2019.06.15 ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ 2019.06.15 ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ  

ብዓለ ቅድስት ሥላሴ 7 ሓምለ 2022 ዓ.ም. (7/14/2020)

“አዐትብ ወእትነሣእ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ሠለስተ አስማት ነሢእየ እትመረጎዝ እመኒ ወደቁ እትነሣእ ወእመኒ ሖርኩ ውስተ ጽልመት እግዚአብሔር ያበርህ ሊተ በእግዚአብሔር ተወከልኩ”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  2ቆሮ 13፡11-13፥ 1ዮሓ 4፡11-ፍ፥ ግ.ሓ. 11፡11-19፥ ዮሓ 3፡16-18    ስብከት፡1. ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልዐ ምድረ፥ ወበቃለ እግዚአብሔር ጸንዓ ሰማያት፥  ወእምእስትንፋስ አፉሁ ኵሉ ኃይሎሙ። መዝ. 32፡2~6። 2. ወሐሠሥኩ ገጸከ ገጸ ዚአከ አሐሥሥ እግዚኦ ወኢትሚጥ ገጸከ እምኔየ። መዝ. 28:8-9 

ብዓል ቅድስ ስላሴ ዘኪርና ነብዕል አሎና። ዓምደ እምነት ቅ. ስላሴ ምስጢር ንኹሉ ናይ ቍጽርን ካልእ መለክዓዊ ጥበባትና ክበጽሖ ዘይኽእል እዩ። ምስጢር ስላሴ ክንአምኖ ጥራሕ እዩ ዘሎና ምኽንያቱ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለ ዝኾነ።

ስላሴ ዝብል ቃል አብ ቅዱስ መጽሓፍ ተጠቒሱ አይንረኽቦን ግን ብአምሳልን ብቐጥታ ዘይኮነ ተገሊጹ ንረኽቦ። አብ ዘፍ 1፡26 አምላኽ “ብአርአያናን አምሳልን ሰብ ንፍጠር” ኢሉ አብ ውሽጡ ክዛረብ እንከሎ ነንብብ። ሊቃውንቲ ቅ. መጽሓፍ እዚ ካብ ብሓደ ንላዕሊ ዝዛረብ ቃል ነቲ አብ መንጎ ስላሴ ዘሎ ርክብን አብ አምላኽ ሰለስተ አካላት ከምዘለዉ ዝሕብር እዩ ይብሉ። አብ ሥላሴ ሰብ አብ ምፍጣር ሰለስቲኦም ብማዕረ ተሳቲፎም። አብዚ አምላኽ ምስ መላእኽቲ አይ ኮነን ዝዛረብ ዘሎ ምኽንያቱ ከምኡ ሓደ ባህሪ የብሎምን ክፈጥሩ ኸአ አይ ክእሉን እዮም። ስለዚ አምላኽ አብ ውሽጡ ሓደ ባህሪ ምስ ዘለዎም እዩ ዝዛረብ ዘሎ። አብ ዘፍ 3፡22 ዘሎ እውን እንተ አንበብና “እንሆ አዳም ከም ሓደ ኻባና ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኮነ” ይብል እዚ ኸአ አብ አምላኽ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝኾኑ አካላት ከም ዘለዉ ዝሕብር እዩ። አብ ዘፍ 11፡7 ከአ “ንሓድሕዶም ምእንቲ ከይሰማምዑ ንዑ ንውረድ እሞ ቋንቋኦም ነደባልቕ” በለ ዝብል ነንብብ። አብ ኢሳ 6፡8 “ንመን ክልእኽ መንከ ኪኸደልና እዩ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ” እናበለ አብ አምላኽ ዘሎ ሰለስትነት ይገልጽ።

አብ ሓዲስ ኪዳን ኢየሱስ ምስ ተስጠምቀ እግዚአብሔር አብ ብቃሉ እግዚአብሔር ወልድ ብአካሉ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ከአ ብአምሳል ርግቢት ተራእየ። ድሕሪ ዕርገቱ ብንጹር ክልእኮም እንከሎ “አብ ኵሉ ዓለም ከድኩም ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን አጠምቕዎም ኢሉ” (ማቴ 28፡19) ከም ዝበሎም ነንብብ። ኢየሱስ አብ ትምህርቱ ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ አቦን መንፈስ ቅዱስን ክዛረብ ንሰምዖ እዚ ኸአ ብዛዕባ ስላሴ እዩ ዝዛረብ።

