ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምልዋጥ ንማሕበረሰብ ቁምስና ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምልዋጥ ንማሕበረሰብ ቁምስና 

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምልዋጥ ንማሕበረሰብ ቁምስና

ናይቲ ሰነድ ሕመረት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ እትብል ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ኣብ ርእሰ ውከሳ ዘይኮነ ኣብ ሓድሽ ቃል ብስራትን ዝተጸምደትን ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ሕዝበ እግዚኣብሔር እተዋስእን ክሳብ ኣጽናፍ ዓለም እተቃልሕን እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ እዩ

ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር፥ ሓዋርያው ግብረ ኖልዎ ንማሕበረሰብ ቁምስና ነገልግሎት ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምልዋጥ ዝብል ዘውጸኦ ሰነድ ኣብ ተመክሮ ሓደ ቆሞስን ሓደ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ዓለማዊ ምእመንን፥ “ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ እትርከ ቤት ናብ ኩሉ ናይ እግዚኣቤር ፍቕሪ እተብጽሕ” ዝብል ዝግለጽ ምዃኑ ይምስከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቲ ልሙዕ መሬት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ስዒቦም ዝተለገሱ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረት ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምልዋጥ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቤተ ክርስቲያን መዋቕራት ናብ ኣስፍሆተ ወንጌላውነት ምልዋጥን የተሓሳስብ፡ ብጭቡጥ ወንጌል ናብ ሕዝቢ ንሕብዚ ቀረባ ብምዃን ምብጻሕ ዝብልን እዚ ኸኣ እምነት ምብሳርን ምምስካርን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምስታፍን ክንበር ዝብል እዩ።

ናይቲ ሰነድ ሕመረት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ እትብል ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ኣብ ርእሰ ውከሳ ዘይኮነ ኣብ ሓድሽ ቃል ብስራትን ዝተጸምደትን ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ሕዝበ እግዚኣብሔር እተዋስእን ክሳብ ኣጽናፍ ዓለም እተቃልሕን እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ እዩ።

ኣባ ዳኒኤለ ዳ ፒራ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ስለ ዘውጸኦ ሰነድ ኣመስጊኖም፡ ኣስዒቦም እዞም ኣብ ሮማ ናይ ቤተ ቅዱስ ኣልበርቶ ማኞ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ፥ ኣብ ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል ሱታፌ መላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝብል እቲ ሰነድ ዘስመረሉ ሓሳብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብሎን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቶም ዘዘኻኽርዎን እዩ፡ ዓለማውያን ምእመናን ብዝተቐበልዎ ዝተፈላለዩ ህያባት ኣቢሎም ብስምረት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘገልግሉ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተዋሰእቲ እያቶም፡ እቲ ሰነድ ነዚ ብኣጽንዖት የዘኻኽር።

እቲ ሕይወት ዝልውጥ ቃል ብግብረ መሃዝነት ናብ ኩሉ ምብጻሕ

ኣባ ዳል ፒራ ከም ቆሞስ ኣብ ናይ ቁምስናዊ ጭቡጥ ኩነት ምልስ ቢሎም - ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ኣብ ስርዓት ቅዳሴን ሰናብትን ናይ ዕርቅን ንስሓን ምስጢርትን ናይ ኣባላት ቁምስና ሱታፌ ዝነኣድ እዩ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተቕዋማት ዝረአይ ዘሎ ትውሳኤ ዓለማውያን ምእመናን፡ ንቕዱሳት ምስጢራት ምእመናን ምስንዳው ቀጻሊ ክኸውን ኣለዎ፡ ቅድመ ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባንን ድህረ ቅዱስ ቁርባንን ቅድመ ሜሮንን ድህረ ሜሮንን ቅድሚ ዝኾነ እኹን እንቕበሎም ሓንሳብ ንሓዋሩ እንቕበሎ ምስጢራት ብዘይቛረጽ ዘእውን ሕንጸት ትምህርተ ክርስቶስ ክስነይ ወሳኒ እዩ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ምእመናን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ክሳተፉን ካብኡ ሓሊፉ እውን ብዝለዓለ መደብ ሕንጸት ስንድዋት ምግባር የድሊ፡ እቲ ሰነድ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ሕዝበ እግዚኣብሔር ክሳተፍ ዘተሓሳስብ እዩ፡ ኣብ ናይ ቁምስና ሕይወት ከከም ጸዋዕታኡ ሱታፌ ዝብል ሰነድ እዩ፡ ኣብ ናይ ሓንቲ ቁምስና ግዝኣት ኣብ ናይ ቁምስና ሕይወት ዝሳተፍ እቲ ካብ 5 ክሳብ 10 ሚእታዊ ዘሎ ሕዝቢ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ሱታፌ ነቶም ተስዓ ኣብቲ ናይታ ኣብ ከባቢኦም ናይ እትርከብ ቁምስና ሱታፌ መታን ክህልዎም ብመሃዛዊ ኣገባብ ኣባላት ቁምስና ኣብ ተልእኾ ወንጌል ክዋስኡ ግድን እዩ፡ ነቲ  ሕይወት ዝልውጥ ቃል ምብጻሕ ይሓትት፡ ስለዚህ እቲ ሰነድ ኣብ ወንጌል ምብሳር ናይ ኩሉ ሓላፍነት ምዃኑ ዘዘኻኽር እዩ ወንጌል ኣብ ኩሉን ናብ ኩሉን ብፍላይ ነቶም ዝተነጸሉን ናብ ወሰናስን ክፍለ ከተማታትን ህልውናን ዝርከቡ - ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዘተሓሳስብዎ።

