2019.09.26  ብሥራተ ገብርኤል 2019.09.26 ብሥራተ ገብርኤል 

ሰንበት ዘቂርቆስ ሓምለ 19 2012 ዓ.ም. (07/26/2020)

መዝሙር፡ ጥቡዕ ልቡ ለሕፃናት . . . . . . ልቢ ሕፃን አብ ቤት ፍርዲ እንከሎ ስንድው እዩ። እቲ ሕፃን ነዲኡ ከምዚ በላ ገድልናን ምስክርነትና ክሳብ እንፍጽም ጽንዒ/ደልድሊ፥ ንገጽ አምላኽና ክንርኢ ምእንቲ ገድልናን ምስክርነትና ንፈጽም። ሕፃን ንጎይትኡ ክሳብ ክንድዚ ተጋዲለ እንታይ ዓስበይ ኢኻ እትህበኒ በሎ፥ ጎይታ ንግዝኡ ሕፃን አብ ልብኻ ዘሎ ዓስብኻ ክህበካ እየ በሎ። ሕፃን ንጎይትኡ ሥጋይ አብ ምድሪ አይትቕበሩ በሎ። ጎይታ ንሕፃን አብ መንግስተ ሰማይ አነ ፈጣሪኻን ዮሓንስ መጥምቕ እንተ
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባብ፡1ተሰሎ 2፡1-12፥ 1ጴጥ 2፡1-12፥ ግ.ሓ. 20፡1-12፥ ሉቃ 10፡ 17-24።  ምስባክ፡ ቃለ ወሀቡ ደመናት አሕፃከ ይወፅኡ፥ ቃለ ነጎድጓድከ በሠረገላት፥ አስተርአየ መባርቅቲኡ ለዓለም (መዝ. 76፡17-18)።

ሓምለ 19 ሰንበት እንተ ወዓለ ዘቂርቆስ ተባሂሉ ይፍለጥ፥ ክሳብ ዘማኅበር 10 ነሓሰ ዘሎ ኸአ ዘመብረቕ፥ ዘነጎድጓድ፥ ዘባሕር፥ ዘአፍላግ፥ ዘጠሊ ተባሂሉ ዝፍለጥ ምስ ናይ ወቕቱ አተሓሒዙ ዝተፈላለየ መዝሙራት ይዝመር።

አብዚ ናይ ሎሚ መዝሙር እነስተንትኖ አብ መንጎ አምላኽን መንጎናን ዘሎ ርክብን ኩሉ ጊዜ ብመንገዱን ብትእዛዛቱን ተመሪሕና ሕይወትና እንተ መራሕና ንጉዕዞ ቅድስና ከም ዝለበስናዮ የረጋግጸና። አምላኽ አብ ሕይወትና ቦታ ክህልዎን በቲ ንሱ ዝደልዮ ክነብር እንከሎና አብ ሰማይ ዓስቢ አሎና። ሎሚ ዝዘራእናዮ እዩ ጽባሕ አብ ሰማይ ፍሪኡ እንሓፍስ እሞ አምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ጸኒዕና ንበገስ። ምድራዊ ግብርና ስንቂ ሰማያዊ ቦታና እዩ፥ ስለዚ ሎሚ ጽድቂ ሓቂ ሒዝና እሙናት ደቂ አምላኽ ክንከውን ብምሉእ ልብና አብኡ ንመለስ ቃሉ ንስማዕ፥ ንዝወደቕናዮ ብንስሓ ደቢስና ንመገዲ ቅድስና ንተሓሓዞ።

ዝተነበና ወንጌል ሉቃስ አብ ክንዲ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ 12 ሓዋርያት ወይ እውን ነቶም 72 አርድእቲ ዝምልከት ንዝገፍሐ ተልእኮ ነፍሲ ወከፍና በብዘመና ክንገብሮ ዘሎና እዩ ዘመልክት። ኢየሱስ ን72 አርድእቲ በበክልተ ናብተን ክኸደን ዝነበሮ ከተማታት ልኢኽዎም። እዚ ቍጽሪ 72 ንአይሁድ ገፍሕን አምሳላውን ትርጉም ዝሓዘ እዩ።