ዓምዲ እምነት ቅድስት ሥላሴ አብ ታሪኽ ድሕነትና ተገሊጹ ንርከቦ። እግዚአብሔር ንርእሱ ከም ፈጣሪ ኽግለጸና እንከሎ ከም አቦ እዩ ተገሊጹ። ንሱ ሰብ ክበጽሖ ዘይክእል ብዘይመጠን ዘርዕድን ዘፍርሕን እዩ። ብኻልእ ንሰብ አብኡ ከቕርብ ኢሉ ከም ውሉድ ኮይኑ አብ መስቀል ተሰቕሊ አድኂኑ ቀሪብዎ። ትስብእት ወልድ ምስ አምላኽ ሓድነት ከም እንረክብን ደቁ ከም እንኸውን ገሩና። አምላኽ ምስ ሰብ ድልድሉን ቀጻልን ርክብ ክገብር ኢሉ ንርእሱ ከም መንፈስ ቅዱስ ቀዳስ ንኹሎም ብክርስቶስ ንዝደኃኑ ተገሊጹ። ስለዚ መንፈስ ቅዱስ አብ ልቢ ሰባት ዘሎ አምላኽ እዩ።

ወልእኳ ስላሴ ነፍሲወከፎም በብናቶም ዝግለጹሉ ይሃልዎም ነፍሲወከፎም አብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ተግባር ይሳተፉ እዮም። እዚ ማለት ከአ አብ ስላሴ አብ ናይ ነፍሲ ወከፎም ስርሕ እቶም ክልተ ኸአ አብኡ አለዉ። ንአብነት ንወልድ ዘኪርና ክነብዕል እንከሎና አብን መንፈስ ቅዱስን እውን ይባዓሉ አለዉ። አብ መጽሓፍ ምሳሌ 8፡22-31፥ አብ ሮሜ 5፡1-5, ዮሓ 16:12-15 ነዚ ዝገልጽ ንረክብ።

አብ ሓዲስ መዝገብ እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከአ “መለኮታዊ አካላት አብ ነነድሕዶም ዝምድናዊ ርክብ አለዎም፥ እቲ ናይ አካልት ርኡይ ዝኾነ ሓደ ካብ ሓደ ምፍላይ አብቲ ነንሓድሕዶም ዘራኽቦም ዝምድና እዩ ዘሎ ከመይሲ ነቲ መለኮታዊ ሓድነት አይመቓቕሎን እዩ. . . . . ብምኽንያት እቲ ሓድነት እቲ አቦ ብምልአት አብ ወልድ አሎ ብምልአት ከአ አብ መንፈስ ቅዱስ አሎ. . . (ቍ 255) ብዝብል ተገሊጹ ንረኽቦ።

ቤተ ክርስትያን ብ325 አብ ንቅያ ዓቢ ጉባኤ ገራ፥ አብቲ ጉባኤ አርዮስን ስዓብቱን ብዝነበሮም ግጉይ ትምህርቲ እምነት ተወጊዞም። አርዮስ ክርስቶስ ምሉእ አምላኽ አይ ኮነን ብዝኾነ መምዘኒ ማዕረ አቦ አይ ኮነን እናበለ አስተምሂሩ። አበው አብ ጉባኤ ንቅያ ዶግማዊ ትምህርቲ ብዛዓባ ቅ. ሥላሴ አዊጆም። ብጸሎተ ሃይማኖት ዝፍለጥ ትምህርቶም አብ ሰንበትን ብዓላትን ይድገም፥ ካብዚ ጉባኤ ንድሓር አብ ቅድስ ሥላሴ ዘሎ እምነት እናበርሀን ዓበየን ከይዱ።

