአ አዚአብሔር ፍጽመ። (መዝ. 45፡4-5)

17 ነሓሰ ሰንበት እንተ ወዓለ ምስ ብዓለ ፍልሰታ ተተሓሒዙ ዘፍለሰት ብዝብል ንዝክሮ። ፍልሰታ ለማርያም ትማሊ አብዒልና ሎሚ እውን ብዝያዳ ክነስተማቕሮ ዝሕግዘና ሰንበት ኢና ነብዕል ዘሎና። ብዓለ ፍልሰታ ማርያም ብስግአን ብነፍሳን ንሰማይ ከም ዝፈለሰት እንዝክረሉ ፍሉይ ብዓለ ማርያም እዩ፥ በዚ ኸአ ነፍሲ ወከፍና ድሕሪ ምድራዊ ሕይወትና ዝጽበየና ሕይወት ምዃኑ ዘዘኻክር አጋጣሚ እዩ።

ማርያም ምድራዊ ሕይወታ ምስ ወድአት ብሥግአና ብነፍሳን ንሰማይ ፈሊሳ ክንብል እንከሎና ሥግአ አብዚ ምድሪ አይመሽመሸን ብሥግአን ብነፍሳን ንሰማይ ፈሊሳ ማለት እዩ እዚ ኸአ ብኃይሊ አምላኽ እምበር ብናታ ክእለት አይኮነን፥ ንኢየሱስ ንሰማይ ዓረገ ንብሎ ምኽንያቱ ንሱ ባዕሉ አምላኽ ስለ ዝኾነ ብዘይ ዝኾነ ናይ ካልእ ሓገዝ እዩ ንሰማይ ዓሪጉ። ማርያም ነዚ ጸጋ ዝበቕዐት ቀዳሞት አበው ክገልጹ እንከለዉ ንሳ አደ ኢየሱስ ስለ ዝኾነትን ኃጢአት ዘይብላ ስለ ዝኾነትን እዩ ይብሉ። ንሳ ብዘይ ኃጢአት ተጸኒሳ ምሉእ ሕይወታ ኸአ ከምኡ ኢላ ነራ። ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝብለና ሞት ፍረ ኃጢአት እዩ (ሮሜ 6፡23)፥ ስለዚ ድሕሪ ምውዳእ ምድራዊ ሕይወታ ብሥግአን ብነፍሳን ንሰማይ ፈሊሳ። አብዚ ክልተ ባህሊ አሎ ገለ ማርያም መይታ ድሕሪ ሞታ ሥግአ ከይመሽመሸ ንሰማይ ብጸጋ ወዳ ፈሊሳ ዝብል፥ ካልአይ ከአ ሞት ፍረ ኃጢአት እዩ ማርያም ከአ ኃጢአት የብላን ስለዚ አይ ሞተትን ዝብል። ቤተ ክርስትያን ንኽልቲኡ ንተመራመርቲ ኃዲጋ ማርያም ብስግአን ብነፍሳን ከምዝፈለሰት ተስተምህረና።

ሓደ ካብቲ ንማርያም እንህቦ አስማት “ታቦተ ኪዳን” ዝብል እዩ፥ እዚ አብ ካልአይ ንባብና አብ ራእይ እነንብቦ (ራእ 11፡19) እዩ። ታቦተ ኪዳን ቅድሚ ልደት ኢየሱስ ንዘመናት ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ዝነበሮ ቦታ አይፍለጥን ነሩ፥ ዮሓንስ ነዚ አብ ቀዳማይ ዘመን አብ ሰማይ ብራእይ ከም ዝርአዮ ክዛረብ እንከሎ ዘገርም እዩ። አብ ብሉይ ኪዳን “ታቦተ ኪዳን” ክቡር እዩ ነሩ እዚ ኸአ ብወርቂ ዝተሰለመ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ አብ ውሽጡ ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት ዝሓዘ ስለ ዝነበረ እዩ (ዕብ 9፡4)። (1) ብኢድ እግዚአብሔር ዝተጻሕፈ ክልተ ጽላት ዓሰርተ ትእዛዛት (2) ኅብስተ መና፥ (3) ዝጠጥዐት በትረ አሮን ዝኃዘ ስለ ዝነበረ።