  1. ቍጽሪ ናይ እቶም 72 አበው ንሙሴ ክሕግዙ አብቲ ጉዕዞ ምድሪ ተስፋ ክመርሑን ክሕብሩን ንህዝበ አምላኽ ከምሓድሩን ዝተመርጹ እዮም (ዘኁል 11፡16-24)።
  2. 72 ቍጽሪ ናይ ናይ እቶም ዝልዓለ ባይቶ አይሁድ እዩ። ነዚ ቍጽሪ እዚ ምስ እዚ አተሓሒዝና ክንርእዮ እንከሎና ሓገዝቲ ህዝቢ እስራኤል እዮም።
  3. አብ ጊዜ ኢየሱስ 72 ቍጽሪ ናይ እተን አብቲ እዋን ዝፍለጣ ዝነበራ ሃገራት እዩ ዘስምዕ። ሉቃስ ወንጌሉ ክጽሕፍ እንከሎ ንኹሎም አሕዛብ አብ ግምት አእትዩ እምነት ጎይትኡ አብ ኩሉ ክበጽሕ ከምዝግባእ ክሕብር ኢሉ እዩ።

ሉቃስ ወንጌላዊ አብዚ ክፍሊ ወንጌሉ ፍልይ ብዘበለ ብዛዕባ ሰባኺ ወንጌልን ነቲ ወንጌል ዝሰምዕን ይነግረና ማለት ሰባኺ ክገብሮን ክብሎን ክኾኖን ዘለዎ ከምኡ እቲ ንቃል አምላኽ ዝሰምዕ ከአ ሰሚዑ እንታይ ለውጢ አብ ሕይወቱ ከም ዝመጽኦ እንተ አበየ ኸአ እንታይ በረኸት ከምዝሓልፎ ይነግር።

