ኮቪድ - 19 ኣብ ህንዲ፥ ኣገልግሎት ሳሊዛውያን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሕሱ ክኸውን ኮቪድ - 19 ኣብ ህንዲ፥ ኣገልግሎት ሳሊዛውያን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሕሱ ክኸውን  

ኮቪድ - 19 ኣብ ህንዲ፥ ኣገልግሎት ሳሊዛውያን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሕሱ ክኸውን

ቤት ክርስቲያን ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት መነባብሮን ብዝኾነ ይኹን ዓይነት ሕማም ይለኸፍ ኣዚያ ቀረባ ብምዃን ሰብኣውን ንዋታውን ድጋፍ ተቕርብ

ኣባ ቪጃያ ብሃስካር ረድይ ታኢቲረድይ ናይታ ናብ ኣትብልን ናብ ወሰናስን ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ናይ እተብል ቤተ ክርስቲያን ድምጺ ካብ ዝኾኑ ሓደ እዮም፡ ኣብ ህንዲ ዘገልግሉ ዘለዉን ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ብስፊሕ ኣብ ዘጥቅዓሉ ዘሎ እዋን በቢ ዕለቱ ኣርብዓ ሺሕ ክልከፍን ብምዕልቕላቕ ማይ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊዮን ኣብ ዝተመዛበልሉ እዋን እቲ ሓይልን ብርታዔን ተጻዋርነትን ካብ እምነት ከምዝኾነ ተስተውዕል፡ ድኻታትን ዝተናዕቑን ዝተሓረጉን ብፍላይ ከኣ መንእሰያትን ስደተይናታትን ውሸባን ምፍንታትን ኣብ ዝተደንገገሉ እዋን ብዙሓት ካብቲ ዝርከብሉ ቦታ ናብ ኣባይቶም ንኽምለሱ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብምቑራጹ በሸሓት ዝቑጸር ኪሎ ሜትር ብእግሮም ንዝተጓዕዙን ቀረባ ብምዃን ልኡካነ ወንጌል ይተሓባበሩ ከምዘለዉን፥ እቲ ነሕዋት እተቕርቦ ሓገዝ ሓገዝ ኮይኑ ናባኻ ይምለስ፡ ኣብ ምሕጋዝ ኢና እንድገፍ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ህንዲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ልዕሊ ኣርባዓ ሺሕ ዜጋታት ብኮቪድ - 19 ከምዝልከፉን ልዕሊ 27 ሺሕ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ህንዲ ድሕሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብራዚልን ስዒባ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣዚያ እትጥቃዕ ዘላ ሃገር እያ፡ ብሱቕታን ኣብ በይናውነትን ናይ ዝንበር ስቓይ መግለጺ፡ ቤት ክርስቲያን ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት መነባብሮን ብዝኾነ ይኹን ዓይነት ሕማም ይለኸፍ ኣዚያ ቀረባ ብምዃን ሰብኣውን ንዋታውን ድጋፍ ተቕርብ፡ ብዙሓት ናይ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ብርሕቐት ዘይኮነ ምስ ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር ኣብቲ ቦታ ብምርኻብ ከገልግላ እውን ይረአይ ዝበሉ ኣባል ማሕበር ሳሊዛውያን ኣብ ህንዲ ናይ ገዳማውያንን ላኡካነ ወንጌል ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ማሕበር ኣቦ መንበር ኣባ ቪጃያ ብሃስካር ረድይ ታቲረድይ ኣስዒቦም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ህንዲ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ብካሪታስ ምስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፍር ህንድን ምስ ካልኦት ዘይመንግስታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ምስ መንግስቲ ህንድን ብምትሕብባር ኮቪድ - 19 ካብ ዝተራእየሉ እዋን ብዙሓት መንእሰያት ዝርከብዎም ንልዕሊ 2.7 ሚሊዮን ድኻታት ዘድሊ ሓገዝ ከምዘቕረበትን ሓቢሮም ከምቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝተራእየ እውን ካህናትን ደናግልን ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ንዝሓመሙን ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞምን ቀረባ ብምዃን የገልግሉ ከምዘለዉን ብዙሓት እውን ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ብኾረና ተህዋስ ዝተለኸፉን ዝዓረፉን ኣለዉ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኮቪድ - 19 ኣብ ህንዲ፥ ኣገልግሎት ሳሊዛውያን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሕሱ ክኸውን
23 July 2020, 01:36