ምስጢረ ስላሴ አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ዓቢ ጥቅሚ አልኦ ምኽንያቱ መንጪ እምነታ ስለ ዝኾነ። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ቤተ ክርስትያን ካብ መጀመርያ ካብ ስላሴ እዩ ምንጫ አብ ስላሴ እዪ ኸአ መወዳእታአ። ብኻልእ አዘራርባ ቤተ ክርስትያን ካብ ሥላሴ እያ ጀሚራ ክንብል ከሎና ብአምሳል ስላሴ እያ ቆይማ አብ ስላሴ ክትምለስ ከአ እዩ መወዳእታአ። አብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ከም እንርእዮ አብ ክንዲ ናይ ስላሴ ጥቅሚ አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ናይ አምላክ ርእዩ መጋበሪ ድኅነት ዝኾነ ክንርዳእን ክንፈልጥን እነተኩር መብዝሕትኡ ጊዜ አብቲ አብ መንጎ ሥላሴ ዘሎ ርክብን አብ ድሕነትና ዝተጻወትዎ ተራን ክነጽንዕ ኮይኑ አትኩሮና።

ከም ኩሉ ምስጢራት ናይ ሥላሴ ምስጢር ሓቂ ኮይኑ ብኣእምሮ ደቂ ሰብ ክብጻሕ ዘይክአል እዩ። ሓቅነት ብዓይኒ እምነት እዩ ዝብጻሕ እምበር ብግዙፋዊ ዓይኒ ዝብጻሕ አይ ኮነን። አብ መንግስተ ሰማይ ንአምላኽ ገጽ ንገጽ ክንርእዮ ኢና ሽዑ ዓሚቕ ምስጢር አምላኽ ክንርዳእ ክንክእል ኢና ክሳብ ሽዑ ግን ክንርድኦን ክንበጽሖን አይንኽእልን ኢና። አብ መንግስተ ሰማይ ገጽ ንገጽ ክንርእዮ ስለ ዝኾና ሽዑ እምነትን ተስፋን አየድልየናን እዩ። ቤተ ክርስትያን እምብአር አብዚ ምድራዊ ሕይወትና አብ መንግስተ ሰማይ ገጽና ክንመርሖ ነቲ ክመጽእ ዘለዎ ብዓይኒ እምነት ርኢና ቅዱስ ሕይወት አብ ቅድሚ ሥላሴ ክንመርሕ ትላበወና።

ብዓለ ስላሴ ፍሉይ መልእኽቲ አልኦ፡

·         ሓድነት። ሓድነት ስላሴ ቀንድን ልዕሊ ኹሉን እዩ። አብ መንግኦም ዘሎ ሓድነት መንጪ ሓድነትና እዩ። ሰባት ብሓደ አምላኽ ተፈጢርና አብ ቅድሚኡ ብሓደ እና እንርአ። አብ መንጎና ዝርከብ ፍልልይን ሓደ ዘይምዃንን ባዕልና ዝፈጠርናዮ ፍረ ኃጢአት እዩ፥ ስለዚ ሎሚ አብ መንጎና ከም ስድራ ከም ቤተ ክርስትያን ከም ሕብረተ ሰብ ሓድነት ክህልወና ይግባእ። ሓድነትና ካብ ፍቕሪ ዝተላዕለ ክኸውን አለዎ። አብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ሓድነት ክህልወና እንከሎ ክንምሓር ወይ ክንሓድግ አይከጸግመናን እዩ።

·         ሓድነትና አብቲ ንኻልኦት አብ እንረእዮ ርክብ ክግለጽ ይግባእ። አብዚ ምስቶም ምስኦም ብእምነት ሓድነት ዘይብልና እውን ክነርእዮ ይግባእ። አምላኽ ከም ምንጪ ሕይወትና ገርና ንኹሉ ብሓደ ዓይኒ ክንርኢ አሎና እዚ ብፍላይ ብሃገርን ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ክንርእዮ ከሎና እዩ። ኩልና ብአምላኽ ዝተፈጠርና፥ ዝድኃናን ዝተቐደስናን ኢና።