  1. ሰባኺ ንስብከት ክብገስ እንከሎ አብ ግዙፋዊ ነገራት ከድህብ የብሉን። እትኩሮኡ አብ መልእኽቲ ወንጌል ገሩ እንታይ ክበልዕ ወይ ክሰቲ ከይበለ ንዝተላእኮ ጥራሕ እንተ ገበረ እዩ ንሓቀና ትምህርቲ ከብጽሕ ዝኽእል። አብ ሕይወት አብ ነገራት ብቐሊል ክንወድቕ ወይ ክነድህብ ንኽእል ኢና። አብ ታሪኽ እንተ ረኤና ሰባት አብዚ ዓለም ዝበለጸን ንወትሩ ከም ነበርቲ ኮይኖም ዝሓነጽዎም ወይ ዝገበርዎም ነገራት ንርኢ፥ እንተኾነ ምድራውን ዓለማውን ነገራት ንጉዕዞ መንግስተ ሰማይ ክዓጽዉና የብሎምን። ኢየሱስ ንኹሉ ሣዲግና ክንስዕቦ እዩ ዝደሊ።
  2. ልኡኽ ወንጌል አብ ተልእኮኡ አትኲሩ እምበር የማን ጸጋም  ክብል አይግብኦን። እዚ ምስቲ አብ 2ዘነ 4፡29 ኤልሳዕ ነብይ ንገሓዚ ዝሃቦ መምርሒ ይመሳሰል “ሕቜኻ ተዓጠቕ እሞ በትረይ አብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ፥ ገለ ሰብ እንተ ረኸብካ ኸአ ከመዓልካ አይትበሎ፥ ከመዓልካ እንተ በለካ እውን አይትመልሰሉ” ይብል። እዚ ንሰባት ዘይምኽባር አይኮነን እንታይ ድአ እቶም ንአምላኽ ዘገልግሉ የማን ጸጋም አየላግሱ ወይ እውን ነቲ ዓቢ ተልእክኦም ሓዲጎም አብ ነአሽቱ ነገራት አየድህቡ ማለት እዩ። እዚ ሎሚ አብዚ እዋን እውን ንሓደ ንተልእኮ ወንጌል ዝወፍር ዝውሃብ ሓደራ እዩ። ንኽልተ ጎይቶት ክተገልግል አይክአልን እዩ።
  3. ሰባኺ ወንጌል ዓስቢ ተልእክኦ ክውሃቦ እዩ፥ ስለዚ እንታይ ክበልዕ ወይ ክሰቲ ኢሉ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸደ ዝያዳ ዋሕስን ምቾትን አብ ዝህቦ ነገራት ከድህብ የብሉን። ቤተ ክርስትያን ካብ መጀመርያ ንተልእኮ ወንጌል ዝወፍሩ ክገብርዎ ዝግብኦም አብቲ “ትምህርቲ 12 ሓዋርያት” ብ100 ዓ.ም. መምርሒ አውጺአ ነራ እዚ ኸአ ብዙሓት ሓሰውቲ ነብያት በብእዋኑ ምስ ጥቕሞምን ግጉይ ትርጉምን እናሃቡ ንትምህርቲ ወንጌል ዝጥምዝዙ ስለ ዝነበሩ ክትእርም ኢላ ዘውጽአቶ መምርሒ እዩ። ገለ ካብኡ ሓደ ሰባኺ ወንጌል አብ ሓደ ገዛ አትዩ ንሰለስተ መዓልቲ ከይሰበኸ እንተ ተቐመጠ ሓሳዊ ነብይ ምዃኑ እዩ ወይ እውን ሓገዝ ገንዘብ ነቲ ዝገብሮ መንፈሳዊ ትምህርቲ እንተ ሓተተ ሓሳዊ ነብይ እዩ። ልኡኽ ወንጌል ንምቾት ዝምነ ክኸውን አይግብኦን ዝብል አልኦ።
  4. ንቃል አምላኽ ምስማዕ ዓቢ ሓላፍነት እዩ። በቲ ክንሰምዖ ዝተዋህበና ዕድል ክንፍረድ ኢና። አብ ገለ እውን ንአሽቱ ንነገራት ኽገብሩ ነፍቅድ ንዓበይቲ ግን ዘይፍቀድ። ሓላፍነት ካልእ ገጽ ናይ ግንዖት ወይ ሓለፋታት እዩ።
  5. ካብ ንዕድመ አምላኽ ምንጻግ ዝዓቢ ክፉእ ነገር የለን። አብ ሕይወትና ብዝተፈላለየ መገድን እዋንን ቃል አምላኽ ነጊሩና ክነብቅዕ ጸማም እዝኒ ክንህብ እንከሎና ካብኡ ዝዓቢ ክፉእ ነገር ክንገብር አይንኽእልን። ንቃል አምላኽ ክንሰምዕ እንከሎና እቲ ዝዓበየ ክብሪ ሰብ እዩ፥ እንተ ኾነ እቲ ኹሉ ዝነጸግናዮን ዝአበናዮን ኩሉ ሓደ መዓልቲ ከም ምስክር አንጻርና ኮይኑ ክፈርደና እዩ። እምብአር ሰማዕቲ ቃል አምላኽ ኮና በብዓቕምና ከም እንፈሪ ንኹን።

እቶም 72 ካብ ተልእክኦም ምስተ ተመልሱ በቲ ብስም ኢየሱስ ዝገብርዎ ኩሉ ተሓጒሶም ተመሊሶም። ኢየሱስ እውን “ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ረአኽዎ” ኢልዎም። እዚ አበሃህላ እዚ ክትርድኦ ከቢድ እዩ፥ ክልተ ትርጉም ክህልዎ ይክአል፡

