ድለ

መስቀለ ክርስቶስ! መስቀለ ክርስቶስ! 

ኣብ ኤል ሳልቫዶር ሓለቃ ገዳም ዘርአ ክህነት ቅዱስ ሮመሮ ዝነበሩ ካህን ተቀቲሎም!

መሬት ሳልቫዶር እንተደገና ንጹህ ደም ዝፈሰላ ሃገር ትኸውን ኣላ። ናይቲ ብስም እቲ ንጹሕ ደሙ ዘፍሰሰ ቅዱስ ሮመሮ ዝተሰምየ ዘርኣክህነት ሓላፊ ኣባ ሪካርዶ ኮርተዝ ትማሊ ተቀቲሎም። ሰበኻ ዛካተኮሉካ ብዘይመጠን ከምዝሃዘነትን እዚ ከኣ መበል 40 ዓመት ሰማዕትነት ቅዱስ ኦስካር ሮመሮ ኣብ ዝዝክርሉ ብምዃኑ ሎሚ እውን ንጹህ ደም ክፈስስ ብማለት ሓዘኖም ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን

ነዚ ተግባር እዚ ዝዀነኑን ናይ ክፍኣተ ግብሪ ክፍኣተ ግብሪ መግለጺ ዘይርከቦ በደል ክብሉ ዝገለጽዎን ሰበኻ ዛካተኮሉካ ናይ ኤልሳልቫዶር እንክኸውን ኣባ ኣንቶንዮ ኮርተዝ ናይቲ ብስም ቅዱስ ኦስካር ኣርኑልፎ ሮመሮ ዝሰመይዎ ገዳም ዘርኣ ክህነት ትምህርቲ ፍልስፍና ክኾኑ ዝተመዙ ኣባል ሰባኻ ዛካተኮሉካ ምንባሮምን ብሓቂ ሕያዋይን ብኩሉ ፍትውን ከምዝነበሩ ኣመልኪቶም።

እቶም ካህን ኣብ መንገዲ ብማኪና ኪጓዓዙ እንከለው እዮም ብዝተተኮሰሎም ጥይት ዝሞቱ ዝብል ግምት ኣሎ። ከመይ ማኪናኦም ኣብ ጸግዒ መንገዲ ቈይማ ሬሳኦም ኣብኡ ተረኺቡ እቲ መርመራ ገና ይቅጽል ኣሎ።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 August 2020, 11:31