·         ሓድነትና ንናይ ነፍሲ ወከፍና መንነት ወይ ፍልዩነት አይጥፍኦን እዩ። ነፍሲ ወከፍና አብ ቅድሚ አምላኽ ፍሉያት ዝገብረና አሎና። እዚ አብ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ነገር አብ ቤተ ክርስትያን ዝርአ ይግለጽ። ግን ወላ እኳ ፍሉይ ዝኾነ ነገር ይሃልወና ሓደ ኢና። ሓደ ዝኾና ህዝቢ ኢና ግን ንስሙ ብሓደ ዘሎና አይኮናን። ንዕብየት መንግስቲ አምላኽ ብሓደ ክንዓዪ አሎና። አብ ስላሴ ወላ ሓደ አብ ልዕሊ ሓደ ዝብለጽ የለን ንሕና ኸአ ከምኡ ክንከውን እዩ ዝድለ። ፍልልያትና ብዘየገድስ ብስምምዕ ክነብር አሎና። አብ መንጎና ብዝኾነ ምኽንያት ትሒቶም ንዝርአዩ ከይንገፍዕ ጥንቃቐ የድልየና።

ብዓለ ሥላሴ አብ መንጎና ፍቕሪ ክነዕብን ምክብባር ክህልወና ክንጽዕር የዘኻክር። ንዝጎደለ እናመላእና ንጽቡቕ ነገር እናመጎስና ንቅድሚት ክንጉዓዝ አሎና፥ ብሓድነትን ምርድዳእን ክነብር ከሎና ጥራሕ ኢና ዕብየት ስም አምላኽ አብ ኩሉ ዓለም ከምዝፍለጥ እንገብር።

ዕብየት ናይ እዚ ብዓል እምብአር አብቲ “ብአርአይን አምሳልን አምላኽ ኢና ተፈጢርና” ዝብል ዘሎና ርድኢትን አፍልጦን እዩ ምኽንያቱ መጠን ንአምላኽ ዝተረዳእናዮ መጠኑ ንርእስና ክንርዳእ ኢና። አምሳል ስላሴ ማለት ብሓባርን ምርድዳእን ምንባር ማለት እዩ። ከም ሰባት ዝተፈላለየ ጠባያትን ርድኢትን አሎና ስለዚ ነዚ ዝፈላሊ ነገራት ከም መፈላለዪ ዘይኮነስ ከም ህያብ ርኢና አብ ሓድነትና ከም መጋበሪ ክንጥቀመሉ ይግብአና። John Donne ሰብ ምስ ካልኦት ዘለዎ ሓድነት ክገልጽ እንከሎ “ምሉእ ሕይወቱ ንበይኑ ከም ደስየት ዝነብር የለን፥ ዝኾነ ሰብ ክፍሊ ናይ ዓለም እዩ. . . ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሞት ሃጓፍ ይፈጥረለይ ምኽንያቱ ምስኡ ዘራኽብ አሎኒ ስለዚ ናይ ጉዳእት ደውል አይትልአኽ ምኽንያቱ ንአይ እውን ትትንክፈኒ እያ” ይብል።

ሰባት ብሓባር ክንሰርሕ እንከሎና ኢና ዝዓበየ አበርክቶ እንገብር፥ ብዝያዳ አብ መንፈሳዊ ዕብየትን ርድኢትን። ካብ ክንፈላለ ክንሰምር ክንውሃሃድን እንከሎና ኢና ዝያዳ ፍቕርን ሓድነትን ክነዕቢ እንኽእል። ስላሴ አርአያ ሕይወትና ገርና ክነብር እንተ ኸአልና ዓለምና አብ ዝበለጸ ሃዋህው ክትበጽሕ ትኽእል።

ንሓድነት ዝዓበየ ዕንቅፋት ንአይ ይጥዓመኒ ክንብል ከሎና እዩ (ፊሊጵ 2፡4)። ንአይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ክነጥፍእ ምስ እንጽዕር መጠኑ ምስ ካኦት ዘሎና ርክብ አብ ዝበለጸን ዝሓሸን ክንአቱ ኢና። ብሓደ ዝንአሰን ዝዓበየን አጣሚርና ክንዓዪ ከሎና ዓለምና ሰላም ፍቕርን ክነግሳ እዩ።

ኦ ቅድስት ሥላሴ ብፍቕሪ ዝፈጠርክሙና ብፍቕሪ ክነብር ነቲ ዘይሕለል ጸጋኹም አፍስሱስልና። ብአምሳልኩም ዝተፈጠርና መልክዕና ከይንቕይር ሎሚ እውን ምሳና ኩኑ ኢልና ንለምኖም።

ርሑስ ብዓል ቅ. ሥላሴ

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

13 July 2020, 11:48