ከምታ ፍሬአ ኣብ ግዜኡ እትህብ ኣብ ደንደስ ሩባ ዝተተኸለት ኦም (መዝ 1) ከምታ ፍሬአ ኣብ ግዜኡ እትህብ ኣብ ደንደስ ሩባ ዝተተኸለት ኦም (መዝ 1) 

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እናዓበየ ዝኸይድ ዘርኢ!

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ካብ ዘመሓላለፎም ሰነዳትን ምሕጽንታታትን ሓሓደ እናጠቀስና ካብ ሥርዓተ ኣምልኾ ምሕዳስ ክሳብ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ከከም ኣድላይነቱ ሓሓሊፍና ነመሓላልፈልኩም ከምዘሎና ዝዝከር ኰይኑ ነዚ ጉባኤ እዚ ከም ዓቢ ጸጋን ትንቢትን ቤተክርስትያን ኰይኑ ሓዲስ ጴንጠቆስጠ ከምዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውስ ይኹኑ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣመልከቱ። ብሓቂ ከኣ ንእሽቶ ዘርኢ ኰይኑ ዝቀረበ እሞ ከኣ እናዓበየን እናፈረየን ምኻዱ ፍረ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ርግጽ እዩ።

ዜና ቫቲካን!

 ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ከምዝገለጽናዮ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ብሃንደበት ዝኣወጅዎ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነዊሕ ግዜ ወሲዱስ ዝመጽእ 8 ታሕሳስ መበል ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ምእዋጁን ንዝክር። እዚ ምንቅስቃስ እዚ ኣብ ብዙሕ መሳርዕ ቤተክርስትያን ተሓድሶ ብምእዋጁ ኣብ ብዙሓት ብዙሕ ክትዕን ኣስተምህሮን ዘተን ከምዝግበር ገሩ። ነቲ ዘምጽኦ ሓዲስ ጒዕዞን ትርጉሙን ብዙሓት ሓዲስ ጴንጠቆስጠ ክብሉ ሰሚዮሞ።

ሓዲስ ጴንጠቆስጠ!

ነዛ ቃል እዚ ድሕሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ደጋጊሞም ብሓይለ ቃል ዝተጠቅምዋ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 እንክኾኑ ንሶም ንባዕሎም እውን ኣብቲ ጉባኤ ዝወዓሉን ከም ሊቅ ቤተክርስስትያን እውን ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ናይ ካርዲናል ፍሪንግስ ኣማኻሪ ኰይኖም ዝጀመሩ ቀስ ብቀስ ምስ ዓበይቲ ሊቃውንቲ ሓቢሮም ንተሓድሶ ዝነበሮ ተስፋ ባዕሎም ኣብ ዝሓለፈ 14 ለካቲት 2013 ዓም ንካህናት ሮማ እንክገልጹ `ኩሉ ክሕደት ምሉእ ተስፋ ነበረና። ብሓቂ ሓዲስ ጰንጠቆስጠ ሓዲስ ዘመን ቤተክርስትያን ክጅምር ብዓቢ ሃንቀውታ ንጽበን ንትፎን ነበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ ቤተክርስትያን ተዓኒዳ ደው ዝበለት ዝደስከለት ኰይኑ ይስምዓና ነበረ። ነዚ ኣብ ሕሉፍ ገዲፍና ንመጻኢ እትኸውን ገስጋሲት ቤተክርስትያን ንምፍጣር ኣብቲ ግዜ እቲ እዚ ጉባኤ እዚ ንኩሉ ከሕድስ ክልውጥ እሞ ቤተክርስትያን ናይ ጽባሕን ናይ ሎምን ሓይሊ ክትከውን ንጽበ ነበርና' ኢሎም ነሮም። ከምኡ እውን ኣኣብ ናይ ዕለት 10 ጥቅምቲ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ ድሮ ኢዮቤል ክልተ ሺሕ ንዝበለዎ ከምዚ ክብሉ ጠቂሶም ነበሩ 'ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተክርስትያን ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ብዙሕ እትኸስበሉ ናይ ጸጋ ግዜ ብምዃኑ ነዚ እንጅምሮ ዘሎና ሓዲስ ዘመን እዚ ጉባኤ እዚ ንጹር ቡሶላ ብምዃን ናበይ ገጻ ከም እትጓዕዝን ነዚ ዝኽፈት ዝጅመር ዘመን ብከመይ ከምእትኸዶን መንግዲ ዚሕብር እዩ` ኢሎም ነበሩ። በዚ ከኣ መንቀሳቀሲ ሓቀኛ ሞቶር ካልኣይ ጉባኤ መንፈስ ቅዱስ ከምዝነበረ ሓዲስ ጰንጠቆስጠ ኰይኑ ሓዳስ ቤተክርስትያን ንምፍጣር ዘይኮነ ነቲ ኣብ ቤተክርስትያን ዝነበረ ሕዳሴ ርኢኻ ንምኽኣል እዩ ኢሎም ነሮም።

ታሪኽ ጠቅለልቲ ጉባኤታ ቤተክርስትያን!

