ለብዒ ኮቪድ - 19: ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት መልእኽቲ ለብዒ ኮቪድ - 19: ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት መልእኽቲ 

ለብዒ ኮቪድ - 19: ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት መልእኽቲ

ኣብ ላቲን ኣመሪካ ልዕሊ 200 ሺሕ ዜጋታት ብኾሮና ተህዋስ ከምእተለኽፉን ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኣብታ ክፍለ ዓለም ብዝሒ ድኻታት ክብ ክብልን ብጠቕላላ ልዕሊ 215 ሚሊዮን ክበጽሕን እዚ ኸኣ ካብ መላእ ብዙሒ ሕዝቢ ላቲን ኣመሪካ 35 ሚእታዊ ዝሽፍን ምዃ

ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ እቲ ኣብ ክፍሊ ዓለም ላቲን ኣመሪካ ንልዕሊ ክልተ ሚእቲ ሺሕ ዜጋታት ሞት ምኽንያት ዝኾነ ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ቅልውላውን ንገዛእ ርእሱ ነቲ ለብዒ ንምብዳህ ናይ መንግስታት ላቲን ኣመሪካ ናይ ሓባር ጻዕሪ ክህልዎምን ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝጸንዔ መፍትሕን ንድኻታት ፍሉይ ቆላሕታን ክገብሩን ዝላበው መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዳቪደ ዲዮኒዚ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቲ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ቅልውላው ብቕልጡፍ ንምልቓቕ ሕጹጽን ናይ ሓባር መፍትሒ የድሊ፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ኣቦ መንበር ንመላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ መንግስታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ካብቲ ጸላም ጉሕጓሕ ንምልቓቕን ንመጻኢ ንምምዕዳውን ክከኣል መታን! ቢሎም “ሕልሚ ዓባይ ክፍለ ዓለም ገና ኣዚዩ ርሑቕ ስለ ዝኾነ” ከምዝበሉ ዲዮኒዚ ኣፍሊጦም።

ዓለም ሓቆፍ ውድብ ክንክን ጥዕና ከምዝሓበሮ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ልዕሊ 200 ሺሕ ዜጋታት ብኾሮና ተህዋስ ከምእተለኽፉን ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኣብታ ክፍለ ዓለም ብዝሒ ድኻታት ክብ ክብልን ብጠቕላላ ልዕሊ 215 ሚሊዮን ክበጽሕን እዚ ኸኣ ካብ መላእ ብዙሒ ሕዝቢ ላቲን ኣመሪካ 35 ሚእታዊ ዝሽፍን ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ክንክን ጥዕና የመላኽት፡ ኣብታ ክፍለ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብትሑት መነባብሮ ዝመሓደሩን ድኻታት ኣዚዩ ከምዘተሓሳስባን ንኹሉ ዓቢይ ስግኣት ዝኾነ ዓመጽን ፍርሒ እውን ክብ ክብል ይገብር ከምዘሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘዕረግሉ ዕለተ ሰንበት “ኮቪድ - 19 ካብ ስሩ ንምጥፋእ ርኽበት ክትባት ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑን ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን ተሕዋስ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነትን ኢማዕርነትን ተነጽሎን ምጥፋእ ወሳኒ እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ኣቦ መንበር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘቃልሕዎ ዲዮኒዚ ይሕብሩ።

ህጹጽ ኣገዳስነት ክትባት ንዅሉ

ብጹዓን ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ ናይ ስነ ምርምር ማሕበረሰብ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ እቲ ዝደልይዎን ዘቅርብዎን ናይ ክትባት መድሃኒት “ርጉጽን ሰብኣዊ ፍጥረት ዘይርኣዩ ሕማማት ተባሂሎም ንዝግለጹ ካብ ኮቪድ - 19 ንላዕሊ ናይ ብዙሓት ሕይወት ዘጥፍእ ዘሎ ቅኑዕ ዘይኮነ ማሕበራውን ኤኮኖሞያውን ኢፍትሓውነት ከይዲ ዘስዕቦም ጸገማት ንምብዳህ ዝድግፍ እውን ክኸውን ተስፋ ንገብር፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ማሕበራውያን መውሃቢ ኣግልግሎት ክንክን ጥዕና ቅርጽታቱ ክሳብ ክንደይ ተኣፋፊ ምዃኑ ከምዘመላኸተን እቲ ለብዒ እግዚኣብሔር ዘውረዶ መቕዘፍቲ ዘይኮነ መዋቕራውን መሓድሮኣውን ሓጢኣት ዘስዓቦ ክኸውን ዝከኣል እዩ ቢሎም መልእኽቶም - መንግስታት ክፍለ ዓለም ላቲን ኣመሪካ ንሕዝቦም ቆላሕታ ክገብሩን ብፍላይ ከኣ ከምቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጽንኩር እዋን ከይተረፈ ከም እንትፍጽሞ ንድኻታት ሓለፋ ክብሉን ሕይወት ምክልኻል ካብ ዝብል ክብሪ ብፍላይ ናይቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎምን ዝተነጸሉን ተበጊሶም ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ማሕበራዊ ኣካሊት ዳግማይ ሕንጸት ኣበርቲዖም ክዓዩን ንሓትት እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዲዮኒዚ ኣፍሊጦ።

ለብዒ ኮቪድ - 19: ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት መልእኽቲ
26 August 2020, 16:54