እዚ ታቦተ ኪዳን ናይ ብሉይ ኪዳን ንማርያም ናይ ሓዲስ ኪዳን ዘመልክት እዩ። ብኸመይን ስለምንታይን እንተ በልና ማርያም አብ ከርሳ ነቲ ሕያው ቃል አምላኽ (ከም ናይ ብሉይ ኪዳን አብ እምኒ ዝተጻሕፎ ዘይኮነ) ሥጋ ዝለበሰ ቃል ስለ ዝጾረቶ። ኢየሱስ ናይ ሕይወት መግቢ እዩ (ዮሓ 6) እዚ ኸአ ምልአት ናይ መና አብ ብሉይ ኪዳን እዩ።

ኢየሱስ ናይ ሓዲስ ኪዳን ካህን እዩ (መልእኽቲ ዕብራውያን) አሮን ካህንን ድሕሪኡ ዝሰዓቡ ኩሎም ናይ ብሉይ ኪዳን ካህናት እዮም፥ ኢየሱስ ግን ናይ ሓዲስ ኪዳን ካህን እዩ።

ናይ ብሉይ ኪዳን “ታቦተ ኪዳን” ንሓደ ዝዓበየ ጽላተ ኪዳን ናይ ሓዲስ ኪዳን ዘመልክት ወይ ዝሕብር ኮይኑ፥ ማርያም እታ አብ ከርሳ ነቲ ሕያው ቃል አምላኽ ዝኾነ ኢየሱስ ዝጾረት የመልክት።

አብ ወንጌል ዝተነበ ናይ ማርያም ንኤልሳቤጥ ምብጻሕ ምስቲ ናይ ንጉሥ ዳዊት ንጽላተ ኪዳን አብ ኢየሩሳሌም ንመጀመርያ ጊዜ ከእትዎ እንከሎ ዝገበሮ እንተ አነጻጸርናዮ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን “ታቦተ ኪዳን” አምሳል ማርያም እታ ዝዓበየት “ጽላተ ኪዳን ከምዝኾነት” ክንርኢ ንኽእል፥ ብዙሕ ተመሳሳላይ ነገራት ከአ ንረኽበሉ።

ንጉሥ ዳዊት ብተሓጓስ ቀቅድሚ ታቦተ ኪዳን ይስዕስዕ ነበረ ዝብል አብ (2ሳሙ 6፡5) ነንብብ፥ ዮሓንስ አብ ከርሲ አዲኡ ኤልሳቤጥ እንከሎ ብተሓጓስ ተሰራሰረ (ሉቃ 1፡44)። ዳዊት ንጉሥ “ታቦት እግዚአብሔር ከመይ ገይሩ ናባይ ክመጽእ” በለ (2ሳሙ 6፡9)፥ “ኤልሳቤጥ ብዓቢ ድምጺ ዓው ኢላ አደ ጎይታይ ናባይ ክትመጽኢኸ እዚ ኻበይ ኮነለይ” (ሉቃ 1፡43) ኢላ አድንቖታ ገሊጻ።

ታቦተ ኪዳን አብ ቤት ዖቤድ ኤዶም ጌታዊ ሠለስተ ወርኂ ተቐመጠ እግዚአብሔር ድማ ንዖቤድ ኤዶምን ንብዘላ ቤቱን ባረኸ (2ሳሙ 6፡11)፥ ማርያም ሰለስተ ወርኂ ምስ ኤልሳቤጥ ድኅሪ ተቐሚጣ ናብ ቤታ ተመልሰት (ሉቃ 1፡56) ቍሩብ ኪሎ ሜተራት ካብ ኢየሩሳሌም።