  1. መኳንንቲ ጽልመት ክፍአትን ክስዓሩ ተራእዮም ከስምዕ ይክእል፥ ኢየሱስ ንሰይጣን ኩሉ ተልእኮኡን ከም ዝስዓር እናገለጽ ግን ናይ መወዳእታ ስዕረቱ ጌን ከምዝመጽእ ይገልጽ።
  2. ትዕቢት ንኸይ ገብሩ መጠንቀቕታ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሰይጣን ሓለቓ መላእኽቲ ዝነበረ ካብ መንግስተ ሰማይ ዝተሰጐ ብሰንኪ ትዕቢቱ እዩ። ኢየሱስ ነቶም 72 ዝብሎም ዘሎ አብ ተልእኮኹም ተዓዊትኩም ኢኹም እንተ ኾነ ካብ ትዕቢት ተጠንቀቝ ምኽንያቱ ሓለቓ መላእክቲ ብሰንኪ ትዕቢቱ እዩ ካብ ሰማይ ዝተሰጒጉ እዩ ስለዚ ንስኹም እውን መንፈሱ ከይወርሰኩም ተጠንቀቝ። ሰባት ብባህርና ሓደ ፍሉይ ዓወት እንተ ገበርና ንአምላኽ ረሲዕና አነ ዝብል መሊኹና አብ ትዕቢትን ንዕቀትን ክንወድቕ ቀሊል እዩ ስለዚ ሓለዋ ስምዒትና ርእስናን የድልየና። ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኮና ኩሉ አነ ዝገበርክዎ ጽቡቕ ብጸጋ አምላኽ እዩ ክንብል አሎና።

ኢየሱስ ነርድእቱ በቲ ዝፈጸምዎ ዕዉት ተልእኮ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ርእሰ ምትእምማን ገሮም ነቲ አምላኽ ዝሃቦም ሓገዝ ከይዝንግዑ አጠንቂቕዎም እዩ። ብርግጽ ዓበይቲ ነገራት ገሮም እዮም እንተ ኾነ እቲ ዝዓበየ ክብሪ አስማቶም አብ መንግስተ ሰማይ ብምጽሓፉ እዩ። በብኽልተ ልኢኽዎም እዚ ኸአ ስብከተ ወንጌል ናይ ሓባርን ተሓጋጊዝካ ዝግበር ከምዝኾነ ክነግረልና ኢሉ እዩ። ስብከተ ወንጌል ናይ ግሊ ጉዳይ አይኮነን ናይ ሓባር እዩ። ኩልና ብጸጋ ጥምቀት አብ ሓደ ግራት ክንወፍር ዝተሓረና ኢና ስለዚ ንዝደኸመ አጆኻ እናበልና ንዝዘንግዐ እና አዘኻኸርን ንቅድሚት ክንርኢ ይግብአና። አብ ጉዕዞ ዝደኽሙ ዝዝንግዑ ክርከቡ እዮም በዚ ተስፋ ከይቆረጽና አስር መምህርና ንጉዓዝ።

እዚ ሎሚ እውን አባና ሓቂ አለዎ እቲ ዝበለጸ ክብሪ አብቲ እንታይ ከም ዝገበርና ዘይኮነ አብቲ አምላኽ ዝገበረልና እዩ ክኸውን ዘለዎ። ሰባት አብ ሕይወትና ዝገበርናዮ ዓቢ ፍጻሜ የሓጉሰና እዩ፥ እንተ ኾነ እቲ ዝዓበየ ዓወት ኩሉ ዘሎና አምላኽ ክንረክብ እሞ ብአይ ገሩ ዝገበሮ አለሊና ክንክእል እንከሎና እቲ ዝዓበየ ዓወት እዩ። ብዙሓት ብዝገበርዎ ዓበይቲ ነገራት ክምለኹ ልዕሊ ኩሉ ክርአዩ እዮም ዝደልዩ፥ ሕሉፍ ሓሊፉ ቦታ አምላኽ ክሕዙ ዝፍትኑ አለዉ እዚ ግን ንዓለምና አብ ጸላምን ጥፍአትን እዩ ዝወስዳ። ሰባት ነቲ ብአና ገሩ ዝተገብረ ግብሪ አምላኽ ክንርኢ እንተ ኸአልና ሽዑ ሰላም ፍቕሪን ሓጎስን አብ መንጎና ይሰፍን። ግብሪ አምላኽ ርእዩ ዝኽአለ አይጠፍእን እዩ።