ጉባኤ ምናዳ ኢኩመኒካዊ ጉባኤ ክበሃል እንከሎ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንእምነትን ሥርዓትን ብዝምልከት ኣበው ቤተክርስትያን ብመሪሕነት ር.ሊ.ጳ ምስ ር.ሊ.ጳ ብሓባር ማለት ኣብ ትሕቲ ጴጥሮስን ምስ ጴጥሮስን ኰይኖም መርሚሮም ጸልዮም ሱባኤ ኣትዮም ውሳኔ ዝወስዱሉን መምርሒ ዘውጽኡሉን ምዃኑ ርኢና። ኣድላይነት ከምዚ ዓይነት ጉባኤ ካብ መጀመርያ ካብ ዘመና ሓዋርያት ጀሚሩ እዩ ነሩ።

ድሕሪ ጰንጠቆስጠ ቤተክርስትያን ክትሰፍሕ ምስ ጀመረት ጐይታ ከኣ ባዕሉ ክመርሖምን ኣመንትን ሰበኽትን ኵውስኸሎም ምስ ጀመረ እቲ ኣብ ኣይሁድ ጥራይ ተሓጺሩ ዝነበረ ስብከተ ወንጌል ኣብ በዓል ኣንጾክያ ኣብ ሶርያ ናብቶም ኣረማውያን እውን ክሰፍሕ ምስ ጀመረ ንሕጊ ሙሴን ልማድ ኣይሁድን ብዝርኢ ኣብ መንጎ እቶም ካብ ኣረመንነት ዝመጹን ካብ ዕብራዊ እምነት ንክርትስቶ ዝተቀበሉን ጸገም ተላዕለ። እቶም ኣይሁድ ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስን ካልኦት ሓዋርያትን ክርስቶስ እቲ ነቢያት ዝተዛረበሉ እስራኤላውያን እውን ዝጽበይዎ ከምዝኾነ እንተኾነ ንሶም ሰቀልዎ ካብ ሞት ከኣ ተንሠኤ ብኣኡ ዝኣመነን ዝጠምቀን ከምዝድሕን ምስ ሰበኹ ብዙሓት ሰዓብዎም እንተኾነ እቲ ልማዳት ኦሪት መነባበሪኦም ስለዝነበረ ካብ ግዝረት ጀሚርካ ክሳብ ኣመጋግባ ጽጹይ ሕጊ ስለዝነበሮም ካብኡ ምውጻእ ወይውን ካብኡ ወጻኢ ምስ ዝኾኑ ሰባት ምትሕውዋስ ከም ምርካስ ይቈጽርዎ ስለዝነበሩ ብርቱዕ ክርክር ተላዕለ። እዚ ከባቢ 50 ዓመት ምሕረት ነበረ። ነዚ ብሰፊሑ ኣብ ግሐ 15 ንረኽቦ። እቲ ጉዳይ ብርቱዕ ክርክር ምስ ኣልዓለ ሓዋርያት እውን ንባዕሎም ነግ ፈረግ ክብሉ ምስ ጀመሩ ካብታ ንመጀመርያ ግዜ ኣረማውያን ማሕበረ ክርስትያን ዝኾኑላን ክርክር ዝተላዕለላን ኣንጾክያ ብሓዋርያ ጳውሎስን ብጻዩ ቅዱስ በርናባስን ዝተሰነየ ጉጅለ ልኡኻት ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ሓዋርያት ከዱ። ኣብኡ እውን ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ያዕቆብን ሓዊ ጐይታናን ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ካልኦት ተጋቢኦም ተጸብይዎም። ነቲ ጉዳይ ኣጽኒዖም መርሚሮም ከኣ ካብ ንጣዖት ዝተሰውዔ መግብን ካብ ዝሙትን ይተሓለው እምበር ግዝረትን ዘይግዝረትን ከምተሳዕረ ከምኡ እውን ኩሉ መግቢ ፍቁድ ከምዝኾነ ደምደሙ።

ብዙሓት ነዚ ቀዳማይ ጉባኤ ቤተክርስትያን ኢሎም ጉባኤ ኢየሩሳሌም ብዝብል ስም ኣብ ቊጽሪ ከእትውዎ ካልኦት ከኣ ነቲ ድሕሪ ክንደይ ስደትን መከራን ድሕሪ ብዙሕ ጸገም ኣብ 325 ዓም ኣብ ኒቅያ ንዝተኻየደ ከም ቀዳማይ ብምቊጻር ክሳብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን 21 ጠቅለልቲ ጉባኤታት ከምዝተኻየዱ የዘንትው። ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ናይ ኢየሩሳሌም ጉባኤ በብወገኑ ዝወሃብ መምርሒታት ካብ መልእኽታት ሓዋርያት ጀሚርካ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽታት እውን ከም መምርሒ እናተጠቀምካ ካብ ስደት ናብ ስደት ትጐዓዝ ዝነበረት ቤተክርስትያን ንመጀመርያ ግዜ ስደት ትወዲኡ ኣስተሪሓ ጠቅላሊ ጉባኤ ክትገብረሉ ዝኸኣለት ኣብ 325 ዓም ነበረ። እዚ ብቀዳማይ ጉባኤ ኒቅያ ዝፍለጥ ኰይኑ ኣብቲ ዓመት እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦትን ሰነን ከምዝተኻየደን ዝመርሕዎ ር.ሊ.ጳ ከኣ ሲልቨስተር ቀዳማይ ኰይኖም ቀንዲ ጸገም መናፍቅነት ኣርዮስ ነበረ።

ብድምጺ ንምክትታል!
ብድምጺ ንምክትታል!
02 July 2020, 13:18