ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ማሊ፥ ቤተ ክርስቲያን ንዘተን ኣብ ዘተን ተተባብዕ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ማሊ፥ ቤተ ክርስቲያን ንዘተን ኣብ ዘተን ተተባብዕ 

ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ማሊ፥ ቤተ ክርስቲያን ንዘተን ኣብ ዘተን ተተባብዕ

ብዙሕ እዋን በገባብ ዕልዋ ዝቐውም መንግስቲ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ከአንፍትን ልሙድ ኣይኮነን፡ ስርዓት ደሞክራሲ ከሰጉምን ንቕድሚት ክብል እውን ብዙሕ ኣተራእየ ምባል ምግናን ኣይኮነን፡ ማሊ ካብ ርሑቕ ዓመታት ኣትሒዛ ኣብ ቅልውላው ጸጥታን ደሕንነት እያ ትርከብ ዘላ፡ ይኹን ደኣ እምበር ንቕድሚ ዘብል ሃዋሁ ኣይረኣይን ምባል ኣይከኣልን

ኣብ ማሊ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኣበምኔት ኣለክሳንደር ደኑ ብዛዕባ እቲ ዕለት 18 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ብሓይሊ ምክልኻል ማሊ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ኣመልኪቶም ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሊ እትደልዮን እተተባብዖን ኵላዊ ምንጽጻር ክህሉን ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዓቢይ ክብሪ ክወሃቦን እዩ፡ ስለዚህ ንዘተን ኣብ ዘተን ተተባብዕ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ በርገሳዊ ማሕበረሰብ ዘዋስእ ናይ መሰጋገሪ ፖለቲካዊ ስርዓተ መንግስቲ ኣብ ርትዓዊ እዋን ምቛም እዩ፥ ነዚ ዝበለ እቲ ብኮረነል ኣሲሚ ጎኢታ ዝምራሕ ንናይ ርእሰ ብሔር ኢብራሂም ቡባካር ካይታ መንግስቲ ዝዓለወ ወተሃደራዊ ስርዓት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፡ ማሊ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ጽንኩር ቅልውላው ኤኮኖምን ምግባረ ብልሽውናን ጅሃዳዊ መጥቃዕትታትን ሕጂ እውን ተመሊሳ ኣብ መስቀላዊ ኵነት ትርከብ ከምዘላን፡ ቤተ ክርስቲያን ማሊ ካብቲ ዅሉ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ንኽትላቐቕ የኽእል እትብሎ መገዲ ኵሉ ከምእተመላኽትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ሓይልታትን ናይ ፖለቲካ ውድባትን ከም መራኸቢ ድልድል ብምዃን ንዘተን ንማሕበራዊ ዕርቅን ሰላምን ትዓይን ተነቓቕሕ ይብሉ።

ብዙሕ እዋን በገባብ ዕልዋ ዝቐውም መንግስቲ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ከአንፍትን ልሙድ ኣይኮነን፡ ስርዓት ደሞክራሲ ከሰጉምን  ንቕድሚት ክብል እውን ብዙሕ ኣተራእየ ምባል ምግናን ኣይኮነን፡ ማሊ ካብ ርሑቕ ዓመታት ኣትሒዛ ኣብ ቅልውላው ጸጥታን ደሕንነት እያ ትርከብ ዘላ፡ ይኹን ደኣ እምበር ንቕድሚ ዘብል ሃዋሁ ኣይረኣይን ምባል ኣይከኣልን፡ እቲ ዘገድስን ርጉጽ ክኸውን ዘለዎን እቲ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ኣካልን ጉጅለን ኣብታ ሃገር ጸጥታን ደሕንነትን ኣብ ምርግጋጽ ኣበርቲዑ ከምዝዓይ እዩ፡ እዚ ሕዝቢ ዘንብሮ ተስፋ እውን እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሊ ውሁዳዊት እውን እንተኾነት ብዙሕ እዋን ዝለዓለ ተሰማዕነት ኣለዋ፡ ስለዚ እዩ ድማ ብጹዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሊ ብዝሕንጽጽዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ድዩ ብግብረ ሰናይን መደብ ሕንጸትን ኣቢሎም ሓሳባቶም ዝገልጹን ሕዝብን ሃገርን ኣብ ምሕናጽ ግዴኦም የበርክቱ፡ ቤተ ክርስቲያን ትሽምግልን ሰላማዊ መፍትሒ ክርከብ እውን ተተባብዕ፡ ንኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ትመርሕ በዚ ኣገልግሎታ’ዚ ኣቢላ እውን ኣብዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን ግዴኣ ተበርክት ኣላ ቀዳምነት ግና ብጸሎት እዩ ይብሉ።

ኣብ ማሊ ናይ ደሞክራሲ ኣምር ብዕምቆትን ብግቡእን ርዱእ ኣይመስልን፥ እዚ ኸኣ እቲ ብተደጋጋሚ ዝክሰት ዕልዋ መንግስቲ ይምስክሮ፥ ምስ በሉ፥ ካብዚ ዕንኪላሎ’ዚ ንምልቓቕን ምርግጋእ ክህሉን ስርዓት ደሞክራሲ ክሰርጽ ቤተ ክርስቲያን ተተሓሳስብን ኣምር ደሞክራስን ሰላምን ተስፍሕ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ማሊ፥ ቤተ ክርስቲያን ንዘተን ኣብ ዘተን ተተባብዕ
21 August 2020, 16:25