ትዕቢት መን ከማይ አፍደገ ሰማይ ይዓጽወልና። ትሕትና ግን አብ መንግስተ ሰማይ ዘብጽሕ እዩ። ሎሚ ኢየሱስ አብዛ እንነብራ ዘሎና ዓለም ነፍሲ ወከፍና ክንልአኾ ይደልየና አሎ። መልእክቲ አምላኽ አብ ልቢ ሰባት ክበጽሕ እሞ ሕይወት ሰባት ክቕየር አምላኽ ይሓተና አሎ። ንልኡኻት አምላኽ ክንሰምዕ ሰሚዕና ክነፍሪ እዩ እቲ ጸዋዕታ። እሞ ንመልእኽቲ አምላኽ እሰምዕ ዘሎኹ ኢልና ምስ ሕልናና ክንዛረብ እዋኑ እዩ።

አብ መወዳእታ ሰለስተ ነገራት ክንርኢ ንኽእል፡

  1. ፍልጠት ትሕትና። ትሑት አእምሮ ንሓቂ ካብቶም ምሁራት ፈላጣት ኢና ዝብሉ ብዝያዳ ክቕበልን ክርዳእን ይክአል። ሓደ ዓቢ ጸሓፋይ ከም ዝበሎ “እታ እንኮን ዝበለጸትን ዓቢይ መጽሓፍ ክትጽሕፍ እተድሊ እንተ ኾንካ ከም ዓይኒ ሕፃን ንነገራት ንመጀመርያ ዝርእዮም ገርካ እንተ ረአኻ እዩ” ይብል፥ እዚ ማለት ከአ ንነገራት ብግሩህን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ከምቲ ዝሕብሩኻ ገርካ ምርአዮም ማለት እዩ። አብ ሕይወት ብዘይመጠን ትኩራትን በላሕትን ክንከውን ይክአል እዩ፥ ብዘይመጠን ምሁራት ክንከውን ንኽእል ኢና አብ መጨረሻ ግን አብ ኦም ዘሎ ጉንዲ ዘይንርኢ ክንከውን ይክአል። ሓደ ዓቢ ሰብ ከምዝበሎ ናይ ሓደ ዓቢ ምሁር ከምዝኾነ መረጋገጺ ክሳብ ክንደይ ንሱ ወይ ንሳ ክርስዕ/ክትርስዕ ከም ዝኽእል እዩ ይብል። ክርስትያን ንኹሉ ናይ ሓዲስ ኪዳን ሓሳባት ምፍላጥ ወይ ትሑት አፍልጦ ትምህርተ መለኮትን ብዛዕባ ክርስቶስን አይኮነን። ክርስትና ብዛዕባ ክርስቶስ ምፍላጥ አይኮነን እንታይ ድአ ንክርስቶስ ምፍላጥ እዚ ኸአ ብምድራዊ ፍልጠት ተደሪኽካ ዘይኮነ ብሰማያዊ ጸጋ ዝርከብ እዩ።
  2. ፍሉይ ርክብ ኢየሱስን ሰማያዊ አብኡን አብ ሉቃስ 10፡22። እዚ ምስቲ አብ ዮሓ 1፡14 “ቃል ሥጋ ኮነ” ዝብል ትርጉም አተሓሒዝና ክንርእዮ ንኽእል። ከምኡ “አነን አቦን ሓደ ኢና” ወይ “ንአይ ዝርአየ ነቦ ረአየ” (ዮሓ 10፡30፥ 14፡9) ዝብል ኢየሱስ ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ኮይኑ ፍጹም አምላኽን ሰብን ከምዝኾነ ባዕሉ ይነግረና። አብ ፍልስፍና ግሪኻውያን አምላኽ አይፍለጥን እዩ፥ አብ መንጎ ግዙፍ ነገርን መንፈስን ዓቢ ፍልልይ አሎ ከምኡ አብ መንጎ ሰብን አምላኽን። ንአምላኽ ክትፈልጦ አይክአልን እዩ ስለዚ ብዛዕብኡ ክትዛረብ አይክአልን እዩ ይብሉ። እንተ ኾነ ኢየሱስ ምስ መጸ ንአምላኽዶ ክትፈልጡ ትደልዩ ንአይ ርአዩ ኢልና። ኢየሱስ ነቶም ሰማዕቱ ብዙሕ ንአምላኽ ከርእዮም ኢሉ ዝገበሮ የለን ምኽንያቱ ንሱ ባዕሉ አምላኽ እዩ።
  3. ኢየሱስ ንሱ ናይ ኩሉ ታሪኽ ፍጻሜ ከምዝኾነ (ሉቃስ 10፡23-24)። ቀጺሉ ንሱ እቶም ክሎም ነብያት ብዛዕብኡ ዝተነበዩ ኩሎም ቅዱሳንን ነገስታትን ክርእይዎ ዝተመነዩ ምዃኑ አግሂዱ ነጊርዎም። ኢየሱስ እቲ ዝለዓለ ጥርዚ ታሪኽ ኮይኑ አብኡ እቲ ዝለዓለ ትርጉም ምስጢር ፍጡር፥ ፍጻሜ ናይ ኩሉ ፍልጠት ምዕባሌን፥ ከምኡ ምልአት ወዲ ሰብ እዩ።

