2020.07.22 23 ሓምለ ስለግዳያት ለበዳ ኮቪድ 19 ንጸሊ 2020.07.22 23 ሓምለ ስለግዳያት ለበዳ ኮቪድ 19 ንጸሊ 

ስለግዳያት ለበዳ ኮቪድ 19 ንምጽላይ ዝቀረበ ዕድመ!

ሎሚ ሓሙስ 23 ሓምለ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንትን ሰብጽቡቅ ድላይን ስለ ግዳያት ለበዳ ኮቪድ 19 ከምኡ እውን ስለ ግዳያት ምጥፋእ ፍትሒ ብሓባር ብመስመር መራኸቢ ብዙሃን ጸሎት ክግበር ስለዝኾነ ኩሎም ኪሳተፉ ይጽውዑ።

ዜና ቫቲካን!

እቲ ንዓለም ምሉእ ዘንቀጥቀጠ ኣብ ልዕሊ ሓደ ጸሊም ኣመሪካዊ ዝወረደ ዓመጽን እታ ‘ከስተንፍስ ኣይክእልን’ እትብል ሓረግ እተመሓላልፎ መልእኽቲ ብዝተዓጻጸመ መንገዲ እቶም ብኮቪድ 19 ኮረና ቫይሩስ ተታሒዞም ብኩሉ ተዓቢሶም ከስተንፍስ ኣይክእልን ሓግዙኒ ንእትብል ስለእተዘኻኽር መራሕቲ እምነታት ምናዳ ኸኣ ኣሕሉቅ ገዳማትን ዝተፈላለያ ማሕበራትን ብሓባር ስለ ግዳያት ለበዳ ኮቪድ 19 ከምኡ እውን ከም ጉዳይ ናይቲ ጸሊም ኣመሪኣካዊ ፍትሒ ብምጉዳል ዝፍጸም ዕፈና ንክውገድ ኩልና ብሓባር ንጸሊ ብማለት ይጽውዑ።

ነዚ ተበግሶ እዚ ዝወሰዱ ዓለም ለኸ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቅ ገዳማት ከምኡእውን ኮንፈደረይሽን ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገዳማያትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ናይ መሪሕነት ጉባኤ እዮም።

ዋና ሓላፊት ደናግል ማሕበር ንግሥተ ሓዋርያት እናቴ መሪ ባሮን ብዛዕባ እዚ ተበግሶ እዚ ንረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃባኦ መግለጺ ‘በዚ ሕማም እዝን ብውሸባን ንዝኽተል ብሕትውናን ተነጽሎን ንምስናፍን ነንሕድሕድና ንክንደጋገፍን ትርጉም ሕውነትናን ንከነሐይልን ኣብዚ ዓለም ብዓለማ ትሳቀየሉ ዘላ ግዜ እንኮ መፍትሒ ጸሎት እዩ ኢልና ስለዝኣመና ኣንቀሳቂስናዮ። በዚ ከኣ ናይ ጸሎትን ቡራኬን መደብ ኰይኑ እዚ ኸኣ ንኩሎም ብለበዳ ኮቪድ 19 ኣብዚ ሕጂ ንዝሳቀዩ ዘለው እዩ’ ምስ በላ ሳዕቤን ናይዚ ለበዳ እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምናዳ ብራዚል መክሲኮ ኣመሪካ ህንዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ግብጺ ፐሩ ቺለ ብዙሕ ጉድኣት ኣውሪዱ ስለዘሎ  ከምቲ ዝሓለፈ 25 ግንቦት ኣብ ከተማ ሚንያፖሊስ ናይ ኣመሪካ ከተንፍስ ኣይክእልን እናበለ ብምጉዳል ፍትሒ ዝተሳቀየ ጆርጅ ፍልይድ ዝበላ ቃል ብምጥቃም ከኣ እዚ እውን ማለት ጉድለት ፍትሒ እውን ማዕረ ለበዳ ኮቪድ 19 ንብዙሓት የሳቂ ስለዘሎ ስለኦም እውን ንጸሊ ኢለን። በዚ ከኣ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ወይውን ድምጾን ንዝተዓፈነ  እውን ድምጺ ንኩሉ ዝብል መልእኽቲ ኣለዎ እንክብላ ቃለን ሂበን። 

ብድምጺ ንምክትታል!
23 July 2020, 12:16