ንገዓር ሕዝቢ ቀረባውነት

ኣብ ዝበዓሉ ቅዱሳት ምስጢራትን ኣብ ዓመት ሓንሳብ ኣባይቲ ምእመናን ምብራኽን ዝብል ከምዘለዎ ኮይኑ እቲ ኣገልግሎት ወንጌል ግና ኣብዚ ክሕጸር በዚ ክውሰንን የብሉን፡ ንናይ ሕዝቢ ገዓር ቀረባ ምዃን የድሊ፡ እዚ እቲ ሰነድ ዘተሓሳስቦ ምልዋጥ ዝጠልቦ እዩ፡ እዚ ቀረባውነት ምዃን እዩ፡ እዚ ምስጢረ ትስብእቲ እዩ፡ ክርስቶስ ቀረባና ክኸውን ሓደ ካባና ካብ ኮነ እቶም ወንጌል ዘበስሩ ሓደ ከምቶም ተበሰርቲ ክኾኑ ኣለዎም፥ እዚ ነቲ እተበስሮ ቃል ተኣማኒ ይገብር፡ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

ዓለማውያን ምእመናን እውን ልኡካነ ወንጌል እያቶም

እቲ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዘውጸኦ ሰነድ ንዓለማውያን ምእመናን እውን ብኣጽንዖት ጻውዒት ዘቕርብ እዩ፡ ኣብቲ ሰነድ “ነፍሲ ወከፍ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበለ ናይ ክርስቶስ ደቀ መዝሙርን ልኡካነ ወንጌል ክኸውንን ዝብል ጽዋዔ ንኸለልይ ዝተሓደሰ ጸዓት የድሊ” ዝብል ሓሳብ ንረክብ ብዛዕባ እቲ ሰነድን ንዓለማውያን ምእመናን ዘቕርቦ ጻውዒትን ኣማእኪሎም ፍሉይ ኣገልጋሊ ቅዱስ ቁርባንን ኣቦ ስድራን ኣብ ቀረባ እዋን እውን ኣቦሓጎ ንምዃን ዝበቕዑ ፒየትሮ ማርቺያኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ሰነድ ግብራውነቱ ከምዘደነቖምን ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣሰር ውሳኔ ብርሃነ ኣሕዛብ ናብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘመስርቕ እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስቱ ቀዳማይ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም “ነቲ ሓድሽ ቃል ብስራት ብቐጻልነት ንኹሎም ሕዝብታት ብፍላይ ኣብዚ ኣዚዩ ኣብ ዝተሓላለኸ ዓለም ምብሳር- Kerygma የድሊ” ከምዝብልዎ እዩ ቢሎም፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን እትቕበሎ ናይ እምነት ጉዕዞ ኣብ ቁምስናኻን ካብ ቁምስናኻን በቢ ዝተቐበልካዮ ጸዋዕታ ወንጌል ትእውጅ፡ ንመንእሰያት ከከም ዕድመኦምን ደረጃታቶም ቀረባ ብምዃን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝግለጽ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንኸለልዩ ምድጋፍ፡ እቲ ሰነድ ብሓቂ እዋናውን ኣዚዩ ኣገዳስን እዩ።

ስድራ ቤት እምነት ንምትሕልላፍ

ናዝራዊት ስድራ ቤት ጥንታዊ ናይ ስድራ ቤት ኣርኣያ ዘይኮነ እዋናዊ እውን እዩ፡ ዘይሓልፍ ኣብነት ስድራ ቤት፡ እግዚኣብሔር ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም እዚ ኸኣ ኣብ ዘቑምዋ ቤት እምነት መታን ክመሓላልፉ እዩ፡ ንደቃቶም፡ ብቓልን ሕይወትን! ናይ ስድራ ቤት ተምክሮ እምነት ማሕበረሰብ ክርስቲያን የቕውም፡ ከምቲ ቤተ ክርስቲያን እምነት እተመሓላልፎ ስድራ ቤት እምነት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ የመሓላልፍ፡ . . . ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣገልግሎት ኮይኑ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይግልጽ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቤትካ ምስ እትነብሮ እዩ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ቦታ ብምሃብ በቲ ንሱ ዝጽግወካ ህያባቱ ኣቢልካ ተገልግል፡ እቲ ሰነድ ብመሃዝነት ዝብሎ መንፈስ ቅዱስ ዝዓደለካ ህያብ ምጥቃም ማለት እዩ እዚ ኸኣ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋግሚሞ ሃሓዛዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣንክብሉ ዝገልጽዎ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምልዋጥ ንማሕበረሰብ ቁምስና
23 July 2020, 01:28