ክብሪ ሰብ ምስ አምላኽ ዝለዓለ ርክብ ክህልወና እንከሎ ጥራሕ እዩ። ክንቀርቦ ከሎና ከምቲ ንሱ ዘፍቅረና ክነፍቅር ይልእኸና፥ ነቲ ንሱ ዘርአየና አብ አሕዋትና ክነርእዮ ይልእከና። ብርግጽ ልኡኽ አምላኽ ዝተፈላለየ ፈተናን ዕንቅፋትን ይወርዶ እዩ፥ ግን ተዓንቂፉ መልእኽቱ ከየብጽሕ ንዝዕንቅፎ አለልዩ አብ አምላኽ ክምለስ ይግብኦ።

አምላኽ ሎሚ ብፍላይ አብዚ ዓለምና በዚ ወሪዱ ዘሎ ለበዳ ሕማም አብ እትሳቐየሉ ዘላ እዋን እሙናት ልኡኻት ዘጸናንዑ ዘጸልዩ ዝሰብኩ የድልይዎ አለዉ። መን ይልአኸና ይኸውን ይብል አሎ አምላኽ ስለዚ እነኹ አነ ንበል ከም ኢሳያስ ነብይ። አብ አምላኽ ምሉእ እምነት ገርካ ዝእቶ ሕይወት ክንለብስ ሎሚ ፍቓደኛታት ንኹን።

እምብአር በዚ ብሩክ ሰንበት አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ልኡኻቱ ኮና ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ ክንልአኾ ይጽውዓና አሎ። ሰማዕትን አስማዕትን ቃሉ ኮና ዓለምና ቦታ ሰላምን ሓጎስን ክትኮነልና ኩልና ሓደ መልእኽቲ ክነብጽሕ ብጸግኡ ይሓግዘና።

ማርያም አደና ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ትብለና አላ እሞ ዝሰምዕ እዝንን ልብን ሒዝና ንፈቃር አምላኽ ጽን ንበሎ ሽዑ እነብጽሖ መልእኽቲ ገሊኡ 30፥ 60፥ 100 ክነፍሪ ኢና ነዚ ኸአ የብቅዓና።

ብሩክ ሰንበት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

·        

·        

·        

25 July 2020, 23:21