ድለ

ብጹዓን ጳጳሳት ፊሊፒንስ፥ ናይ ሃገሮም መንግስቲ ዘጽደቖ ናይ ጸረ ሽበራ ሕጊ ከምዘተሓሳሰቦም ብጹዓን ጳጳሳት ፊሊፒንስ፥ ናይ ሃገሮም መንግስቲ ዘጽደቖ ናይ ጸረ ሽበራ ሕጊ ከምዘተሓሳሰቦም 

ብጹዓን ጳጳሳት ፊሊፒንስ፥ ናይ ሃገሮም መንግስቲ ዘጽደቖ ናይ ጸረ ሽበራ ሕጊ ከምዘተሓሳሰቦም

መንግስቲ ዘቖሞ “ቤት ምኽሪ ጸረ ሽበራ” ኣብ ስርዓት ደሞክራሲ ዘሎ ናይ ስልጣን ምክፍፋል ዝጥሕስን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብቐሊሉ ክገሃስ ዝድርኽን እቲ ቤት ምኽር ንዝደለዮ ከእስርን ንፍርዲ ከቕርብን ደረት ኣልቦ ዝኾነ ስልጣን ክህልዎ ዝገብር ብምዃኑ ብቐሊሉ ዜጋታት ብሓሶት ክእሰሩን ንዝተፈላለየ ሓደጋ እውን ክቃልዑ ዝገብር ኮይኑ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ሕጊ ክዕምጹ እውን ዕድል ዝፈጥረሎም ከምዝኾ

ናይ ሃገረ ፊሊፒንስ መንግስቲ ዘጽደቖ ሓድሽ ናይ ጸረ ሽበራ ሕጊ ንብዙሕ ዓመጽ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ቦሮንጋን ጳጳስ ብጹዕ ኣብነ ቫርከዝን ናይ ዝተፈላለያ ካልኦት ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ናይ ዝተፈላለያ በርገሳውያን ማሕበራት መራሕትን ቅሬታኦም የስምዑ ከምዘለዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 3 ሓምለ 2020 ዓ.ም. እቲ ብርእሰ ብሔር ሮድሪጎ ዱተርተ ዝምራሕ ናይ ፊሊፒንስ መንግስቲ ዘጽደቖ ሓድሽ ናይ ጸረ ሽበራ ሕጊ ናይ ዜጋታት ናጽነት ንሓደጋ ከቃልዕ ዝኽእል ደረት ኣልቦ መዝነት ንፈጻሚ ኣካልን ንሓይሊ ጸጥታን ዘህብ እዩ ብምባል ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ዝተፈላለያ ገዳማትን መንፈሳውያን ማሕበራትን ማሕበራት ወንጌላውያን ልኡካንን ዝተደገፈ ዝቐርብ ዘሎ ነቲ ሕጊ ናይ ምቅዋም ተበግሶታት ብዙሓት ተቐቢሎምን ናቶም እውን ገይሮምን የቃልሕዎ ከምዘለዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዘንጋሪኒ ሓቢረን፥ ናይታ ሃገር ላዕለዋይ ወሳኒ ቤት ፍርዲ ነቲ ሕጊ ውድቂ ክብሎ ጻውዒት ይቐርብ ከምዘሎን ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት እቲ ሕጊ ጸረ ደሞክራሲ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ኣፍሊጠን።

ኣብ ጐድኒ ድኻታትን ውጹዓትን

ናይ ፊሊፒንስ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣገልግሎት ዜና፥ ናይ ፊሊፒንስ ብጹዓን ጳጳሳት፡ ኣባላት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብናይ ሓባር ድላይ መንፈስን ናይ ሃገር ቅዋም መሰረት መንግስቲ ዘጽደቖ ሓድሽ ናይ ጸረ ሽበራ ሕጊ ዝነቅፍን ዝቃወምን ዝቕርብ ዘሎ ናይ ሕዝቢ ሕቶ ብቑዕን ግቡእን መልሲ ክህበሉ ንሓትት - ቢሎም - ካህናትን ገዳማውያንን ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ኣብ ጎድኒ ድኻታትን ውጹዓት ክኾኑ ንላበው” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ዘቖሞ “ቤት ምኽሪ ጸረ ሽበራ” ኣብ ስርዓት ደሞክራሲ ዘሎ ናይ ስልጣን ምክፍፋል ዝጥሕስን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብቐሊሉ ክገሃስ ዝድርኽን እቲ ቤት ምኽር ንዝደለዮ ከእስርን ንፍርዲ ከቕርብን ደረት ኣልቦ ዝኾነ ስልጣን ክህልዎ ዝገብር ብምዃኑ ብቐሊሉ ዜጋታት ብሓሶት ክእሰሩን ንዝተፈላለየ ሓደጋ እውን ክቃልዑ ዝገብር ኮይኑ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ሕጊ ክዕምጹ እውን ዕድል ዝፈጥረሎም ከምዝኾነ ዝተፈላለዩ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሓለቕቲ በርገሳውያን ማሕበራትን ናይ ሃይማኖትን መራሕትን ልኡካነ ወንጌልን ገሊጾም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ሕጊ ጸረ ደሞክራስን ጸረ ቀዋም ሃገርን ምዃኑ ኣስተውዒሉ ውድቂ ክብሎ ጻውዒት የቕርቡ ከምዘለዉ ናይ ፊሊፒንስ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣገልግሎት ዜና ከምዘፍለጠ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

ናይ ሰብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምክልኻልን ምኽባርን

ገዳማውያንን ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ጳጳሳትን እቲ መንግስቲ ዘጽደቖ ሓድሽ ናይ ጸረ ሽበራ ሕግን ነቲ ሕጊ ዝትግብር ቤት ምኽሪ ጸረ ሽበራን “ብመንጽር እምነት ሰብኣዊ ሕልና ክቕበሎ ዘይከኣሎን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰልን ክብርን ዝግህስ ብምዃኑ፡  ሕዝቢ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19ን ሳዕቤናቱን ኣብ ዝቃለሰሉ ዘሎ እዋን ከምዚ ዓይነት ሕድሽ ሕጊ መንግስቲ ከቕርበሉን ከጽድቕን ኣድላይነቱ ካበይን ስለምንታይን ከምዝኾነ ንኽትርድኦ ዘጸግም እዩ፡ ስለዚህ ናይ ሕዝቢ ዝተፈላለየ ጸገመን ድኽነትን መሰረታዊ መፍትሒ ክረክብ ምድጋፍ እምበር ጸረ ሽበራ ዝብል ሕጊ ብምቕራብ ናብ ዝገደደን ዝተሓላለኸን ዕለታዊ ሕይወት ንኸብል ምግባር ኢፍትሓውን ኢሰብኣውን እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበራ ዘንጋሪኒ ኣስዒበን ናይ ኦሮንጋን ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሪስፒን ቫርከዝ፥ ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ቅሬታ ናቶም ገይሮም፥ “ናይ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምክልኻልን ምኽባርን እምበር ነቲ እግዚኣብሔር ንብጻይካ ኣፍቅር ዝብል ሕጊ ዝግህስ ሕግታት እናቕረብካ ንናይ ሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ ብዝብል ምስምስ ንዝተደራረበ ጸገም ምቅላዕ ጸረ ሰብኣዊ ፍጥረትን ጸረ ዶሞክራስን እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጠን። 

ብጹዓን ጳጳሳት ፊሊፒንስ፥ ናይ ሃገሮም መንግስቲ ዘጽደቖ ናይ ጸረ ሽበራ ሕጊ ከምዘተሓሳሰቦም
10 July 2020, 20:11