መንፈሳዊ ንግደት ናብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሉርድ፥ “ትእምርቲ ተስፋ” መንፈሳዊ ንግደት ናብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሉርድ፥ “ትእምርቲ ተስፋ” 

መንፈሳዊ ንግደት ናብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሉርድ፥ “ትእምርቲ ተስፋ”

ኣብ ሉርድ ሕቡራት ብዝብል መንፈሳዊ መርሖ ተሰንዩ ኣብ ዝቐረበ ናይ 15 ሰዓት መንፈሳዊ መደባት፡ ካብ ሰዓት 7 ንጎሆ ክሳብ ሰዓት 10 ምሸት ብዘይ ምቁራጽ ከምእተመሓላለፈን እቲ ናይ ጸሎትን መንፍሳዊ ስነ ስርዓትን ብካህናትን ዓለማውያን ምእመናን ወለንተይናታት ኣገልገልቲ ናይቲ ቤተ መቕደስን ዝመርሕዎ ከምዝነበረን

ዕለት 16 ሓምለ ቅድስቲ ማሪያም ንመወዳእታ ጊዜ ንበርናደት ዝተገለጸትሉ ዓመታዊ ዝክረ በዓል ሉርድስ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ከምቲ ልሙድ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ተኸቢሩ። ኣብዚ በዓል ብኣካል እውን ንምስትፍ ህልው ኩነታት ዘይፈቕዶ ብምዃኑ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ምእመናን ብመራኽቢ ብዙሓንን ብመረብታዊ ውሕዘትን ብማሕበራውያን መረትብት ኣብቲ ብዘይ ምቁራጽ ን15 ሰዓት ብዝተፈላለየ ሰዓት ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴን መንፍሳዊ ዑደትን ጸሎት መቑጸሪያን ብዝተፈላለየ ቋንቋ ኣብ ዝዓረጉ ማርያማውያን ጸሎታት ኣብ ዘጠቓለለ መንፍሳዊ ስርዓት ብምናባዊ ኣገባብ ዝተራእየ ሱታፌ ናይቲ ማርያማዊ ቤተ መቕደስ ኣመሓዳሪ የኔታ - ኣባ ኦሊቪየር ሪባደው ዱማስ “ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናይ ተስፋን ሱታፌን ምልክታ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፈደሪኮ ፒያና ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 16 ሓምለ መበል 18 ናይ መወዳእታ ግልጸተ ማርያም ንበርናደት ኣብ ሉርድ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ከምእተበዓለን ኣብዚ ዝክረ በዓል’ዚ ኣብ መላእ ኩርናዕ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ብዝተፈያ ናይ ተለቪዥን ማዕከናትን ብማሕበራዊ መረብትን ብመረብታዊ ውሕዘትን ብቐጥታ ብምክትታል ከምእተሳተፉን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ዓለም ታሪኽ መንፍሳዊ ንግደት በምናባዊ ኣገባብ ክፍጸም እቲ ዕለት 16 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ኣብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሉርድ ዝተፈጸመ ከምዝኾነን ኣብ ሉርድ ሕቡራት ብዝብል መንፈሳዊ መርሖ ተሰንዩ ኣብ ዝቐረበ ናይ 15 ሰዓት መንፈሳዊ መደባት፡ ካብ ሰዓት 7 ንጎሆ ክሳብ ሰዓት 10 ምሸት ብዘይ ምቁራጽ ከምእተመሓላለፈን እቲ ናይ ጸሎትን መንፍሳዊ ስነ ስርዓትን ብካህናትን ዓለማውያን ምእመናን ወለንተይናታት ኣገልገልቲ ናይቲ ቤተ መቕደስን ዝመርሕዎ ከምዝነበረን ድሕሪ ቐትሪ ካብ ሰዓት ኣርባዕተ ክሳብ ሰዓት ሾሞንተ ምሸት ኣብቲ ማርያም ዝተገልጸትሉ በዓቲ ግልጸት ብዝብል መጸውዕ ኣብ ዝፍለጥ ስፍራ መንፈሳዊ መዛሙርን ኣብ ሕውነትን ምትሕብባርን ዘማእከለ ቃል ምስክርነት ከምዝቐረበ ፒያና ሓቢሮም።

ናይ ተስፋ ምልክታ

ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሉርድ በቢ ዓመቱ ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ዝግመቱ መንፈሳውያን ነጋዶ ዘእንግድን ንመንፈሳውያን ነጋዶ ዝተፈላለዩ ሓበሬታን ኣገልግሎትን ከምዘቕርብን ልዕሊ 100 ሺሕ ወለንተይናታት ከምዝዋፈሩን እቲ ናይ ለምዘበን መዓልት ዝኽሪ ናይ መወዳእታ ግልጸት ማርያም ኣብ ሉርድ በቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ከምዚ ዓይነት ብዝሒ ዘለዎ መንፈሳውያን ነጋዶ ምእንግድ ሓደገይና ብምዃኑ እቲ ቤተ መቕደስ ዋላ’ኳ ድሕሪ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ብኽፋል ኩፉት እውን እንተኾነ ውሑዳት መንፈሳውያን ነጋዶ ጥራሕ ዘእንግድ ብምዃኑ ነዚ ግምት ብምሃብ እቲ ናይ መወዳእታ ግልጸተ ማርያም ዘሉርድ ዝክረ በዓል ካብቲ ዝተሓሰቦ ንላዕሊ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ምእመናን ብዝተፈላለያ ማዕከናት መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራውያን መረብትን መረብታውያን ውሕዘት ተሰንዮም ብምጥቓም ብመንፈስ ኣብ ዝተፈላለየ ሰዓት ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴን ማርያማውያን ጸሎታትን ጸሎት መቑጸርያን መደብ መንፈሳዊ መዛሙርን መደብ ቃል ምስክርነት ከምእተሳተፉን እዚ ሱታፌ እዚ ናይ ተስፋ ምልክት ምዃኑ የኔታ - ኣባ ኦሊቬር ሪባደዉ ዱማስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ናይ ጸሎት ሱታፌን ማሕበራዊ ጥምረትን ዝተመስከረሉን ንዘይኣምኑ እውን መገዲ ድሕነት እዩ ዝበሉ ኣባ ፍሪባደው ዱማስ፥ እቲ ዝተኸስተ ለብዕን ምፍንታትን ተወሸበን ጸሎት ኣይዓግትን፥ ጸሎት ዝዓግቶ ክስተት ኮነ ኩነት የለን እቲ ቤተ መቕደስ ካብ ዕለት 17 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝተዓጸወ እውን እንተኾነ ካህናት በቢ ተራ ኣብቲ ቤተ መቕደስን ኣብ ናይ ግልጸት በዓትን ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ድዩ ዝቐርብ ማርያማዊ ጸሎትን ጸሎት መቑጸርያ ብዝተፈላለያ ማዕከናት መራኸቢ ብዙሓን ይመሓላለፍ ብምንባሩ ኣብቲ ማርያማዊ ቤተ መቕደስ ኩሉ ብመንፈስ ዝሓበረሉን ዓሚይቕ መንፈሳዊ ሱታፌ ዝተመስከረሉን እውን እዩ ኢሎም።

መንፈሳዊ ንግደት ናብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሉርድ፥ “ትእምርቲ ተስፋ”
17 July 2020, 15:49