አብ ራእይ ዮሓስን ታቦተ ኪዳን አብ ሰማይ ምስ ረአያ ድሕሪኡ ካልእ ራእይ ይርኢ እዚ ኸአ ማርያም ናይ ሓዲስ ኪዳን ታቦተ ኪዳን ከምዝኾነት ዝገልጽ “ዓቢ ትእምርቲ ድማ አብ ሰማይ ተራእየ ፀሓይ ዝተወንዘፈት ወርኂ ብእግራ ዝረገጸት፥ ዓሰርተ ክልተ ኸዋኽብቲ ከም አኽሊል አብ ርእሳ ዝደፍአት ሓንቲ ሰበይቲ ተራእየት” (ራእ 12፡1)። ቀጺሉ ንሳ ወዲ ትወልድ እሞ ከምኡ ሓደ ዓቢ ገበል ነቲ ዝተወልደ ሕፃንን ነዲኡን ከጥፍእ ይደሊ ከምዝነበረ እንተ ኾነ  አምላኽ ከም ዘድሓኖም ነንብብ። እዚ ራእይ ዮሓንስ ዘመልክቶ እስራኤል አብ ብሉይ ኪዳን ንቤተ ክርስትያን አብ ሓዲስ ኪዳን ወሊዳ እቲ ገበል ከአ ሰይጣን ንቤተ ክርስትያን ከጥፍእ ዝደሊ እዩ።

ነዚ ናይ ዮሓንስ ራእይ ብዝበለጸ ክንርድኦ እንተ ኾና እታ ሰበይቲ ማርያም ታቦተ ኪዳን ናይ ሓዲስ ኪዳን እያ። ንነፍሲ ወከፍና ብመንፈስ ክንውለድ ከአ ትሕግዘና ምኽንያቱ ንሳ አደ ቤተ ክርስትያን እያ፥ ሰይጣን ከአ አብ ልዕለና ውግእ ይገብር አሎ። ገለ ሰባት እዚ ንማርያም አየመልክትን እዩ ዝብሉ አለዉ እንተ ኾነ አስተውዕል አቢልና እንተ አንበብናዮን ከምኡ ምሉእ ትሕዝትኡ እንተ ረአና ንማርያም እዩ ዘመልክት።

ወለ እኳ እቲ ጽሑፍ “ንሳ ጥንስቲ ነበረት ቅልውላው ስለ ዝሓዛ ድማ ኽትወልድ ትጸዓርን ተእውን ነበረት” (ራእ 12፡2) ዝብል እንተ ኾነ እዚ ምስቲ ኵሉ ጊዜ ድንግል (ቅድምን ድሕርን ምውላዳ) ዝብል ዓምዲ እምነት ዝጻረር አይኮነን። ምኽንያቱ አብ ካልእ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ እቲ አብ ጊዜ ወሊድ ዝመጽእ ቃንዛ ንመንፈሳዊ ስቓይ እምበር ንአካላዊ ስቓይ አየስምዕን እዩ (ሮሜ 8፡12፥ ገላ 14፡19፥ 1ጴጥ 2፡8)። ስለዚ እዚ ናይ ማርያም ቃንዛ ወይ ስቓይ አብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ነቲ አባና ከም መንፈሳዊ አደና ዘለዋ ስቓይ ንምግላጽ ዝኾነ እዩ።

አብ ራእይ 12፡17 ዘሎ ቀጺልና እንተ አንበብና “እቲ ገበል ነቶም ትእዛዝ አምላኽ ዝሕልዉን ብዛዕባ ኢየሱስ ዝምስክሩን ዝተረፉ ዘርአ ኪወግኦም ከደ” ዝብል ንርኢ። እዚ እውን ነቲ ንናይ ኵሉ ጊዜ ድንግል ዝብል ዝጻረር አይኮነን ምኽንያቱ አብ ገላ 3፡19 “ዘርኢ” ዝብል ንመንፈሳዊ ዘርኢ እዩ ዘመልክት።

ነዝን ንካልእ ብምርአይ አብ ታሪኽ ኵሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን አበውን እዛ አብ ራእይ ተጠቒሳ ዘላ ሰበይቲ ንማርያም ዝምልከት እዩ ይብሉ፥ ፍላይ ማርያም አደ ቤተ ክርስትያን። ፕዮስ X እዛ ናይ ራእይ ሰበይቲ “ብኹሉ ይፈልጥ እዩ፥ እዛ ሰበይቲ ተባሂላ ዘላ ድንግል ማርያም እያ” (Ad diem illum laetissimum 24)።

ናይ ማርያም ምድራዊ ሕይወታ ብዘይ ዝኾነ ኃጢአት ምስ ወደእት ንሰማይ ፈሊሳ ዝብል ዘመልክቶ “ናይ መወዳእታ ዓላማ ቤተ ክርስትያን መንግስተ ሰማይ ከምዝኾነ፥ ከምኡ ኩሉ ጊዜ ሓደ መዓልቲ ቤተ ክርስትያን ብምልእታ አብ ሰማይ ከም ማርያም ንጽሕትን ቅድስትን ክትከውን ንጽሊ፥ ብቅድስት ድንግል ማርያም አቢላ ድሮ ቤተ ክርስትያን አብ ምልአት ጉድለትን ድኻምን  ዘይብላ በጺሓ እያ” ይብሉ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ (Redemptoris Mater 47)።

ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ንጳውሎስ ፮ይ ዝበልዎ እናጠቐሱ “ማርያም ከም አደ ቤተ ክርስትያን አብ ሰማይ ከላ ትሕግዘና ብአና አብ ምድሪ ዘሎና ንወዳ ክንመስል ኢላ ትግደስ። እምነትና ቅድስት አደ አምላኽ ሓዳስ ሔዋን፥ አደ ቤተ ክርስትያን አደነታ አብቶም አባላት ክርስቶስ አብ ልደትን  ብመለኮታዊ ዕብየትን አብ ነፍሳት እቶም ብክርስቶስ ዝድሓኑ አብ ሰማይ ኮይና እውን ትቕጽሎ ይብሉ (Redemptoris Mater 47)።

ፍልሰታ ማርያም ዘዘኻኽረና ንሕና እውን ሕይወትና ብሰናይ ግብርን መንፈስን ሓቅን እንተ መራሕና መጻኢ ዕጫና ምዃኑ ይሕብረና ስለዚ አስር ማርያም ክንክተል ንሳን ወዳን ዝደልይዎ ሕይወት ክንሕዝ ብመንፈስ ተለዓዒልና ቅዱስ ጉዕዞ ሕይወት ንሓዝ። ቅድስና ማርያም ናይ ኩልና ቅድስና እዩ ዘርኢ እሞ ቅዱስ ሕይወት ክንለብስ መንፈስ ማርያም ንሓዝ።

ሎሚ እምብአር ንአምላኽ ነመስግን ነቲ ጸጋን ግንዖትን አብ ልዕሊ ማርያም አብ ፍልሰታ ብሥግአን ብነፍሳን ንሰማይ አብ መወዳእታ ሕይወታ ንዝጸገወ። እዚ ንአአ ዝግባእ ክብሪ እዩ ነታ ታቦተ ኪዳን ዝኾነት ንኢየሱስ ክርስቶስ አብ ዓለም ዘምጽአትልና። ንሳ ሎሚ እውን አብ ሰማይ ኮይና ምእንታና ንመንግስተ ሰማይ ዝወስድ መገዲ ሒዝና ክንጉዓዝ ኢላ ተማልደልና አላ። “. . . . . ድሕሪ እዚ ስደት እዚ ነቲ ብሩኽ ፍረ ከርስኺ ኢየሱስ አርእዩና” እናበልና ንለምና። ነዚ ንዓለምና ዘሳቒ ዘሎ ቀዛፊ ሕማም ቀንጢጡ ብሩኽ መስቀል ክበርቀልና ንወድኺ ልምንልና ንበላ።

ኦ ቅድስት ማርያም አደ አምላኽ ንአና ንኃጥአን ሕጅን ብጊዜ ሞትናን ለምንልና!

ርሑስ ብዓለ ፍልሰታ ንዅልና

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

22 August 2020, 12:39